«ትካላት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ክምለሳ ዝተዋደደ ፃዕሪ የድሊ» – ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ

ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ‘ዮም ተወሊዶም። ኮይኑ ግና ዝዓበይሉን ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ዝተማሃርሉን ኣብ ከተማ መቐለ ‘ዩ።

ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ኣብ ጥቑር ኣንበሳ ‘ዮም ብሕክምና ተማሂሮም።ብናይ ውሽጢ ሕማማት ስፐሻላይዝድ ዝገበሩ ኮይኖም።ሓደ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ‹‹ጦር ሃይሎች›› ብሕክምናን መምህርነትን ኣገልጊሎም ‘ዮም፡፡

ከምኡ ‘ውን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኮለጅ ጥዕና ሳይንስ ኮምፕረሀንሲቭ ስፐሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ብዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዘገልገሉ እንትኾኑ ሕዚ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ።

ብምዃኑ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ኣብ ዙርያ ትካላት ጥዕና ትግራይ ኣድሂብና ዝገበርናዮ ሙሉእ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- በቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዘጋጠመ ኩናት ስዒቡ ኣብ ጥዕና ትካላት ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብሓፂሩ እንታይ ይመስል? ነዘን ትካላት እዚአን ናብ ንቡር ንምምላስ ከ እንታይ እናተገብረ እዩ?

ዶክተር ኣማኑኤል፡– እቲ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ስዒቡ ብዝተወለዐ ኩናት ኣብ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን መሰረተ ትካላት ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ።

ካብዚኦም እቲ ሓደ ጉድኣት ዝበፅሖ ትካል ጥዕና ‘ዩ። ህንፃታት ፈሪሶም፤ ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ መገልገልቲ ናውቲ ሕክምናታት ተዘሪፎም፤ ዝዓነዉ ዓንዮም፤ ዝተቓፀሉ ተቓፂሎም። ብሓፂሩ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ።

ከምዚ ብምዃኑ ህዝቢ ሓሚሙ ግቡእ ሕክምና ብዘይ ምርካቡ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ክጥቓዕ ክኢሉ ‘ዩ። ብዙሕ ናብ ሞት ‘ውን ተሳጢሑ ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ሞት ህፃናትን ኣዴታትን ሕዚ ወሲኹ ‘ዩ። ብፍላይ ከም ሕማም ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ዝበሉ ሕማማት እናነከዩ ዝነበሩ ድሓረ ግና ተስፋሕፊሖም ‘ዮም።

እቲ ኩናት ኣብ ጥዕና ትካላት ብዙሕ ጉድኣት ብምስዓቡ ቑፅሩ ዘይነዓቕ ህዝቢ ሞይቱ ‘ዩ። ዳርጋ ኣብ መብዝሓተኦም ጥዕና ጣብያታት ናውቲ ሕክምና ተዘሪፎም ብምዃኖም ብዙሕ ህዝቢ ሕክምና ክረክብ ኣይኸኣለን።

ሰራሕተኛ ሕክምና እንተሪእና ‘ውን ንኸባቢ ክልተ ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ‘ዩ ነይሩ።ኣብ ባንኪ ዝነበሮ ገንዘብ ‘ውን ተታሒዝዎ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝወደቐሉ እዋን ምንባሩ ኩሉ ይፈልጥ ሓቒ ‘ዩ። ምስ እዚን ካልኦትን ፀገማት ተተሓሒዙ ግልጋሎት ሕክምና ዳርጋ ኣይነበረን ምባል ይከኣል።በዚ ምኽንያት ቕድሚ ስምምዕነት ሰላም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ዝነበረሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ።

ብፍላይ ተላበድቲ ሕማማት ኣዝዮም ተስፋሕፊሖም ፀኒሖም ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን እዚ ተቐሪፉ ማለት እንተይኮነስ ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ግና ዝሓሸ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ኩናት ኣብ ስርዓተ ጥዕና ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡ ‘ዩ።

ሕዚ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ዝነበረና ርክብ ናብ ንቡር እናተመለሰ ‘ዩ። እቲ ርክብ ብፅቡቕ ኩነታት ይኸይድ ኣሎ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ትካላት ጥዕና መሊአን ናብ ንቡር ንኽምለሳ ፃዕሪታት እናተገበረ ‘ዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ዕንወት ኣብ ዝበፅሐን ትካላት ጥዕና ትግራይ ዑደት ብምግባር ሓገዝ እናገበረ ‘ዩ ዝርከብ። ትካላት  ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ግልጋሎት ንምምላስ ሚኒስቴር ጥዕና ብኣካል ተዛዋዊሩ ብምዕዛብ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ‘ዩ።

ብዙሕ ሓገዛት ይገብር ኣሎ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ሓደ ሓደ ትካላት ጥዕና ቕድሚ ሕዚ ይህበኦ ካብ ዝነበራ ግልጋሎታት ሕዚ ኣብ ዝሓሸ ምንቕስቓስ ይርከባ፤ ንሰራሕተኛታት መሃያ ኣብ ምኽፋል፣ መድሓኒት ኣብ ምቕራብን ካልኦት ሓገዛት ኣብ ምግባርን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ‘የን ዝርከባ።ኣወንታዊ ውፅኢት እናተራእየ ‘ዩ። ኮይኑ ግና እቲ ዝበፅሐ ጉድኣትን ዝግበር ዘሎ ሓገዛትን ክነፃፀር እንተሎ ዝመጣጠን ብዘይምዃኑ ሕዚ ‘ውን እቲ ፀገም ኣይተወገደን።

ኣብዚ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ ተላዒሉ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ እኹል ስለ ዘይኮነ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት እውን ክረባረቡ ይግባእ።እቲ በፂሑ ዝነበረ ጉድኣት ኣዝዩ ልዑል ምስ ምንባሩ ተተሓሒዙ መንግስቲ ብዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ጥራሕ መሊአን ናብ ንቡር ክምለሳ ኣይተኸኣለን፡፡

ወጋሕታ፡- እዘን ጉድኣት ዝበፅን ትካላት ጥዕና እዚአን መሊአን ክሓይዋ ወይ ናብ ንቡር ክምለሳ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ዶክተር ኣማኑኤል፡- እዘን ብኹናት ዝዓነዋ ትካላት ጥዕና ትግራይ መሊአን ናብ ንቡር ንኽምለሳ ሰፊሕ ናይ መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ ኣድላይ ‘ዩ። ካብ በዓል ሞያ ጀሚሩ ግቡእ ፃእሪ ክገብር ይግባእ። ሓገዛት ኣብ ምትእኽኻብ ይኹን ካሊእ ሞያዊ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ኩሉ ተጊሁ ተሳታፋይ ክኸውን ኣለዎ።

ትግራይ ተጎዲኣ ‘ያ። ንምሕያው ድማ ሓደ ሓሳብ ኮይንካ ኣብ ሕውየት እዘን ትካላት ምንጣፍ የድሊ። መዳርግቲ ኣካላት ብምልዕዓል እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቕስቓስ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝተዋደደ ፃዕሪ የድሊ።

ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዘሎ በዓል ሃፍቲ ኩሉ ይምልከተኒ ‘ዩ ዝብል ቖራፅ ተበግሶ ብምሓዝ ዝተባላሸዋ መሳርሒታት ሕክምና ገዚእኻ ኣብ ምትካእ፤ ኣምቡላንስ ኣብ ምግዛእን ካልኦት እታዎታትን ኣብ ምቕራብ ኣስተዋፀኦ ክገብር ኣለዎ።

ህንፃ ክሃንፅ ዝኽእል ኣብ ምህናፅ ምስታፍ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ይኹን ዝኾነ ኢትዮጵያዊ በቢ ዓቕሙ ክሳተፍ ክኽእል ኣለዎ። ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ኩሉ ክሳተፍ እንተኽኢሉ ናብ ዝነበሮ ዘይምለሰሉ ኩነታት ኣይህሉን።

ዋና ነገር ቖራፅነት ምህላው ‘ዩ።በቢኸባቢኡ ዘሎ ህዝቢ ‘ውን ዝኸኣሎ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ።ህንፃ ኣብ ምህናፅ፣ ብጉልበት ክሳተፍ ዝኽእል ብጉልበት፣ብገንዘብ ዝኽእል ብገንዘብ ወይ ብሓሳብ ዝኽእል ብሓሳብ ኩሉ ብዝኸኣሎ ክረባረብ ኣለዎ።ህዝቢ ብምልዕዓል ዓብዪ ስራሕ ምስራሕ ከድሊ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ።

ስለዚ ኣብዚ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ‘ውን ክሕግዙ ኣለዎም ክብል እንተለኹ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዋ ውልቐ ትካላት ክሳተፋ ኣለዎን።ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ዝከኣሎ ኣበርክቶ እንተገይሩ ዝሓሸ ውፅኢት ዘይርከበሉ ኩነታት ኣይህሉን። ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ፣ ዩኒቨርስቲታት፣ ኣብ ደገን ውሽጥን ዝርከብ ትግራዋይ፣ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ዓለም ለኸ ትካላት ብፍልጠት ይኹን ብገንዘብ ሰፊሕ ምርብራብ ክገብር ኣለዎ።

መንግስቲ ብዝገብሮ ዘሎ ልዑል ፃዕሪ ኣወንታዊ ውፅኢት ዋላ እናተራእየ ይኹን ብኣንፃር እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ክረአ እንተሎ ግና እኹል ስለ ዘይኮነ ስፍሓት ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርዳእ ትካላት ጥዕና ትግራይ መሊአን ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለሳ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ክገበር ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ዕንወት በፂሕዎን ካብዝርከባ ትካላት ጥዕና ትግራይ ክንደይ ዝኣኽላ ናብ ንቡር ብምምላስ ግልጋሎት እናሃባ ይርከባ? ክንደይ ዝኣኽላ ኸ ኣብ ምምላስ ይርከባ? ወይ ፈፂመን ዘይተመለሳ እንተልየን ተዝገልፁለይ?

ዶክተር ኣማኑኤል፡– ነዚ ሕቶ እዚ ሕዚ ዝህቦ ሙሉእ ሓበሬታ የብለይን። ገና ኣይተፀንዓን። ገሊአን ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወፃኢ ‘የን ዝርከባ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ትካላት ‘የን ዘለዋ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ብምርድዳእ ከምኡ ‘ውን ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ብዘለዎ ቕልጡፍ ዝኾነ ፈተሻ ወይ ኣሰስመንት ንሰርሕ ኣለና ኢና።

እቲ ፈተሻ ናብ ሕድሕድ ትካላት ጥዕና እናዘርካ ኣይኮነን ክፅናዕ። ምኽንያቱ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ‘ዩ።ነዚ ንምክያድ ቐሊል ኮይኑ ዝረኸብናዮ መራሕቲ ናይ ኩለን ትካላት ጥዕና ተፀዊዖም ናብ መቐለ ክመፁ ምግባር ‘ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንዛተ ኣለና ኢና። ፎርምታት ኣሎ፤ ዓለም ዝጥቐመሉ ናይ ኣሰስመንት ፎርም ማለት ‘ዩ፤ እተን ትካላት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለዋ ስሩዕ ስራሕ ጂሚረን ዶ ኣይጀመራን? ዝብል ናይ በዓሉ መለክዒ ስለ ዘለዎ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ።ካብዚ ብምቕፃል ኣብ ዓሰርተ ሚኢታዊ እተን ትካላት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ድማ ራንደም ዑደት ብምግባር ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ክስራሕ ‘ዩ።

ስለዚ ክሳብ ሕዚ ግልፂ ዝኾነ መረዳእታ ስለ ዘየለ ክንድዚ ዝኣኽላ ናብ ስሩዕ ግልጋሎት ተመሊሰን፤ ክንድዚ ዝኣኽላ ድማ ኣየተመልሳን፤ ወይ ክንድዚ ዝኣኽላ ፈፂመን ኣይተመለሳን ክብል ኣይኽእልን።ዋላ ብቑፅሪ ምዝራብ ኣይከኣል ብዙሓት ናብ ንቡር ዘይተመለሳ ትካላት ጥዕና ከምዘለዋ ግን ምግማት ዝኸብድ ኣይኮነን።

ኮይኑ ግና ስራሕና ህይወት ሰብ ምድሓን ስለ ዝኾነ ኩሉ በዓል ሞያ ብዝኸኣሎ መጠን ዋላ ኣብ ደገ ኮይኑ ግልጋሎት ክህብ ኢና ንደሊ። ኣብ ዛላ ኣንባሳ ንኣብነት ቕድሚ ሰሙናት ንመጀመርያ ግዜ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብቲ ቦታ በፂሑ ነይሩ ‘ዩ።

በዚኦም ኣቢልና ግልጋሎት ንምሃብ እንፍትን ኣለና ኢና ኮይኑ ግና እተን ጥዕና ጣብያታት ስራሕ ዝሰርሓሉ ኩነታት ስለ ዘየለ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ኩለን ክጅምራ ፃዕሪ ንገብር ኣለና ኢና።

በዓል ሞያ ኣብ ቦትኡ ተረኺቡ ዝኸኣሎ ግልጋሎት ክህብ ንሰርሕ ኣለና ኢና። ነገር ግን ኣናእሽተይ ትካላት ጥዕና ይቕረ እቲ ዓብዪ ሆስፒታል ዝበሃል ዓይደር ‘ውን ብላብራቶርን መድሓኒትን ሙሉእ ‘ዩ ትብሎ ኣይኮነን።ዝጎድልዎ ነገራት ኣለዉ እዮም።

ወጋሕታ፡- ክቐሪ ዘይግበኦ ነጥቢ ኣሎ ‘ዩ ዝብልዎ ሓሳብ እንተዘይሃልዩ ኣብ መወዳእታ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።

ዶክተር ኣማኑኤል፡- ቕድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ትካላት ጥዕና ትግራይ ንምሕያው ሰፊሕ ርብርብ ዝሓትት ‘ዩ።ኣብ ትካላት ጥዕና ዝበፅሐ ጉድኣት ንምሕያው መጀመርታ ብሓሳብ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ምርድዳእ ኣድላይ ‘ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተሰጣጢምካ ምኻድ የድሊ።ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ ኣካይዳ እናተመራሕኻ ክስራሕ ኣለዎ።ህዝቢ ምስ መራሕቱ ብምዃን ቖሪፁ ክለዓል ኣለዎ።ጉድኣት እተን ትካላት እንታይ ይመስል? እቲ ህዝቢ ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ዝብል ምፍላጥ ኣድላይ ‘ዩ።ካብዚ ብምብጋስ ኩሉ ሕብረተሰብ ብዕቱብ ክሰርሕ ኣለዎ፡ ፡

ሰኣን ሕክምና ዝመውት ዘሎ ህዝቢ ቐሊል ኣይኮነን።ብፍላይ ሞት ህፃናትን ኣዴታትን ብጣዕሚ እናወሰኸ ‘ዩ ዘሎ።ስለዚ እዚ ከተሓሳስባና ይግባእ።ብርግፅ ካብ ፌዴራል ዝተፈላለዩ ኣካላት ብኣካል እናመፁ እቲ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል ይዕዘቡ ኣለዉ ‘ዮም።

ህዝቢ ‘ውን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ይዕዘቡ ኣለዉ ‘ዮም።በዚ መሰረት መንግስቲ ዝኸኣሎ ሓገዝ ‘ውን ይገብር ኣሎ ‘ዩ።ኮይኑ ግና ሙሉእ ተሳትፎ ህዝቢ አንተዘይሃልዩ መንግስቲ ጥራሕ ዝገብሮ ሓገዝ እኹል ክኸውን ኣይኽእልን።ስለዚ መጀመርታ እቲ ምልዕዓልን ምትሕግጋዝን ካብ ህዝቢ ትግራይ ክጅምር ኣለዎ።

ካልኦት ኢትዮጵያውያን ‘ውን ሙሉእ ተሳትፎ ክገብሩ ኣለዎም።ምኽንያቱ እዚ ኩነታት እዚ ጉዳይ ትግራይ ጥራሕ ገይርካ ዝውሰድ ኣይኮነን።ኣብ ሓንቲ ሃገር ክሳብ ዝሃለና ንኹሉ ዝምልከት ጉዳይ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያ ኣብዪ ዋጋ እናኸፈለ ዝመፀ ህዝቢ ‘ዩ።

ስለዚ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዘሎ ኣካል ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ክሕገዘሉ ዝኽእል እዋን ሕዚ ‘ዩ።ምኽንያቱ እቲ ሕዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኩነታት ቐሊል ኣይኮነን።ምርድዳእ፣ ምትሕግጋዝ፣ ምትሕስሳብን ምትሕልላይን ዝሓትት ስለ ዝኾነ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዜግነታዊ ግዴትኡ ክዋፃእ ‘የ መልእኽተይ ዘማሓላልፍ።

ወጋሕታ፡ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና፡፡

ዶክተር ኣማኑኤል፡ ኣነ እውን የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You