‹‹ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ተደጋጊፉ ንምዕባይ ሰላሙ ከጠናኽር ይግባእ›› -መምህር መኮነን ዘለለው

መምህር/ተጋዳላይ መኮነን ዘለለው ነባር ተጋዳላይ ህወሓትን መስራቲ ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲን (ትዴፓ) ’ዮም። ኣብ ወረዳ ወልቃይት ዝተወለዱ እንትኾኑ ዝዓበዩን ዝተማሃሩን ግና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ‘ዮም።

መምህር/ተጋዳላይ መኮነን ዘለለው ካልኣይ ብርኪ ምስ ወድኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መሰልጠኒ ምምህራን ኮለጅ ኮተቤ ብሞያ መምህርነት ዝተመረቑ ኮይኖም ድሕሪኡ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብመምህርነት እናሰርሑ እናሃለዉ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ንምቅላስ ናብ ገድሊ ህወሓት ብምፅምባር ዝተወሰነ ዕድሚኦም ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ኣሕሊፎሞ ‘ዮም።

ይኹን ’ምበር ኣብ ከይዲ ምስ ህወሓት ኮይኖም ኣንፃር ደርጊ ኣብ ዝቓለስሉ እዋን ናይ ዕላማ ፍልልይ ስለዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ ኣብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ከምኦም ዝበሉ ብፆቶም ብምዃን ‹‹ትግራይ ዲሞክራስያዊ ምትሕብባር›› ዝብል ውድብ ብምምስራት ለውጢ ንኽመፅእ ሰላማዊ ቓልሲ ከካይዱ ፀኒሖም ‘ዮም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ምስመፀ ድማ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ምስ ከምኦም ዝበሉ መቓልስቶም ‹‹ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ/ትዴፓ›› ዝብል ውድብ መስሪቶም ’ዮም።

ሐዚ ድማ ኣማኻሪ ትዴፓ ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ። መምህር/ተጋዳላይ መኮነን ሐዚ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣድሂብና ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ዕዱም ጋሻ ገይርናዮም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ባህርዳር ብምኻድ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብዛዕባ ሰላም ምዝታዮም ዝዝከር ‘ዩ፡፡ እዚ ከመይ ተዓዚቦሞ?

መምህር መኮነን፡- መጀመርታ ናይ ክልቲአን ክልላት ኣመሓደርቲ ብኣካል ተራኺቦም ብዛዕባ ሰላም ምዝርራቦም ሰናይ ተግባር ‘ዩ፡፡

ህዝቢ ሐደ ክኸውን እንድሕር ደኣ ኮይኑ መራሕቲ መጀመርታ ሓደ ክኾኑ ኣለዎም፡፡ ህዝቢ ክልቲኡ ክልል ተስማዕሚዑ ብሓባር ብፍቕሪ ከም ናይ ቐደሙ ክነብር መጀመርታ መራሕቲ ሓደ ኮይኖም ንህዝቢ መርኣያ ክኾኑ ኣለዎም፡፡

ስለዚ እዚ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ኩነታት ‘ዩ፤ ተጣናኺሩ ድማ ክቕፅል ኣለዎ። እቲ ርክብ እናጠንከረ እንተኸይዱ ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢታት ሰላም ዘይመፀሉ ኩነታት ኣይህሉን፡፡ ስለዚ እዚ ብወገነይ ኣዝዩ ፅቡቕን ተስፋ ዝህብን ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝወስዶ፡፡

እቶም ተፈጢሮም ዘለዉ ፀገማት ብፍላይ ምስ ናይ ወልቃይት ጉዳይ ተረዳዲኦም ብሰላም ክፈትሕዎ ኣለዎም። እቲ ህዝቢ ሓቢርካ ናይ ምንባር ፀገም የብሉን። እቲ ህዝቢ ዝደሊ ኣብዘለዎ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ሰላም፣ ፍትሒ ዲሞክራሲ ‘ምበር ካሊእ ኣይኮነን፡፡

ፀገም ዝፈጥሩ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ‘ዮም፡ እዚኦም ንህዝቢ ወልቓይት ዝጠቅሙ ኣይኮኑን። ህዝቢ ሰላም ረኺቡ ብሓባር ብፍቕሪ ክነብር ‘ዩ ድሌቱ፡፡ ህዝቢ ወልቃይት ወልቀታይ ምዃኑ ኣፀቢቑ ይፈልጥ ‘ዩ፡፡ ሰላም ከስእንዎ የብሎምን፡፡ ኣብዘለዎ ዘድልዮ ነገር ይግበርሉ፡፡

ወጋሕታ፡- እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ መራሕቲ ክልቲአን ክልላት ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ ተፈጢሩ ንዝፀንሐ ምስሕሓብ ዘምፀኦ ናይ ሰላም ትርጉም ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር መኮነን፡- ህዝቢ ኣዝዩ ተበዲሉ ‘ዩ፤ ብፍላይ ህዝቢ ወልቓይት፤ ሰናይ ምምሕዳር ዝበሃል ኣይነበሮን። ብፍላይ በቲ ናይ ሕዚ ኩናት ድማ ብዙሕ ሰብ ሞይቱ፣ ገሊኡ ናብ ጎንደር፣ ገሊኡ ንሱዳን፣ ገሊኡ ናብ ትግራይ ተፋናቒሉ ‘ዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ህዝቢ ወልቃይት ከቢድ ሓደጋ ‘ዩ ገጢምዎ፡፡ ስለዚ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ክልቲአን ክልላት መራሕቲ ንህዝቢ ክልቲአን ክልላት ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ፡፡ መራሕቲ ሓደ እንተይኮኖም ህዝቢ ሓደ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ተኸታሊ መራሕቱ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ብመሰረቱ ሓቢሩ ንዘመናት ዝነበረ ‘ዩ፤ ኣብ ሞንግኡ ቕርሕንቲ ዝበሃል ነገር ኣይነበሮን፡፡ ፀገም ዝፈጥሩ ዘሎዉ ፖለቲከኛታት ‘ዮም፡፡

ሕዚ ብኽልቲኦም መራሕቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ተጣናኺሩ እንተቐፂሉ ንህዝቢ ኣብዪ ትርጉም ‘ዩ ዘለዎ። ህዝቢ ብቐሊሉ ሓደ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ኮይኑ ግና እዚ ርክብ እዚ ብዝተጣናኸረ መልክዑ ናብ ህዝቢ ክወርድ ኣለዎ፡፡

ፖለቲካኛታት ንናይ በዓሎም ረብሓ ክብሉ ንህዝቢ ይጎድኡ ‘ዮም ዘለዉ ‘ምበር ኣይጠቐሙን ዘለዉ፡፡ ናይ ወልቓይት ሓረስታይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብጣዕሚ ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ፡፡ ሓሪሱ ዝበልዐሉ ኩነታት የብሉን። ንብረቱ ተወሪሩ ‘ዩ፡፡ ጥሪት ዝበሃል የብሉን። ተሰሪቑ ‘ዩ፡ ፡ ጥራሕ ኢዱ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ስለዚ ርክብ እዚ ብቕልጡፍ ናብ ህዝቢ እንተወሪዱ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።

ፀገም እቲ ህዝቢ ከቓልል ይኽእል ዩ፡፡ ብዝግባእ እንተተሰሪሕዎ ውፅኢታዊ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዚ ንህዝቢ ዓብዪ ተስፋ ዝሃበ ‘ዩ፡፡ ዝተፋናቐለ ህዝቢ መዓዘ ናብ መረበተይ ተመሊሰ ዝሓሸ ናብራ ክመርሕ እኸውን ‘ዩ ዝብል ዘሎ። ብቕልጡፍ ናብ ቦትኡ ክምለስ ‘ዩ ዝደሊ፡፡

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ሰላም መንግስቲ ብዝግባእ ክደፍአሉ ኣለዎ፡፡ ልዑል ቖላሕታ መንግስቲ የድልዮ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ንደሓር ከይምለስ ብዕቱብ ክስረሐሉ ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡- ንሶም ከም ተወላዲ ወልቃይት ህዝቢ ወልቃይት ድሌቱ እንታይ ‘ዩ? ፀገሙ ብምንታይ ክፍታሕ ይኽእል ኢሎም ይኣምኑ?

መምህር መኮነን፡- ህዝቢ ወልቃይት ኢትዮጵያዊ ‘ዩ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብዙሕ ናይ ምምሕዳር ፀገም ዘለዎ ህዝቢ ‘ምበር ምስ ኣምሓራይ ይኹን ምስ ትግራዋይ ዝኾነ ዓይነት ፅልኢ የብሉን። እዚ ህዝቢ እዚ መማሓደርቲ ብዝፈጠርዎ ፀገም ‘ዩ ኣብ ፀገም ዘሎ፡፡ ኣብ ህዝቢ እቲ ከባቢ እዚ ‘ዩ ዝባሃል ፀገም የለን፡፡

ህዝቢ ወልቃይት ዝደሊ ፀገሙ ክፍተሐሉ ‘ዩ። ዝተፈላለየ ፀገም ኣለዎ፤ ሕቶ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሓድር ዝመሳሰሉ ፀገማት ኣለውዎ፤ እዚኦም ክፍተሐሉ ይደሊ። ህዝቢ ወልቃይት ከምቲ ቕድሚ ሕዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝበልዎ ንኽልቲኡ ህዝቢ ዘራኽብ ድልድል ‘ዩ። ብሰላም ክነብር ድማ ጉዳዩ ብሰላም ክፍተሐሉ ኣለዎ፡፡

ህዝቢ ወልቃይት ከም ህዝቢ ወልቃይት መጠን ኣብታ ዝተወለደላ ቦታ ብሰላም ክነብር ‘ዩ ዝደሊ፡፡ ቕድሚ ሕዚ ተበዲሉ ‘ዩ፡፡ መገዛ መሬቱ ብሰላም ክነብር ኣይከኣለን፡፡ እቲ ዓብዪ ፀገሙ ‘ዚ ‘ዩ፡፡ በዓሉ ንበዓሉ ብሰላም ዝመሓደረሉ ኩነታት ክፍጠረሉ ‘ዩ ዝደሊ፡፡ ዝመርሕዎ ኣካላት ካብ በዓሉ ክወፁ ‘ዩ ዝደሊ።

በዓሉ ዝመረፆ ‘ምበር ካብ ካሊእ መፅዩ ከማሕድሮ ኣይኮነን ዝደሊ፡፡ ህዝቢ በዓሉ ንበዓሉ እንተተማሕዲሩ፣ ሰናይ ምምሕዳር እንተረኺቡ ካሊእ ዝደልዮ ነገር የለን፡፡ ፀገሙ በዚ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ነዚ ተበዲሉ ዘሎ ህዝቢ ብሰላም ዝነብረሉ ኩነታት ክፈጥረሉ ኣለዎ፡፡ መንግስቲ ፌዴራል ግቡእ ጠመተ ኣይገበረሉን፡፡

ህዝቢ ወልቃይት ብሰላም ኣብ ዓዱ ክነብር ‘ዩ ዝደሊ። ኮይኑ ግና እዚኣ ኣይረኸባን፡፡ እቲ ሓደ ናብ ኣምሓራይ ክልል ወግን፤ እቲ ሓደ ናብ ክልል ትግራይ ወግን ይብሎ፤ ኣብ ፀገም ‘ዩ ወዲቑ ዘሎ፡፡ እዚ ክኸውን ዘይግበኦ ‘ዩ፡፡ መጀመርታ ናፅነት ‘ዩ ዝደሊ፡፡ በዓሉ ንበዓሉ ዝመሓደረሉ ኩነታት ‘ዩ ዝደሊ፡፡

ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ‘ዩ ዝደሊ ‘ምበር መሸቐጢ ፖለቲከኛታት ክኸውን ኣይደልን፡፡ ድሌቱ ‘ውን ክሕተት ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ክመያየጥ ክኽእል ኣለዎ፤ ኣብዚ ኩነታት እዚ ድማ ህዝቢ ወልቃይት ብሰላም ንኽነብር መንግስቲ ፌዴራል ግዲኡ ክፃወት ይግበኦ።

ከም ናይ ወልቃይት ሕቶ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክለዓል ይኽእል ‘ዩ፡፡ ኣሎ ‘ውን ዩ። እዚ ወይ ብሕገ መንግስቲ ክፍታሕ ኣለዎ፤ ወይ ድማ ህዝቢታት በዓሎም ተስማዕሚዖም ክፈትሕዎ ኣለዎም፡፡ ነዚ ግና ካሊእ ሕቶ ከይለዓል መጀመርታ እተን ክልላት ክስማዕማዓ ኣለወን።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ‘ውን ዝለዓል ሕቶ ኣሎ ‘ዩ፡፡ በቲ ናይ ቐደም ክፍሊ ሃገር ንኺድ እንተኾይኑ ካሊእ ሕቶ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ህወሓት ክፍለ ሃገራት ዝነበራ ‘ዩ ካብ ካልኦት ወሳሲኹ ክልላት ፈጢሩ፤ እኒ በዓል ዓፋር ኣይነበራን፡፡ ዓፋር ኣብ ትግራይን ወሎን ‘ዩ ነይሩ፡፡ ካሊእ ‘ውን ብተመሳሳሊ፡፡

ስለዚ መጀመርታ ኮፍ ኢልካ ምርድዳእ የድሊ። ካሊእ ሕቶ ዘየልዕል ክኸውን ኣለዎ፡፡ ስዒቡ ዝመፅእ ሕቶ ኣቐዲምካ ምርኣይ የድሊ፡፡ ብናይ ቀደም ንኺድ እንተይልና ሓደሽቲ ዝተፈጠራ ክልላት ኣለዋ፤ ማለት ክፍለ ሃገራት ዘይነበራ ኮይነን ኮይኑ ግና ደሓረ ክልላት ኮይነን ዝተፈጠራ ኣለዋ፡፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው የድሊ፡፡

ነገራትን ኣቐዲምካ ምርኣይ ጠቓሚ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ብቐዳምነት ንህዝቢ ወልቃይት ዘድልዮ ኣብ ዘለዎ ሰላም፣ ልምዓት ሰናይ ምምሕዳር ‘ዩ፡፡ እቲ ፀገም ብኸመይ ይፈታሕ ኢሉ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክዘራረበሉ ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ዘይሩ ዘይሩ ፍትሒ ‘ዩ ዝደሊ፡፡ መጀመርታ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ልምዓት ክረጋገፀሉ ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡-ዝተጀመረ ርክብ መራሕቲ ክልቲአን ክልላት ተጣናኺሩ ክቕፅልን ኢሉ ‘ውን ናብ ህዝቢ ክወርድን እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

መምህር መኮነን፡- ኣብ ክልቲኡ ክልል ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ መራሕቲ ክልቲአን ክልላት ክጣናኸር ኣለዎ፡፡ እዚ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘ዩ፡፡ እዚ ንደሓር ከይምለስ ፃዕሪታት ክግበሩ ኣለዎም፡ ፡ ከም ‘ቶም ክልቲኦም መራሕቲ ብኣካል ተራኺቦም ዝተማኸሩ ህዝቢ ‘ውን ሓቢሩ ክመክር ኣለዎ፡፡

ኩሉ ነገር ብዝሰልጠነ መገዲ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ፡፡ ብፅልኢ፣ ብቕርሕንቲ ዝርከብ ረብሓ የለን፡፡ ንህዝቢ ዝጠቕም ሰላም ‘ምበር ነንበዓልኻ ምፅላእ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ‘ውን ኮፍ ኢሉ ብዛዕባ ሰላሙ ክመክር ዕድል ክረክብ ኣለዎ፡፡ ካብ ፅልኢ እንታይ ኣትሪፍና፣ እንታይ ከሲርና ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ፀገሙ በዓሉ ክፈትሕ ኩነታት ክመቻቸወሉ ኣለዎ።

መራሕቲ ድማ በቲ ጀሚሮሞ ዘለዉ ኣካይዳ ንህዝቢ ኣብ ምቕርራብ ልዑል ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም፡፡ ህዝቢ ክመያየጥ ብምግባር ዝነበረ ኣፈላላይ ክፍታሕ ክግበር ኣለዎ፡፡ ፖለቲከኞች ድማ ምእንተ ሰላምን ሕውነትን ክልቲኡ ህዝቢ ‘ምበር ፅልኢ ክሰብኩ የብሎምን፡፡ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኣምሓራን ምንም ዘባእስ ጉዳይ የብሉን፡፡

ነይርዎ ኣይፈልጥን፤ ንዘመናት ብሰላም ሓቢሩ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ሓንቲ መዓልቲ ተፃሊኡ ወይ ተባኢሱ ኣይፈልጥን፡፡ ፖለቲከኛታት ብዝፈጥርዎ ዘለዉ ፀገም ዝተወሰነ ምጥርጣር ክህሉ ይኽእል ‘ዩ፡፡ እዚ ንናይ በዓሎም ረብሓ ክብሉ ዝፈጥርዎ ዘለዉ ፀገም እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኣምሓራ ዘፃልእ ጉዳይ የብሉን፡፡ሓደ ህዝቢ ‘ዩ፡፡

ናይቲ ህዝቢ ፀገም እንታይ ‘ዩ እንተይልና ፀገም ኢኮኖሚ፣ ሰላም፣ ልምዓት፣ፍትሒ ሰናይ ምምሕዳርን ዝመሳሰሉ ‘ዮም፡፡ እዚ መጀመርታ ክፍተሐሉ ኣለዎ፡፡ መራሕቲ ድማ ብኣካል ናብቲ ህዝቢ ወሪዶም ከዛራርብዎ ኣለዎም፡፡ ብኸምዚ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ፡፡ሓደ ሓደ ሰባት ነቲ ህዝቢ ሰላም ንምኽላእ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ዝነብሑ ኣለዉ፡፡

እዚኦም ትዕግስቲ ክገብሩ ኣለዎም። ህዝቢ ነዚኦም ከዳምፆም የብሉን፡፡ እዚኦም ነቲ ህዝቢ ሓሲቦምሉ እንተይኮኑስ ንናይ በዓሎም ፖለቲካዊ ረብሓ ‘ዮም ዘፃልእዎ ዘለዉ፡፡ ሰላም ክፍጠር እንተኾይኑ ናይ ወልቃይት ጉዳይ ንወልቀቶት ምግዳፍ ‘ዩ፡፡ ኣብ ርሑቕ ኮይንካ ፀገም ምፍጣር ትኽክል ኣይኮነን፡፡

ንህዝቢ እንተሓሲቦም ንቐደም መሰረታዊ ልምዓት ይዘርግሕሉ፡፡ ህዝቢ ወልቃይት ይኹን ህዝቢ ፀገዴ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ‘ዘሎ፡፡ ፀገሙ ንምፍታሕ ይሓግዝዎ። ሓደ ሓደ ሰባት ወልቃይት ፀገዴ ከም ሓደ ገይሮም ዝሓስብዎ ኣለዉ፡፡ ነኒ በይኑ ‘ዩ፡፡

ፀገዴ ንበይኑ ወልቃይት ንበይኑ። ኮይኑ ግና እቶም ሓደ ሓደ ብርሑቕ ኮይኖም ዝዛረቡ ፖለቲከኛታት ከም ሓደ ገይሮም ‘ዮም ዝወስድዎ። ንምንታይ እንተይልና ብቀረባ ነቲ ህዝቢ ዝፈልጥዎ ኣይኮኑን፡፡ብሓፂሩ እዚ ኩሉ ፀገም ዝመፀ ግና ብድኽመት ህወሓት ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ክንዲ ምስፋን በዲሎሞ ‘ዮም ፀኒሖም፡፡

ናይዚኦም ጌጋ ‘ዩ ነቲ ህዝቢ ናብዝኹሉ ፀገም ኣእትይዎ፡፡ ክገብርዎ ዝነበሮም ንህዝቢ ወልቃይት ይኹን ካሊእ ህዝቢ ብማዕረ ገይሮም ሰናይ ምምሕዳር ከስፍንሉ፣ መሰረታዊ ልምዓት ክዝርግሕሉ ነይርዎም፡፡ ሰሪሑ ዝበልዐሉ ኩነታት ከመቻችውሉ ነይርዎም፡፡ በዓሉ ንበዓሉ ከመሓደር ኣይገበሩን፡፡

ካብ ካሊእ ከባቢ እናምፅኡ ‘ዮም ዘመሓድርዎ ነይሮም፡፡ ብኸምዚ ዓይነት ፀገም እቲ ህዝቢ ቕሬታ እናሕደረ መፂኡ ‘ዩ፡፡ ብሰንኪ ሰናይ ምምሕዳር ብዙሕ ህዝቢ ክስደድ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ወልቃይት ናይ ወልቀቶት ምዃና ኣፍልጦ ክዋሃቦ ነይርዎ፤ በዓሉ ንበዓሉ ክመሓደር ነይርዎ፡፡

ወጋሕታ፡- ብዋናነት እቲ ዝተጀመረ ርክብ ንደሓር ከይምለስ ብኽልቲኡ ወገን ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፣ ኣክቲቪስትታን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እንታይ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

መምህር መኮነን፡– እዚ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ፤ መንግስቲ ፌዴራል ቖላሕታ ክገብረሉ ኣለዎ። ብፍላይ ብምኽንያት ፖለቲከኛታት ዝፍጠሩ ዘለዉ ፀገማት ኢዱ ኣእትዩ ክፈትሖ ኣለዎ፤ እዚ ንክልላት ጥራሕ ዝወሃብ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

ይግበአኒ ‘ዩ ዝብል ሕቶ መሬት ኣብ ወልቃይት ጥራሕ ኣይኮነን ዝለዓል፤ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ‘ውን ይለዓሉ ‘ዮም። እዚ ብቐንዱ ናይቲ ማእኸላይ መንግስቲ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ፖለቲከኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሚድያታት፣ ኣክቲቪስቲታት፣ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ህዝቢ ኣብ ዘቀራርብ ኣጀንዳ ትኹረት ክገብሩ ኣለዎም፡፡

ሐዚ እቲ ህዝቢ በዓል ዋና ስኢኑ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ፌዴራል ቖላሕታ ኣይገበረሉን፤ ክልል ትግራይ ይኹን ክልል ኣምሓራ ‘ውን ብተመሳሳሊ፡፡ ዘማሓድር ዘይብሉ ዝተበደለ ህዝቢ ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ እዚ ቐልጢፍካ መፍትሒ ክግበረሉ ኣለዎ።

ስለዚ መንግስቲ ፌዴራል መራሕቲ ክልላት ብምቕርራብ ፀገም እቲ ህዝቢ ዝቕረፈሉ ኩነታት ‘ዩ ክፈጥር ዘለዎ፡፡ ኣብዚ ብቐንዱ መንግስቲ ፌዴራል ‘ዩ ዓብዪ ግደ ክፃወት ዘለዎ፡፡ ከም ናይ ወልቃይት ሕቶ ኣብ መንጎ ኦሮሚያን ሶማሌን፣ ዓፋርን ሶማሌን፣ ዓፋርን ኣምሓራን፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን፣ ቤንሻንጉልን ኣምሓራን ኣሎ ‘ዩ፡፡

ከምዚ ዓይነት ሕቶ መንግስቲ ኢዱ ኣእትዩ ክፈትሖ እንተዘይክኢሉ ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ክኸይድ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ሃገር ክብትን ይኽእል ‘ዩ፡፡ ብሓፂሩ ግና እዚ ክፍታሕ ዝኽእል ብደረጃ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ብተወሳኺ ኩሎም በቢደረጅኡ ዝርከቡ ኣካላት ኣብ ሰላም ኣድሒቦም ክሰርሑ ኣለዎም፡፡ እዛ ዓዲ እዚኣ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ‘ያ፡፡

ወጋሕታ፡-ኣብ ሰላም ኣመልኪቱ ንኽልቲኡ ህዝቢ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ዕድል ክህቦም?

መምህር መኮነን፡- ህዝቢ ወልቃይት እንተኺኢሉ ፀገሙ ባዕሉ ክፈትሕ ኣለዎ፤ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ከበኣስዎ ላዕልን ታሕትን ንዝብሉ ኣካላት ቦታ ክህቦም የብሉን፡፡ ከም ናይትማሊኡ ብሰላም ክነብር ኣለዎ፡፡

ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እንተኾይኑ ድማ ብሕጊ መሰረት መንግስቲ ፌዴራል ክፈትሖ ኣለዎ፡፡ ክሳብ ሐዚ ዝበፅሖ ፀገም ይኣኽሎ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ፣ ልምዓት ቖላሕታ ክገብር ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ወልቃይት በዓሉ ክመክር ኣለዎ ‘ምበር ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ንሕና ኢና ንፈልጠልካ ክብልዎ ኣይግባእን፡፡

እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ከምዘድልዮ በዓሉ ክመኻኸር ኣለዎ፡፡ በዚ ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ ‘ዩ መንግስቲ ኢዱ ከአቱ ዘለዎ፡፡ ኮይኑ ግና ካልኦት ብርሑቕ ኮይኖም ‘ዮም ንፖለቲካዊ ከስቢ ዝጥቐምሉ ዘለዉ፡፡ ህዝቢ ክሕገዝ ’ዩ ዘለዎ ‘ምበር ሓዊ ክተአትወሉ የብልካን፡፡ ስለዚ ኣብዚ መንግስቲ ፌዴራል ብዝመርሖ ኣካይዳ ክፍታሕ ኣለዎ፡፡

ብወገን ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሰበ ስልጣን፣ ኣክቲቪስትታት፣ ሚድያታት ንኽልቲኡ ህዝቢ ኣብ ዘቀራርብ ሓሳብ ቖላሕታ ገይሮም ክሰርሑ ኣለዎም። ንክልቲኡ ህዝቢ ይኹን ነሃገር ዝጠቕም ሰላም ‘ምበር ቕርሕንቲ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ከም ናይ ትማሊኡ ብሓባር፣ ብፍቕሪ ክነብር ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡

ንኽልቲኡ ህዝቢ ዝጠቕሞ ሰላም ‘ምበር ጎንፂ ኣይኮነን፡፡ ክልቲኡ ህዝቢ ሓደ ኮይኑ ንዘመናት ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ‘ዩ፡፡ ተመሳሳሊ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ቋንቋን ዘለዎ ክነፃፀል ዘይኽእል ህዝቢ ‘ዩ፡፡ ተደጋጊፉ ንዘመናት ብሓባር ነይሩ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ፈፂሙ ክፋላለ ዘይኽእል ሓደ ህዝቢ ‘ዩ፡፡ በቲ ናይ ሕዚ ፖለቲካ ብዙሕ ጥፍኣታት ተፈፂሞም ‘ዮም።

እዚ ብፍቕሪ ‘ምበር ብኻሊእ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ዝተፈፀሙ ኩሎም ጌጋታት ብይቕርታ ክሕለፍ ኣለዎ። ክልቲኡ ህዝቢ ክዓቢ ዝኽእል ብምድግጋፍ ‘ምበር ብቕርሕንቲ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ክልል ኣምሓረ ዝበፅሐ ጉድኣት ናይ ክልቲኡ ክልል ጉድኣት ‘ዩ።

ፈላሊኻ ዝረአ ኣይኮነን፡፡ ኣብሓንቲ ሃገር ክሳብ ዘለኻ እቲ ጉድኣት ናይ ሓባር ጉድኣት ‘ዩ፡፡ መራሕቲ እቶም ክልላት ናይ ሰላም መድረኻት ብምድላው ነቲ ህዝቢ ከቓራርብዎ ኣለዎም፡፡ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ መራሕቲ ብምጥንኻር ናብ ሕዝቢ ‘ውን ቐልጢፉ ክወርድ ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ጎኒ መራሕቱ ኮይኑ ክተሓባበር ኣለዎ፡፡ ክልቲኡ ህዝቢ ካብ ሰላም ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የብሉን፡፡

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና፡፡

መምህር መኮነን፡– ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 15 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You