ኣብ ትግራይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እንስሳትን ባልዓት ኣዝርእትን ጉድኣት እናብፅሑ ምዃኖም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ:- ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እንስሳት ሓደ ዝኾነ መገረም ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማምን ከምኡ እዉን ካብ ባልዓት ኣዝርእቲ ዝኾነ ባርኖስ ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ጉድኣት የብፅሑ ከምዘለዉ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ቢሮ ሕርሻ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ኣይተ ምኪኤል ምሩፅ ገሊፆም።

ኣይተ ምኪኤል ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝሓበርዎ፤ ኣብ ሃፍቲ እንስሳን ኣዝርእትን ትግራይ ከቢድ ፀገም የጋጥም ኣሎ። ሐዚ መገረም ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም እንስሳትን ባልዕ ኣዝርእቲ ዝኾነ ባርኖስ ኣመሪካን ተራእዩ ኣሎ።

ብምዃኑ ኣብዚ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ኮነ ባልዕ ናብ ካልኦትን ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘይበፅሐሉ መንገዲ የለን። ስለዝኾነ ኣብዚ ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ መንግስቲ ፌደራል ብዕቱብ ክሕግዝ ይግባእ ኢሎም።

ሐዚ ምስ ዘሎ ምፍርራቅ ዝናብን ሙቀትን ንባልዓት ምችው ኩነታት ስለዝፈጥር ኣብ 7 ወረዳታት ማለት እውን ኣብ ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ጨርጨር፣ ራያ ኣላማጣ፣ እንደርታ፣ ደጉዓ ተምቤንን ቆላ ተምቤንን ዝበሉ ከባቢታት ባልዕ ኣዝርእቲ ባርኖስ ኣመሪካ ተራእዩ ብምህላው እቲ ዘሎ ከሚካል በቢዞቡኡ ንምብፃሕ ከምዝተገበረ ዝሓበሩ ኣይተ ምክኤለ፤ ይኹን እምበር ሕፅረት ከሚካል ስለዝህልው እቲ ሓረስታይ ነቲ ባልዕ ብምእራይ ብምጭፍጫፍን ንክራባረብ ፀዊዖም።

ብተመሳሳሊ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ተመሓላላፊ ካብ ዝኾኑ ጀነቲክ ዝብሃሉ 10 ሕማማት እንስሳት እቶም 9 ኣብ ትግራይ ኣለው ዝበሉ ኣይተ ምክኤል፤ ኣብዚ ሰዓት ብርክት ዝበሉ ከባቢ 12 ሚልየን ዶዝ ዝኾኑ ክትባት ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ኣካላት ፌዴራል መንግስቲ ረኺብና ናብ ታሕቲ ብምብፃሕ ዝኽተባሉ ኩነታት ኣሎ እዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ ይኹን እምበር ቅድም ክብል ብርክት ዝበሉ ሕማማት ቀፃሊ ብዝኾኑ ክታበታት እናተኸላኸልናዮም ዝፀናሕና ሕማማት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመት ግና ክታበታት እንስሳታት ተቋሪፁ ብምፅንሑ ሐዚ ብርክት ዝበሉ ሕማማት ናይ ምርኣይ ኩነታት ስለ ዘሎ ኣብዚ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣበርቲዖም ክሕግዙ ይግባእ ኢሎም።

ኣብዚ ጉዳይ ምስ ፌዴራል ምርድዳእ እናተገበረ እነተኾነ እውን ምዝንግዓት ክህልዉ ስለዝኽእሉ ትግራይ ንምሕዋይ ናይ ኩሉ ርብርብ ዝሓትት እዩ።

ምኽንያቱ ከም ሃገር ኢትዮጵያ ሰላም ገይራ ክንብል ከለና ትግራይ እውን ሓንቲ ኣካል ኣብ ዝኾነትሉ ሰዓት ኩሉ በዓል ሞያ ናይ ትግራይ ምሕዋይ ናይ ክፋል ኢትዮጵያ ምሕዋይ ምዃኑ ርዱእ ብምግባር ግቡእ ምትሕብባር ክገብር ኣለዎ ክብሉ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ብኣና ወገን ግና ዋላ ምሉእ ኣይኹን ክንዲ ዝኽኣልናዮ ካብ ሓገዝቲ ገብርቲ ሰናያት ብምትሕብባር ብዝረኸብናዮ ሓገዛት ኬሚካላትን ኣፋውስን ብፍትሓዊ መንገዲ ንምብፃሕ ፃዕሪ ንገብር ኣለና ኢና ክብሉ ኣይተ ምክኤል ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You