‹‹ሓይልታት ጥፍኣት ኣጀንዳ ራዕድን ትርምስን ቐሪፆም ንተንኮል ተግባር ከምዝተዳለዉ ብሓበሬታ ኣረጋጊፅና ኢና›› ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡-ሓይልታት ጥፍኣት ብውልቀን ተወዲቦምን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳ ራዕድን ረብሻን ቐሪፆም ንተንኮል ተግባር እናተዳላዉ ከምዝኾነ ብሓበሬታ ከረጋገፅ ከምዝኻኣለ ዳይሬክተር ጀነራል ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣፍሊጦም፡፡

‹‹ናይ ፌደራልን ናይ ክልላትን ፀጥታ ደሕንነትን ኣካላት ዝተዋደደ ስራሕ ንዘለቒ ሰላምን ድሕንነትን ››ብዝብል መርሕ ቃል ናይ ፌደራልን ናይ ክልላትን ደሕንነትን ፀጥታን ሓይሊ ዕማም ወድዓዊ ሃገራዊ ድሕንነት ዝግምግም ዘተ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣይተ ተመስገን ከምዝገለፅዎ ፤ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን ፀረ ኢትዮጵያ ቅዋም ዘለዎም ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ረብሻን ደም ምፍሳስን ንክፍጠር እናስርሑ ከምዝኾኑ እቲ ግብረ ሓይሊ ሓበሬታ ኣለዎ፡፡

እዞም ሓይልታት ጥፍኣት ቅድም ክብል ግድብ ህዳሴን መረፃ ንምዕንቃፍ ፀገማት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ብውልቀን ብሓባርን ዝተፈላላዩ ኣጀንዳ ራዕዲን ረብሻን ቐሪፆም ንእኩይ ተግባር ከምዝተዳለዉ ኣብ ሓበሬታ ስራሕትና ክነረጋግፅ ክኢልና ኢና ኢሎም፡፡

ሓይልታት ራዕዲ ሓይሊ ስኢኖም ‘ምበር ሀገር ካብ ምፍራስ ንድሕሪት ኣይብሉን ዝበሉ ኣይተ ተመስገን ፣መረፃ ንክይካየድ ፣ተተኻይዱ ድማ ተቐባልነት ንከይህለዎ መጥቃዕቲ ራዕዲ እናካየዱ ፀኒሖም እዮም፡፡ዝተወሃደ ፕሮፖጋንዳ ሓሶት ብምልቃቅ መረፃ ብህዝቢ ተኣማንነትን ተቐባልነትን ንከይህልዎ ትልሚ ገይሮም እናሰርሑ ከምዝነበሩ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

ካብ ፌደራልን ክልልን ደሕንነትን ፀጥታን ሓይሊ ዕማም ኣካላት ዝኾነ ምንቅስቃሳት ካብ ዓይኖም ወፃኢ ኣይኾኑን ዝበሉ ኣይተ ተመስገን ፣ዓቐሞም ብጣዕሚ ትሑት ከምዝኾነ’ውን ገምጊምና ኢና ኢሎም፡፡ሃገርና ምፍራስ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠማ እዋን እዚ ፀገም ንምጥፋእ ፊት ንፊት ብምቅላስ መስዋእትነት ብምኽፋል ተልእኾኦም ይሰርሑ ዝነበሩ ሓይልታት ድሕንነት ካብ ካልእ እዋን ዝበለፀ ንሃገር ሉኣላውነት ምኽባር ድልዋት ምዃኖም ገሊፆም እዮም፡፡

ብሄራዊ ድሕንነትን ጥቕምን ሃገር ክረጋጋፅ ዝኽእል ፌደራል ፣ብክልል፤ምምሕዳር እቲ ኸባብን ኣብ ህዝቢ ዘለዉ ሃፍትታት ማዕረ ተጠቃምነት ክካኣል ኸሎ እዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ጀነራል ፣ፀጥታ ኣካላት ብውልቀን ብሓባርን ተልእኾን ብሓላፍነት ስምዒት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም እዮም፡፡

መንግስቲ ብዘቕመጦ ኣንፈት መሰረት ቐፃሊ ተልእኾ ብዝለዓለ መልክዑ ንምስራሕ ዘኽእሎም ስራሕ ለውጢ ተኻይዱ እዩ፡፡ እቲ ሓይሊ ፀጥታ መስዋእትነት ብምኽፋል ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር ድልዋት እዮም ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ዝፍጠሩላ ተንኮላት ዘሕለፈቶም ፈተናታት እዋን ዝርስዑ ኣይኮኑን፡፡እቲ መረፃ ድሕንነት ሃገርን ጥቕም ከሕሉ ዘኽእል ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልቶኪም እዮም፡፡

እናጋጠሙ ዘለዉ ጎንፅታት ዜጋታትና ንክመዛበሉ ህይወቶም ንክስእኑን ንብረት ንክወድም ገይሩ ሓሊፉ እዩ ዝበሉ ኣይተ ተመስገን፣መረፃ ብሰላም ንክዛዘም ናይ ፌደራልን ክልልን ፀጥታ ኣካላት ገለልተኛ ብዝኾነ መገዲ ሓላፊነቶም ክዋፅኡ ከምዝግብኦም ኣተሓሳሲቦም፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You