ኣገልግሎት መለለዪ መንነት መንነትካ ካብ ምግላፅ ብዝሓፈ ንብዙሓት ስራሕቲ መሳለጢ ካብ ዝኸውን ዘበናት ኣሕሊፉ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ቴከኖሎጂ ብምጥቃም ናይ ነባሪነት ዲጂታል መለለዪ መንነት ብዝተመጠነ ባዮሜትሪክን ዲሞግራፊክን ሓበሬታ ብምእካብ ሓደ ሰብ ፉሉይ ብዝኾነ ኩነታት ምፍላይ ዘኽእል ስርዓት ካብ ዝጅመር ውዒሉ ሓዲሩ ‘ዩ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ብሓደ ሓደ ተጠቀምቲ ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ናይ ጣብያ መለለዪ መንነት ኣይትክእን፤ ናይ ከተማን ክልልን ናይ መንግስቲ ናይ ነባሪነት መለለዪ መንነት ዝወሃብ በቢከባቢኡ ምምሕዳራት ብምዃኑ ካብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ትካላት ፌዴራልን ወፃኢ እቲ መለለዪ መንነት ግልጋሎት ኣይህብን።
ከምኡ ‘ውን መለለዪ መንነት ፋይዳ ምትግባሩ ካብ ንዜጋታት መንግስቲ ህዝቢ ንምቁፅፃር ዘኽእል ‘ዩ ዝኸውን ዝብሉን ኣብ ካልኦት ስግኣታትን ሓሳቦም እንትህቡ ይስማዕ። ስለዝኾነ ኣንሕና ‘ውን ናይ ሎሚ ዓምዲ ጋሻና ነዚ ጉዳይ መበገሲ ብምግባር ኣብ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፕሮግራም ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኮሙዩኒኬሽንን ዝኾኑ ኣይተ ኣቤኔዘር ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ፃነሒት ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና።
ሕቶ፡- ኣጀማምራ ትግበራ ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ሐዚ ዘለዎ ኩነታትን እንታይ ይመስል?
ኣይተ ኣቤኔዘር፡– ኣብ ዓለም ምትግባር መለለዪ መንነትን ካብ ዝጅምር ንውሕ ዝበለ ዘበናት ኣሕሊፉ ‘ዩ። ኣብዚ ቀዳሞት ካብ ዝብሃላ ሃገራት ኢስቶኒያ፤ ፊሊፒንስ፤ ህንድ ዝፅርሓ እንትኾና፤ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ድማ ከም ጋና፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪካ ዝበላ ሃገራት ካብ ዝትግብረኦ ፀኒሐን ‘የን። ኢትዮጵያ ‘ውን ናብዚ ደንጉያ ዝኣተወት አንተኾነት ‘ውን ነዘን ሃገራት ዝጋጠመን ፈተናታት ብምፍላይ ናብ ስራሕ ስለዝተኣተወ ቅልጡፍ ለውጢ ምምዝጋብ ተኻኢሉ ‘ዩ።
ነዚ ተኸቲሉ ‘ውን ኣብ ቀረባ እዋን «ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ» ዝተብሃለ ዓለምለኸ ጉባኤ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ግንቦት ንምድላው ኣዲስ ኣበባ ንክትምረፅ በቂዓ ‘ያ። ብፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ስርዓት ዲጅታል መለለዪ መንነት ኣብ መላእ እዛ ሃገር ተግባራዊ ንምግባር ትልሚ ብምሕንፃፅ ተጀመሩ ‘ዩ።
እቲ ትካል ዝተመስረተ ብ2021 ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ትሕቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ፤ ዋና ዕላማ እቲ ትካል መለለዪ መንነት ፋይዳ ሕጋዊ ማንነት ንዘለዎም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ተበፃሒ ንምግባር ‘ዩ። መለለዪ መንነት ፋይዳ ተበፃሒ ምግባርን ንዜጋታት ቅልጡፍን ፍትሓውን ግልጋሎት ንምሃብ ዘረጋግፅን ከምኡ ‘ውን ኣካታትን ደሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንኹሉ ነባሪ ተበፃሒ ብምገባር ዝሐሸ ህይወት ንከመርሑ ምኽኣል ‘ዩ።
ሕቶ፡- መለለዪ መንነት ፋይዳ ክሳብ ሐዚ ክወሃቡ ካብ ዝፀንሑ መለለዪ መንነታት ዝፍለየሉ ብምንታይ ‘ዩ?
ኣይተ ኣቤኔዘር፡- ኣብዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ዘለው ስርዓት ዓይነታት መለለዪ መንነት ክልተ ዓይነት ረብሓ ዘለዎም ‘ዮም። ቀዳማይ ማንነትን ዝግለፀሉ ብተለምዶ መለለዪ መንነት ቀበሌ እንትኸውን ካልኣይ ኣገልግሎት ተኮር ዝብሃል ‘ዩ። እዚ ድማ ከም መንጃ ፍቃድ፤ ፓስፖርትን ዝመሳሰሉ ዘካትት ይኸውን።
እዚኦም ዝህብዎ ኣገልግሎት ብዋናነት ንዝተዳላውሎም ጉዳያት ጥራሕ ይኾኑ ማለት ‘ዩ።ከም መለለዪ መንነት ፋይዳ ዓይነት ዝበለ ዕላማ ዝሓዘ መሰረታዊ መለለዪ መንነት ግና ክሳብ ሐዚ ኣብዛ ሃገር ኣይነበረን። መሰረታዊ መለለዪ መንነት ማለት ናይ ሓደ ሰብ መንነት ብኣፈላላይ ምርኣይ ዘኽእልን ኩሉ ዓይነት ግልጋሎታት መንግስትን ውልቀን ብሓደ መለለዪ መንነት ከጥቅም ዘኽእል ማለት ‘ዩ።
መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋላት እዛ ሃገርን ካብ ዝኾነ ክፋል ማሕበረሰብን ዝመፅኡ ዜጋታት ኣካታቲ ብዝኾነ መልክዕ ብብርኪ ሃገር ዝወሃቡ ግልጋሎታት ብቀሊሉ ንክረኸብ ዘኽእሎም ‘ዩ ዝኸውን። እቲ መለለዪ መንነት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለው ዜጋታትን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ሃገር ወፃኢ ንዘለው ብፈቃድ መኖሪያ፤ በስራሕ ፈቃድ፤ ብትምህርትን ካልኦት ጉዳያትን ካብ ሃገር ንዝወፅኡ ‘ውን ተጠቃሚ ዝገብር ‘ዩ።
ብተወሳኺ ናይ ወፃኢ ሃገር ሰባትን ስደተኞታትን ዘካትት ‘ዩ ዝኸውን። ካሊእ መለለዪ መንነት ፋይዳ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር ብዛዕባ በዓል ቤት እቲ መለለዪ መንነት ዝሕዞ ሓበሬታ ይኸውን። እዚ ማለት ባዮሜትሪክ ቴክኖሎጂን ብምጥቃም ናይ ሓደ ሰብ መሰረታዊ መንነት ብዝተፈለየ ኩነታት ሚእቲ ብሚእቲ ንምፍላይ ብዘኽእል መልክዑ መዝጊቡ ዘቅምጥ ምዃኑ ‘ዩ። ሓደ ውልቀ ሰብ መለለዪ መንነቱ ንምሓዝ እንትቀርብ ክውሃብ እንትግበር ቅድሚ ሐዚ ከምዝነበረ ሓበሬታ ስነ ህዝቢ ጥራሕ ኣይኮነን።
ካብዚ ብዝሓለፈ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ መልክዕ መንነት ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ብዙሓት ሓበሬታታት ዝሓዘ ማለት ‘ውን ካብ ሓበሬታ ስነ ህዝቢ ብተወሳኺ ምስሊ ዓይኒ ኣይሪስ፤ ዓሸራ ዓሰርቲአን ኣፃብዕትን ምሰሊ ገፅ ፎቶግራፍን ዝወሃብ ይኸውን። ቁፅሪ ፋይዳ እንብሎ መለለዪ መንነት ዲጂታል እንትኸውን ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ናይ ነበርቲ ዝተመጠነ ሓበሬታ ባዮሜትሪክን ዲሞግራፊን ብምእካብ “ሓደ ሰብ ሓደ ‘ዩ” ብዝብል ቴማ ሓደ ሰብ ፍሉይ ብዝኾነ ኩነታት ምፍላይ ዘኽእል ስርዓት ‘ዩ።
ቁፅሪ ፋይዳ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት እቲ ዝተቀመጠ ቅድመ ኩነታት ንዘማልኡ ነበርቲ ዝወሃብ በዓል ዓሰርተ ክልተ ኣሃዝ ፍሉይ መለለዪ ቁፅሪ ‘ዩ። ብሓፈሻ ፋይዳ መሰረታዊ ዓይነት መለለዪ መንነት እንትኾን ሓደ ሰብ ፍሉይ ብዝኾነ መልክዕ ንክፍለጥ ዘኽእል ‘ዩ። ቁፅሪ ፋይዳ /ዲጂታል መለለዪ መንነት / ዝሓዙ ነበርቲ ኣብ ውሽጢ እዛ ሃገረ መንነት ብምርግጋፅ ዝወሃቡ ግልግሎታት ንምርካብ ዘኽእል ‘ዩ፡፡
እዚ ብምዃኑ መለለዪ መንነት ፋይዳ መሰረታዊ መብታት ሰብኣዊ ንምርግጋፅን ተበፃሒ ግልግሎት ንምምሕያሽ ኣድላይ ‘ዩ። ናይ መወዳእታ ዕላማ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብትካላት ውልቀ ይኹን ብመንግስቲ ዝወሃቡ ግልግሎታት ብመለለዪ መንነት ፋይዳ ተበፃሒ ንክኸውን ምግባር ‘ዩ።
ሕቶ፡- መለለዪ መንነት ፋይዳ ንምርካብ ዜጋታት እንታይ እንታይ መስፈርትታት ከማልኡ ትፅቢት ይግበረሎም?
ኣይተ ኣቤኔዘር፡- እቲ ምዝገባ ብነፃ ዝፍፀም እንትኾን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኩሉ ወረዳታትን ክፍለ ከተማታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ባንክታት እናተኻየደ ይርከብ። ሕድ ሕድ ወልቀ ሰብ ዝኾነ ይኹን መንነቱ ብሕጋዊ መንገዲ ዝገልፀሉ ሓበሬታ ኩሉ ምቅራብ ይከኣል። ነዚ ‘ውን ልዕሊ ሰላሳን ሰለስተን መለለዪ መንነት ፋይዳ ንምምዝጋብ ዘኽእሉ መረዳእታት ተፈለዮም ‘ዮም።
ዝኾነ መረዳእታ ከቅርብ ዘይኽእል ሰብ እንተሃለዩ ‘ኳ መለለዪ መንነት ፋይዳ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ምስክር ብምቕራብ ምምዝጋብ ዝኽአሉሉ ዕድል ኣሎ። ሓደ ተመዝጋቢ ብዝደልዮ ብርኪ መረዳእታታት ምስሃበ ዓሰርተ ክልተ ቁፅርታት ዝሓዘ ቁፅሪ ፋይዳ «ኮድ» ብመስመር ስልኩ ንክበፅሖ ይግበር።
እዚ ቁፅሪ ማለት እቲ ውልቀሰብ ብሂወት ከሳብ ዘሎ ዝፈለጠሉ መለለዪ መንነቱ ይኸውን ማለት ‘ዩ። እዚ ቁፅሪ ከም ካልኦት መለለዪ መንነታት ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብሲስተም ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ሕድ ሕድ ውልቀሰብ ብዝተወሃብዎ ዓሰርተ ክልተ ቁፅርታት ኣቢሉ ጥራሕ ዝደለዮ ግልጋሎታት ካብ መንግስቲ ይኹን ካብ ውልቀ ትካላት ምርካብ ከምዘኽእሎ ይኸውን። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ዝተሓተመ መለለዪ መንነት ንዝደልዩ ነበርቲ ተሓቲሙ ብኢድ ዝትሓዝ ካርዲ ምርካብ ዝክኣለሉ ዝተፈላለዩ ኣማራፂቲታ ተቀሚጦም ‘ዮም።
እዚ ‘ውን ንምግባር ኣብዚ እዋን መለለዪ መንነት ፋይዳ ዲጂታል ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትእስሳር ተግባራት እናተፈፀሙ ይርከቡ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ምስ ባንክታት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብቀዳምነት ምሕባር ይክኣል። ኣብዚ እዋን ባንክታት ሓደሽቲ ደፍተር ባንኪ ንዘውፅኡ ውልቀሰባት መለለዪ መንነት ፋይዳ እንተሃልይዎም ብቀዳምነት እናተጠቀሙ ይርከቡ። በዓል ስልጣን ኣታዊታት ካብ ወረዳ ጀሚሩ መለለዪ ቁፅሪ ግብሪ ኸፋሊ «ቲን ነምበር» ንምሃብ መለለዪ መንነት ፋይዳ ዲጂታል ምጥቃም ጀሚሮም ‘ዮም። ካብዚ ብዝሓለፈ ኣብ ስደተኛታትን ተመለስትን ወገናት ‘ውን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ እንትምለሱ ዜጋታት መለለዪ መንነት ፋይዳ እናተወሃቦም ይረከብ።
ሕቶ፡- ኣብዚ እዋን መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣተገባብራ ከም ሃገር ከንደይ ዝኣክል ተበፃሒ እናኾነ ‘ዩ ማለት ይክኣል?
ኣይተ ኣቤኔዘር፡- እቲ ምዝገባ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተጀመረን ተግባራዊ እናተገበረ እንተኾነ ‘ውን ኣብዝሓ ምንቅስቃስ እናተገበረ ዘሎ ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ዩ። ክሳብ ሓዚ ‘ውን ከም ሃገር ብሓፈሻ ዓሰርተ ሚሊየን ዝበፅሑ ዜጋታት ናይቲ ግልጋሎት ተጠቀምቲ ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ።
ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ድማ ቴስዓ ሚሊየን ተበፃሒ ንምግባር ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ቁፅሪ ተመዝገብቲ እንትርኣይ ብዙሕ ስራሕቲ ከምዝተርፍ ኣመላኻቲ ‘ዮም። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣብ ኩሉ ናይታ ሃገር ከባቢታት ክሳብ ወረዳን ቁሸትን ናይ ባዕሉ ሰብ ኣዋፊሩ ግልጋሎት ተበፃሒ ንምግባር ኣይከኣልን። ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ምዝገባ ምስ ክህቡ ዝኽእሉ ትካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ይርከብ።
ካብዚኦም ሞነጎ ብዋናነት ኢትዮ ቴሌኮም ዝጥቀስ ‘ዩ። ኢትዮ ቴሌኮም ካብ መጀመሪያ ግዜ ጀሚሩ እዚ ግልጋሎት እናሃበ እንተኸውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ ትሸዓተ ሚእቲ ማዕኸላት ወሃብቲ ግልጋሎት ከሳብ ሎሚ ምዝገባ እናካየዱ ይርከቡ፡፡ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ቀፂሉ ብስፍሓት እናተንቀሳቀሱ ዘለው ባንክታት ‘ዮም።
ከም ኢትዮ ቴሌኮም ኹሉ ናይ ባንክታት ተባፃሕነት ስፍሓት ዘለዎም ብምዃኑ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ሰብ ሞያ ባንክታት ብምስልጣንን መሳርሒታት ብምምላእ እቲ ምዝገባ እናተገበረ ይርከብ ። ብፍላይ ባንክታት ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ጨንፈራት ዘለዎም ብምዃኖም ነቲ ስራሕ ምስ ምቅልጣፍ ተመረፅቲ ትካላት ‘ዮም። ቢሮታት ኣታዊ ‘ውን ብብርኪ ሃገር ነቲ ምዝገባ እናካየዱ እንተኾኑ፤ ኤጀንሲ ነዋሪነት ምዝገባ ሲቪክ ብፌዴራል ጥራሕ ከይኮነስ ብክልላት ‘ውን ምዝገባ ንምግባር ንክከኣል ምንቅስቃስ ኣብ ምግባር ይርከቡ።
እዚ ኣከያይዳ ኣብ ዝቕፅል ብዘፈር ትራንስፖርት ሚኒስቴር ጥዕናን ምስ ካልኦት ትካላትን በምዃን ተጠናኺሩ ዝቕፅል ይኸውን። ናይዞም ትካላት እዚኦም ምጅማር ምዝገባ ኣብዝሓ ክፋል ሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምገባር ዘኽእል ብምኳኑ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ትሽዓተ ሚሊየን ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ከም ሃገር ዝተትሓዘ ትልሚ ውፅኢታማ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን።
ሕቶ፡- መለለዪ መንነት ፋይዳ ንተመዝጋቢ ውልቀሰብ ብመንግስቲ ኾነ ብውልቀሰብ ንዝህቡ ትካላት ግልጋሎታት ካብቲ መደበኛ መለለዪ መንነት ዝተፈለየ እንታይ ሓዱሽ ረብሓ ክርከብ ተባሂሉ ይእመን ?
ኣይተ ኣቤኔዘር፡– ብቀዳምነት መለለዪ መንነት ፋይዳ ካብ ካልኦት ዓይነታት መለለዪ መንነት ዝተፈለየ ረብሓ ከምዘለዎ ምርዳእ የድሊ፡፡ ቅድሚ ሐዚ ይወሃቡ ዝነበሩ መለለዪ መንነታት ብተወሳኺ ዝህብዎ ረብሓ ከምዘሎ ኮይኑ ብመሰረታዊነት ዘገልግሉ ንሓደ ዝተዳለውሉ ጉዳይ ጥራሕ’ዩ።
ንኣብነት መንጃ ፈቃድ መኪና ንምሽከርካር ዘገልግል እንትኾን ፓስፖርት ድማ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ንምንቅስቃስ ከምኡ ‘ውን መለለዪ መንነት ስራሕ ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ንምፍፃም ዝሕግዙ ‘ዮም ። ብሓፈሻ ኩሉ ግልጋሎታት ተበፃሒ ክገብሩ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። በዚ ዝተልዓለ ተጠቃሚ ከም ኩነታቱ በቢዝበፅሖ ዝሕተት ዓይነት መለለዪ መንነት ይህልዎ። መለለዪ መንነት ፋይዳ ግና ኩሉ ከተኣሳስር ዝኽእል ሓደ መሰረታዊ መለለዪ መንነት ተገይሩ ክውሰድ ይክኣል።
እዚ ማለት እቲ መለለዪ መንነት ምስ ኩሎም ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዘተኣሳስር ብምዃኑ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብምቅባል ዝደለይዎ ግልጋሎታት ክወሃበሉ የኽእል ከም ማለት ‘ዩ። እዚ ምግባር እንትክኣል ሕድ ሕድ ግልጋሎታት ወሃብቲ ትካላት ዘማእኸለን ደሕንነቱ ዝተሓለወ ማእከል ሓበሬታ ንክፍጠረሉ የኽእል።
ንኣብነት ሓደ ሰብ ናብ መሬት ምምሕዳርን ኣታውን ካልኦት ቢሮታትን ንግልጋሎት እንተተረኺቡ ዝተፈላለየ መንነት ሒዙ ክቀርብ ኣይኽእልን። ቅድሚ ሐዚ ግና ባንክታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት ውልቀ ሰባት ዝተፈላለየ መንነት ዘርኢ መለለዪ መንነት ብምሓዝ ስራሕቲ ምጭብርባር እናፈፀሙ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ሕድ ሕድ ውልቀሰብ ዝገልፁ ዝተማልአ መልክዕ ሓበሬታት ምርካብ ምኽኣሎምን ኣብ ሞንጎ ትካላት ዝህልው ሓበሬታት ምንባብ እንትጀምሩ ድማ ረብሓ መለለዪ መንነት ፋይዳ ዝበለፀ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ሞንጎ ረብሓታት ብኽነት ሃፍቲ ምቕናስ ምኽኣሉ፤ ሓይሊ ሰብ ብግቡእ ንምጥቃም ዕድል ምሃቡን ከምኡ ‘ውን ብዋናነትን ብስፍሓትን ምጭብርባር ሓበሬታ ምቕናስ ዘኽእሉ ምዃኖም ምሕባር ይክኣል።
ክሳብ ቀረባ እዋን ባንክታት ከምኡ ‘ውን ሓደ ሓደ ትካላት ፋይናንስ ብመለለዪ መንነትን ካልኦት ሓበሬታታት በዚ ብርኪ ብዘይምፍላዮም ክልተን ልዕሊኡን መለለዪ መንነት ብምሓዝ ኣታለልቲ ልዑል ኪሳራ እናበፅሑን ገበን እናፈፀሙን ከምዝነበሩ ምዝኽኻር ይክኣል። ሓደ ፅንዓት ከምዘመልክቶ ኣብ ኢትዮጵያ ከምአቆፃፅራ ፈረንጂ ብ2018 ካብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ሓደ ነጥቢ ሸሞንተ ቢሊየን ብር ብዙይ መልክዕ ተታሊሎም ‘ዮም።
እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ሓደ ሰብ ካብ ሓደ መለለዪ መንነት ብላዕሊ ብምሓዝ ዝተፈላለዩ ኣካውንታት ብምውፅኦምን ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ብምርካብን ከምኡ ‘ውን ናይ ሓሰት መለለዪ መንነት ብምሓዝ ከም ኻሊእ ውለቀሰብ ኮይንኻ ምቕራብ ‘ዩ። መለለዪ መንነት ፋይዳ ሙሉእ ንሙሉእ ምትግባር እንትክኣል ግና ሕድ ሕድ ውለቀሰብ ዝህቦ ሓበሬታ ብዳታ ዝተደገፈን ሓደ ዓይነት ስለዝኸውን ዝተፈለየ መንነት ሒዙ ንምቕራብ ዘኽእል ዕድል ኣይህልዎን።
ሕቶ፡- ዜጋታት ንመለለዪ መንነት ፋይዳ እናሃብዎ ዘለዉ ምላሽ እንታይ ይመስል?
ኣይተ ኣቤኔዘር፡– ብሓፈሻ ከም ማሕበረሰብ ተቀቢልዎ ‘ዩ ንምባል ዘድፍር መልስታት ረኺብና ኢና። በዚ ወገን ብዙሓት ‘ውን ዘልዕልዎ መለለዪ መንነት ንኹሉ ዘካትት ብምዃኑ ዓብይ ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎም ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዝነብር ማሕበረሰብ ወፃኢ በቢገጠሩ ዝነብርን ስደተኛታትን ሓዊሱ ሰፊሕ ተቀባልነት ረኺቡ ምባል ይክኣል።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ቅድሚ ሐዚ ብዙሓት ሰባት ናይ ከባቢኦም መለለዪ መንነት ብዘይምሓዞም ካብ ግልጋሎት ዝግለልሉ ኣጋጣሚ ሰፊሕ ‘ዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ኣርብዓ ሚእታዊ ዝኾን ኢትዮጵያዊ ትኽክለኛ መለለዪ መንነት የብሉን። መለለዪ መንነት ፋይዳ ተግባራዊ ምዃን እንትጅምር እዚ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ዝበፅሐሉ ተረባሒ ንምግባር ዘኽእል ‘ዩ።
እዚ ‘ውን ኮይኑ ብዝተወሰኑ ከባቢታት ብዛዕባ መለለዪ መንነት እኹል ግንዛበ ብዘይምህላው ፤ ሓበሬታት ንምእካብ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ቴክኖሎጂታት ሓደሽቲ ምዃኖምን ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ኣረኣእያታት ተተሓሒዙ ናይ ምጉብጓብ ነገር ተራእዩ ‘ዩ። እዚ ንምፍታሕ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ በቢከባቢኡ ምስ ዘለው ምምሕዳራት ብምዝታይ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ እናተፈፀመ እንትኸውን ካብ ምጅማሩ ብዙሕ ለውጥታት እናተመዝገቡ ይርከቡ።
ብኻሊእ ወገን ምስ ትካላት ተተሓሒዙ ብኹሉ ወገን እንተዘይኮነ ‘ውን ምንኣስ ድልውነት ተስተውዒሉ ‘ዩ። ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት እናተኸደሉ ዘሎ ቕልጣፈ ብፍላይ ብሲስተም ካብ ምቕንጃው ዘይምኽታል ነገር ምህላው ግንዛበ ወሲድና ኢና። እዚ ማለት ምእካብ ሓበሬታ ብመንገዲ ዲጂታል ምጥቃም ምጅማሩ ብተመሳሳሊ ብካልኦት ትካላት ወገን ብቅልጣፈ እንተዘይተገዲቡ ውፅኢታማነት መለለዪ መንነት ፋይዳ ዘምፅኦ ናይ ባዕሉ ተፅዕኖ ይህልዎ ‘ዩ።
ነዚ ‘ውን መሰረታዊ ናይ ነባሪነትን ካልኦት ግልጋሎታትን ዝህቡ ትካላት ሓቢሮም ንክጎዓዙ ንምኽኣል እናተሰርሑ ዘለው ስራሕቲ ዝግበሩ ድጋፋት ተጠናኺሮም ዝቕፅሉ ይኾኑ። ምስዚ ተተሓሒዙ ትግበራ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብብርኪ ሃገር ለኸ ምስምዃኑ ምስ ክልላትን በቢከባቢኡ ምስ ዝርከቡ ዝምልከቶም ትካላት ብምዃን ብምቅንጃው እናተሰርሐ ይርከብ። ኣበዚ እዋን ኣብ ኩሎም ክልላት ብርኪ ምትግባሩ እንተተፈላለየ ‘ውን መለለዪ መንነት ፋይዳ ናይ ምሃብ ስራሕ እናተፈፀመ ይርከብ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኩሉ ቦታታት ተበፃሒ ምዃን ንክከኣል ብስፍሓት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምውፋር ስርጭት መሳርሒታት ምዝገባ ብወገን ኢትዮ ቴሌኮም ዝከናወን ይኸውን። ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዘለው ዘይምርግጋኣት ብተበፃሕነት ናይ ባዕሎም ዝኾነ ዕንቅፋት እናተፈጠሩ ‘ውን ፀገማት ኣብ ዘየብሎም ከባቢታት ብዝድለ ብርኪ እናተተግበረ ይርከብ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እግሪ ብእግሪ ብምክትታል ምርግጋእ ኣብ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት ብቅልጡፍ ናብ ስራሕ ብምእታው ተበፃሕነት ንክህልው እናተሰርሐ ይርከብ።
ሕቶ፡- መለለዪ መንነት ፋይዳ ተግባራዊ ምግባር ከም ሃገር ኣብ ኢኮኖሚን ኣብ ምክላኻል ገበንን ዝህልዎ ረብሓ ብሓፈሻ ከመይ ይግለፅ?
ኣይተ ኣቤኔዘር፡– ብኢኮኖሚ ወገን ዝህልዎ ግደ ልዕሊ ኹሉ ዓብይ ብፅሒት ክህልዎ ‘ዩ። በዚ ወገን ብመንግስቲ ዘሎ እንትርኣይ ኩሉ ዜጋ በዓል ዋና መለለዪ መንነት ፋይዳ ንምግባር ዝእከበሉ እዋን ልዕሊ ሓደ መለለዪ መንነት ብምሓዝ ይርኣይ ዝነበረ ምትላላት ደው ክብል ‘ዩ። ብተወሳኺ ቅድም ኢልና ዘልዐልናዮ ኣርብዓ ሚእታዊ ዝኸውን ናይ ባዕሉ መለለዪ መንነት ዘይብሉ ማሕበረሰብ ምዃኑ መሰረታዊ ግልጋሎታት ብቐሊሉ ንክረክብ ዘኽእል ‘ዩ ዝኸውን።
ንኣብነት ባንኪ ኣካውንት ንምኽፋት፤ ካብ ቴሌኮም ስልኪ ሲም ካርዲ ንምውፃእን ዝኣምሰሉ ብዘይምርካቡ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ክፋል ማሕበረሰብ መደበኛ ስርዓት ኢኮኖሚ ከይኣተወ ፀኒሑ ‘ዩ። ክሳብ ሎሚ ውሕድ ዘይብሃሉ ክፋል ማሕበረሰብ መለለዪ መንነት ብዘይምሓዞም ዝፍፅምዎ ዝውውር ገንዘብ ኮነ ገንዘቦም እናቅመጥዎ ዘለው ግቡእ ኣብዘይኮነ መንገዲ በቢገዝኦም ‘ዩ። ብመሰረት ልምዲ ካልኦት ሃገራት ብምግባር ቅድሚ ሐዚ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ከም ሃገር ምትግባር ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣብቲ ኢኮኖሚ ልዑል ለውጢ ንምምፃእ በሪ ዝኸፍት ‘ዩ ዝኸውን።
ብተወሳኺ መለለዪ መንነት ፋይዳ ከም ሃገር መንነት ዝገልፅ ጥራሕ ብምዃኑ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝነበረ ዝሐሸ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቂሶም ኣብ ምስራሕ ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን ኣብዛ ሃገር እናተተግበሩ ዘለው መለለዪ መንነታት ብመንነትን ብከባቢን ዝተገደቡ ‘ዮም። እዚ ድማ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምልቦም ነምንቅስቃስ ፈተና እናፈጠሩ ፀኒሖም ‘ዮም።
ንቀፃሊ ግና መለለዪ መንነት ፋይዳ ዝሓዘ ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ዝደለዮ ክፋል እታ ሃገር ተንቀሳቂሱ ንስራሕ መንነቱ ብዝገልፅ መለለዪ መንነት ይበፅሖ ዝነበረ ፀገም ከትርፈሉ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ምክልኻል ገበን ልዑል ግደ ከበርክት ዝኽእል ‘ዩ። ብሓፈሻ መለለዪ መንነት ፋይዳ ምህላው ባዕልኻ ንምንቅስቃስ ኾነ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ውልቀውን ግልጋሎታት ብዝተቀላጠፈ መንገዲ ንምርካብ ዘኽእል ብምዃኑ ዜጋታት ትኹረት ብምሃብ ብከባቢኦም ኣብዘለው ጣብያታት መመዝገቢ ብምርካብ ነቲ ምዝገባ ክፍፅሙ ይግባእ።
ሕቶ ፡- ስለዝነበረና ግዜ ካብ ልቢ የመስግን፡፡
ኣይተ ኣቤኔዘር፡– ኣነ ‘ውን ስለዝሃብኩምኒ ዕድል ካብ ልቢ የመስግን።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም