‹‹ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓረስታይ’ውን ናይ ሊስትሮ’ውን እያ›› ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ አበባ፡- ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓረስታይ’ውን ናይ ሊስትሮ’ውን እያ ክብላ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝነበረ ስርዓት ሓረስቶት ካብ መሬቶም ተመዛቢሎም ተደርብዮም ከምዝነበሩ ኣመልኪተን፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ንዚ ዝገፃ ንልምዓት ንዝተለዓሉ ሓረስቶት ቆልዑት ንምምሃር ዝተሃነፁ ኣብያተ ትምህርትን ማእኸል መራብሒ ኸፍቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ስነ ስርዓት ምርቓት እዪ፡፡ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝነበረ ስርዓት ሓረስቶት ካብ መሬቶም ተፈናቒሎም ተደርብዮም ነይሮም፡፡ ንቲ ዘመዛበሎም ስርዓት ተቓሊሶም ብምድርባይ ነቲ ሐዚ ዘሎ ለውጢ ንክመፅእ ገይሮም እዮም ኢለን፡፡

ንቶም ሓረስቶት ዝተሃነፁሎም ኣብያተ ትምህርቲን መራብሒ ኸፍቲ ውህብቶ ዘይኮነስ ግቡኦም እዪ ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፣ንቕድሚት ናይ ልምዓት ተለዓልቲ ንዝነበሩ ሓረስቶት ዝስራሕ ናይ ልምዓት ስራሕ ካብዚ ዝበለፀ ከምዝኾን ኣፍሊጠን፡፡

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ንሓረስቶት ናይ መሬት ትሕዝቶ ብዓል ቤትነት ምስክር ወረቐት ተዋሂቡ እዩ፤መሰሎም ምኽባር በዚ ዝኣክል ኣይኮነን፤ከም ቤት ትምህርቲ ዝበሉ መገልገልታት ክስረሐሎምን ደቆም ኣብ መረበቶም ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ እዮም ኢለን፡፡

‹‹ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓረስታይ’ውን ናይ ሊስትሮ’ውን እያ›› ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፣ ብነበርቲ ከተማ ንልምዓት ዝድለዩ ቦታታት ብምልቓቕ ናይቲ ልምዓት ተሳተፍቲ ብምዃን ኣብታ ኸተማ ናይ ብዓል ቤትነት ስምዒት እናተረጋጋፀ ምዃኑ ኣፍሊጠን፡፡

ዝተሰርሑ ቤት ትምህርትታት ተምሃሮ፣መምህራንን ናይቲ ኸባቢ ነበርቲ ብብዓል ቤትነት ንክሕዝወን ወይዘሮ ኣዳነች ኣተሓሳሲበን፡፡ ብማዕረግ ምክትል ከንቲባ ዋና ስራሕ መካየዲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ ብወገኖም፣ኣብ ቐፃሊ ዝህነፅ ማእኸል መራብሒ ኸፍቲ ኣብ 14 ሄክታር ዝዓረፈ፣ንቲ ኸባቢ ምትእስሳር ዝፈጥር እዩ ኢሎም፡፡

ህንፀት እቲ ማእኸል ናይ ልምዓት ተለዓልቲ ዝነበሩ ሓረስቶት ብዓል ቤት ልምዓት ኢንዱስትሪ ዝገብር ምዃኑ ጠቑሞም፣እቲ ማእኸል ሓደ ነጥብ ኣርባዕተ ኪሎ ሜትሮ ናይ ኣስፋልት መንገዲ ዘለዎ፣ሼዳትን ካልኦት ናይ መስርሒ መሳርሒታት ዝተማለአሉ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

ውፅኢት እንስሳ ብምቅንብባር ንቲ ኸባቢ ነበርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀባን ካልኦት ናይ እንስሳት ተዋፅኦ ምቕራብ ከምዘኽእል ዝገለፁ ኣይተ ጥራቱ፣ኣመራርሓ መንግስቲ ብቆራፅነት እንተሰሪሖም ኣብ ሓፂር ግዘ ፕሮጀክትታት ንምስኻዕ ከምዝከኣል መርኣያ ይኸውን ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዕለት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ብተወሳኺ ንሓረስቶት ናይ ኸፍቲ መራብሒ ማእኸል ተዛዚሙ ተመሪቑ እዩ፡፡ ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት እቲ ማእኸል ድማ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ እዩ፡፡

እቶም ዝተሃነፁ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ 12 ገላን ኮንዶሚኒየም ኣብ ዝርከብ ጎበና ደበሌ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርትን ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣባዶ ዝርከብ ኣቤቤ ቱፋ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እዮም፡፡ ናይ ከፍቲ መራብሒ ማእኸል ቐዳማይ ምዕራፍ ዝተሃነፀ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኸባቢ ገላን እዩ፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You