ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብር 36 ቢሊዮን ምእካቡ ኣፍሊጡ

ኣኽበረት ታደለ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ አበባ ኣብዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ብር 36 ቢሊዮን 315 ሚሊዮን ኣታዊ ምእካቡ ኣፍሊጡ፡፡

ኣፍቲ ቢሮ ዘፈር ስራሕቲ ሕጊ ተገዛእነት ምክትል ቢሮ ሓላፊ ኮማንደር ኣሕመድ መሓመድ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃበዎ መግለፂ ኸምዘመልከትዎ፣ እቲ ቢሮ ኣብዚ በጀት ዓመት 10 ኣዋርሕ ብር 36 ቢሊዮን 838 ሚሊዮን 844 ንምእካብ ተሊሙ ብር 36 ቢሊዮን 315 ሚሊዮን ኣታዊ ብምእካብ ናይቲ ትልሚ 98 ነጥቢ ሽድሽተ ሚኢታዊ ምስኻዕ ኽኢሉ እዩ ኢሎም፡፡

ናይቲ ኣታዊ ምእካብ ኣፈፃፅማ ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ወቕቲ ክነፃፀር እንከሎ ብብር ሸውዓተ ነጥቢ ሸውዓተ ቢሊዮን ወይ ካዓ 24 ነጥቢ ሸውዓተ ሚኢታዊ ብልጫ ኸምዘለዎ ኣፍሊጦም፡፡ እቶም ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ኸምዝገለጽዎ፣ለብዘበን ንምእካብ ካብዝተተለመ ብር 42 ቢሊዮን 479 ሚሊዮን ብር 92 ሚኢታዊ ኣሳኺዑ እዩ፡፡ ናይ 10 ኣዋርሕ ኣፈጻጽማ እንክራይ ከሎ ካፍቲ ብትልሚ ዝተትሓዘ 98 ነጥቢ ሽድሽተ ሚኢታዊ ምስኻዕ ተኻኢሉ እዩ፡፡

መብዛሕትኡ ስራሕ ብኢድ( ማንዋሊ) ዝስርሑ ምዃኖምን እቲ ማሕበረሰብ ንግብሪ ዘለዎ ኣረኣእያ ሎሚውን ዘይምስትኽኻሉ ኣፍቲ ኸይዲ ግብሪ ምእካብ ዓብዪ ፈተና ኸምዝነበሩ ኣመልኪቶም፡፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ሰራሕተኛን ኣብ ኣመራርሓን ዝተቐናጀወ ኣሰራርሓ ምህላው ነቲ ፀገም ኣሸኒፍካ ንምውፃእ ዓቕሚ ከምዝፈጠረ ኣፍሊጦም፡፡

ኣመራርሓ ምስ ሰራሕተኛታት ተቐናጂዮም ምስርሖም እቲ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ኣታዊ ብኣግባቡን ብተኣማኒነት ከእቱ ናይ ግንዛበ ምፍጣር ስራሕ ብስፍሓት ብምስርሑ በቲ ኣታዊ ኣካቢ ቢሮ ሰራሕተኛታት ናይ ክትትልን ቁፅፅርን ድጋፍ ስራሕቲ ቐፃልነት ብዘለዎ መገዲ ተግባራዊ ብምግባሩ ነቲ ኣታዊ ዕብየት ዓብዪ እጃም ምብርካቱ ኣመልኪቶም፡፡

ሕዚውን ኣፍቲ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ብሕጋዊ መገዲ ግብሪ ናይ ምኽፋል ክፍተት ምህላዉ ዝጠቆሙ እቶም ሓላፊ፣ ዝምልከቶም ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ ናይ ግንዛበ ምፍጣር ስራሕ ተጠናኺሩ ኽቕጽል እዩ ኢሎም፡፡

ፀገማት ንምፍታሕ እቲ ቢሮ ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት እናዘርገሐ ይርከብ፡፡ ኣብ ጥንኩር ኣመራርሓ ዝተመስረተ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲድካ ምስራሕ ዝተፈላለየ መድረኽ ምድላው ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልጋሎት ምቕራብ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቐዳምነት ዝወሃቦም ምዃኖም ኣመልኪቶም፡፡

ንማሕበረሰብ ናይ ምንቓሕ መድረኽ ምድላዎም ዘመልከቱ ኮማንደር ኣሕመድ፣ እቲ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ብእዋኑ ግብሩ ንከፍልጥን ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ንክሕግዞ ናይ ‹‹ሐ ››ግብሪ ኸፈልቲ ብናይ ባዕሎም ምልዕዓል ግብሮም ንኸፍልጡ ክሳብ 30 ሓምለ ጎስጓስ ከምዝግበር ኣመልኪቶም፡፡

ናይ‹‹ለ›› ግብሪ ኸፈልቲ ብተመሳሳሊ ካብ 1 ሓምለ እስካብ ጳጉሜን ዘሎ ግዜ ኸምኡ’ውን ናይ ‹‹ሀ ›› ግብሪ ኸፈልቲ ካብ 1 ጳጉሜን እስካብ 30 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ግቡኦም ክዋጽኡ ንምግባር ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ ኸምዝካየድ ጠቒሞም፡፡

ናይ‹‹ሐ›› ግብሪ ኸፈልቲ እስካብ ብር 500 ሚኢቲ ሽሕ ናይ ‹‹ለ›› ድማ ካብ ብር 500 ሽሕ እስካብ ብር ሓደ ሚሊዮን፣ኸምኡ’ውን ናይ ‹‹ሀ›› ግብሪ ኸፈልቲ ካብ ብር ሓደ ሚሊዮን ንላዕሊ ምዃኖም ኣፍሊጦም እዮም፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You