«ብምኽንያታውነት ዝኣምኑ ምሁራንን ፖለቲከኛታትን ንሕብረተሰብ ብምምሃር ሃገሮም ካብ ሓደጋ ፅንፈኝነት ክሕልዉ ይግባእ» -ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ:- ብምኽንያታውነት፣ ብልዕልነት ሓሳብን ብሰላምን ዝኣምኑ ምሁራንን ፖለቲከኛታትን ንሕብረተሰብ ብፍላይ ንመናእሰይ ብምምሃር ሃገሮም ካብ ሓደጋ ፅንፈኝነት ክሕልዉ ከምዝግባእ ኣቦመንበር ዴሞክራቲክ ፓርቲ ትግራይ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም።

ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረኣዩ ጎንፅታት ውፅኢት ስራሕቲ ፅንፈኛታት እዩ። ፅንፈኛታት ንዕብየት ሕብረተሰብ ዘይሓስቡ፣ ንኽፉእ ነገር ዝተልዓሉ ብምዃኖም ሰላም ዝፈትዉ ዜጋታት ከምህሩ ኣለዎም።

ፅንፈኛ ሓይልታት ድልየቶም ንኢትዮጵያ ዓውዲ ኵናት፣ ጎንፂ፣ ዘይምርግጋዕን ምቅትታልን ምግባር እዩ። እዚ ንኸይሳኻዕ ብልዕልነት ሓሳብን ብዘተን ዝኣምኑ ምሁራን ልዕልነት ሓሳብ ልዕልነት ንኽረክብን ህዝቢ ንባዕሉ ካብዞም ሓይልታት ንክሕልው ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ ኩሉ ከምህሩ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ገሊፆም።

ፅንፈኝነት ካብ ምኽንያታውነት ዝወፅአ ኣተሓሳስባ ብምዃኑ ንዕብየት ዕንቅፋት እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ መብዛሕትኡ “ናተይ ኣመለኻኽታ ጥራሕ እዩ ልክዕ፣ ናይ ካልእ ስሕተት ብምዃኑ ኣየድልን ክጠፍእ ኣለዎ” ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሲቪል ማሕበረሰባትን ፓርትታት ፖለቲካን ይርከቡ፤ እዞም ፓርትታት ብዘተ ምትእምማን ባህሊ ንክኸውን ክሰርሑ ኣለዎም። ሚድያ፣ መንግስትን ትካላት ሃይማኖትን እውን ሰባት ብዘተ፣ ብጥንኩር ልዕልነት ሓሳብ ንኽኣምኑ ተኸታተልቲ ዘተታት ከሳለጡ ትፅቢት ከምዝግበረሎም መኺሮም።

ከም መብርሂ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ኣብ ሃገርና ዴሞክራሲያዊ ልውውጥ ሓሳብ ንክህልው ብምስራሕ ካብቲ ዘተ እቲ ጥንኩር ሓሳብ ድጋፍ ረኺቡ ጎሊሁ ንኽወፅእ ንምግባር ፃዕሪ ምግባር ካብ ሕድሕድ ዜጋ ትፅቢት ይግበር። እቲ  ትግበራ ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ብፅሒት ክህልዎ ይግባእ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልነት ኣፅዋር ኵናት ዝነበሮ ዘመን ከምዝበዝሕ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኡ ግዜ ዘሕለፎ ኣብ ኵናት እዩ። ንፍልጠት፣ ንልዕልነት ሓሳብን ብዘተ ተኣማሚኑ ንምቕፃልን ዕድል ክረክብ ኣለዎ ክብሉ እውን መኺሮም።

ብፅንፈኝነት ተዓፊንካ ሃናፂ ዘተ ምግባር ኣይከኣለን። ኣብ ድሕሪት ዝቐረና እውን ነዚ እዩ። እቲ ዝነቕሐ ሕብረተሰብ እውን ነዚ ነገር ንምክልኻል ክለዓል ኣለዎ። ፅንፈኛ ኣመለኻኽታ ንሕብረተሰብ ዝብትን ብምዃኑ እዚ ኣተሓሳስባ ተስፋሕፊሑ ክሳብ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነት ክቕፅል ንምግባር ከምዝኸብድ እውን ገሊፆም።

ፅንፈኝነት እንተሃልዩ ትምህርቲ ኣይህሉን፣ ፍልጠት ምዕዳግ ኣይከኣልን፣ ምዕባለ ኣይሕሰብን። ሓሳብ ሓደ ወገን ጥራሕ ልዕልነት ንኽረክብ ይገብር። እዚ እንተዘይተሳኺዑ ድማ ኣፅዋር ናብ ምምዛዝ ንክእተው ይገብር ኢሎም።

ፅንፈኝነት ኩሉ ግዜ ሓደጋ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ፅንፈኛ ኣመለኻኽታ እንተሃልዩ ነንባዕልኻ ንኸይትስማዕማዕ እዩ ዝገብር፣ ንሓባራዊ ሓሳብ ሒዝኻ ንምኻድ እውን ኣፀጋሚ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ፅንፈኛታት በቢ ኣንፈቱ ንካሊእ ቅዋም እናረገፁ ንሕብረተሰብ ይህውኽዎ፣ ይኸፋፍልዎ፣ ንኵናት ሕድሕድ እውን የቓልዕዎ። በዚ ምኽንያት ሓድነት ክሕለው ንምግባር ኣፀጋሚ ይኸውን፤ንዕብየት ሕብረተሰብ እውን ጠንቂ እዩ። እዚ ኩነታት ኣብ ሃገርና ብተግባር እናተርኣየ ዝርከብ ፀገም እዩ ኢሎም ዶክተር ኣረጋዊ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You