ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝዘመቱ ‹‹ባንዳታትን ባዕዳውያንን››

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ 29ግንቦት 2013 ዓ.ም ጣና በለስ ቁፅሪ ሓደ ፋብሪካ ሽኳር መሪቖም ስራሕ ዕላዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ ብዙሓት ሃገራዊ ዓወታትን ፀገማትን ከምዝጠቐሱ ዝዝከር እዩ:: ብፍላይ ሎሚ ዝተጋረዱና ፀገማት ብዝምልከት እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ‹‹ባንዳታትን ባዕዳውያንን›› ዝበልዎምን ብተንኮል ተግባሮም ዝተፀመዱ እናሰርሕዎ ዘለዉ ሃገር ናይ ምቑሳል ሓደጋ ዝተሓላለኸን ዝረቐቐን ከምዝኾነ ገሊፆም እዚ ድማ ብዝግባእ ኣጉሊሑ ናይ ምርኣይ ዓቕሙ ልዑል እዩ::

‹‹ከም ባንዳታትን ባዕዳውያንን ዝብሉ ኽልተ ቃላት ዝተሸከምዎ መልእኽቲ ግና ዝተለመዱን ኣብ ስሩዕ ምርድዳእ እውን እንጥቀመሎም ኣገላልፃ ኣይኾኑን:: በዚ ፀሓፊ እምነትን ምልከታን እዚ ንዓብይ መፅሓፍ ርእሲ እንትኾን ብዙሕ ሓሳብ ክተኣናገዱሉ ከምዝኽእሉ ምግማት ኣይኸብድን:: ነዚ እውን እዩ ናይ ሎሚ ፅሑፈይ ንርእሲ ክጥቀመሉ ዝተውሓስክዎ::

‹‹መጀመርያ በቲ ቃል ትርጉም ንሰማማዕ››

እዚ ኣበሃህላ ብብዝሓት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጥንታውያን ፈላስፋ ግሪክ ምዃኖም በቲ ዘርፍ ባዓል ሞያታት ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ እዩ:: ሓደ ቃል ብዝተሸከሞ ፅንሰ ሓሳብ ክንረዳዳአሉ ተዘይኽኢልና ትርፉ ካብ ክርክር ኣይዘልልን:: በዚ መሰረት’ውን ‹‹ባንድነትን ባዕዳውያንን››ዝባሃሉ እዚኦም ኽልተ ቃላት ዝተሸከምዎ ፅንሰ ሓሳብ ንእሽተይ ትንትን ብምግባር ቀፂልና ናብ ዋና መልዓሊ ሓሳብ ፈጢንና ክንሳገር ኢና::

‹‹ባንዳ››ዝብል ስያሜ ፅንሰ ሓሳቡ ብቋንቋታት ዝተለመደ ድሕሪ ጣልያን ወረራ ከምዝኾነ ይእመን:: ናይ ጣልያን ‹‹bandito››ንቋንቋ ንክስማዕማዕ ተገይሩ ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ ከም ኦሪጅናል ትርጉሙ ‹‹ሽፍታ ፣ዘራፊ፣ዓመፀኛ፣ወንበዴ ወዘተ››ዝብሉ ትርጉም ጥራሕ ዝተሸከመ ኣይኮነን::‹‹ባንዳ› ዝውክሎ ብዋናነት ‹‹ኸዳዕቲ›› ዝብል እዩ::ክሕደት ዝፍፀም ካብ ዕለታዊ ጎንፅን ዘይምትእምማን ዝተትሓሓዘ መልክዑ እንተይኾነስ ህሊና ኣዕዊርካ ናይ ባዕልኻ ሃገር ብምኽሓድን ናይ ባዓልካ ህዝቢ ብምቅላል ዝግለፅ ዝኸፍአ ድርጊት እዩ:: ንኸብድኻ ምሕዳር ምልክስካስ ዝበለፀ ይገልፆ እዩ::

ንግዝያዊ ጥቕሚ ብምዕባድን ንዝሓልፍን ዝጠፍእን ግዝያዊ ክብሪ ምስ ፀላኢ ብምዃን ብምትሕብባር ‹‹ባዓልካ ምውራድ›› እቲ ቀንዲ መፍለጢኡ እዩ::

‹‹ንኸብዲ ምሕዳር ባንዳነት›› ዝዋሃቡ ብዙሓት መግለፅታት እንተሃለዉ’ውን ብብዝሓት ዝጥቀሱን ብዝተቐየረ ዘይቤ ካብ ዝማዕበሉ ቃላት ‹‹ከሓዲ ፣ጥው ኣዲኡ ነኻሲ፣ ኣጋዲሙ ዝሓርድ ..ወዘተ ››ዝብሉ ውሑዳት ጥራሕ ምስትዋስ ይካኣል እዩ::ርግፅ ባንዳነት ደረጅኡ ክፈላለ ይኽእል እዩ::ሓደ ሓዲኡ ‹‹መሰሪ ባንዳ›› ባህሪኡ ዝረቐቐ፣ ተግባሩ ዝተመሳጠረ ዓይነት ክኸውን ይኽእል እዩ:: ከምዚ ዓይነት ባንዳ ብስኑ እናሳሓቐ ፣ፊት ለፊት እናሸርጎደ ሃገሩን ህዝቡን መስዋእት እናገበረ ሕሊንኡ ኾነ እምነቱ ‹ግደፍ ይቕረይኻ ›እናበሎ እዚ ንዘይምስማዕን ንከይወቕስዎ ኽልቲኦም ናይ ነፍሱ ፃውዒት ቐዲሙ ዝቐትሎም ብዝሓላፍን ዝጠፍእን ኣብ ጥቕሚ ባዕሉ ሓቢኡ ምንባር እዩ:: ‹‹ኣፉ ጠስሚ ከብዱ ካራ›› ዝብል ዝተለመደ ኣበሃህላ ዝበለፀ ይገልፆ እዩ::

ሓደ ሓዲኡ ባንዳ ልክስክስ ዝኾነ እዩ:: ንሓንቲ ጉርሻ እናጎረሰ ንዑ ንፀላኢ ንሕደር ፣ንትልሚ ድማ ተንበርኪኽና ንስገድ !እናበለ ብግልፅን ፊት ንፊትን እዩ ከእምን ዝፍትን:: እዚ ዓይነት ባንዳ ‹‹ፀሓይ ደበና እንትሽፍና ›› እንራኣየ’ውን መሊሳ ወፂኣ እተብርህ ስለዘይመስሎ ንስሓ ኣትዩ ብንስሃ ኣይፀርን:: ካብዚ ዝለዓለ ድማ ሃገር ክብራ ተዝዋረድ ፣ህዝቢ ካብ ሞገሱ ተዝወርድን ተዝጉዳእ’ውን ግዲ የብሉን:: ኸብዱ ኣምሊኹ፣ ክሕደቱ ኽብሩ ገይሩ ስለዝቆፅር ሕልሙ ዕለታዊ እንጀርኡ ንከይጎድል ኣጥቢቑ ብፃዕሪ ምቅላስ እዩ::

ካልእ ዓይነተ ባንዳ ብየዋህነት ባዕሉ ኣብ ክሕደት ውሽጢ ምእታው እዩ:: ከምዚ ዓይነት ተለማማጢ ክሕደት ነገራት ብዘይምግንዛብን ብዝነፈሶ ዝነፍስ እምነት ብምጉዳል ‹‹ጅግንነት ይመስል››ንኹፍኣት መገልጊ ናውቲ ብምዃን ምቅላልን ክብሪ ሃገር ኣብ እግሪ ፀላኢ ኣንፂፍካ መረማመዲ ምግባር እዩ:: እዚኦም ኹሉ ዓይነት ባንዳታት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ወረርቲ ባንዳ ተንኮል ኣብ ዝሓሰብሉ እዋን ኹሉ ተፈፂሙ እዩ:: ብታሪኽ ዝተሓላለፉና ብዙሓት ኣብነታት ስለዘለዉ’ውን ንምምስካር ኣየፀግምን::

ብኣንጻሩ ድማ ‹‹ባዕዳውነት ››ስጋ ዝምድና ዘይምህላው ጥራሕ እንተይኾነስ ‹‹ንሃገር ክብርን ልምድን ደንታ ዘይብሉ ፣ጋሻ ፣ፈላሲ›› እናበሉ መዛግብት ቃላት ትሕዝትኡ ይትንትንዎ እዮም:: ትርጉም ልዕል ነብሎ እንተይልና እውን ፅንዓት መንፈስን ክብርን ምግፋፍ እዩ:: ኣባሃህላታትና ከምዘረጋግፅዎ ‹‹ባዕዳውነት ስር የብሉን ፣ባዕድን ፀልማትን ሓደ እዩ፣ ባዕዲ ካብ ዝሳዓሞ ዘመድ ዝነኸሶ::›› እናተብሃለ ዝምሰል’ውን ነዚ እዩ::

ኾይኑ ግና ምስ ባዕዳውያን ብሕውነትን ምቅርራብን ምስራሕ ኣይካኣልን ማለት ኣይኾነን:: ኣይካኣልን እንተበልና’ውን ምስ ሓቂ ተጋፊጥና ምሽናፍና ኣይተርፍን:: ምስ ባዕዳውያን ርሑቕ ተመልካቲ ብምዃን ተኸባቢርካን ተደጋጊፍካን ምንባር ይካኣል እዩ:: እዚ ሓቂ እዩ:: ዓርሲ ንዓርስኻ እናተጠራጠሩ ብባዕዳዊ ስሜት ‹‹ኣይትብፀሐኒ ኣነ’ውን ኣይበፅሐካን ርሑቕ ንርሑቅ ምርእኣይ’ውን ይከኣል እዩ:: ካብ ኹሉ ዝኸፍእ ግና ብፀላኢ ስሜት ‹‹ካልእ አጥፊኡ ባዕሉ ንምውራድ ዝሰርሖ ተንኮል እዩ:: እዚ ዓይነት ጭካነ ዝተመልኦ ባዕዳዊ መሰሪ ተግባር ሎሚ ብብዙሕ መልክዑ እናተገለፀ ከምዘሎ እናስተውዓልናዮ ዘለና ሓቂ እዩ::

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናይዚ ዘለናዮ እዋን ሃገራዊ ፈተና እንትገልፁ እዚኦም ኽልተ ቃላት ዝተጠቀሙ ብዝፈዘዘ መዛግብቲ ቃላት ትሕዝተኦም እንተይኾነስ ብመጨረሻን ብዝኸፍአ ገላፂ ትሕዝተኦም እዩ:: ብፍላይ ተሓባቢሮም ፣ተናቢቦም ፣ግንባር ፈጢሮም ኢትዮጵያን ህዝባን ንምውሓጥን ንክውሕጥዋን ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ፀላእትና ክንደይ ዝኣክል ከምዝተወደቡልና ንምርኣይ’ውን እዩ ፣እርግፅ እዩ ሃገርና ዘላቶ እዋን ፈተና ብታሪኽ እነስታውሶም ፀገማት ምናልባት ብብዙሕ መልክዖም ዝፍለዩን ‹‹ክሳብ ኸዚ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ብዙሕ ዘፈር ፀላእቲ ገጢምና ይፈልጥ?››ኢልና ንምሕታት እንግደደሉ በዚ ምኽንያት እዩ::

በዚ ፀሓፊ እምነት ናይ ሎሚ ጥፍኣት ባንዳታት ዝወፈሩና ኣብ ጓጓና ተሓቢኦም ፣ብባዕዳውያን ሃገር ተፀሊሎም ፣ብቐረባን ርሑቕን ተመሳሲሎም ብክሕደት ዓዊሮም እናተደነባበሩ ከምዝኾኑ ንምርዳእ ኣይኸብድን:: ባንዳታት ጭካነ ባህሪ ተላቢሶም ስለዝኾነ ቆለኦም ዝሕጎስ ፤ደም ወገን እንትፈስስ ፣ንብረት ሃገር እንትዓንው፣ዓመፅ ብምኽፋት ክብርን ሃገርን ህዝብን ዝወረደን ዝቐለለን መሲሉ እንትረኣዮም እዮም::

ምስ ፀላኢ ተሰሊፎም ዓመፅ ምትሕብባርን ምፍፃምን ተልእኸኦም ዝፍፅሙ ፣ከብዶም ኣምላኾም ›› ከምዝኾነ ስለዝኣመኑ እዩ:: ንዝኸበቡና ታሪኻዊ ባዕዳውያን ፀላእቲ ፈረስ ኾይኖም ንኽጋልቡ ዝህቡ ብዕለታዊ ጥቕሚ ተደሊሎም ፣ሕሊናን ክብሪ ዜግነትን ኣርኪሶም ባዕሎም ምስ ኣእመኑ ‹‹ባንዳ››ንሃገርን ህዝብን ኣኽብሮት ዘይብሉ ፤ንባንዳ ኸብዱ ዓዱ ፣ ኽብሩ ውርደቱ፣ ስለዝኾነ ሰብእንኡ ዝተዛበዐ ጥራሕ እንተይኾነስ ብደዉ ዝሞተ እዩ:: ባዕዳውያን ግብፅን ሱዳንን መሪሕ ገይሮም ዘሰለፍዎም ናትና ዝተኣከቡ ባንዳታት ምጥቃስ እኹል እዩ:: ‹‹መቕበሪት ዕትብቲ ፣መዕረፊ ዘልኣለማዊ ገዛ፣፣ጀጋኑ ብደሞም ማህተም ኣዕፅምቶም ከስኪሶም ዘረከቡና ሃገር ››ከም ቀሊል ንብረት ንድርድር ምቕራብ ከመይ ሞራል ክረክብ ይኽእል? ባንዳነት ማለት እዚ እዩ:: ባንዳነት ብባዕዲ እግሪ ወዲቅኻ ፅዕነት ንምሽካም ባዕልኻ ‹‹ጌኛ››ምግባር እዩ::

ኣሜሪካ ሉኣላውነትና ተዳፊራ ተዘይኣዚዘኩም ብምባል ‹‹ዱታ›› እየ እናበለት እትፍክር ዘላ ናትና ዘመናዊ ባንዳታት ብዝቕበልዎ ሓሶትን ፈጠራ ሓበሬታን ምኽንያት እዩ:: ተዘይኾንማ ቅድሚ ኣሜሪካ ምፍጣር ሽሕ ዘመናት ቀዲማ ዝተፈጠረት ታሪኻ ዝድነቕን ዘኹርዕን ኢትዮጵያ እትኣክል ሃገር ንድርድር ከምይ የኽእሎም?፤ ወነን ሞራልን ዝባሃል ከምዘይፈጠረሎም ተግባሮም ፅቡቕ መርኣያ እዩ::

ባዕዳውያን ባንዳታትን ሎሚ ተበረታቲዖም ሓይሎም ብምውዳብ ክዘሉ ዝተነቓቕሑ ፀገም ውሽጦም መረማመዲ ስለዝኾኖም ፣ስፍሓት ምፍልላይና ዘሽልኾም ስለዝመሰሎም ይመስል:: ኣይፈልጥዎን ከይንብል ኢትዮጵያውያን ክብርናን ዝናናን ተደጋጊሙ ዝተዘመረሉ ምስምዖም ኣይተረፈን:: ኾይኑ ግና ሃገራዊ ፀገማትና ዝዓበዩ እተመሰሉ’ውን ካብ ስጉምትና ተሸጊሮም መባፅሒ ተስፋና ግና ብፍፁም ክዓግቱ ኣይኽእሉን::

ኣየንኡ ድምፃዊ እዩ ‹‹ኣይፈልጡናን ንሕና ኣይፈልጡናን ›› እናበለ ዝደረፈ፤ ሓቂ እዩ፣ ኣይፈለጡናን፣ተዘይፈለጡና’ውን ዳሓን:: ንግዚያዊ ፀገምና ምሕጋዞምን ምልቀሖምን ተኽበርናዮም’ውን ብሉኣላውነትና ክደራደሩ ግና ኣይንፈቕደሎምን:: ፍፃመ ባንዳታት ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና እዩ::ኣለና ክብሉ ተዋሪዶም ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ዝተረድኡ ኣይመስልን:: ይግደዶም ንባንዳታት’ምበር ኢትዮጵያ ነይራ እያ፣ንቅድሚት’ውን ብኽብሪ ከምትነብር ምምሓል ኣየድልን::

ባንዳታት ክልክስከሱ ናይ ጀጋኑ ጥንካረ ይብርትዕ እዩ:: ባዕዳውያን ተንኮል እንትሓስቡ ብደም ዝተኣሳሰሩ ስድራ ወነኦም ልዑል ኾይኑ ዝሓሰብዎ ከይተፈፀመ ይቐሪ:: እዚ ሓቂ እዩ:: ኣብ ታሪኽ’ውን ተፈቲኑ ዝተረጋጋፀ እዩ:: እቲ ዋና ጉዳይ ናይ ባንዳታትን ባዕዳውያንን ሓዘን ምድማፅ እዝኖም ምኽፋት እንተይኾነስ ረሳሕ ጓዳና ኣፅሪኻ ምንፃህ እዩ::

ሰላምና ዛሕሊ ንከይኣትዮ ብሽምዓ ቀለማት ሸፊንና ምንክብኻብ ግድን እዩ:: ብደቀቕቲ ጉዳያት ትኹረት ካብ ምሃብ ብዓበይቱ ጉዳያት ሃገራት ኣትኹርካ ምርብራብ ተመራፂ ስልቲ እዩ:: ሽዑ ባንዳ ክሓቅቕ እዩ፤ ባዕዳውያን ፀላእቲ’ውን ሕፍረት ክኽደኑ እዮም፤ እዚ እዩ::ሰላም!(ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You