ረቒቕ ኣዋጅ በጀት 2016 ዓ.ም 801 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ክኸውን ውሳነ ተመሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ናይ 2016 ዓ.ም ረቒቕ ኣዋጅ በጀት 801 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ክኸውን ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ መበል 21 ስሩዕ ኣኼብኡ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ባጀት 2016 ዓ.ም ብምዝታይ ውሳነ ምምሕልላፉ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ንስሩዕ ወፃኢታት መንግስቲ ፌደራል 369 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር፣ ንካፒታል ወፃኢታት 203 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጎማ 214 ነጥቢ 07 ቢልዮን ብር፣ ንምትግባር ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዝኸውን ሓገዝ 14 ቢልዮን ብር፣ ብድምር 801 ነጥቢ 65 ቢልዮን ብር ኮይኑ ንቤት ምኽሪ ምቕራቡ ተገሊፁ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ናይ 2016 ዓ.ም ረቒቕ ኣዋጅ በጀት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርራቡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ከምዝወሰነ ተገሊፁ።

እቲ በጀት ሸቶታት መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ተሓሳቢ ዝገበረ፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ብሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ፣ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ኣብ ምፅጋን ተሓሳቢ ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ዕላማታትን ኣንፈታትን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ትራንስፎርሜሽን ኣብ ምዕዋት ዝተርኣየ ከምዝኾነን ካብ 2016 ክሳብ 2020 ዝህሉ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ማዕቐፍን መሰረት ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You