“ሕውየት ትግራይ ንኻሊእ ክፋል ኢትዮጵያ ምሕዋይ ምዃኑ ርዱእ ብምግባር ክንትሓጋገዝ ይግባእ” – ኣይተ ምኪኤል ምሩፅ

ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኮይኖም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝተወለዓ ኲናት ምኽንያት ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮ ብምምላስ ቀዳማይ ዲግሪኦም ብወፃኢ ቋንቋን ስነፅሑፍን፤ ማስተሮም ድማ ብኤም.ቢ.ኤ ፕሮጀክት ማናጅመንት እንትኾን፤ ብስራሕ ዘለዎም ልምዲ ድማ ብመምህርነትን ብጋዜጠኝነትን ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ድማ ኣብ ቢሮ ሕርሻ ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብኮሙኒኬሽን ዳይረሬክተር ኾይኖም እናገልገሉ ዝርክቡ ኣይተ ምኪኤል ምሩፅ’ዮም፡፡

ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ሕርሻን ተፈጥሮ ሃፍትን ትግራይን ተዛማዲን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝስዕብ ቃለመሕት ገይርናሎም፤ ኣለና ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ቅድሚ እቲ ዝተፈጠረ ኲናት ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምንታይ ብርኪ ነይሩ ክብሃል ይክኣል?

ኣይተ ምክኤል:– ቅድሚ እቲ ኲናት ሕርሻ ትግራይ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ነይሩ ክንብሎ ንኽእል። ዘይተመልአን ዝተርፎ ነገር ከምዝነበሮ ከምዘሎ ኮኑ፤ ኣብ ሕርሻ ክንርኢ ከለና በቢዓመቱ ልዕሊ 1ነጥቢ 3 ሚልየን ሄክታር ሽፋን መሬት ብዝራእቲ ይሽፈን ነይሩ።

ካብዚ ድማ ካብ 18 ክሳብ 21 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ንረኽበሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ሃፍቲ እንስሳ’ውን ብተመሳሳሊ ናብ 17 ሚልየን ዝቁፀራ ሃፍቲ እንስሳታት ማለት’ውን ካብ ደርሆ፣ ንህቢ፣ ከፍቲ፣ ጠለ ብጊዕን መፅዓኛን ሓዊሱ ነይረናና።

ሕርሻ ዝመርሖ ልምዓት ኢንዱስትሪ ዝብል ሃገራዊ ፖሊሲ ሕርሻ ከምዘሎ ኮይኑ ናይ ትግራይ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ፤ ኣብ ምሕብሓብ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ እንትኾን፤ ሕብረተሰብ ብምልዕዓል ካብ 20 መዓልቲ ክሳብ 40 መዓልቲ ናፃ ወፈራ እናተገበረ ኣብ ምሕዋይ ዝተጎድአ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሑ ነይሩ ‘ዩ።

እዙይ ድማ ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ቻይና ከተማ ኦርገን ዝተኻየደ ናይ “ሽልማት ብሉፅ ፖሊሲ” ትግራይ ተዓዋቲት ዝኾነትሉ ኩነታት ፈጢሩ ነይሩ ‘ዩ። ከምኡ’ውን ብደኒ ሽፋን ክንርኢ ከለና ካብ ተሪፉ ዝነበረ 3ን 4ን ሚኢታዊ ሽፋን ደኒ ናብ ናብ16 ነጥቢ 8 ሚእታዊ ከባቢ ሽፋን ዝበፀሐሉ ‘ዩ ነይሩ።

ብሓፂሩ ተፈጥሮ ሃፍቲ ንምሕዋይ ሕብረተሰብና ክዳኑ ከይቀየረ እምንን ሓመድን ብእንግድዕኡ እናተሸከመ ከባቢ ቀይሩስ፤ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ከም ሃፍቲ እንስሳ፣ ልምዓት መስኖን ዝራእትን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ለውጢ ዝመዝግበሉ ዝነበረ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።

እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ሕብረተሰብና ካብ ብዕራይ ምሕራስ ኣይሓለፈን ነይሩ ከምዚኦም ዝበሉ ጉድለታት’ውን ነይሮምና ‘ዮም። ብሓፈሻ ዋላ ምሉእ እንተዘይነበረ ንኻልኦት ክልላት መምሃራይ ዝኾነሉ ኩነታት ናይ ሕርሻ ሴክታር ከምዝነበረና ኩሉ ዝዝንግዖ ኣይኮነን ።

ወጋሕታ:- በቲ ዝተፈጠረ ኲናት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘብፅሖ ጉድኣት እንታይ ይመስል ሕፅር ብዝበለ?

ኣይተ ምክኤል:- እቲ ዝተፈጠረ ኲናት ዘይፍታሓዊ ኲናት ‘ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ ሲቪል ሕብረተሰብን ብፍላይ ከዓ ኣብዝሓ ዝሽፍን ሓረስታይ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ዝተሃሰየሉ ኲናት ‘ዩ ነይሩ። ህዝቢ ብስፍሓት ካብ መረበቱ ዝተመዛበለሉ።

ካልኣይ ናይቲ ሓረስታይ ካብ ንእሽተይ ናይ ሕርሻ መሳርሒኡ ጀሚሩ ክሳብ ዝበልዖ እኽሊ’ውን ዝስእነሉ ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ። ብጠቕላላ መሰረተ ልምዓት ሕርሻ ከም መሰረተ ልምዓት መስኖ፣ ንዓመታት ብብዙሕ ድኻም ዝተሰርሑ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዳርጋ ዘየለው ‘ዮም። ሃፍቲ እንስሳን ብጣዕሚ ዝበረሰሉን ‘ዩ ነይሩ።

እቲ ዝነበረ ዕንወት ብፍላይ ብወገን ሰራዊት ኤርትራ ኮነ ተባሂሉ ዝበፅሕ ዝነበረ ዕንወት ብጣዕሚ ዘሰክፍን እኽሊ ምስ ባዕዳዊ ነገራት ብምሕዋስ ሓረስታይ ዘርኢ ከይረክብ ‘ውን ዝግበር ዝነብረ ኩነታትን፤ ከምኡ’ውን ንሓያል ዓመታት ሓረስታይ እናልምዖም ዝመፅአ ቐዋሚ ተኽልታት ቖራሪፅካ ምድርባይ’ውን ነይርዎ ‘ዩ።

ደንታት ዝተቆረፁሉን ዝተቃፀሉሉን ብሓፈሻ ኣብ ሕርሻ ዝበፅሓ ማህሰይቲ ደሓር ዝፅናዕ ‘ኳ እንተኾነ ሐዚ ግና እዙይ ኢልካ ብቐሊሉ ዝግለፅሉ ኩነታት ዋላ እንተዘይኮነ፤ ኣብ ሕርሻን ሓረስታይን ዝበፅሐ ጉድኣት ብጣዕሚ ከቢድን ብቀሊሉ ክትካእ ዘይኽልን ምዃኑ ‘ዩ ዝግመት።

ወጋሕታ:- እቲ ብኲናት ዝተጎድአ ሕርሻ ትግራይ ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ እንታይ ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ምክኤል:- ሐዚ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ሓደ ዘድሊ ዓብይ ነገር ከምቲ ዝበልኩካ ብርክት ዝበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ብሰላም ንክነብር ምችው ባይታ ንክፍጠረሉ ኣብዚ መዳይ ዝዓበየ ስራሕ ክስረሐሉ ኣለዎ።

ይኹን ‘ምበር ከም ክልል እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዋላ ምሉእ ኣይኹን ሰላም ንኹሉ ነገር ወሳኒ ስለዝኾነ፤ ነዚ ሰላም መሰረት ገይርና ከዓ ከም ሕርሻ ቢሮ ዝሓለፉ 2 ዓመታት’ውን ደው ዘበልናዮ ስራሕ የለን፤ ክንዲ ዘለና ዓቅምታት ፀንቂቅና ምስ ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምስ ዓቅሚ ዘለዎም ውልቀ ሰባትን ኮይንና ትልሚ እናተለምናን ከምኡ’ውን ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ናይ ስራሕቲ ልምዓት’ውን ክሰርሑ ሎቢ እናገበርና ብስፍሓት ንክሕግዙና እናገበርና መፂእና ኢና።

ሎሚ ሒዝናዮ ዘለና ሕርሻ ዘበን ድማ ብፍላይ ምስናይ ክረምቲ ተተሓሒዙ ነቲ ሓረስታይ ዋላ ‘ኳ ክንድቲ ዘድልዮም ተዘይኮነ ኽንዲዝኸኣልናዮ ዓቅምና ፀንቂቅና ምስ ዝምልከቶም ሰብኣዊ ሓገዝቲ ብምዃን እታወታት ክነቅርበሉ ንፍትን ኣለና።

በዚ መሰረት ‘ውን ቅድም ክብል ከምዝፍለጥ ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ እንረኽቦ ዝነበርና ከም እታወታት ምሩፅ ዘርእን መዳበርያን ብስፍሓት ሰሪሕና ኢና። ሐዚ ኣብ ማዳበርያ ወሲድና እንተሪእና ከም ክልል ዝተለምናዮ 8 ሚኢቲ ሽሕ ‘ዩ ነይሩ።

ግን እቲ ዝነብረ ኩነታት ኣብ ገልጠምጠም ኢና ነይርና። ካብኡ ዝተፈቀደልና 4 ሚኢቲ ሽሕ እንተነብረ’ውን ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ግና ንኣዝመራ ዝኸውን15 ሽሕ ዝኣክል መዳበርያ ብኢትዮጵያን ቢዝነስ ኮርፖሬሽን ዝበሃሉ ኣቢሉ ዝመፅአና ክሳብ ሐዚ ሰዓት14 ሽሕ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ተፃዒኑ ኣሎ። ልዕሊ 12 ሽሕ ድማ ናብ ወረዳታት እናበተንና ኢና ንርከብ።

ኣብ ምሩፅ ዘርኢ’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ክልል ኦሮምያ ተኣትይልና ዝነበረ ቃል ሙሉእ ንሙሉእ ዘይኮነስ 55ሽሕ936 ኩንታል ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ተፃዒኑ ነይሩ ካብዚ 28ሽሕ432 ዝኣክል ኩንታል ኣብ ኢድና ይርከብ። ካብዚ ድማ 12ሽሕ566 ኩንታል ዝኣክል ናብ ወረዳታት ክባፃሕ ተገይሩ ‘ዩ።

እዙይ ከዓ እቲ መዳበርያ ብክፍሊት ኮይኑ እቲ ምሩፅ ዘርኢ ከዓ ብነፃ ብፍትሓዊ መንገዲ ነቲ ሓረስታይ ንክባፃሕ ብኺኢላታት እናተረጋገፀ ይትግበር ኣሎ።

ምስ ኣብቲ ትግራዋይ ዝበፅሐ ማህሰይቲ ተሓሳቢ ብምግባር መፍራይነት ንምውሳኽ ክንገብሮ ዝግባእ ነገር ኩሉ ዓቅምና ፀንቂቅና ክንሰርሕ ሰብ ሞያታትና እናዋፈርና ንርከብ።

ካብዚ ሓሊፉ ከዓ ማሕረስ ኣብዚ ሰዓት ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ነዚ ንምቅላል 39 ዝኾና ትራክተር ዝገዛእና እንትንኾን፤ 30 ዝኾና ድማ ብህዝብን መንግስትን ክልል ኦሮምያ ብሓገዝ ዝተወሃብናየን ገይርና በቢዞብኡ መዋፈርን መፀገንን ማእኸላት ተዳሊውለን ናብቲ ከባቢ እናተጎዓዓዛ ይርከባ።

እዚ ድማ ብፍላይ ነቲ ናውቲ ማሕረሱ ብዕራዩን ዝዓነዎን ዝጠፍኦን ሓረስታይ ብዝተወሰነ ክፍሊት ብምክፋል ነቲ ሓረስታይ ንከገልግልኦ እናሰራሕና ንርከብ።

ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኣቅርቦት ክትባት ጥዕናን እንስሳሳት ተተሓሒዙ ከቢድ ዝኾኑ ፀገማት ኣለው። ኣብዚ እተን ናይ ቁም እንስሳት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቃስ ንዝተፈላልየ ፀገማት የቃልዓና ኣሎ። ብሕጊ ዋላ ክልኩል እንተኾነ ሓያል ዝኾነ ምንቅስቃሳት እንስሳ ይርአ ኣሎ። ኣብዚ

 ድማ ሓደ ናይ ሕማማት ምትሕልላፍ ይርአ ኣሎ። ካልኣይ ናይቲ ከባቢ ዓሌት እንስሳት’ውን ምጥፋእ ከጋጥም ስለዝኽእል ኣብዚ ዓብይ ጥንቃቀ ገይርና እናተንቀሳቀስና እንተኾና’ውን፤ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ተመሓላለፍቲ ዝኾኑ ሕማማት ኣብዚ እናበርትዑ ስለዝኾኑ፤ እቶም ሰብ ሞያ ከምዝገልፅዎ ካብቶም 10 ዝኾኑ ጀነቲክ ወይ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝመሓላለፉ ሕማማት እንስሳት እቶም 9 ኣብ ትግራይ ኣለው።

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብርክት ዝበለ ካብ 12 ሚልየን ዶዝ ንልዕሊ ዝኾኑ ክትባታት ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ኣካላትን ካብ ፈዴራል መንግስትን ረኺብና እንስሳትና እናኸተብና እናሓከምናን እንተሃለና ‘ውን፤ ቅድም ኢሉ ዝተፈላለዩ ሕማማት ቀፃሊ ብዝኾነ ክትባት እናሃብና እናተኸላኸልናዮ ፅኒሕና ኢና።

ይኹን ‘ምበር ከምዝፍለጥ ትግራይ በቲ በፂሕዋ ዝነበረ ፀገም ንክልተ ሰለስተ ዓመት ዝኣክል ከፍቲ ይኹና ጠለ በጊዕን ካልኦት እንስሳትን ክትባት እናወሰዱ ኣይፀንሑን። እዚ ስለዝኾነ ድማ ሐዚ ብርክት ዝበሉ ሕማማት እናተረአዩ ይርከቡ ዘለው፤ ኣብዚ ፌዴራል መንግስቲ’ውን ኣበርቲዑ ክሕግዝ ይግባእ። ከም ኣብነት ንምርአይ ኣብዚ መገረም ዝብሃል ሕማም ኣብ ከባቢ ራማ ብስፍሓት ተራእዩ ኣሎ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ካልኦት ከባቢ ትግራይ ‘ውን ክህልው ይኽእል ‘ዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ኣሎ ማለት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልል ዓፋር ኮነ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘይህልወሉ ምኽንያት ስለዘየለ፤ ኣብዚ ዝምልከቶም ኣካላትን ፌዴራል መንግስቲን ብፍላይ ምስ ምክልኻል ባልዓት ይኹን ተመሓላፊ ሕማማት ይኹን ኣብዚ ኽሕግዙና ይግባእ።

ኣንሕና ግና ክንዲ ዝኸኣልናዮ ዓቅሚ ተጠቂምና ዘለው ናይ ከባቢ ኮነ ዓለምለኸ ፕሮጀክታትን ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ካልኦትን እናተሓባበርና ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ሓደ ሓደ ነገራት እንገብሮ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ድማ ብፍትሓዊ መንገዲ ንምጥቃም ናይ ባዓልና መሳርሕታት እናተጠቀምና ኢና ንርከብ።

ምስ ፀረ ባልዓት ተተሓሒዙ ድማ ብዙሕ ይሕተት ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ሓደ ሓደ ፕሮጀክታት ኣብ ምቅራብ ከሚካላት ደፊሮም ዝኣትውዎ ስለዘይኮኑ፤ ኣብኡ ኣዚና ንፅገም ኣለና ኢና። ሐዚ ከም ክልል እንተወሲድና ናብ ትሽዓተ ወረዳታት ከባቢ ባርኖስ ኣሜሪካን ዝብሃል ተራእዩ ኣሎ።

ብፍላይ ሐዚ ምስ ዘሎ ናይ ዝናብን ሙቀትን ዝተፈራረቆ ኩነታት ፀባይ ኣየር ነዚኦም ከምዚ ዝበሉ ባልዓት ንምርባሕ ምችው ኩነታት ስለዝፈጥር ፤ ኣብዝ ሐዚ ሰዓት ናብ ትሽዓተ ወረዳታት ዝኣኽላ ፀሊም ኣፍሪካ ዝብሃል ባርኖስ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ተራእዩ ኣሎ። እዚኣቶም ከዓ ኣብ ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ጨርጨር፣ ራያ ኣላማጣ፣ እንደርታ፣ ደጉዓ ተምቤን፣ ቆላ ተምቤንን ተራእዩ ኣሎ።

ኣብዚ ተራእዩ ዘሎ ዝተወሰነ ዘለና ከሚካል በቢዞብኡን ወረድኡን መዲብና ኣለና። ብዋንኡ ግና በቢከባቢኡ ዘሎ ሕብረተሰብ እናኣረየን እናጨፍጨፈን ዝግበረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ ናይ ከሚካል ካልኦት ሕፅረት ክህልው ይኽእል ‘ዩ።

ኣብዚ ንፈደራል ንሓትት ኣለና ኢና። ምርድዳእ’ውን ኢናተገብረ ‘ዩ ዘሎ። ይኹን ‘ምበር ብእዋኑ ኣብ ምምፃእን ምዝንጋዓትን ክህልው ስለ ዝኽእል ኣብዚ ትግራይ ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ናይ ኩላትና ርብርብ ዝሓትት ‘ዩ።

ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ሰላም ገይራ ክንብል ከለና ከም ሃገር ትግራይ’ውን ኣብዚ ሰዓት ሓንቲ ክፋል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት፤ ብፍላይ ኣብ ሞያ ዘሎ ሕብረተሰብ ብሞያ ዓይኒ እናረአየ ሕውየት ትግራይ ንኻሊእ ክፋል ኢትዮጵያ ምሕዋይ’ውን ምዃኑ ርዱእ ብምግባር ኣብዚ ምትሕግጋዛት’ውን ምላሽ ክንህብ ይግባእ።

ወጋሕታ:- እቲ ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘሎ ባልዕ ዝራእቲ ባርኖስ ክሳብ ሐዚ ዘብፅሖ ጉድኣት እንታይ ይመስል?

ኣይተ ምክኤለ:- ሰፊሕ ጉድኣታት የብፅሕ ኣሎ ‘ዩ። ብዝተፈላለዩ ናይቲ ከባቢ ሚድያታት’ውን ይግለፅ ኣሎ ‘ዩ። እንታይ ‘ዩ እቲ ጉድኣት ብዝብል ኣብዝ ሐዚ ዘለው ዝርኣት ናይ ኣዝመራ ዝራእቲ ‘ዮም ዘለው ከም መሸላ፣ ዕፉን ብውስን’ውን ጣፍ ኣሎ ‘ዩ።

ሐዚ መጠኑ ንምግላፅ ምስቲ ዘሎ ናይ ኮምኒኬሽን ፀገም ብትኽክል ዝኾነ ናይ መረዳእታ ልውውጥ የለን። ስለዝኾነ እዙይ ‘ዩ ማለት ዘፅግም እንተኾነ’ውን፤ ኣብ ናይ ኣዝመራ ዝርኣቲ ብርክት ዝበሉ ጉድኣት የብፅሑ ኣለው ‘ዮም። እቲ ሓረስታይ’ውን ብሚድያታት እናወፅአ ዝበፅሖ ጉድኣት ይገልፅ ኣሎ ‘ዩ።

እቲ ጉድኣት ንምክልኻል ኣንሕና ክንዲ ዝተኸኣለና ንምሕጋዝ ንፅዕር ኣለና ኢና።ብፍላይ ከዓ ምስ ባልዓት ተተሓሒዙ እቲ ሕብረተሰብ ኩሉ ግዘ ግራቱ ክትትል ክገብር ኣለዎ።

እቲ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት ተላዒሉ እንብል ዘለና እቶም ግራቶም ሪኦም ሪፖርት ዝተገበረ ‘ዩ ‘ምበር፤ ካሊእ ውን ክህልው ስለ ዝኽእል ኩሉ ናይ ኣዝመራ ዝራእቲ ዘለዎ ከባቢ ሓረስታይ በቢእዋኑ ክፍትሽን፤ እንተሃልዩ ሪፖርት’ውን ክገብር ባዕሉ’ውን ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስድ ኣብዚ ክመክር ይደሊ።

ካብ ክልል ናብ ደቡብ ዞባ ክልተ መኪና መዲብና ከሚካላት ኣብፂሕና ኣለና። ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ ማይጨው ከዓ መሐለውታ ኬሚካል ተቀሚጡ ኣሎ ‘ዩ። ሞተራይዝድ’ውን ኣለው ‘ዮም።

ኣብዚ ብብርኪ ወረዳ ዝተሓባብር ኣካል ኣተሓባቢሩ ናብቲ ብጣዕሚ ዘድልየሉ ከባቢ ናተንቀሳቐሰ ክሰርሕ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ዝገጠመና ዕንወታት ገለገለ ጉድለታት ክህልው ይኽእል ‘ዩ። ባትሪ ዘይብሉ ክህልው ይኽእል ‘ዩ። ኣንሕና ዝለዓለ ፃዕሪ እንገብሮ ኣብ ሓይሊ ሰብና ‘ዩ።

ካብኡ ወፃኢ ከዓ እተን ዘለዋ መሳርሕታት ብኣግባቡ ሒዝና ቅድም ክብል ኣንበጣ በረኻ ተላዒሉሉ ዝነበረ እዋን ገዚእና ዘዕጠቅናዮም መሳርሕታት ምስቲ ዝነብረ ኩነታት ኩሎም ክህልው ‘ዮም ኢልና እንተዘይሓሰብና’ውን፤ እቲ ዘሎ ፀጊንካስ ይኹን ክሰርሓሉ ንክኽእል ንቲ ሕብረተሰብ መልእኽቲ እናሕለፍና ኢና ዘለና።

እቶም ሰብ ሞያታትና ግና ናብተን ዝተጠቀዓ ከባቢታት ሓገዝ እናገበሩ ‘ዮም ዝርከቡ። እቲ ሕብረተሰብ ከዓ ዕለታዊ ክትትል እናገበረ ክከላኸል ክጭፍጫፍ ክሰርሕን ከምዝግባእን። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዘለዎም ሓይሊ ሰቦም ብምትሕብባር በቢከባቢኡ ሰራዊት ክህልው ይኽእሉ ወይ ተምሃሮ ብምትሕብባር ንክስርሑ መልእኽታት እናሕለፍና ኢና ንርከብ።

ወጋሕታ:- ኣብ ኣቅርቦት እታወታት ሕርሻ ከምዘሎ ኮይኑ ነቲ ሓረስታይ ወሪዱ ክድግፍ ዝኽእል ናይ በዓል ሞያ ሓገዝ ኣብ ምርካብ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ምክኤል:- እቲ በዓል ሞያ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ፀገም ናይ መሃያ ዘይምቅባል ፀገም ኣሎ፣ ናይ ቤተ ሰብ ምብትታን ኣሎ፣ ብሂወት ዘይህልው ሰብ ሞያ ክህልው እዮም እዚታት ኩሉ ኣብ ምፅናዕ ኢና ዘለና ኣብዚ ሰዓት።

ሐዚ ኣብ ኩለን ዞባታት ዘለው ሰብ ሞያታት ሃላዋቶም ንክንፈልጥ ናይ ሶሻል ትሪትመንት ወይ ሳይኮ ሶሻል ሓገዛትን ናይ ፍርቂ መዓልቲ ስልጠና ክወሃቦምን ብኡ ኣቢልና ድማ ኣብኦም ዝርኣዩ ፀገማት ንምርኣይ ናብ ክልል ስሒብና ንክንዘራረበሎም በቢ ዞብኡ መድረኻት ብምድላው፤ ብኡ ኣቢልና ውን ዘሎ መሓውርና ክንፈልጥን ካሊእ ድማ ኣንፈት ሕርሻና ከመይ ክኸውን ከምዝኽእል ንምርድዳእ መድረኻት ኣዳሊና ኣለና። እዚ ኣብዚ ሰሙን እንገብሮ ዘለና ቅድም ኢልና ክንገብሮ ዝግባእ ዝነበረ እዩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ክልል ብጀት የለን። በጀት ዘይምህላው ነዳዲ የለን ሓይሊ ሰብ ዝኽፈሎ መሃያ ኣይነበሮን ስለዚ እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ተኣሳሲሩ እዩ ፀኒሑ እሞ፤ ዘይሩ ዘይሩ ግና እዚ ተፈቲሕሉ ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ዝመፅእ ዘሎ እዋን ክራማት ብሓፈሻ ክንደይ ዝኣክል መሬት ብዘርኢ ክሽፈን ተተሊሙ ኣሎ?

ኣይተ ምክኤል:- ኣንሕና ከም ክልል ሕርሻ ኩሉ መሬት ብዘርኢ ክንሽፍን ኢና ንሓስብ። እንታይ ኣሎ ግና ቅድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ኣብ ኢድ ካልኦት ኣካላት ዘሎ ክፋል መሬት ኣሎ። እዚ ብብርኪ መንግስቲ ዝስርሐሉ ኮይኑ ኣንሕና ከም ሕርሻ ግና ኩሉ ተበፃሒ ንምግባር ምድላዋት ንገብር ኣለና ኢና።

ሓፈሻዊ ምሕርቲ ካብ 17 ሚልየን ክሳብ 23 ሚልየን ኩንታን ድማ ብላዕላዋይ ሰብ ሓይሊ እንድሕር ደኣ ኩሉ ነገር ኣክሰሰብል ኮይንልናን መሬትናን ተፈናቂሉ ዘሎ ህዝብና’ውን ናብ መረበርቱ ተመሊሱ ሰላም ተፈጢሩ ዝሰርሐሉ ኩነታት እንተኮይኑን ዝብል ሒዝና ንንቀሳቀስ ኣለና።

እዚ ግና ዋላ ኣባና ዝውዳእ እንተዘይኮነ ምናልባት እቲ ኩነታት እናተመዓራረየ ምስ ከደ ካብ እዋን ናብ እዋን ‘ውን እናተመሓሓየሽ ይኸድ ኣሎ ኢልና ንሓስብ። ብፍላይ ከዓ እቲ ተመዛቢሉ ዘሎ ሕብረተሰብና ናብ መረበቱ እንተተመሊሱ፤ ከም ክልል ዋላ እኹል ዘርኢ እኳ እንተዘይረኸብናሉ ቅድሚ ሐዚ ከም ክልል ገይርናዮ ዘይንፈልጥ ናይ ሓደጋ ዘርኢ ዝብሃል ብምእዋጅ እቲ ሓረስታይ ኣብ ከባቢኡ ብዝረኸቦ ዝኾነ ዓይነት ዘራእቲ ዝዘርአሉ ኩነታት ኢና ነመቻችው ዘለና።

ወጋሕታ:- በኣይ ወገን ዝነበሩኒ ሕቶታት ወዲአ ኣለኹ ብኣኹም ወገን ክልዓል ዝግብኦ ዝተረፈ ሓሳብ ኣሎ ዝትብልዎ እንተሃልዩ ዕድል ክህበኩም?

ኣይተ ምክኤል:– ኣነ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ብሓፈሻ ንመንግስቲ ፌዴራል ብፍላይ ካዓ ንሚኒስተር ሕርሻ ብሞያ ዓይኒ ሪኦም ኣካል እቲ ሕብረተሰብ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣሚኖም፤ እቲ ሓረስታይ ዝግብኦ እታወታት ሕርሻ ብእዋኑ ክበፅሖ ክንዲ ዝክኣል ድፍኢት ክገብሩልና ይብል።

ኣብዚ ዝሕግዙና ብዙሓት ነገራት ኣለው ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ምቁርራፃት ምድንጓያት ስለዘለው ኣብዚ ኩሉ ብዝኽእልዎ ክሕግዙና ይላቦ።

ወሰን ተሻጋሪ ዝብሃሉ ሕማማት እቲ ጉድኣት ከም ሃገር ‘ዩ ዝበፅሕ እሞ ብግቡእ ክንረባረብን ብተገዳስነት ክስራሕን ‘ዩ ዝግባእ። ኣንሕና መደበኛ ዝኾኑ ባልዓት ኢና ባዕልና ክንከላኸል እንኽእል ‘ምበር ወራር ባልዓት ግና መንግስቲ ኢትዮጵያን ወይ ሚኒስቴር ሕርሻ ብዕቱብ ሕግዘና ‘የ ኣብዚ ክሓትሓት ይደሊ።

ካሊእ ኣብዚ ሓረስታይና ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ናይ ሞትን ሕውየትን ስራሕ ገይሩ ክወስድ ከምዘለዎ መልእኽቲ ከሕልፍ ይደሊ። ምኽንያቱ ሓደ ክረምቲ ከየፍረና እንተኣምሊጡና ዝቅፅሉ ወቅትታ ንሕዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ሓደጋ ‘ዩ።

ስለዚ መጠን ተሓጋዚ ክንቅንስ እንተኾይንና፣ ድኽነት ክንቅንስ እንተኾይንና ኣብዛ ሐዚ እነፍርያ ወቅቲ ወሳኒት ስለዝኾነት፤ እቲ ሓረስታይ ንላዕሊ ከይንቃዕረረን ናይ መንግስቲ እታወታት ጥራሕ ከይተፀበየን ካብ ከባቢኡ ክጥቀሞ ዝግብኦ ኩሉ ዕድል ፀንቂቁ ክጥቐምን ከምቲ ኩሉ ግዘ ዝጥቀሞ ኮምፖስት ክጥቐም ኣለዎ። ሐዚ ከዓ ናይ 21 መዓልቲ ዝበፅሕ ኮንፖስት ኣሎ እንተኽኢሉ እዚ’ውን ተጠቂሙ ደሓር ከዓ እቲ ዘመናዊ ድኹዒ እንተርኪቡልና፤ ክርክበልና ‘ዩ ኢልና ኢና ሓሲብና ንሰርሕ ዘለና።

እቲ ሓረስታይ ግና ብዋናነት ክትማመን ዘለዎ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሃፍቲ መዝሚዙ ክጥቀምን እቲ ሕርሻ ውፂታዊ ክገብርን መልእኽተይ ከሕልፍ ይደሊ።

ወጋሕታ- ንዝ ሃብኩምኒ ሓበሬታ የቐንየለይ።

ኣይተ ምክኤል:– ኣነ’ውን የቐንየለይ።

 ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 8 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You