ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስራሕቲ መንግስቲ ምንኣስ ኣግባብነት የብሉን ተባሂሉ

  • ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ኣፅዋር ኲናት ንግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ንምእታው ከምዝተፈተነ ተገሊፁ

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ ፡- ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስራሕቲ መንግስቲ ምንኣስ ኣግባብነት የብሉን ክብሉ ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም። ከይዲ ለውጢ ብዓወት ንኽዛዘም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ርብርብ ክገብሩ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣይተ ደመቀ ጉዳይ ትግራይ ብዝምልከት መንግስቲ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብምቅዋም ዝካየድ ወፍሪ ግቡእ ኣይኮነን ኢዮም ኢሎም። ሐዚ እንደልዮ ጭቡጥ ደገፍ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፣ ብሽፋን ሰብኣዊነት ሓድነት ግዝኣት ኢትዮጵያን ምትእስሳርን ከምኡ’ውን ሓላፊነት ዝተመልኦ ተግባር መንግስቲ ብዝምልከት ምንኣስ ተቐባሊነት የብሉን ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክብ ንምባልን ተበፃሒ ንምግባርን፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዳግም ንምህናፅ፣ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምጅማር ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን የእትወና ዝብሉ ኣካላትን ብሓባር ንምስራሕ ኢትዮጵያ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣይተ ደመቀ ምግላፆም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣይተ ደመቀ፣ ኢትዮጵያ ነቲ እትገብሮ ዘላ ፃዕርታት ኣብ ግምት ከየእተወ ‹‹ተኸፊቱዋ ›› ንዘሎ ወፍሪ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእክቲ፣ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾኑ ውልቀ ሰባትን ደገፍትን ሰብኣዊ ስግኣታት ከም ምኽንያት ብምጥቃም ‹‹ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን እታ ሃገር ዝፃረር ተግባር ይፍፅሙ ኣለዉ›› ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ገለ ወገናት ‹‹ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ኣፅዋር ኲናት ንግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ሓቢኦም ከእትዉ ከምዝፈተኑ ዘመላኽቱ እሙናት መረዳእታታት›› ከምዘለዉዎም ኣረዲኦም፡፡ ‹‹ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ዝብል ክሲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓሶት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንሰላም፣ ምትሕብባርን ምርግጋዕን ዘይሕግዝ›› ክብሉ ኣመልኪቶም፡፡

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝሓዘትሉ ኣገባብ ብዝምልከት፣ተኸፊትዋ ዘሎ ግቡእ ዘይኮነ ወፍሪ ከምዝሓዘነት ዝገለጹ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮነን፣ኣብ ትግራይ መንግስትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ሰባት ዛጊድ ዝተገበረ ሓገዝ ብዝርዝር ሓቢሮም፡፡

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ሙሉእን ዘይተገደበን ናይ ምንቅስቓስ ፈቓድ ከምዝሃበ ‘ውን ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ ናይ ፀጥታ ጸገም ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ናብ ዝነብሩ ሰባት ረድኤት ንምቕራብ ወታሃደራዊ ሓለዋ ከምዝግበር ጠቒሶም፡፡ ብኻሊእ ዜና ከይዲ ለውጢ ብዓወት ንኽዛዘም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ርብርብ ክገብሩ ይግባእ ክብሉ’ውን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም፡፡

ኤጀንሲ ዳያስፖራን ሚሲዮናት ፌዴሪኢን ብምትሕብባር ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተወከልቲ መናእሰይ ዳያስፖራ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ዝዘተየን ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነን ልዝበ መርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኣይተ ደመቀ ፣ ኢትዮጵያ ንኹሉ ኣብ ዘሳተፈ ለውጢ ከምትርከብ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ዋላ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ፈተናታት እንተበዝሑዋ ብፅንዓት ናብ ቅድሚት እናተጓዓዘት ከምትርከብ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፣እቶም ፈተናታት ሓድነት ህዝቢ ብዝበለፀ እናጠናኸሩ ምምፀኦም ገሊፆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ዝህልዎም ናፃን ኣሳታፊን መረፃ ከምኡ’ውን ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ዝሳለጠሉ ከምዝኾነ’ውን ኣገንዚቦም። ብመንፅር እዚ ኣብታ ሃገር እናተፈነዉ ዝርከቡ ዘይተገደቡ ፅዕንቶታት ንምፅዋር መናእሰይ ዳያስፖራታት ዝሰርሑዎ ዝተወደበን ስሉጥን ስራሕቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ እዋናዊን ኣገዳሲን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊት ብግደአን፣ ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ማእገር ሃገሩ ምዃኑ ብዘረጋግፅ መልክዑ ሃገራዊ ፕሮጀክታትን ፃውዒታትን ንምሕጋዝ ልዑል መጠን ዘለዎ ሃፍቲ ኣተኣኻኺቡ ምልኣኹ ኣመስጊነን። ኣብቲ መድረኽ ፓናሊስት ኮይኖም ዝቐረቡ ኣምባሳደራት ኣብ ኢትዮጵያ እናተፈፀሙ ዝርከቡ ግቡኣት ዘይኮኑ ፅዕንቶታት ንምክልኻል ብዘተሓባብሩዎም ሚሲዮናት እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ልዕሊ 400 ሚሲዮናት ፌዴሪኢ ዝተወከሉ ኣምባሳደራት፣ መራሕቲ ሚሲዮናት፣ ዲፕሎማሰኛታት ከምኡ’ውን ተወከልቲ ዳያስፖራ መናእሰይ ምርካቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You