ዩኒታት ፍልፍል ሓይሊ ተከዘ ብዘይ ፅገና ስራሕ ምጅማሮም ተገሊፁ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡-ዩኒታት ፍልፍል ሓይሊ ተከዘ ምንም ዓይነት ፅገና ከየድለዮ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ዳይሬክተር ኮምኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሞገስ መኮንን ኣፍሊጦም።ቅድሚ ኸዚ እውን እቲ ግድብ ተወቂዑ እዩ ድሕሪ ኸዚ ግልጋሎት ኣይህብን እናተብሃለ ዝነበረ ሓሶት ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኣይተ ሞገስ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፣ ፍልፍል ሓይሊ ተከዘ ቅድሚኸዚ ሓይሊ ምሃብ እንተኻኣለ እውን መተሓላላፊ መስመር ስለዘይተዘርገሐሉ ንኣዋርሕ ብዘይ ስራሕ ተቐሚጡ ነይሩ እዩ።ኣብዚ ኸዚ ግና ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ዩኒት እቶም ኽልተ ብሙሉእ ዓቕሞም ግልጋሎት እናሃቡ እዮም።

ብኽልቲኦም ዩኒታት ክሳብ 108 ሜጋ ዋት ዝኣክል ሓይሊ ምምራት ተኻኢሉ እዩ።እቶም ኽልተ ዩኒት ድማ ናብ ስራሕ ዘይኣተዉ ኣድላይነት ሓይሊ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው’ምበር ካልእ ፀገም ሃልይዎም ኣይኮነን።

እቶም ዩኒት ስለዝሰርሑ ጥራሕ ናብ ተግባር ኣይኣትዉን።እቶም ኽልተ ዩኒት ስራሕ ክነጀምር ኸለና ዝተጠቐምናዮ 7ሰዓትን 18ደቂቃ እንትኾን ፣ክሳብ 12ሰዓት ሓዲኡ ዩኒት ንክሰርሕ ዝተገበረ እንኸውን ድሕሪ 12 ሰዓት ጀሚሩ ድማ እቲ ኻልኣይ ዩኒት ንክሰርሕ ተገይሩ እዩ።ብምዃኑ እውን ኣድላይነት ሓይሊ እናተርኣየ ኹሉ ናብ ስራሕ ዝኣትዉሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ ኢሎም ።

ፍልፍል ሓይሊ ልክዕ ከም መከፋፈሊ መስመር ኣብ ከባቢ ጥራሕ እንይኾነስ ንሃገር እዩ ዘገልግል፣ኸዚ ንግዚኡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሓልፈሉ መስመር ጉድኣት በፂሕዎ ስለዝነበረ ክፅገኑ ዘለዎም መስመራት ተፀጊኖም ክሳብ ዝውድኡ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ግልጋሎት እናሃበ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም እዮም።

ፍልፍል ሓይሊ ተከዘ ምንም ዓይነት ዝተፈለየ ስራሕ ኣይተሰረሐሉን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ ቅድሚ ኸዚ እቲ ግድብ ተወቒዑ እዩ፣ድሕሪ ኸዚ ግልጋሎት ኣይህብን እናተብሃለ ዝነበረ ሓሶት ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ከም ኣይተ ሞገስ ገለፃ ፣ ኣብቲ ፍልፍል ሓይሊ ምንም ዝብፅሐ ጉድኣት ብዘይምህላዉ ድሕሪ ኣዋርሕ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ዘውፅኦ ወፃኢ የለን ፣ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ስጉምቲ ሕጊ ምኽባር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝበፅሐ ልዑል ዕንወት ኤሌትሪክ መሰረተ ልምዓት እቲ ትካል ብር 240 ሚሊየን ኪሳራ ኣጋጢምዎ እዩ።

ኣብ ትግራይ ንሳልሳይ እዋን ምቑራፅ ሓይሊ ኣጋጢሙ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሞገስ ፣ ናይዚ ምቑራፅ ሓይሊ ትኽክለኛ ምኽንያት ንምፍላጥ ባዓል ሞያታት እናሰርሑ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።

ካብ ተከዘ ናብ መቐለ ዝኸይድ መስመር ብምፅጋን እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ባዕሉ ንባዕሉ ንክቆፃፀር ኾይኑ መቐለን ከባቢኣን ግልጋሎት እናሃበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም እዮም።

ባዓልሞያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዓብይ ዋጋ ኸፊሎም እዮም ዝበሉ ኣይተ ሞገስ፣ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ኸዚ እውን እንተኾነ ናይ ሰላም ስግኣት ካብ ምህላዉ ንላዕሊ ንእሽተይ ጉጅለ እናፈጠሩ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዝፍትኑ ኣካላት ኣለዉ ኢሎም።ባዓል ሞያታት ንዚ ኩሉ ፀገም ተፃዊሮም ስረሖም እናሰርሑ ምዃኖም ኣመልኪቶም እዮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ምቑራፅ ኤሌትሪክ መንግስቲ ኾነ ኢሉ ዝገበሮ ተገይሩ ዝናፈስ ወረ ፍፁም ሓሶት ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሞገስ፣ከምዚ ዓይነት ሓሳብ እንተዝህሉ ነይሩ ፣ልክዕ ሓደ መስመር ክቋረፅ ከሎ መመራፂ ብዝባሃል ካልእ መስመር ንሕብረተሰቡ ግልጋሎት ኤሌትሪክ ንክረክብ ኣይስራሕን ነይሩ ኢሎም እዮም።

እቲ ክልል ቅደም ክብል ሓይሊ ዝረክብ ዝነበረ ኣላማጣ፣ መኾኒ፣መቐለ ብዝኸይድ መስመር እዩ ነይሩ፣እሱ ምፅጋን ክሳብ ዝካኣል ሓይሊ ምቑራፅ ክፀንሕ ነይሩ እዩ፣ኾይኑ ግና ብኻልእ መስመር ቀይርካ ንምስራሕ ዝተገበረ ፃዕሪ ተከዘ እውን ናብ ስራሕ ንክኣቱ ገይርዎ እዩ።እቲ ሕብረተሰብ እውን እዚ ብዝግባእ ክርዳእ ከምዘግባእ ተዛሪቦም እዮም።

ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝበፅሐ ጉድኣት ንማንም ጥቕሚ ኣይህልዎን፣ከም ሃገር ንኹሉ ዝጎድእ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ተጠቃሚ ኤሌክትሪክ ዓብይ ፅዕንቶ ዘሕድር እዩ፤ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዝበፅሕ ጉድኣት ንዝምልከቶ ኣካል ፀጥታ ብምዝራብ እቶም ጥፋኣተኛታት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ምግባር ከምዘድሊ ኣፍሊጦም እዮም።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You