ኢትዮጵያ ትመርፅ፤ኢትዮጵያ ትስዕር

ኢትዮጵያ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ተካይድ እያ::እዚ መረፃ ብዙሓት ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ እዩ::መዘራረቢ ዛዕባ ዓለም’ውን እዩ::

እቲ መረፃ ትኹረት ዝተገበረሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ተምሳሌት ክኾን ዝኽእል መረፃ ክኸውን ትፅቢት ስለዝግበርን ንዚ መሰረት ዝገበረ ምድላዋት ስለተገበረን እዩ::ንዚ’ውን መንግስቲ ዘይሻራዊ ቦርዲ መረፃ ካብ ምጥያሽን ሰባት ካብ ምሿም ኣትሒዙ ሕግታት መረፃ ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ::እዚ ዝተገብረ ኣብቲ መረፃ ኢትዮጵያ ንክትመርፅን ንክትስዕርን ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ::

እዚ መረፃ ዴሞክራሲያዊ ንክኾን ዘይደልዩ ሓይልታት ኣለው::እዞም ሓይልታት ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው እዮም::ንቲ መረፃ ፀለሎ ብምልካይ ንምትዕንቓፍን ተቐባልነት ክይህልዎ ፃዕሪ ይገብሩ ኸሪሞም እዮም::ዕላምኦም ድማ ኢትዮጵያ ከይትመርፅን ከይትስዕርን እዮ::ኮይኑ ግና ህዝብን መንግስትን ብምትሕብባር ከፍሽልዎን ኢትዮጵያ ንክትመርፅን ንክትስዕርን ክገብሩ እዩም::

ናይ ሎሚ ዘበን መረፃ ንሰላምን ደሕንነትን ሃገርና ወሳኒ እዩ::ዴሞክራሲ ንለማመደሉ፣ብዝመረፅናዮ ፓርቲ እንመሓደረሉ፣ሐዚ ካብ እንሰምዖምን እንርእዮምን ፀገማት ንናገፈሉ ቐንዲ መገዲ እዩ::ስለዚ እቲ መረፃ ዕውት ንክኸውን ግቡእና ክንዋፃእ ይግባእ::

ሻድሻይ መረፃ ብዘይካ ኣብ ትግራይ ኣብ ኹሉ ክፋል ኢትዮጵያ 14 ሰነን 1 ጳጉሜንን 2013 ዓ.ም ክካየድ እዩ::37 ሚሊዮን 408ሽሕ 600 መረፅቲ ካርዲ መረፃ ወሲዶም እዮም::ዋላኳ ብናይ ባዕሎም ድሌትን መትከልን ኣብ መረፃ ዘይተሳተፉ ፓርቲታት እንተሃለው ሕፁያት ፓርቲን ውልቀሰባት’ውን ኣብቲ መረፃ ንክምረፁ ተመዝጊቦም እዮም::

ቦርዲ መረፃ ኣብ ሕትመትን ኤሌክትሮኒክስ መራኸቢ ሓፋሻት ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ሓሳቦም ንክገልፁ ዘኽእሎም ዕድል ፈጢሩሎም እዮ::መድረኽ ክትዕ ተዳልዩ’ውን ዕላማኦም ንህዝቢ ንከፋልጡ ተገይሩ እዩ::ኣብ ጎደናታትን ኣዳራሻትን ‘ውን ጎስጓስ ኣካይዶም እዮም::ናይ ገንዘብ ሓገዝ’ውን ተገይሩሎም እዩ:: እዚ ኩሉ ዝተገብረ ኢትዮጵያ መሪፃ ኢትዮጵያ ንክትስዕር እዩ::

 ፓርቲታት ፖለቲካን ውልቀ ተወዳደርትን ካብ 30 መጋቢት 2013 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ መራኸቢ ሓፋሻትን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ጎስጓስ ምረፁኒ ኣካይዶም እዮም::ኣብዚ ከይዲ ቅድመ መረፃ ዝቐረበ ጥርዓን ስጋብ ሐዚ የለን::ፅቡቕን ውፅኢታዊን ነይሩ::ሐዚ ዝተርፍ ኣብቲ ዕለት መረፃ ድምፂ ምሃብን ድሕሪ መረፃ ውፅኢት ዕላዊ ምግባርን ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ዓ.ም መወዳእታ ሰሙን ሓድሽ መንግስቲ ምምስራት እዩ::

ኣብ ዝቕፅል 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ድምፂ ዝወሃበሉን ኩሉ ህዝቢ ብሃንቀውታ ሰላማዊ መረፃ ንክካይድ ትፅቢት ዝገብረሉን እዩ::እዚ ዕለት ኢትዮጵያ ጠንካራ ኮይና ከይትወፅእ ብዝደልዩ ሓይልታት ንከይኹለፍ ምስራሕ የድሊ:: ዝተረጋገዐ መንግስቲ ከይህሊ ብዝደልዩ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ሰላም ከይስኣን ምጥንቓቕ የድሊ::ንዚ ድማ ህዝብን መንግስትን ማይን ፀባን ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም::በዚ ድማ ኢትዮጵያ መሪፃ ሰዓሪነታ ክተረጋግፅ ይግባእ::

ህዝቢ ሰላም ሃገር ካብ ማንም ንላዕሊ ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ::ኩሉ ህጋዊ መገዲ ተኸቲሉ መረፃ ከካይድ ይግባእ::ኣብ ዝማዕበሉ ሃገራት ብዝካየድ መረፃ ምድናቕን ምድማምን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሃገር’ውን ከምኡ ዓይነት መረፃ ንክልመድ ምስራሕ ግድን ይኸውን::ንዚ ድማ መድመፃይ ህዝቢ ወፂኡ ድምፁ ክህብ ኣለዎ::ሰላም ከባቢኡ ክኽልው ይግባእ::ምስ ሓይልታት ፀጥታ’ውን ምንባብን ምትሕብባርን ግድን እዩ::

ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ድማ ድምፂ ህዝቢ ከኽብሩ ኣለዎም::እቲ ድምፂ መውሀቢ ዕለት ሰላማዊ ክኾን እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ::ንጎንፂ ካብ ዝጋብዙ ዘረባታት ክቑጠቡ ኣለዎም::በዚ’ውን ኢትዮጵያ ስዒራ ክትወፅእ ክሰርሑ ይግባእ::

ውፂኢት እቲ መረፃ ምንም ይኹን ምንም፤ዝሰዓረ ይስዓር ክሕሰብ ዘለዎ ሃገር እዩ::ቐዳምነት ክውሃቦ ዘለዎ ንሃገርን ንህዝብን እዩ::ሃገርን ህዝብን ምምራሕ ዝህሉ ሃገር እንትህሉ፤ሰላም እንትሰፍን እዩ::ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክህነፅ ዝኽእል ሃገር እንትህሉ እዩ::ስለዚ ሕርያና ኢትዮጵያ ክኸውን ይግባእ::እቲ መረፃ በዓወት እንትዛዘም ሰዓሪት ኢትዮጵያ እያ::ናይ ውሽጥን ደገን ፀላኢ ዝሓፍር ኢትዮጵያ መሪፃ እንትትስዕር እዩ::ንዚ ድማ ህዝቢ፣መንግስቲን ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ሓላፊነቶም ክዋፅኡ ይግባእ::

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You