ኣትሌታት ኢትዮጵያ ዝደመቕሉ ዳይመንድ ሊግ ራባት

ናይዚ ዓመት ዳይመንድ ሊግ ውድድር ኣብ ሞሮኮ ከተማ ራባት ተኻይዱ ‘ዩ። ኣብዚ ውድድር ተሳታፊ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታ ‘ውን ውፅኢታዊ ኾይኖም ‘ዮም።

ካብ 14 ዳይመንድ ሊግ መባፅሒ ከተማታት እታ ሓንቲ ዝኾነት ኣብ ኣፍሪካ ብብሕታውነት እቲ ውድደር እተተኣናግድ ከተማ ራባት ብዙሓት ቻምፒዮና ዓለም ብዝተፈላለየ ርሕቐት ተሳቲፎም ‘ዮም።

ካብዚኦም ርሕቐት እቲ ሓደ ዝኾነ 1ሽሕን500ሜትር ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ትፅቢት ከምዝተገበረለን ኢትጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓወቲ ኾይነን ‘የን። ብማኸላይ ርሕቐረት ጉዳፍ ፀጋይ ናይዚ ርሕቐት ተዓዋቲት ኾይና’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤልግሬድ ናይ ዓለም ናይ ውሽጢ ገዛ ካብ ዝተሳተፉ ኣትሌታት ዝሓሸ ግምት ዝተውሃባ ኣትሌት እንትትኾን ፣ ኣብ ቐረባ ኣብ ኦሪጎን ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና በዚ ርሕቐት ሜዳልያ ብሩር ባዓል ዋና ኾይና ‘ያ።

ናይ 5ሽሕ ሜትሮ ቻምፒዮና ዓለም ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ራባት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ንሰዓራይነት ከምትጎይይ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዘመዝገበቶ ሰዓት የማላኽት ነይሩ ‘ዩ።

እታ ኣትሌት በዚ ርሕቐት ልምድ ዘለዋን ብብዙሕ ውድድራት ውፅኢታዊ ከምዝኾነት ዘረጋገፀት እንትትኾን ፣ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2021 ኣብ ፈረንሳይ ሌቪን ኣብ ዝተገበረ ናይ ገዛ ውሽጢ ቻምፒዮና 3፡53፡09 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረ ወሰን ከምዝሰበረት ዝዝከር ‘ዩ።

ኣብዚ ‘ውን እታ ኣትሌት ካብ ውድደር መበገሲ ጀሚሩ ብፍጥነት ብምጉያይ 3፡54፡03 ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ክትስዕር ክኢላ ‘ያ። ካብ ዓለም ክብረ ወሰን ብሓደ ሰከንድ ብምድንጓይ ዘመዝገበቶ እዚ ሰዓት ኣብ ኣፍሪካ እቲ ምሩፅ ሰዓት ተባሂሉ ተመዝጊቡ ‘ዩ።

ጉዳፍ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣስዒባ እቲ ውድድር ብቐዳማይነት ምዝዛማ ስዒቡ ኣብ ዝሃበቶ ርኢቶ ‹‹ እዚ ውድድር ኣበዚ ዓመት ዝተሳተፍኹሉ ናይ መጀመሪያ ካብ ገዛ ውሽጢ ውድደር ‘ዩ። ሰዓሪት ብምኳነይ ተተሓጎስኹ ‘ውን ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋበይ ድማ ብጣዕሚ ሕጉስቲ ኾይነ ‘የ።

ካብ ጉድኣት ወፃኢ ኣብ ዘተኣማምን ጥዕና ይርከብ ፣ ስለዚ ኹሉ ከምዝሓሰብኽዎ ‘ዩ›› ክትብል ገሊፃ ‘ያ።መንእሰይ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ካብ ጉዳፍ ሰለስተ ሰከንድ ንድሕሪት ብምትራፍ ኻልኣይ ብርኪ ክትሕዝ ኽኢላ ‘ያ።

ኣብ ዩጂን ቻምፒዮና ዓለም ከምኡ ‘ውን ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ በዚ ርሕቐት ንሃገራ ዲፕሎማ ዘርከብት ኣትሌት ፍረወይኒ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ተተክእቲ ኣትሌታት እታ ሓንቲ ‘ያ። ኣብዚ ውድድር እዚ ድማ ዓቕማ ብዘምስክር 3፡57፡65 ብዝኾነ ሰዓት ክተምዝግብ ክኢላ ‘ያ። ዝኣወትሉ ሰዓት ‘ውን ናይ ውልቀኣ ምሩፅ ሰዓት ‘ዩ።

ጓል 17ዓመት ዝኾነት ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ሳልሳይ ብርኪ ሒዛ ውድድራ ዛዚማ ‘ያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ቻምፒዮና መናእሰይ 4፡04፡27 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተተካኢት ከምዝኾነት ኣመስኪራ ‘ያ።

ናይ መጀመርያ ዝኾነ እዚ ዳይመንድ ሊግ ውድድር ድማ 3፡57፡66 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታይ ተስፋ ከምዘለዋ ኣመስኪራ ‘ያ። ብ800 ሜትሮ ተሳትፎኣ እትፍለጥ ኣትሌት ወርቅነሽ መለሰ ድማ 4፡01፡81 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ራብዓይ ብርኪ ሒዛ ዛዚማ ‘ያ።

ኣብ ራባት ዳይመንድ ሊግ ውድድር ኣብ ዝተኻየዱ ርሕቐት እቲ ሓደ ዝኾነ ናይ ደቂ ተባዕትዮ መሰናኽል 3ሽሕ ሜትሮ ኣትሌት ጌትነት ዋለ 8፡05፡15 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ እንትትወፅእ ፣ ሞሮካዊ ኣትሌት ሶፊያን ኤል ባካሊ 7፡56፡6 8ብምእታው ቀዳማይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ ‘ዩ።

 መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 24 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You