ናይ ሎሚ ጋሻና ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይለ በሻህ ነባር ዲፕሎማትን ምሁር ፖለቲካ ሳይንስን ኣብ ኣሜሪካ ኖርዝ ካሮላይን ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስቲታት ንነዊሕ ዓመታት ብመምህርነትን ተመራማሪነትን ዝሰርሑ ተወላዲ ኢትዮጵያዊ ‘ዮም። ፕሮፌሰር ብሩክ ኣብ ዛዕባ ስምምዕነት ምትሕብባር ማዕቐፍ ሩባ ናይል መብርሂ ንምሃብ እኹል ልምድን ፍልጠትን ዘለዎም ምሁር ብምዃኖም ኣብዚ ጉዳይ ጋሻ ገይርናዮም ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ሕቶ፡- ስምምዕነት ሩባ ናይል ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝመፀሉ ብፈተና ዝተመልአ መንገዲ ከመይ ይሪእዎ?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡– እቲ ዝሓለፈ መንገዲ ብጣዕሚ ኣፀጋምን ህልኽ ዘወድእ ነይሩ ምባል ይካኣል። ሰነዳት ከምዘርእይዎ ናይ ናይል መልዐሊ ብሓባር ተመኻኺርና ተቐራሪብናን ዝብል ሓሳብ ከም ኣቆፃፀራ ኣውሮፓ 1997 ቅድሚ 28 ዓመት ዝተጀመረ ‘ዩ። እዚ ቀሊል ኣይነበረን።
ምኽንያቱ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ተፋሰስ ናይል ተኻቲተን ‘የን። እዚአን ድማ ኤርትራ ሓዊሱ ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ‘የን። ኤርትራ ኣብዚ ሙሉእ ኣባል እንተይኾነትስ ተዓዛቢት ‘ያ። እዘን ሃገራት ዝተፈላለዩ ስርዓት ፖለቲካ፣ ዝተፈላለየ ኣሰራርሓ፣ ዝተፈለየ መራሕቲ ዘለዎን ‘የን። ኹልግዜ ግብፂ ኣብ ኣባይ ናይ መሪሕነት፤ ኣባይ ናተይ ‘ዩ ዝብል ሓሳብን ቅዋምን ስለዘለዋ ነቲ ነገር የበኣእሶ ‘ዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ 86ሚኢታዊ ማይ ብሉ ናይል ዝርከብ ካብ ኢትዮጵያ እንኾነ ‘ውን እቲ ማይ ብፍትሓውን ማዕርነትን ንጠቀም ዝብል ሓሳብ ኣሎ። ኢትዮጵያ ንበይነይ ክጥቀም ኣይበለትን። ኢትዮጵያ ንኹላትና ብሓባር ንስራሕ ዝብል ቅዋም ‘ዩ ዘለዋ። እዚ ድማ ብፍትሓውነት ንጠቀም ዝበለት ብሕታዊት ሃገር ‘ያ ኢትዮጵያ ምኽንያታዊት ‘ያ። ፍትሒ እትደሊ ሃገር ‘ያ።
ግብፂ ድማ ኹሉ ናተይ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዋ። ካልኦት ትሻዓተ ሃገራት ድማ ኣብ ማእኸል ዝንሳፈፍ ቅዋም ኣለወን። ስለዝኾነ ድማ ናብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ዝርርብ ብጣዕሚ ኸቢድ ‘ዩ። ህልኽ ዘወድእ ‘ውን ‘ዩ። ኾይኑ ግና ትዕግስቲ ፅቡቕ ‘ዩ። ድሕሪ ብዙሕ እዋን ክፀድቕ ክኢሉ ‘ዩ። ኣነ ‘ውን ከም ሓደ ተወላዲ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ሕጉስ ‘የ። ማዕቐፍ ምትሕብባር ናይል ተፋሰስ ውፀኢት ቃልስና ከምዝኾነ ኾሪዐ ‘የ።
ሕቶ፡- እዚ ፈተና ብጥንካረ ፀኒዕኻ ጠጠው ብምባል ብወገን ኢትዮጵያ ዝነበረ ቆራፅነት ብኸመይ መንገዲ ይግለፅ ?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ብኣና ወገን ዓብይ ቁራፅነት ኣሎ። ኣነ ዝዝክሮ ላዕለዋይ ድፕሎማት ኾይነ ከምኡ ድማ ኣብ ኣውሮፓ ኾይነ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ እንትሰርሕን ዝሪኦን ዝከታተሎን ጉዳይ ‘ዩ። ጉዳይ ወፃኢ ጥራሕ እንተይኮነስ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ቤትዕዮ ኹሉ ካብ ዓቕሞምን ግዚኦምን ንድሕሪት ከይበሉ እቲ ጥንሲ ቆልዓ ኾይኑ ንክውለድ ዘይትካእ ፃዕሪ ገይሮም ‘ዩ። እዚ ውፅኢት ዓወት ናይ ኹሉ ኢድን ግደን ኣለዎ ምባል ይካኣል ‘ዩ።
ሕቶ፡- ኸዚ ሩባ ናይል ስምምዕነት ምትሕብባር ተግባዊ ኾይኑ ‘ዩ፤ እንታይ ሓድሽ ነገር ሒዙ ክመፅእ ይኽእል?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ሩባ ናይል ስምምዕነት ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ብዙሕ ነገራት ሒዙ ዝመፅእ ‘ዩ። ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ወሳኒ ድምፂ ብምሃብን ኣብዝሓ ተፋሰስ ሃገራት ስለዝተቐበልኦ ሕብረት ኣፍሪካ ‘ውን ንክርከብ ክግበር ‘ዩ። ስለዚ ተግባራውነቱ ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ።
ንኢትዮጵያ ዘለዎ ረብሓ ብዝምልከት ንኣብነት ንምግላፅ እንተተባሂሉ ብውልቀ እንተይኾነስ ብሓባር እትሰርሐሉ ኩነታት ዝፈጥር ‘ዩ። ክሳብ ኸዚ ናትና ፃዕሪ እንትንሪኦ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2011 ቅድሚ 13 ዓመት ዓብይ ግድብ ህዳሰ መሰረት እንትቕመጥ ብውልቀ ምንቕስቓስ ‘ዩ ነይሩ። እዚ እንትግበር ግን ብፀልማት እንተይኾነስ ብግልፂ ኣፍሪካ ሃገራት ከምኡ ‘ውን ጎረባብቲ ሃገራት ብዝፈልጥዎ ‘ዩ ነይሩ። እቲ ፃዕሪ ግና ናይ ውልቕና ‘ዩ ነይሩ።
ድሕሪ ኸዚ ዝግበር ፃዕሪ ግና ናይ ውልቕና ኣይክኸውንን። በቲ ስምምዕነት መሰረት ዓብይ ትካል ክጣየሽ ‘ዩ። ኸዚ ‹‹ኢኒሼቲቭ ናይል ቤዚን›› ቀፂሉ ዝጣየሽ ‹‹ናይል ቤዚን ኮምሽን›› ዝብል ‘ዩ። እቲ ኮምሽን ባዕሉ ዝኻኣለ ቀዋሚ ኣካል ኣለዎ። ናይ ባዕሉ ቤት ፅሕፈት ክህልዎ ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ኣባይ ዝግበር ዝኾነ ምንቅስቓስ ኹሉ ብሕብረት ተናቢብካ ‘ዩ ዝኸውን።
እዚ ንኢትዮጵያ ዝበለፀ ዓቕምን ጥንካረን ‘ዩ ዝኸውን። ካብ ግብፅን ሱዳንን ተቃውሞ ነይሩ ‘ዩ። ኸዚ ግና ዝኾነ ዝስራሕ ፕሮጀክት ብምኽክር ‘ዩ። ምፍላጥ፣ ሓበሬታ ብልውውጥ ዝግበር ‘ዩ። ኣብዚ ድማ ኢትዮጵያ በዚ ጉዳይ ዓብይ ፕሮጀክት ብምስራሕ ልምዲ ኣለዋ። ልምዳ ድማ ንታሕተወት ተፋሰስ ሃገራት ምኽሪ ብምሃብ፣ ባዓል ሞያ ብምልኣኽ መራሕቲ ኾይና ኣብዚ ትካል ውሽጢ ክንቀሳቐስ ኣለና ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።
ሕቶ፡- ናይቲ ስምምዕነት ምፍራም ናይ ኢትዮጵያ ውፅኢት ዲፕሎማሲ ተገይሩ ክውሰድ ዶ ይኽእል ? እዚ ከመይ ይሪእዎ?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ናይ ኢትዮጵያ ኣካይዳ ዲፕሎማሲ ዝረቐቐ ‘ዩ። ዘይተሸነፍና ብዝረቐቐ ኩነታት ናይ ዲፕሎማሲ ምንቅስቓስ ስለእንገብር ‘ዩ። እዚ ክንገብር ብዙሕ ብሄራዊ ጥቕምና ብምቕዳም ‘ዩ። ሃገራት ኣፍሪካንን ቀርኒ ኣፍሪካን ብፍላይ ብሩንዲ፣ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ናትና ዓሻራ ብቐጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝዓርፎም ‘ዮም።
ኣብ ዝኾነ ኣህጉራዊ ኾነ ዓለምለኸ ኣኼባታት ጎኒንጎኒ ዲፕሎማት ሃገራት ክሳብ መራሕቲ ሃገር ዝበሰለ ድሌት ዝተመስረተ ስራሕ ምርድዳእ ሰሪሖም ‘ዮም። ሓቢርና እንተሰሪሕና ብገንዘብ፣ ብፍልጠትን ሓይሊ ሰብን ዝበለፀ ውፅኢት ክነምፅእ ኢና፤ ስለዚ ዝረቐቐ ስራሕ ዲፕሎማቲክ ተሰሪሑ ‘ዩ።
ሕቶ፡- እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞነጎ ሃገራት ተፋሰስ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ብስራት ካብ ምዃን ሓሊፉ ፤ ባዕዳዊ መግዛቲ ኣተሓሳስባ ካብ ኣህጉር ካብ ምጥፋእ ኣንፃር ከመይ ይረአ?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡– ግብፃውያን ዝምክሕሉ፤ ሱዳን ‘ውን ብዝተወሰነ መልክዕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 1959 ቅድሚ ሕዚ ዝወፀ ምክፍፋል ማይ ‹‹ኣግሪመንት›› ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን ዝፀደቐ ናይል ምትሕብባር ስምምዕነት እቲ ዋና ኹሉ ውዕል ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝድምስስ ‘ዩ።
እቲ ኻልኣይ ን ብሉ ናይል ላዕለዋይ ሃፍቲ ማይ እናበረከተት ‹‹ ናይቲ ምክፍፋል ማይ ኣግሪመንት›› ኣካል ሃገር ኣብ ዘይኾነትሉን ኣብ ዘይተረኸበትሉን ኩነታት በይኖም ተመኻኺሮም ዘፅደቕዎ ‘ዩ። እዚ ውዕሊ ኢትዮጵያ ኣይምልከትን። ንኣብነት ናይ ‹‹1959 ኣግሪመንት›› ዝባሃል ምክፍፋል ማይ ንግብፂ 55 ነጥቢ 5 ቢልየን ኪዩቢክ ሜትር፤ ንሱዳን ድማ 18 ነጥቢ 5 ኪዩቢክ ሜትር፤ ኾይኑ ከምዝተኸፋፈልዎ ዝፍለጥ ‘ዩ። 86ሚኢታዊ ማይ ዝተፈልፍል ሃገር ናብ ጎኒ ዝደፍአ ብተቃራኒኡ ድማ ዜሮ ሚኢታዊ ዘይብላ ሃገር ዘቐደመ ‘ዩ ነይሩ። ግብፂ ኣብዚ ጉዳይ ምንም ሓሳብ ከይሃበት ፀኒሓ ‘ያ፡፡
ኸዚ ጥንካረ ኢትዮጵያ እናሓየለ እንትመፅእ ትዕቢት ግብፂ ቀኒሱ እንበር ወታደራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና እናበሉ ዘፈራርሕሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። በዚ ስምምዕነት ድማ እዚ ኹሉ ፈራሲ ኾይኑ ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ግብፂ ተበደልቲ ከምዝኾኑ ኢትዮጵያ ንክትውቀስ እናሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ስምምዕነት ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ‘ዩ ዝባሃል ‘ውን ነዚ ‘ዩ ።
ሕቶ፡- እቲ ስምምዕነት ናብ ተግባር ምእታው ስዒቡ እንታይ ዓይነት ሕግታት ክወፁ ይኽእሉ ?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- እቲ ስምምዕነት ኣርባዕተ ዋና ዋና ምዕራፍን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓንቀፃትን ዘለዎ ‘ዩ። ሃፍቲ ማይ ብዝምልከት ፍትሓውን ተመጣጣንን ኣጠቓቅማ ዝተመስረተ’ዩ። እዚ እቲ ዋና ነገር ‘ዩ። ግደ ኢትዮጵያ ዋና ‘ዩ። ከም ዘወፈይዎ ግደ ተጠቃምነቶም ይውሰን። ካልእ እቲ ማይ ንምልማዕ ዝህልዎ ኣከያይድ ‘ዩ።
እቲ ኮምሽን ማእኸል መለዋወጢ ሓበሬታ ዳታ ክህልዎ ‘ዩ። ንኣብነት ሩዋንዳ ሓደ ግድብ ንምስራሕ እንድሕር ደልያ ነቲ ኮምሽን ተቕርብ። ዘተን ምኽክርን ክግበረሉ ‘ዩ። ሕድሕድ ሃገር እዚ ‘ዩ ዘቕርብ ኹሎም ብነፃነት ይዛተዩን ይዘራረቡን። ኣብዚ ድማ ሓገዛት ኤክስፐርት የድሊ ‘ዩ። ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ማይ እኹል ባዓል ሞያታት ኣለዉዋ። እዚኦም ባዓል ሞያታት ኣብ ትሕቲ እቲ ኮምሽን ኾይኖም ሓገዝ ምግባር ይካኣል ‘ዩ።
ንኣብነት ብሩንዲ ግድብ ዘይሰርሐት ዓቕሚ ስለዘይብላ ይኾን፤ ኸዚ ዓቕሚ ዘለዎ ኹሉ ይረባራብ። ብሕብረት ስለዝሰርሑ ሓምሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ሸኽሚ ‘ዩ ከምዝባሃል ማሕበራትን ኢኮኖምን ዘለዎም ብሓባር ብምርድዳእ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክህሉ ይግባእ። ካልእ ድማ ሃፍቲ ማይ ብዘይኣግባብ ምምሕዳር ብዘይምኽኣል ብዙሕ ዝባኽን ማይ ኣሎ። እዚ ብኽነት ንምቕናስ ኹሉ ካብ ፍልፍሉ ጀሚሩ ብግቡእ እናተጠቀመ ነቲ ማይ ዘልምዕ ‘ዩ ዝኾን።
ፅሬት እቲ ማይ ውፅዒት ኬሚካል ኣብ ቀረባ ንከይህሉ ናይ ምግባር ኩነታት ድሕንነት ማይ ናይ ምሕላው ስራሕ ኹሉ በቲ ኮምሽን ዝስራሕ ‘ዩ ዝኾን። ነዚኦም ስራሕቲ ጉጅለ ባዓል ሞያ በቢሃገሩ ተላኢኾም ክስርሑ ‘ዮም። ስራሕቲ ምልማዕ ኸባቢ ማይ ኣሎ፤ ከምኡ ‘ውን ናይቲ ኸባቢ ህዝቢ ዘንቅሕሉን ዘምህርሉን ኩነታት ኣሎ። ብዙሕ ረብሓ ‘ዩ ዘለዎ።
እዚ ዝተወደበ ዘላቒ ልምዓት እቲ ማይ ኹሉ ንክጥቀም፤ ኸባቢያዊ ልምዓት፣ ስራሕ ሓምለዋይ በዚ መልክዑ እቲ ኮምሽን ዓበይቲ መሓውር ክህልዎ ‘ዩ። እቲ ኮምሽን በቢ ዓመቱ ኣኼባ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲኡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ክህልዉ ‘ዮም። እዚኦም ኣብ ዓመት ኽልተ ግዜ ክእከቡ ‘ዮም። ብተወሳኺ ሰራሕተኛ ቤት ፅሕፈት እቲ ኮምሽን ክህሉ ‘ዩ። ካብ ላዕሊ ዝዋሃቦም ኣንፈት ናብ ጎኒን ናብ ታሕትን ብዝስማዕመዕ መልክዑ እቲ ኮምሽን ስርሑ ይሰርሕ። እዚ ኣብዝቕፅሉ ዓመታት ክስርሑ ‘ዮም ኢለና እንፅበዮም ‘ዮም።
ሕቶ፡- ናይቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ምዃን ካብ ፓን ኣፍሪካኒዝም ፖለቲካዊ ኢኮኖሚዊ ሓሳብ ኣንፃር ከመይ ይረአ?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ፓን ኣፍሪካ ‹‹ ህዝብታት ኣፍሪካ ብብዙሕ ሃገራት ኣይትከፋፈሉ፣ ዓቕምኹምን ገንዘብኹምን፣ ጉልበትኹም ኣክቡ ዝብል ‘ዩ። እንትትኣኻኸቡ ጠንካራ ትኾኑ፣ ጠንካራ እንትትኾኑ ፀለኢ ተሸንፉ ብተዘዋዋሪ ባዕዳዊ መግዛቲ ትቕንሱ ኢኹም ›› ዝብል ‘ዩ።
ካልኣይ ሕብረት ኣፍሪካ ብብርኪ ኣህጉር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2063 ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕብረት ንምፍጣር እናሰርሐ ‘ዩ። በቲ ፖለቲካ ‘ውን ሓደ ፓስፖርት ክህሉ፣ ብዘይ ቪዛ ምንቅስቓስ ብዝምልከት ኣብቲ ዞባ ድማ ምትእስሳር ንክህሉ ንምግባር ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ። እዚ ጠንካራ ሞዴል ‘ዩ።
ኣፍሪካ እቲ ሃፍታ ናይ ማዕድን ሃፍቲ ጥራሕ ኣይኮነን። ሃፍቲ ማይ ‘ውን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ብማይ ሃፍቲ መበል ካልኣይ ‘ያ። ናይ መጀመርያ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ‘ያ። እታ ሃገር ሰላም እንተኾይና ዓቕሚ እንድሕር ተፈጢሩ ብሃፍቲ ማይ ተጠቃሚ ዝኾኑ ንሳቶም ‘ዮም። ናይል ቤዝን ናይ ኣፍሪካ ስፍሓት ቆዳ 10 ሚኢታዊ ዝሕዝ ‘ዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ተሓባቢርና እንተሰሪሕና ለውጢ ክነምፅእ ንኽእል ኢና።
ሕቶ፡- ብብርኪ ዓለምለኸ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ብሓባር ናይ ምልማዕን ብፍትሓዊ ምጥቃምን ዝኣመሰሉ ዘጓናፅፍ ተመሳሳሊ ማዕቀፍ እንተሃልዩ ተዝነግሩና?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ኣብ ዓለም ብሓባር ምልማዕን ብፍትሓዊ ምጥቃምን ዘጓናፅፍ ስምምዕነታት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ቱርኪ ብዙሕ ማይ ይፍልፍል፤ ቱርካውያን ኣብ ማዮም ብዙሕ ግድባት ሰሪሖም ‘ዮም። ተጠቃሚ ድማ ብዙሕ ‘ዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ንምጥቃም ሞኪሮም ‘ዮም።
ላቲን ኣሜሪካውያን ኣብ ሩባ ኣማዞን ግድባት ንምስራሕ ምንቅስቓስ ገይሮም ‘ዮም። ኣብ ኣውሮፓ ዳንዩብን ራይን ዝባሃል ብዙሓት ሃገራት ኣቋሪፆም ዝሓልፉ ሩባታት ኣለዉ። ኣውሮፓውያን ሩባታት ብሓባር ናይ ምጥቓም ናይ ብዙሕ ዓመታት ልምዲ ስለዘለዎም ብስምምዕነት ብዘይ ምንም ፀገም ተኣማሚኖም ብሓባር ግድብ ብምስራሕ ‘ዮም ዝጥቀሙ።
ሕቶ፡- ምትሕብባር ስምምዕነት ናይል ተቀቢሎም ንምፅዳቕ ፍቃደኛ ዘይኾኑ ናይ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት እቲ ስምምዕነት ንኽቕበሉ ዝግደድሉ ኩነታት ይህሉ ዶ?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ናይ ናይል ስምምዕነት ተቀቢሎም ንምፅዳቕ ፍቃደኛ ዘይኾኑ ዘገድድ ሕጊ የለን። ኣብ ድልየት ዝተመስረተ ‘ዩ። ኸዚ ግና ሽድሽተ ሃገራት ስምምዕነት ፈሪሞም ‘ዮም፤ ግብፂ ንቕድሚት እንተመፀት ‘ውን እቲ በሪ ክፍቲ ‘ዩ። ብዝደለይዎ ሰዓት ምእታው ይኽእሉ ‘ዮም። እዚ መሰል ኣለዎም። ንክትኣቱ ምግዳድ ግና ኣይካኣልን። እቲ ስምምዕነት ዘየፅደቑ ኣርባዕቲኦም ‘ዮም። ኬንያ፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሪክ ኮንጎ፣ ግብፅን ሱዳንን ‘ዮም።
ሕቶ፡- እዚ ስምምዕነት ብሕቡራት መንግስትን ዓለምለኸ ትካላት ዝህልዎ ኣፍልጦን ተቐባልነትን እንታይ ይመስል?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡– ኮምሽን ናይል ቤዝን እንትጣየሽ ሕብረት ኣፍሪካ ኦብዘርቨር ስታተስ ወንበር ይዋሃበኒ ኢሉ ክሓትት ይኽእል ‘ዩ። ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣኼባታት ድምፂ ከይሃበ ምዕዛብ ይኽእል ‘ዩ። ድምፂ ምሃብ ተዘይኻኣለ ‘ውን ግዜን ዕድልን ክህሉ ከሎ ናይ ምዝራብ፣ ብፅሑፍ ሓሳብ ብምቕራብ ናይ ምቅዋም መሰል ይህልዎ ‘ዩ።
ብሕቡራት መንግስታት ልክዕ ሕብረት ኣፍሪካ ብተዓዛብነት ኣመልኪቶም ዝኣትውሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ኣብ ቀፃሊ ክረአ ይኽእል ‘ዩ። ከምዚ ዝመሰለ ኮምሽን ንኣብነት ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ሓበሬታ ምቅይያር፣ ልምዲ ፍልጠት ምቅይያር ምስ ዝጣየሽ ሓድሽ ኮምሽን ሓቢሩ ክሰርሕ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሕቶ፡- ዘይተልዓሉ ክላዓሉ ኣለዎም ዝብልዎም ጉዳያት እንተሃልዮም ዕድል ክህቦም?
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ካብዚ ተሞክሮ እንወስዶ ተፈጥሮ ዝዓደለትና ብዙሕ ነገር ‘ዩ። ማይ ግና ህይወት ‘ዩ። በዙይ መንፅር ማይ ውስን ዝኾነ ሃፍቲ ‘ዩ። ተጠቃምነት ማይ ሃገራት ቁፅሪ እናዓበየ ‘ዩ።
ስለዚ እዚ ሃፍቲ ስርዓት ብዘለዎ ኩነታት ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ተኻፋፊልካ ምጥቃም ግቡእ ‘ዩ። ብኽነት ማይ ብምንካይ ብሓባር ምስራሕ የድሊ። ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ሃገራት ግዚኦም መስዋእት ገይሮም እቲ ኮምሽን ተግባራዊ ንምግባር ስምምዕነት ምግባር ምኽኣሎም ዝድነቕን ዘምስገንን ‘ዩ።
ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ካብዚ ኮምሽን ዓወት ትምህርቲ ምውሳድ ይኽእሉ ‘ዮም። በዚ ኣጋጣሚ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለና ክብል ይፈቱ። ኣብዚ ስራሕ ብቀጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ ዝተሳተፉ ብህይወት ዘለዉን ዘየለዉን ምስጋና ይግባኦም ‘ዩ። በቢዘመኑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ክምስገኑ ይግባእ። ናይ ጠንካራ ዲፕሎማሲ ፃዕርን ቆራፅነትን ውፅኢት ‘ዩ።
ሕቶ፡- ንዝሃቡና መብርሂ ነመስግን።
ፕሮፌሰር ብሩክ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም