“ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ብግቡእ እንተተጠቂምናሉ እንዱስትሪ ቱሪዝም ንምዕባይ ዓብይ ግደ ኣለዎ” -ኣይተ ሃይላይ በየነ

ኣይተ ሃይላይ በየነ ናይ ሎሚ ጋሻ እዚ ዓምዲ ኮይኖም፤ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ‘ዮም። ኣይተ ሃይላይ ቕድሚ ሓዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብሞያ ቱሪዝም ኣብ ምምሕዳርን ልምዓትን ቱሪዝም ይሰርሑ ዝነበሩን ከምኡ ‘ውን ንልዕሊ ከባቢ 8 ዓመት ኣብዚ ሞያ ኣብ ምግልጋል ዝርከቡን በዚ ሞያ ድማ እናቀፀሉ ይርከቡ፤ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዓመት 2016 ከምኡ ‘ውን ትልሚ 2017 ባጀት ዓመት እንታይ ከምዝመስል ኢሉ ‘ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ምንቕስቃስ ቱሪዝምን እንታይ ከምዝመስል ኣመልኪትና ምስቶም ምክትል ሓላፊ ዝገበርናዮ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ቓለ ምልልስ ከምዚ ዘስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፤ ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ:- ኣብ በጀት ዓመት 2016 ኣፈፃፅማ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ትግራይ እንታይ ጠንካራ ጎንን ማሕለኻታትን ተራእዩ? ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኸቡ ልምድታት ብምውሳድከ እንታይ ንምስራሕ ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ሃይላይ:– ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዓ.ም ከም ትግራይ ክርአ ከሎ፤ ድሕሪ እቲ ከቢድ ኵናት ከም ማሕበረሰብ ከቢድ ናይ ስነ ልቦና ፀገማት ዝነበሮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ዝነበርናሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ከም ቢሮ ድማ ጉድኣት ዝበፅሐሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ስለዚ ከም ቢሮ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ትልሚ ክትልም ከሎ፤ መጀመርያ ኣብቲ ማሕበረሰብ ባህሊን ሓድግን ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ቱሪዝም ሕውየትን ምንቕቓሕን ትኹረት ዝገበረ ‘ዩ ነይሩ።

ብፍሉይ ድማ ጉድኣት ዝበፅሖም ሓድግታት ፅገና ዳህሳስን መፅናዕትን ምክያድ፤ ከምኡ ‘ውን እቲ ሕብረተስብ ኣካል እቲ ሕውየት ክኸውን ብምግባር ኩለ መዳይ ሕውየት ከመፅእ ስለዘለዎ ብሰፊሑ ኣብቲ ባህሊ፣ ኣብ ኣጠቃቕማ ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣግለግሎት ቱሪዝም ዝበሃሉ ወይ ኣብዚ ዝሰርሑ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ስለዝፀንሑ ክነቃቕሑን መሊሶም ናብ ስራሕ ንክኣትውን ብሓፈሻ ምስ ብዙሕ ፀገማቱን ክፍተታቱን ደሓን ዝብሃል ናይ ዳግመ ምጅማር ቱሪዝም ስራሕቲ እናተሰርሑ መፂኦም ‘ዮም።

ብፍላይ እቶም ባህላዊ ሃይማኖታውን ታሪኻውን በዓላትና ኣካል ማእኸል ሕውየት ሕብረተሰብ ኮይኖም እናገልገሉን ብድምቀት ‘ውን እናተኸበሩን ዝቕፅሉሉ ዘለዉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ በዓላት እንትብዓሉ ሰብ እንትእከብ ሰፊሕ ናይ ሚድያ ሽፋን ተዋሂብዎ ክጋዋሕ ከሎ፤ እቲ ሕብረተሰብ ተስፋ ይገብር፣ ማሕበረ ቁጠባዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ምትእስሳር ዝፍጠርን ኮይኑ፤ እዚ ድማ ፅቡቅ ፍረ፣ ፅቡቅ ተስፋ ዘርአየናን እቲ ቢሮ ‘ውን ፅቡቅ ንቅድሚት ዘኸደሉ ነይሩ ክንብል ንኽእል።

እዚ ክብሃል ከሎ ግና ኩሉ ነገር ምችውን ቀሊልን ነይሩ ማለት ኣይኮኑን። ብዙሓት ናይ ዓቕሚ ክፍተታት ነይሮምና ‘ዮም። ብመሰረቱ ድሕሪ ኵናት ኩሉ ነገር መሊኡ ኣይመልአልካን። ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ኣብ ቢሮ ብዙሕ ፀገም ኣሎ። ምኽንያቱ ነቲ ቢሮ ዝወሃብ ትኹረት ኣዝዩ ድኹም ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ንቃለስ ኢና ዘለና። ዝተወሰነ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ከዓ እናመፅአ ‘ዩ። ይኹን እምበር ገና ተወሳኺ ስራሕ ዘድልዮ ‘ዩ።

ካሊእ ፈተናታት ካብ ዝኾኑ ፀገም ኣወዳድባ መዋቕር እቲ ሴክተር ‘ዩ። ድሕሪ ኵናት ምስ ምህላይና ብሓፈሻ ከም ኣብ ኩሉ ዓዲ ኣብ ድሕረ ኵናት ዘጋጥም ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ፀገማት ንስራሕትና እናዐንቀፉና ፀኒሖም ‘ዮም። ሰለዚ ናይ 2016 ዓመት በጀት ዝነበሩና ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ብዙሕ ዕድላት ፈጢሮም ‘ዮም።

ካብኡ ብተዋሳኺ ዝነበሩ ክፍተታት ብምርኣይ ዝነበሩና ጠንካራ ጎንታት ብምቕፃል ተመሳሳሊ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ሐዚ ‘ውን ካብቲ ናይ ድሕረ ኵናት መንፈስ ዘሎ ፀቕጢ ስነ ልቦና ከም ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ስለዘይተላቐቕና ንሱ መሰረት ዝገበሩ ን2017 ትልምታት ተሊምና፤ ዝነበሩ ክፍተታት ብዝእርም እቶም ዝነበሩ ጠንካራ ጎንታት ድማ ብዘቕፅል መንገዲ ተዳሊና ናብ ስራሕ እናኣተና ንርከብ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ እዋን ዝተፈላለዩ በፃሕቲ ዓዲ ዝተፈላለዩ መስሕባት ቱሪዝም ንምብፃሕ ዝመፅኡሉ ምስ ምዃኑ ዘሎ ምንቅስቃስ ባህልን ቱሪዝምን እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሃይላይ:- ከምቲ ዝገለፅካዮ ሐዚ ዝተፈላለዩ ቱሪስታት ውሽጢ ዓድን ናይ ደገን ብበዝሒ ናብ ኢትዮጵያን ከምኡ ‘ውን ናብ ትግራይ ብበዝሒ ዝመፅኡሉን ኩነታት ኣሎ፤ ምኽንያቱ ክሳብ የካቲት ዝሑል ኩነታት ኣየር ዘለዎ ስለዝኾነ፤ ብፍላይ ብኣንፃር ቅደሚ ኵናት ናብ ክልል ትግራይ ዘመፅኡ ዝነበሩ ቱሪስታት ሐዚ ዝመፅኡ ዘለዉ ቱሪስታት ብዙሓት ‘ዮም ዝበሃል ኣይኮነን። ብሓፈሻ ብብርኪ ሃገር ግና ካብ ካሊእ እዋን ንላዕሊ ኣብዚ እዋን ብበዝሒ ዝመፅኡሉ ‘ዩ ዘሎ።

ኣብ ትግራይ ግና ድሕሪ እቲ ኵናት ብበዝሒ ዝመፅኡሉ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጎብነይቲ ከምዝኾኑ ‘ዩ ዘርእየና። ስለዚ እቲ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ካብ ዝሓለፈ ሓምለ በጀት ዓመት 2017 ጀሚሩ ብፍላይ ኣብቶም ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪስታት ብጣዕሚ ዓብይ ዝንቀሳቐስ ቁፅሪ ‘ዩ ዝረአ ዘሎ። ዝመፅእ ቁፅሪ ቱሪስት ወፃኢ ግና ደሓን እነተኾነ ‘ውን ብዙሕ ዘተባበዕ ኣይኮነን።

እንዱስትሪ ቱሪዝም ብባህሪኡ ምስ ሰላምን ፀጥታን ዝተሓሓዝ ስለዝኾነ ብምኽንያት በቲ ዝነበረ ኵናት ዝተባለሸወ ምስሊ እቲ ከባቢ፣ ምንቅስቓስ ቱሪስት ወፃኢ ዓዲ ብዙሕ ኣይኮነን። ካብኡ ከዓ ኣብዛሓ ፍሰት ቱሪዝም ዝበዝሕ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ጥሪ ኣብ ዘሎ ‘ዩ። እቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪስት ግና እቶም ዝሓለፉ በዓላት ኣሸንዳን መስቀልን ዝበሉ ሰፊሕ ምንቅስቃስ ‘ዩ ነይሩ።

ብፍላይ በዓል ኣሸንዳ በቢ ከባቢኡ ኣብ መላእ ትግራይ ዝነበረ ብሙዃኑ ምስዚ ተተሓሒዙ ሰፊሕ ፍሰት ቱሪዝም ‘ዩ ተራእዩ። ኣብ በዓል መሰቀል ‘ውን ብተመሳሳሊ፤ ኣብ ከባቢ ዓዲግራትን ካለኦትን ካባቢታት ብዙሕ ቱሪሰታት ውሽጢ ዓዲን ዲያስፖራን ነይሩ ‘ዩ። ኣብዚ ወርሒ ‘ውን ንግሲ በዓል ነገስታት ኣኩሱም ኣብርሃ ወ ኣፅብሃን ካለኦት በዓላትን ሰፊሕ ዘኾነ ቁፅሪ እናተንቀሳቀሰ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ። ሐዚ ‘ውን ንግሲ በዓል ኣቡነ ኣርጋዊ ደብረዳሞ ዝኣምሰሉ ኣለውና።

ስለዚ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ዘተባብዕን ተስፋ ዝህብን ነገር ‘ዩ ዘሎ። ከም ክልል ‘ውን ዋና ኣንፈትና ኣብዚ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ኢና ትኹረት ገይርና ንንቀሳቐስ ዘለና። ምኽንያቱ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ረብሕኡ ‘ውን ብጣዕሚ ብዙሕ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ዝተፈላለዩ ዝኽበሩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ዘለዎም ረብሓታት እንታይ ይመስል? ብፍላይ ምስ ምንቅስቓስ ቱሪዝምን ቁጠባዊ ረብሓታቱን ካልኦትን ተተሓሒዙ?

ኣይተ ሃይላይ:- ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ታሪኻዊን በዓላት ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ በዓላት ከኽበሩ ከለው፤ እዚኦም ብፍላይ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምትብባዕ ኣዝዩ ሰፊሕን ክትካእ ዘይኽእል ግደ ‘ዮም ዝፃወቱ። ንኣብነት ናይ ሎሚ በዓል ኣሸንዳ እንተወሲድና በቢከባቢኡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁፀር ህዝቢ ክንቀሳቐስ ዝገበረ ‘ዩ።

እዞም በዓላት ከም ሃገር ከም ሕብረተሰብን ከም ውልቀን ዝተፈላለየ ረብሓ ኣለዎም ‘ዩ። ካብቶም ረብሓታት ድማ ቁጠባዊ ረብሓ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብቶም በዓላት ብሚልየናት ቢልየናት ዝቁፀር ገንዘብ ኣብቲ ኢኮኖሚ ዝንቀሳቀስ ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋናት በዓል ዘይነቃቃሕ ህዘቢ ዘይሰርሕ ነጋዳይ የለን። ስለዚ ቁጠባዊ ረብሕኡ ብጣዕሚ ዓብዪ ‘ዩ።

ካልኣይ ስነ ልቦናዊ ረብሓ ‘ዩ። ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ኣብ ድሕረ ኢኮኖሚ ምህላውና ካብ ማሕበራዊ ቀውስን ፀቕጢ ስነ ልቦናን ገና ዘይወፃእና ስለ ዘለና እዚ ኣብ ምሕዋይ ኣብ ምፍዋስ ዓብይ ግደ ኣለዎ ‘ዩ። ምኽንያቱ ሰብ ንሰብ መድሓኒቱ ይብሃል ‘ዩ። ብምኽንያት እቶም በዓላት ሰብ ብሓደ ተኣኪቡ እንትፃወት እንትሕጎስ እንተሪኢኻዮ እቲ ኣብ ስብራት ዘሎ ሰብ ነኒባዕሉ ፈውሲ ይረክብ፤ ካብቲ ዝነበረሉ ሕማም ‘ውን ዝፍወሰሉን ተስፋ ንክገብር ፅቡቕ ዝኾነ ፅልዋ ኣለዎም ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ዓብይ ኣብ ናይ ዲፕሎማሲን ናይ ፖለቲካ ፅልዋ ‘ውን ኣለዎ። ሰላም ኣብ ምዕዛዝ ‘ውን ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ። ናይ ምርድዳእ፣ ናይ ሰላምን ናይ ሓድነትን በዓላት ምዃኖም፤ ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለኻ ተፈላለ ኣብዞም በዓለት ግና ኣይትፈላለይን። ኣብ ትግራይ ድማ ዓብዪ ናይ ሕውየት መሳርሒ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ልዑል ግደ ‘ዮም ዝፃወቱ።

ካሊእ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብዝምለከት ምስ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ይኹን ካብ ካሊእ ዝመፅእ ማሕበረሰብ፣ ማሕበራዊ ኣብ ምትእስሳር ዓብይ ግደ ‘ዮም ዝፃወቱ። ቱሪዝም ብባህሪኡ ከምኡ ‘ዩ። ኣውንታውን ኣሉታውን ‘ውን ውፅኢት ኣለዎ ‘ዩ።

ካብቶም ኣውንታዊ ፅዕንትኦም ድማ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ዝፈጥርዎ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ኣብ መላእ ትግራይ ውድድር ብዝመስል መልክዕ በዓላት እንተኽብሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እንትግበር ሚደያታት እንትፅውዑ ኢኻ ትርኢ እሞ እዚ ድማ ፅቡቕ ነገር ‘ዩ። ስለዚ እዚ ብግቡእ እንተተጠቂምናሉ እንዱስትሪ ቱሪዝም ንምዕባይ ‘ውን ዓብይ ግደ ክህለዎ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ምስዚ ተተሓሒዙ ብሰንኪ ኵናትን ኮሮናን ዝተዳኸመ ዓውዲ ቱሪዝም ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ እንታይ ይመስል? እንታይ ይስራሕ ኣሎ? ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ሃይላይ:- እንዱስትሪ ቱሪዝም ብባህሪኡ ብሓደ ኣካል ጥራሕ ዝስራሕ ኣይኮነን። ምስ ኩሉ ክትሰርሕ ክትኽእል ኣለካ፤ ምስ ሚድያ፣ ምስ ትራንስፖርት፣ ምስ ጥዕና፣ ምስ ኮንስትራክሽን ክትሰርሕ ኣለካ፤ ኮታስ ምስ ዘይነኻኽኦ የለን። ስለዚ ዝሓለፈ 2016 ፅቡቕ ኣፈፃፅማታት ነይሮምና ክብል ከለኹ በይንና ዝፈፀምናዮ ወይ በይንና እነወስዶ ክረዲት ኣይኮነን።

ብምትሕብባር ናይ ፀጥታ ኣካላት፣ ምምሕዳራት ብሓፈሻ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ‘ዩ ፅቡቅ ኣፈፃፅማ ክህልወና ዝገበብሩና። ናይ ሎሚ 2017 ዓመት ክንሓስብ ከለና ‘ውን ካብኡ ዝተፈለየ ነገር ኣይኮነን ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓቢርካ ዝስራሕ ስራሕ ‘ዩ ዝኸውን። እቲ ዕውት ስራሕ ውፅኢት ክፍፍል ስራሕ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ‘ዩ።

ስለዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ኣብ ናይ ባህላዊ፣ ታሪኻዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ብሓፈሻ ኣብ ናይ ቱሪዝም እንዱስትሪ ሓድግታትን ኣብዞም ኮሎም ክትሰርሕ እንተኾይንኻ ዝተፈላለዩ መሓዙት የድልዩኻ ‘ዮም። ከም ኣጋጣሚ ዓሚ ‘ውን ብዙሓት ዓለምለኸ ናይ ስነ ጥንቲ ኣርኪዮሎጂ ተመራመርቲ መሓዙት ኣለውና። ዓበይቲ ዩኒቨርስቲታት ብፍላይ ኣብ ፅገና፣ ኣብ ፅንዓታት ኣብ ፖሮጆክታት ሓድግታት ኣርኪዮሎጂ ስነ ቕርሲ ምትእስሳር ኣለና ‘ዩ።

ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዝመረቆ ከይተረፈ ፅገና ገዳም ገይረና ኢና። ከምኦም ዝበሉ ኣምባሳደራት ሃገራት ዓበይቲ ዩኒቨርስቲታት ብፍላይ ኣብ ፅንዓትን ፅገናን ሓድግታት ምስ ካልኦት ትካላትን ምሳና ዝሰርሑ ‘ውን ኣለው ‘ዮም። እዚ ምስ ሓድግታት ዘተተሓሓዘ ኮይኑ ምስ ካልኦት በዓላት ተተሓሒዙ ምሳና ርክብ ምስ ዘለዎም ዓበይቲ ትካላት ሓዊሱ ምስ ብብርኪ ፌዴራል ዘለዉ፣ ምስ ኣብ ክልል ዘለዉን ክሳብ ቁሸት ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት ሓቢርና ኢና ንሰርሕ። ልውውጥ ደብዳቤታትና ‘ውን ነዚ ‘ዩ ዘመላኽት። ከምኡ ስለእንገብር ‘ውን ‘ዩ ተስፋ ዘለዎ ውፅኢታዊ ስራሕ ክንሰርሕ ዝኸኣልና።

ወጋሕታ:- ዝተፈላለዩ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ዝህልዎም ረብሓ ሓፍ ንምባል ወይ ጉድኣት ዘለዎም እንተሃልይዎም ብፍላይ ነቲ በዓል ተተርኢሶም ኣድላይ ዘይኮኑ ልምድታት ጉድኣቶም ንምቕናስ ብኸመይ ክበዓሉ ኣለዎም ይብሉ?

ኣይተ ሃይላይ:– ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ታሪኻውን ህዝባውን በዓላትና ክበዓሉ ከለዉ፤ ከም ቢሮ ዘለና ኣንፈት ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ 2016 ሐዚ ‘ውን ኣጠናኺርና እንኸደሉ ዘለና፤ በዓላት መቦቆላውነት ትሕዘትኦም ወይ መሰረቶም ከይለቀቁ ንኽበዓሉ ኢና ንቕንዮም።

ስለዚ ኣነፈት ናይ ቢሮና ሱቅ ኢሉ ጎይላን ፀወታን ጥራሕ ዘይኮነስ መበቆሉ ዘይሰሓተ ሃይማኖታዊ እንተኾይኑ ሃይማኖታዊ ዝተኸተለ ጥራሕ ክኸውን፤ እቲ በዓል ባህላዊ እንተኾይኑ ድማ ባህላውነቱ ብዘንፀባርቕ መልክዕ ምትሕውዋስ ብዘይብሉ ክኸይድ ምግባር ዝብል ኣንፈት ‘ዩ ዘለና። ስለዚ ካብቲ መበቆሎም ወፂኦም እናተበረዙ ዝኸዱ እነተሃልዮም ናብቲ መሰረቶም ክምለሱ ክኽእሉ ኣለዎም ዝብል’ዩ ዘሎ።

ንኣብነት በዓል ኣሸንዳ እንተርኢና ሐዚ ብበዝሒ ናብ ከተማታት ዝመፅአሉ ዝነበረ ብዝተኽኣለ መጠን ናብ ዞባታት ንክወርድ ይግበር ‘ዩ ዘሎ። ንቀፃሊ ድማ ናብ ወረዳታትን ጣብያታትን ከይተረፈ ወሪዱ ትኽክለኛ ባህሉ ንክሕዝ ‘ዩ እቲ ኣንፈት። ስለዚ እቶም በዓላት ብግቡእ ክምርሑ እነተዘይኪኢሎምን መሰረቶም እናለቐቑ እንተኸይዶምን ናይ ባዕሉ ሓደጋ ‘ውን ስለዝህልዎ ብኡ ልክዕ ኢና ንሰርሕ ዘለና።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ዘይተልዓለ ሓሳብ ወይ ከሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

 ኣይተ ሃይላይ:- ከምቲ ቅድም ኢለ ክገልፆ ዝፀናሕኹ በዓላትና፣ ሓድግታትና፣ ባህልታትናን ትዊፊታትናን ብሓፈሻ ቱሪዝም እንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ድማ ቱሪዝም እንዱስትሪ ትግራይ ንኽዓቢ፤ ኣብዚ ኩሉ ብምትሕብባር ክሰርሕ ኣለዎ።

ምስ ቴክኖሎጂን ግሎባሌዜሽንን ተተሓሒዙ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ናይ ባህሊ ምሽርሻር ካልኦት ፀገማትን ስለዘሎ፤ ከም መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ስቪክ ማሕበራትን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካልን ኣብ ምዕቃብ ባህልታት፣ ትውፊታትን ታሪኽን ብግቡእ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ከም ዓዲ ‘ውን መዋፅእና ንሱ ‘ዩ።

ብስሩ ከም ቱሪዝም ክነውግዕ እንተኾይንና ‘ውን ንባዕልና መሲልና ንባዕልና ኾይነና ኢና፤ ዘለና ንዓለም ክንሸይጥ እንኽእል። ተዘይኮይኑ ኣብ ኣውሮፓ ዝመስል ነገር እንተሒዝና ቱሪስት ናብዚ እንታይ ክገብሩ የመፅኡ ኣብኡ ዝሓሸ ነገር እናሃለዎም። ናይ ዓለም ዓበይቲ ሃገራት ክትርኢ ከለኻ ‘ውን ኩሉ ግዘ መርኣይኦም መበገሲኦም ባዕሎም ባዕሎምን ጥራሕ ‘ዩ።

ስለዚ ኣንሕና ‘ውን ከም ተጋሩ ንባህልናን ንክብርታትናን መሲልና ንባዕልና መሲልና ኢና ንኻሊእ ክንቐርብ እንኽእል። እዚ ድማ ዘይሩ ዘይሩ ዘቤታዊ ነገር ሒዝካ እንተኸይድኻ ብተዘዋዋሪ ንቱሪዝም እንዱስትሪ ‘ውን ተዕብዮ ኣለኻ ማለት ‘ዩ። እዚ ድማ ኹሉ ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ ‘ዩ።

ስለዚ ኣብዚ ኩሉ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ቱሪዝም ታሪኽ ጥራሕ ኣይኮነን ንሓደ ኣካል ጥራሕ ‘ውን ዝወሃብ ኣይኮነን። ቱሪዝም ሎሚ ሰፊሕ ቢዝነስ ‘ዩ። ንኣብነት እምባታት ምውፃእ ሃይኪንግ፣ ትሬኪንግ እንብሎ፤ ናብ ሕክምናን፣ ስፖርትን ኣኼባታትን ምኻድ ኩሎም ቱሪዝም ቢዝነስ ‘ዮም።

ታሪኻዊ ተፈጥሮኣዊ ቦታት ‘ውን ዓርሶም ዝኸኣሉ ሓደ ባኬጅ ‘ዮም። ከም ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ከም ትግራይ ባህሉ ዓቂቡ ዝነብር ማሕበረሰብ፤ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአ ስለዝኾነ ምዕራባዊ ባህሊ ሒዙ ዘይኸይድ ስለ ዝኾነ እዚ ንቱሪዝም ዓብይ ዕድል ‘ዩ እሞ እዚ ክንጥቀመሉ ክንኽእልን ኣለና። ብሓፈሻ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሰፊሕ ፍልፍል ቱሪዝም ዝኸውን ብዙሕ ፀጋታት ዘለና ሙዃኑ ተረዲኡ ኩሉ ነቲ ሴከተር ክሕግዝ ከፋልጥን ክኽእል ኣለዎ ይብል።

ወጋሕታ:- ንዝሃቡኒ ሓበሬታ የቐንየለይ።

ኣይተ ሃይላይ:- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You