‹‹ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኹላትና ገዛናን ሃፍትናን እያ፤እተፋቕር ‘ምብር እተፃልእ ኣይኾነትን ›› ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ

መሰረት ገ/ዮሃንስን ትርሓስ ፍቃዱን

ኣዲስ ኣበባ፡- ፓርቲ ብልፅግና ንዝሓለፉ ኽልተ ኣዋርሕ እናካየደ ዝፀንሕ ጎስጓስ መረፃ ናይ መጠቓለሊ ጎስጓስ ትልሚ ኣካይዱ፡፡ ኣብቲ መዛዘሚ ጎስጓስ ንኣባላቱ ኣመስጊኑ፡፡

ኣብ ፕሮግራም ኣባል ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ብልፅግናን ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝገለፀኦ ፣ኣዲስ ኣበባ ናይ ኹላትና ገዛናን ሃፍትናን እያ፡፡ ኣዲስ ኣበባ እተፋቕር ‘ምብር እተፃልእ ኣይኾነትን ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፀን ነባርን ኢልና ኣይነኸፋፍልን፡፡ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኹላትና ከተማ እያ፣ክብርና ፍትሕ ንዝጎደሎም ፍትሒ ምሃብ እዩ፣ሓቂ ሒዝና ኣብ ኣደባባይ ጠጠው ምባል እዩ፣ክብርና ስልጣን እንተይኾነስ ትሕት ኢልና ክነገልግለኩም ኢና ኢለን፡፡ ፅዒርና ብምስራሕ ብልፅግና ክነረጋግፅ ኢና ኢለን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ብዙሕ ፀገማት ኾይኖም ሕቶታት ከይተመለሱ ብተስፋ ክምለሱ እዮም ኢሎም ድጋፍ ንዝገበሩ ምስጋና ኣቕሪበን እየን፡፡ ኣብቲ ፕግራም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ፣ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለን ካልኦት ሕፁያት ተመረፅቲ ብልፅግና ተረኺቦም እዮም፡፡

ሶኒን ሰሉስን ድማ መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንፓርቲ ብልፅግና ናይ ድጋፍ ትርኢትን ሰልፍን ኣካይዶም እዮም፡፡ ካብ ኹለን ክፍለ ከታማታት ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ መናእሰይ ‹‹ንእስነተይ ንኢትዮጵያ ሃገረይ!ካርደይ ንብልፅግና!›› ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ትርኢት ድጋፍ ገይሮም እዮም፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፤ መናእሰይ ሰማያዊ ውሕጅ ፈጢርኹም ብልፅግና ናትኩም ከምዝኾነ ስለዘረጋገፅኩም ብሽም እቲ ፓርቲ የመስግን ኢለን፡፡ ፓርቲ ብልፅግና ቃሉ ክሕልው እዩ፤ክትግብር’ውን እዩ ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፤ብልፅግና ንቐፃሊ ወለዶ ሕውነትን ሓድነትን ‘ምበር ፅልእን ቂምን ብልፅግና ኣየውርስን ኢለን፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለሰ ኣለሙ ብወገኖም፤ ብልፅግና ዝወለድኩሞ ንስኻትኩም ኢኹም፤ወነንቲ ብልፅግና’ውን ንስኻትኩም መናእሰይ ብምዃንኩም ክብሪ ይግበኣኩም ኢሎም፡፡ ብልፅግና ለውጢ ዝወለዶ ፓርቲ እዩ፤መሰረት ናይቲ ለውጢ ድማ ንስኻትኩም መናእሰይ ኢኹም ምስበሉ፤ብልፅግና ንመንእሰይን ንኢትዮጵያውያንን ንምግልጋል ልዕሊ ዝኾነ እዋን ድልው ከምዝኾነ ኣይተ መለስ ተዛሪቦም፡፡

ኣፍቲ ምድላው ድጋፍ፤ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ዝተሳተፉ እንትኸውን፤ፓርቲ ብልፅግና ወኪሎም ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ዝወዳደሩ ሕፁያት ስታድየም እናዞሩ ምስ መናእሰይ ተላልዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ፓርቲ ብልፅግና ብምድጋፍ መድረኽ ጎስጓስ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡ ፓርቲ ብልፅግና ብምድጋፍ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝገለፅኦ፤ብልፅግና ብሕርሲ ተጨኒቕክን ዝወለድኽን ደቂ ኣንስትዮ፤ዝጀመርናዮ ራእይ ንኽፍፀምን ናብ ጫፍ ንኽበፅሕን እናደገፍኽናና ስለዝኾንክን ምስጋና ይግበአክን ኢለን፡፡

‹‹ኹለን ደቂ ኣንስትዮ ንብልፅግና ብልፅግና ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ›› ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መድረኽ ጎስጓስ ካብ ኹለን ክፍለ ከተማታት ዝተወፃፅኣ ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኸባ እንትኾና፤ብልፅግና ብምውካል ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢን ንቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ዝወዳደራ ሕፁያት ምልላይ ገይረን እየን፡፡

እተን ምክትል ከንቲባ ከምዝበልኦ፤እቲ ፓርቲ ንኹለመዳያዊ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ዝፅዕር ከም ዝኾነ ብምምልካት፤ሐዚ’ውን ድምፅኽን ንብልፅግና ብምሃብ ንኹላትና እን ትኸውን ኣዲስ ኣበባን ንዓለም ተምሳሌት እትኸውን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝጀመርናዮ ውጥን ናብ ጫፍ ንምብፃሕ ድምፅኽን ንብልፅግና ኽትህባ ክብላ ሓቲተን፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You