‹‹ምጥንኻር ርክብ ህዝብታት ዓንዲ ሃገር’ዩ›› – ወይዘሮ ኣበባ በርሀ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኹናት ብዙሓት ፀገማት ተፈጢሮም ‘ዮም። እዚ ኹናት ዝተጎድአ ተጎዲኡ ብስምምዕነት ሰላም እንተተዛዛመ ‘ውን ገዲፍዎ ዝሓለፈ በሰላ ግና ብቐሊሉ ዝርሳዕን ዝሕከምን ኣይኮነን። ካብ መንግስቲ ጀሚሩ ካልኦት ግዱሳት ኣካላት ዓብይ ትኹረት ዝደሊ ‘ዩ።

ነበር ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይን ሐዚ ድማ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ምግብን መድሓትን ቁፅፅርን ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ወይዘሮ ኣበባ በርሀ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበለኦ፣ ‹‹እቲ ህዝቢ ብኹናት ስነልቦንኡ ዝተጎድአ ስለዝኾነ ነዚ ህዝቢ ሞራሉ ዘጠናኽር ሓሳብ ብምቕራብ ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ንክመፅእን ካብዚ ኣተሓሳሳባ ተበጊስካ ድማ ነቲ ህዝቢ ሰናይ ምምሕዳር ንክመፅእን እዚ ከምፅኡ ‘ዮም ዝተብሃሉ ሲቪል ማሕበራት ዝተውፃፅኡ ትኹረት ክዋሃቦም ይግባእ፣ ዝሓለፈ ኣጋጣሚ ንምርሳዕ ከቢድ እንተኾነ ‘ውን ንቕድሚት ብምርኣይ መፃኢ ወለዶ ክነድሕን ኣለና ›› ይብላ። ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሕሉፍ ዝነበሩ ፀገማት ትምህርቲ ብምውሳድ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር መነባብርኡ ንምምላስ ኣብ ምንታይ ዓበይቲ ጉዳያት ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ ይብላ ?

ወይዘሮ ኣበባ፡– ብዛዕባ እቲ ኹናት ቅድሚ ኸዚ ብዙሕ ኢልና ኢና። እቲ ኹናት ብሓፈሻ ክንሪኦ ከለና ግጉይ ‘ዩ ነይሩ። ግና ተገዲድና ናብዚ ኹሉ ፀገም ካብ ኣተና እቲ ኹሉ ዘፀገም ኹነታት ሓሊፉ ብሰላም ክዛዛም በፂሑ ‘ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ ኸዚ እዋን እናሰርሖ ዘሎ ስራሕ ዘዕግብ ‘ኳ እንተዘይኾነ ግና ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ጣልቓ እናኣተወ ብዝሐሸ መልክዑ እቲ ዕማመ ሰላም ኣብ ተግባር እናዋዓለ ‘ዩ ዝርከብ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሕውየት ትግራይ ብዝተኽኣሎ መገዲ እናተንቀሳቐሰ ‘ዩ። ዝዓነዉ ቤት ትምህርቲ ፣ ጥዕና ጣብያን ፋብሪካታትን ናብ ዝነበርዎ ንምምለሱ ኣብ ምግባር ከምኡ ‘ውን ብሰንኪ እቲ ኹናት ዝተጎድኡ ህዝቢ ሕክምና ምግብን መድሓኒትን ንክረኽቡ ኣብ ምግባር እናንቀሳቐሰ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ድማ ብፍላይ ወለዲ ብሰንኪ እዚ ኹናት ደቆም ዝሳኣኑ ብዙሓት ‘ዩም ፣ ኣሕዋቶም ዝሞትዎም’ከምኡ፣ እዚኦም ብስርዓት ክርድኡን ትኹረት ክግበረሎምን ይግባእ።ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሐ ፆታዊ መጥቃዕቲ ‘ውን ቀሊል ኣይኮነን ፣ ነዚአን ድማ ናይ ሞራል ትምህርትን ዘጠናኽር ክዋሃብ ይግባእ። እዚ ‘ውን ኣካል እቲ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ። ንዖኦም ክብል ኣብ ፀገም ዘሎ መንእሰይን ህዝብን ክክሕስዎ ይግባእ።

ኣብ ምምሕዳር እንተሪእና ድማ እቲ ህዝቢ ካብ ቐደም ጀሚሩ ደላይ ሰናይ ምምሕዳር ‘ዩ። እዚ ድማ በይኑ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንከይምፀኦ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ሰናይ ምምሕዳር እንድሕር ክመፅእ ኾይኑ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ‘ዩ ክኾን ዝግባእ።

ብዙሓት ለውጢ ዝደልዩ ምሁራንን ግዱሳት ተጋሩ ኣለዉ። እዚኦም ናብ ሓድነት ብምምፃእ ምኽክር ብምግባር ውፅኢት ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ሰብ ብጣዕሚ ክስራሕ ኣለዎ።

እቲ ህዝቢ ብኹናት ስነልቦንኡ ዝተጎድአ ስለዝኾነ ነዚ ህዝቢ ሞራሉ ዘጠናኽር ሓሳብ ብምቕራብ ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ንክመፅእን ካብዚ ኣተሓሳሳባ ተበጊስካ ድማ ነቲ ህዝቢ ሰናይ ምምሕዳር ንክመፅእን እዚ ከምፅኡ ‘ዮም ዝተብሃሉ ሲቪል ማሕበራት ዝተውፃፅኡ ትኹረት ክዋሃቦም ይግባእ።

እዚኦም ማሕበራት ብምድርጃው እቲ ሰብ ኣእምርኡ ክሰክን ናብ ዝሓሸ ናብራ ዘምረሐሉ መገዲ ክፈጥሩ ዓቕሚ ኣለዎም ‘ዩ። እተ ዝነበረ ብኔትዎርክ ዝተዘርገሐ ኣሰራርሓ ንጎኒ ብምግዳፍ ንህዝቢ ዝጠቅም ኣብ ታሕቲ ወሪዱ ክሰርሕ ዝኽእል ፍቕሪ ህዝብን ሕማም ህዝቡ ክስመዖ ዝኽእል መንእሰይ ኣሊሽካ ክስራሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዓብይ ግደ ዘሎዎ መንግስቲ እንተኾነ ‘ውን ካብቲ ዝበፅሐ ዕንወት ኣንፃር ክንርኢ ከለና ሓገዝ ካልኦት ኣካላት ዝደሊ ‘ዩ፣ ካብ ግዱሳት ትግራይ ብፍላይ ድማ ዳያስፖራ ትግራይ ዘለዎም ተሳትፎ እንታይ ክመስል ይግባእ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ከም ናይ ሓሳብ ድሕሪ ኸዚ ዳግም ኹናት ዝላዓል ኣጋጣሚ የለን ‘የ ዝብል። ቅድሚ ኸዚ ዝኸድናዮ ኣካይዳ ‘ውን ውፅኢቱ ስለዝረእናዮ ድሕሪ ኸዚ እቲ ዝሓለፈ ክድገም ‘ዩ ኢለ ኣይሓስብን ።

ግና ዳያስፖራ ትግራይ ንኣብነት እንድሕር ሪእና ኣብ ርሑቕ ቦታ ዝነብር ህዝቢ ‘ዩ። እቲ ጉድኣት ብደንቢ ይፈልጦ ኢልና ኣይንሓስብን ፣ ኣብ ርሑቕ ኣብ ምቾት ስለ ዝነብር እቲ ፀገም ልክዕ ከም ህዝቢ ትግራይ ዝተጎድኦ ጉድኣቱ ክስመዖ ‘ዩ ኢለ ኣይሓስብን።

ቅድሚ ኸዚ ኣብ መኸተ ሓደ፣ ኽልተ ሰለስተ እናተብሃለ ምትእኽኻብ ገንዘብ ዝካየድ ዝነበረ ኸዚ ‘ውን ንልምዓት፣ ንሕውየት ትግራይ፣ ንሆስፒታላት ንፋብረካታት ንትምህርቲ ንህፃናት ንተመዛበልቲ እናበሉ ገንዘብ ብምውፃእ ኣብ ተግባር ክሳተፉ ኣለዎም።

ካብ ኹናት ዝባሃል ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ካብ ፅልአት ብምውፃእ ብሕውነታዊ ብምቕርራብ ብሓልዮት ስራሕ እንድሕር ሰሪሖም ኣብ ሓፂር እዋን ትግራይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ግደኦም ተዋፂኦም ማለት ‘ዩ።

ካልኦት ግዱሳት ተጋሩ ድማ ትግራይ መጀመርያ ክትሓዊ ዝግባእ ብደቂ ዓዳ ዝሰርሕዎ ስራሕ ‘ዩ። ተወልድቲ ተጋሩ ዝኾነ ኣብ ሕብረተሰቦም ሕውየት ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ። ንሕና እንድሕር ትኹረት ኣብ ህዝብና ገይርና ካልእ ‘ውን ይኽተል ‘ዩ።

ንሕና ኣብ ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ካብ መንግስቲ ቀፂሉ ዓብይ ሓላፍነት ኣለና። ሓድነትና ክረጋገፅ ዝኽእል ንህዝብና ኣብዚ እዋን ኣብ ጎንኻ ኣለናልኻ ክንብሎ ከለና ‘ዩ። እዚ ድማ ግዴታና ‘ዩ። ኹሉ ነገር ካብ ባዕልና ክንጅምር ኣለና። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን እንተኾነ ካባና ተስፋ ይገብር’ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ቀረባ ከምዝራእናዮ መራሕቲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ሰላም ንክሰፍን ፃእሪ እናገበሩ ይርከቡ፣ እዚ ጅማሮ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ቀፃልነት ሃልይዎ ናብ ህዝቢ ንክወርድን ርክብ ህዝብታት ንክጠናኸር ካብዚ ዝበለፀ ስራሕ ክስራሕ እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብላ ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ምጥንኻር ርክብ ህዝብታት ዓንዲ ሃገር ‘ዩ። እዚ ንክኸውን ድማ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅዎ ኸዚ ንምፅንኻር ሲቪል ማሕበራት ክሰፍሑ ኣለዎም። ኣብ ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ካልኦት ክልላት ‘ውን ከም ኮምሽን ዕርቂ ንታሕቲ ወሪዱ ብሰፊሑ ክሳፋሕፋሕ ኣለዎ።

እንትጅመር ህዝቢ ንህዝቢ ፅልኢት የለን። ህዝብ ምስ ህዝቢ ተፃሊኡ ኣይፈልጥን ። የግዳስ ፖለቲከኛታት ብዘይተረዳድእዋ ፣ ኣነ ‘የ ትኽክል ብዝብል ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳ’ዩ ኣብ ህዝቢ ‘ውን ፅልኢት ንክሓድር ዝገበሩ ‘ምበር ህዝቢ ንህዝቢ ፅልኢት ክፍጠር ኣይኽእልን።

ፅልኢት ዘይነበሮ ህዝቢ እቲ ዝነበሮ ሰላም ንምጥንኻር ግና ከምቲ ዝበልኽዎ ኮምሽን ዕርቂ ብፌደራል መንግስቲ ዝተጣየሸ ምስ ሲቪክ ማሕበራት ብምዃን እቲ ህዝቢ ናብ ዝነበሮ ብምምላስ እቲ ዝሓለፈ ፀገም ንክርሰዖ ምግባር ይካኣል ‘ዩ። ብምቅርራብ ‘ዩ ዝርሳዕ ፣ ብምቅርራብ ‘ዩ ናብ ሰላም ዝእቶ ፣ ስለዚ እዚ ኽልቲኦም ተጣሚሮም ዓብይ ስራሕ ትፅቢት ይግበረሎም። እዚ እንድሕር ተሰሪሑ ህዝቢ ምንም ፀገም የብሉን።

ኹሉ ህዝቢ ሓደ ዝገብሮ ሰላም ምድላዩ ‘ዩ። ማንም ህዝቢ መከራን ኹናትን ክገጥሞ ኣይደልን። ብሰላማዊ መገዲ ናብርኡ ምምራሕ ‘ዩ ዝደሊ ። ንዕርቂ ቑሩብ ‘ዩ። ሓድነት ደላይ ‘ዩ። ኣብ ደስ ዝበሉ ክልል እናኸደ ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰሉ ብዝጋባእ ክረጋገፀሉ ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ዝተለመደ ‘ዩ። ሕውነታው ሓድነትን ኸዚ ዝመፀ ኣይኮነን ፣መግለፂና ‘ዩ። ስጡም ዝኾነ ዝወለደ ዝተዋለደ ማሕበረሰብ ‘ዩ። ምፍልላይ ዘይደሊ ህዝቢ ብምዃኑ ንሰላምን ዕርቅን ኣብ ቐረባ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ዝመፀ ሓገዛት ኣብ ኢድ ህዝቢ ብዘይምብፀሖም ሓገዛት ወሃብቲ ትካላት ዓለም እቲ ሓገዝ ጠጠው ንክብል ገይሮም ‘ዮም። እዚ በምዃኑ ድማ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዮም ዝርከቡ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለወን?

ወይዘሮ ኣበባ፡– እዚ ስጉምቲ ግዚኡ ዝሓለወ ስጉምቲ ኣይኾነን ። ህዝቢ ኣብ ጥምየትን መከራን እናሃለወ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ኣይነበሮን። ፍትሓዊ ኣይኮነን። ርግፅ ምዕራባውያን ንሕና ስርናይ ክህበኩም ንስኹም ዕድመ ልክዕኹም ለመንቲ ኹኑ ዝብል ኣተሓሳስባ ‘ዩ ዘለዎም።

ካብዚ ንምውፃእ ‘ውን መንግስቲ እናሰርሐ ‘ዩ። ግና እቲ ሓገዝ ካብተን ረድኤት ወሃብቲ ትካላት ናብ ተረዳኣይ ብቀጥታ ምብፃሕ ይካኣል ‘ዩ። ንሕና ኣብቲ ቦታ እናሃለውና ምስ እኽሊ ኣይንራኸብን ነይራና። ድኻን እኽል ኢና ነራኽብ ዝነበርና።

እዚ ፀገም ምስ ዝተፈጠረ ግና ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ኾነ ፌዴራል መንግስቲ ብምምኻር ክፍታሕ ነይሩ ‘ዩ። ህወሓት ዝባሃል ጉጅለ ኢዱ ነዊሕ ‘ዩ ኣሰራርሑኡ ‘ውን ቅድሚ ኸዚ እንፈልጦ ኢና። እቶም ዝሰረቑ ኣካላት ሒዝካ ናብ ፍርዲ ንክቐርቡ ምግባር ነይርዎም። እዚ ምግባር ንባዕሉ ንህዝቢ ሞራልን ካሕሳን ‘ዩ። ህዝብኻ ምኽባር ‘ውን ‘ዩ።

እዚ ፀገም እናተኸላኸልናልካ ኢና ዝብል ኣካል ነቲ ህዝቢ የድልዮ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ስለዘይረኸበ ህዝቢ እናተፀገመ ይርከብ ፣ ምግቢ ግዜ ዝህብ ኣይኾነን፣ እዚ ግዜ ዘይህብ ነገር ጠጠው ምባል ሰብኣዊነት ‘ውን ኣይኮነን። ብዉሑዳት ብዝሰርሕዎ ስርቆት ህዝቢ ክቕፃዕ የብሉን። እዚ ህዝቢ እዚ ኣይገበኦን ነይሩ። እቶም ዝሰርቑ ኾኑ መተሓባባርቶም ብህይወት ንክህልዉ ባዕሉን ደቁን ሂቡ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ’ዩ።

ካብዚ ዘሕለፎ ፀገም ኣንፃር ሰብኣውነት ተሰሚዕዎም ከጉድልሉ ኣይምነበሮምን። እንድሕር ኣመል ዘይገድፍ እንተኾይኑ ግና እቶም ሰረቕቲ ናብ ሕጊ ብምቕራብ ክቕፅዑ ምግባር ስራሕ ምስራሕ ‘ውን ነቲ ህዝቢ ዓብይ ተስፋን ንኻልኦት ‘ውን እዚ ተግባር ንከይድገም ትምህርቲ ዝህብ ‘ዩ።

ህዝቢ ካብ ኸምዚ ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ኸለላ የድልዮ’ዩ። በርግፅ መሰሎም ዘኽብሩ መናእሰይ እናወፁ ‘ዮም። ምንም ‘ኳ ከምዚ ዝድለ ሙሉእ ብሙሉእ ነፃነት እንተዘይሃለወ ብዝተኽኣሎም መጠን እቲ መንእሰይ ትኹረት ንክግበረሉ እናሓተተ ‘ዩ ዝርከብ።

እዚ ቀፃልነት ንክህልዎ እቲ መንእሰይ ሓገዝ የድልዮ ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ ጣልቃ ብምእታው ድልየቶምን ሓሳቦምን ክሰምዕ ይግባእ። እቶም ኣብኡ ኮፍ ኢሎም ዝሕንኩሩ ዘለዎ ኣካላት ናብ ፍርዲ ቐሪቦም እቲ ፀገም ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ ዝሓለፈ ኩነታት ንከይድገም ህዝቢ ትግራይን መንእሰይን ካብ ሕሉፍ ንምምሃር እንታይ ከስተውዕል ይግበኦ?

ወይዘሮ ኣበባ፡– ለባም ካብ ሰብ ይማሃር ዓሻ ካብ ባዕሉ ይማሃር ከም ዝባሃል ፣ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለየ መገዲ ተዓሽዩ ‘ዩ። ንክሞት ንክፅገም ንክዋረድ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ንካልኣይ እዋን ከጋጥም ‘ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ‘ዩ።

ምኽንያቱ ብዓለም ብርኪ ዘነጋገር ፣ ህዝቢ ዝሞተሉን ዝተጎድኣሉን ፣ ህፃናትን መንእሰይን ዝገበሩ ዘይብሎም ኣብ ዘይፈልጥዎ ኹናት ኣትዮም ዘግናኒ ዝኾነ ኣማውታ ዝሞትሉ ፣ ጀግና ኢኻ እናተብሃ ከም ዕስለ ተሊቒቑ ዝተዋረደሉ ግዜ ‘ዩ ሓሊፉ። እዚ ተግባር ንህዝቢ ኾነ ንሃገር ዘይጠቐመ ‘ዩ እሞ ንሓደን ንመወዳእታን ክዕፆ ኣለዎ። እቲ መንእሰይ ክድመፅ ይግባእ።

እናሰማዕና ኢና፣ ኣሕኩምና ናብ ንቡር ህይወትና መልሱና እሞ ናብ ልምዓት ኣቲና ዓርስና ክንቕይር መገዲ ኽፈቱልና ‘ዩ እናበለ ዝርከብ። እዚ ኣተሓሳስባ ‘ዩ እናፈጠረ ዘሎ’ ምበር ድሕሪ ኸዚ ናብ ኹናት ክንኣቱ ዝብል ልቦና የብሉን። እንትጅመር ‘ውን ተደፋፋኦምን ፅዕንቶ ተፈጢርሎም ‘ምበር ድልየት መንእሰይ ትግራይ ከምዚ ኣይነበረን።

ስለዚ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ብምጥቃም መሰሉ ኣኽቢሩ ናብ ልምዓት ዝጓዓዘሉ ኣንፈት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኾነ ካብ ፌደራል መንግስቲ ትኹረት ክዋሃቦ ይግባእ። ዝሓለፈ ነገር ምርሳዕ ኸቢድ እንተኾነ ‘ውን ንቀፃሊ ወለዶ ክንሓስብ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።  

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 22 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You