ሓደገኛ ዘረባ ፅልኢት- ስግኣት ደሕንነት

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሓደገኛ ዘረባታት ብምስሊ፣ብፅሑፍ፣ወይ ብዘረባ ዝቐርብን ብዝኾኑ ኣባላት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ኣባላት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ንኽቕበሉ ወይ ድማ ንኽሳተፉ ዝገብርን ስግኣት ንክልዕል ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎን ኣብዚ ዘፈር መፅናዕቲ ዘካየደ ዴንጀረስ ስፒች ፕሮጀክት (Dangerous Speech project) ዝተብሃለ ዓለምለኸ ትካል ዝስዕብ ትርጉም ይህቦ::

ሓደገኛ ዘረባ ማለት ንሓደ ሰብ ወይ ድማ ዝተወሰነ ጉጅለ ዘነፃፀረ፣ብሄር፣ሃይማኖት፣ዘርኢ ፆታ ወይ ድማ መጉዳእቲ ኣካል መሰረት ዝገበረን ኾነ ተባሂሉን ፅልኣት፣መድልዎ ወይ ድማ መጥቃዕቲ ዘለዓዕል ዘረባ እዩ::

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ምሁር ሕጊ ዝኾኑ ኒውዘርላንዳዊ ፕሮፌሰር ጀረሚ ዋልዶርን፣“The Harm in Hate Speech “ኣብ ዝብል መፅሓፎም፤ናይ ፅልኢት ዘረባ ክብሪ ሰብ ዝጎድእ ብፍላይ ፍሉይ መግለፂ ብምልጣፍ ንኣብነት ሕብሪ ቖርበቱ፣ብሄሩን ሃይማኖቱን መሰረት ገይሩ ካብ ማሕበረሰብ ንምንፃልን ዘለዎ ፅቡቕ ገፅታ ምጉዳፍ ከም ዝኾነ ይዛረቡ::

ካብ ቐረባ እዋን ናብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፅልኢት ዘረባ ብዓይነቱን ብስፍሓቱን እናወሰኸ ይርከብ::እዚ ሓደገኛ ዘረባ ተቐበልቲ እቲ ሓሳብ ኣብ ሕብረተሰብ መጥቃዕቲ ክፍነው ወይ ድማ ኣፍቲ መጥቃዕቲ ንክሳተፉ ክገብር ዝኽእል ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ‹‹ኣንሕናን ንሳቶምን›› ዝብል ኸፋፋሊ ኣረኣእያ ከም ዝፈጠረን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ስግኣት ከምዘሕድርን ይዝረብ::

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደገኛን ናይ ፅልኢት ዘረባን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስነልቦናዊ ፅዕንቶን ስግኣት ደሕንነትን ካብ ምሕዳር ሓሊፉ ጎንፅታት እናቐስቐሱ እዮም:: ሓደገኛን ናይ ፅልኢት ዘረባን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ዘለዎም ጎንፅታትን ዕግርግራትን ንኽልዓሉ ምኽንያት እዮም ዝበለ ወዲ 29 ዓመት ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንእሰይ ራፋኤል ኩምራ እዩ::

ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት ሓደ ውልቀ ሰብ ‹‹መስቀል ኣደባባይ›› ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቦታን ብኣመንቲ እምነት ክርስትና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ስፍራ ‹‹ዒድ ኣደባባይ›› ዝብል ፅሑፍ ኣብ ወረቐት ኣስፊሩ ኣብ ኣደባባይ ተሓንጊጡ ብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብመራኸቢ ማሕበራዊ ገፅ ብስፍሓት ተሰራጭዩ ከምዝነበረ ይዛረብ::

እዚ ሓደገኛ ዘረባ ከምዝኾነ ዝገልፅ መንእሰይ ራፋኤል ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውዲ እቲ ዘረባ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ እሴት ምክእኣልን ምክብባርን ካብ ምፍራሱ ንላዕሊ ትሕዝቶ ናይቲ ዘረባ፤ጎንፂ ዝቑስቁስን ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ኽልቲኡ እምነታት ቕርሕንቲ ክፈጥር ዝኽእልን ሓደገኛን ዘረባ እዩ ነይሩ ይብል::

እቲ ዘረባ መጥቃዕቲ ንምፍጣር ዓቕሚ እንተሃለዎ ‘ውን፤ኣብ ኢትዮጵያ ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትናን ብሰላምን ብምክብባርን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ብምዃኖም ክፍጠር ዝነበረ ጎንፂ ከይኾነ ተሪፉ እዩ ኢሉ:: መንግስቲ ነዞም ጎንፅታትን ዘይምርግጋእን ከምኡ‘ውን ምግላልን ዝቕስቅሱ ሓደገኛ ናይ ፅልኢት ዘረባታት ዝከላኸሉ ስጉምትታት ንምውሳድ ስልቲ ክቕይስ ኣለዎ ኢሉ::

ሓደገኛ፣ጎንፂ ዝቕስቅሱን ናይ ፅልኢት ዘረባታት ብትካል ሚድያ ከይመሓላለፉ ቑፅፅር ከም ዝግበር ዝገለፁ ሓላፊን ኣርታኢን ሚዲያ ቴሌቪዥን ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትወርክ ዴስክ ቋንቋ ትግርኛ ዝኾኑ ዶክተር መኳንንት ደስታ እዮም::

ይኹን‘ምበር ብወገን መንግስቲ ሓሊፉ ሓሊፉ ዝዝረቡ ከም‹‹ጁንታ››ዝበሉ ሓደገኛ ዘረባታት ብዜና ይኹን ብፕሮግራም ከምዝፍነዉ አይከሓዱን:: ብተመሳሳሊ ኣብ ፋና ብሮድካስት ኮርፖሬት ጋዜጠኛ ጌታቸው ሙሉጌታ ሞያዊ ስነ ምግባር ሓደገኛ ናይ ፅልኢት ዘረባ ዝኽልክል እንተኾነ ‘ውን ከም ‹‹ጁንታ›› ዝበሉ ቃላት ኣፍቲ ትካል ከምዝዝረብ ጠቒሶም::

ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብ ናይ ውልቀ ትካል ብስራት ሬድዮ፤ጋዜጠኛ ሄኖክ ኣለማየሁ ከምዝበሎ ቕድም ክብል ሓደገኛ ዘረባታት ብሚዲዮኦም እናተመሓላለፉ እንተነበሩ’ውን ሐዚ ግና ከምዘይመሓላለፉ ተዛሪቦም:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ከምዚ ዝበሉ ዘረባታት ኣብ መንግስታዊ ሚዲያታትን ማሕበራዊ ገፃትን ብስፍሓት ከምዝስተውዓሉ ድማ ተዛሪቦም::

ኣብ ቐረባ እዋን ዝተመስረተ ማሕበር ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይቲ ማሕበር ዝኾኑ ኣይተ ኤርሚያስ በጋሻው፣ ሓደገኛን ናይ ፅልኢት ዘረባን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስነልቦናዊ ፅዕንቶ ብምሕዳርን ስግኣት ደሕንነት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ጎንፅታት ንኽፍጠሩ ምኽንያት እናኾኑ ከም ዝመፁ ገሊፆም::

ሓደገኛን ናይ ፅልኢት ዘረባን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቕሚ እናውዓሉ ዘለዉ፤ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ድማ ጉጅለ ካብ መድረኽ ፖለቲካ ንምውፃእ እዩ ይብሉ:: ከም ገለፃ ኣይተ ኤርሚያስ ገበን ሕጊ ናይዛ ሃገር፤ክብርን ሞራልን ሰብ ዝትክንፍ ዝኾነ ዘረባ ዝገብር ኣካል ብሕጊ ከምዝሕተት ይድንግግ፤ይኹን ‘ምበር ምስቲ ዝስትውዓል ስርጭት ሓደገኛ ዘረባ ንኹሉ ተሓታቲ ምግባር ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም::

እቲ ፀገም ብሕጊ ጥራሕ ካብ ምፍታሕ ኻልኦት መማረፅታት ምውሳድ ኣድላዪ እዩ ይብሉ:: ኣፍቲ ሕብረተሰብ ግንዛበ ምፍጣርን ለውጢ ኣተሓሳስባ ምምፃእን ከምኡ ‘ውን ብሄራዊ ዕርቅን ምርድዳእን ምፍጣር ኣንፈታት ፍታሕ ከምዝኾኑ ጠቍሞም::

ዋና ዳይሬክተር ብዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣይተ መሓመድ ኢንድሪስ ትካሎም ኣብ ዙርያ ጉዳይ እቲ ግንዛበ ንኽህሉ ትምህርትን ስልጠናን ከምዝህብ ብምግላፅ፤ጥሕሰት ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ጥሕሰት ንዝፈፀመ ሚዲያ ግብረ መልሲ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ተዛሪቦም::

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 2012 ዓ/ም ናይ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሓሶትን መረዳእታን ንምክልኻል ኣዋጅ ከም ዘውፀአ ዝዝከር እዩ::

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You