«ፓርቲ ብልፅግና ብዝሃቦ ጥንኩርን ተቐባልነት ዘለዎን ኣመራርሓ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ተሰሪሖም’ዮም» – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፡- ፓርቲ ብልፅግና ብዝሃቦ ጥንኩርን ተቐባልነት ዘለዎን ኣመራርሓ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ክሰርሕ ከምዝኸኣለ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ እቶም ዝተጀመሩ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ስራሕቲ ብዓወት ንክቕፅሉ ስራሕቲ ምፅራይ ኣመራርሓ፣ ምጥንኻርን ህንፀትን እቲ ፓርቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ስራሕ ኣፈፃሚ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ንክልተ መዓልትታት እናካየዶ ኣብ ዝፀንሐ ስሩዕ ኣኼባ ንዘቐመጦም ኣንፈታት ኣኼባ ኣባላት ማእኸላዊ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ብዝምልከት ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ መግለፂ ሂቦም።

ስራሕ ኣፈፃሚ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዘፈራት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራውን ዲፕሎማሲያውን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ገምጊሙ ኣንፈታት ቀፃሊ ከምዘቐመጠ ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ዘፈር ፖለቲካ ሓባራዊ ምርድዳእ ዘይተበፅሐሎም መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት በቲ ኮሚሽን ምኽክር ኣቢልካ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ፅቡቕ ምዃኑ ከምዝተገምገመ እውን ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ንኹሉ ዘሳተፈ ዘተ ንኽሳለጥን ኣብ ሓባራዊ ብሄራዊ ምርድዳእ ንኽብፃሕን ከም ሓደ ፓርቲ ብፅሒቱ ንኸበርክት ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣልዒሎም።

እቲ ፓርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምንባር ብርእዮትን ፖሊሲን ዝፍለዩ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ መዋቕር መንግስቲ ብምስታፍ መንፈስ ምትሕብባር ንኽፍጠር ገይሩ እዩ፣ እዚ’ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቕን ኣዎንታውን ሰላም ንምፍጣር ንረብሓ ህዝቢ ዝቖሙ ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ከምኡ ‘ውን ዴሞክራሲ ብምህናፅ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ቃልሲ ዕጥቂ እናካየዱ ምስ ዝነበሩ ኣካላት ንዘመናውን ባህላውን ሜላታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ዘጣመረ ዘተ ብምክያድ ዘላቒ ሰላም ንኽሰፍን ፃዕሪ ምግባሩ በቲ ስራሕ ኣፈፃሚ ኮሚቴ ብኣዎንታዊ ከምዝተገምገመ ጠቒሶም።

ኣብ ኢትዮጵያ ድልየት ጉጅለን ውልቀን ብሓይሊ ንምስኻዕ ዝሓስቡ ፅንፈኛ ኣካላት ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና እናፈተንዎ እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣደም፣ ንነፃነት ብምጥቃም ነፃነት ካልኦት ምኽባር ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቲ ስራሕ ኣስፈፃሚ ኮሚቴ ልዕልነት ሕግን ሕገ- መንግስታውነትን ምርግጋፅ፣ ዝተማልኦ ሃገራዊ ሰላም ምፅናዕ፣ ንትካላት ፍትሕን ፀጥታን ምጥንኻር፣ ሓቅታት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ገዛኢ ቦታ ንኽሕዙ ምግባር ከምዝግባእ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ተዛሪቦም።

እቲ ስራሕ ኣፈፃሚ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ፍትሓዊ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ንኹሉ ዘካትት ኢኮኖሚ ይህነፅ ከምዘሎ ኣብቲ ዘተ ከምዝተመልከተ እውን ኣብሪሆም።

ስርዓት ኢኮኖሚ ብዝሃ ዘፈር ክቕፅል ብምግባር ዝተመዝገቡ ዓወታት ከምዘለዉ ብምጥቓስ፤ ብፍላይ ኣብ መፍረያይነት ስርናይ ዝተርኣየ ውፅኢት ከም ዓብዪ ዓወት ከምዘልዐሎ ገሊፆም

ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ፀገም ዘፈር ኢንዱስትሪ ብምፍታሕ፣ መፍረያይነት ንምዕባይን ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣርን ዘበረታትዑ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።

ብመኣዲ ንወለዶን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ንዘፈር ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ከምዝተኽኣለ ከምኡ’ውን ብፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣብ ውሽጢ 9ኣዋርሕ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ስራሕ ኣፈፃሚ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ፣ ኮንትሮባንድ ንምክልኻል፣ ኣብ መንጎ መፍረይን ሸማትን እታዎት ዘይውስኹ ሰንሰለታት ዕዳጋ ንምንካይ ጥንኩር ስጉምቲ ንክውሰድ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ንኹሉ ዘካትት ማሕበራዊ ልምዓት ንምጥንኻር ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂኣንስትዮን ዘበረታትዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ማሕበራዊ ዓውዲ ዘለዉ ፅርየት ትምህርቲ፣ ፍትሓውነትን ማዕረ ተጠቃምነትን መሰረት ዝገበረ ህንፀት ስነ-ምግባራውን ሃገር ዝፈቱን ወለዶ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ምትሕብባርን ሓባራዊ ተጠቃምነትን መሰረት ኣብ ዝገበሩ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ብምጥቓስ፤ ንጎረባብቲ ሃገራት ቅድሚያ ብምሃብ ምትእስሳር ኢኮኖሚ፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንኽጠናኸር ዝተጀመሩ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም።

ክብሪ ሃገር ክሕለው ናይ ምግባር ኣካይዳና ዘይመቸዎም ኣካላት ነቲ ሰሜናዊ ኵናት ስዒቡ ዝፈጠሩልና ፅዕንቶ ብምፅዋር ልዕልነት ሃገርን ሓድነት ግዝኣትናን ሓሊውና ቀፂልና ኢና ዝበሉ ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ መሪሕ ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ ፍታሕ ምሃብ ውፅኢት ስለዘርከበ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ’ውን ሚዛኑ ዝሓለወ ንኹሉ ዝሓቖፈ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ብምኽታል ንነፃነት ፖሊሲና ዝዳፍኡን ፍትሓዊ ተጠቃምነትና ንኸይረጋገፅ ዝፍትኑን ፅዕንቶታት ንምምካትን ፈታዊ ምብዛሕን ስራሕ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣልዒሎም።

ፓርቲ ብልፅግና እቶም ዝተጀመሩ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ስራሕቲ ብዓወት ንኽቕፅሉ ስራሕቲ ንኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ምፅራይ፣ ምጥንኻርን ምህናፅን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ፈጠራን ቅልጣፈ ተጠቂምካ ኣወዳድባ እቲ ፓርቲ ምጥንኻር፣ ሓድነትን ዲሞክራስን ውሽጠ ፓርቲ ምጉልባት፣ ኢሉ ‘ውን ኣብ እዋን መረፃ ንህዝቢ ዝተኣተወ ቃል ብውፅኢታውነት ምፍፃም ጠመተ ቀፃሊ ምዃኑ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You