‹‹ንህዝቢ ከገልግል ዝህሉ ውዳበ ‘ምበር ንባዕሉ ብህዝቢ ክግልገል ዝጣየሽ ውዳበ ክህሉ ኣይግባእን ›› – ኣይተ ግርማይ ገዛሀኝ

ለውጢ ምድላይ ምልክት ስልጣነ ‘ዩ።ብፍላይ ድማ ከም ሃገር ዝመፅእ ለውጢ ውፅኢቱ ረብሓ ህዝቢ ምርግጋፅ ስለዝኾነ ናይ ኹሉ ወዲ ዓዲ ባህጊ ‘ዩ።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ በቢ ኣንፈቱ ዝርከብ ተወላዲ ዓዲ ቓንዛ ሃሩን ህዝቡን ዝስመዖ ብዝተፈላለየ መገዲ እንትቃልስን ፀገማት እንትፍጠሩ ‹‹ኣይፋልን እዚ ንህዝቢ ዝረብሕ ኣይኮነን፣ በዚ መገዲ ተዝኸውን ይምረፅ›› ብምባል ሓሳቦም ብዲፕሎማስያዊ መልክዑ ዝገልፁ ኢትዮጵያውያን ቑፅሮም ዉሑድ ኣይኮነን።

ኣይተ ግርማይ ገዛሀኝ ነባርነቶም ኣብ ሀገረ ኣሜሪካ እንትኾን ኣብ ሀገርና ብዝተፈጠረ ለውጢ ስዒቡ ትግራይ ‘ውን ካብቲ መኣዲ ለውጢ ክትቖርስ ይግባእ ብምባል ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ነባር ኣገዛዝኣ ሓራ ንክወፅእ ብሓሳብ ዝሟገቱ ዝነበሩን ኸዚ ‘ውን መፃኢ ዕድል ህዝቦም ዘሕስቦም ግዱስ ትግራዋይ ‘ዮም።

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ትግራይ ኣድሂቦም ካብ ጋዜጣ ወጋሕታ ብፅሑፍ ንዝቐረበሎም ሕቶ ብፅሑፍ ዝሃብዎ ምላሽ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ ፡- እቲ ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሕሉፍ ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብ ምንታይ ዓበይቲ ጉዳያት ኣትኹሩ ክሰርሕ ይግባእ?

ኣይተ ግርማይ ፡– ሑሉፎም ብቕንዕና ይገምግምዎ። እዙይ ማለት ቅድሚ ሀዚ’ውን ተሃድሶ፣ ዳግም ተሃድሶ፣ ጥልቅ ተሃድሶ እናተብሃለ ብዙሓት ተሓድሶታት ክውረዩ ሰሚዕና ኢና።

ጥር እትብል ፍረ ኣይረእናሉን። እዙይ ማለት ተሃድሶ ግብሪ ይውፃ ነይሩ ማለት ‘ዩ። ስለዙይ ብሓቂ ብተግባርን ብጭቡጥን ክትግበር ዝኽእል ገምጋም ይገበር። ውፅኢት እቱ ገምጋም ብተግባር ይረአ።

እቱ ገምጋም ፣ ፍትሕን ፍትሓውነትን ብተግባር ከመይ ነይሩ? ጉድለት ፍትሕን ፍትሓውነትን እንተነይሩ ብምንታይ ምኽንያት? ንምስትኽኻልከ እንታይ ስጉምቲ ይወሰድ? እቱ ዝሓለፈ ዘይፍትሓዊነት ዝበደሎ ህዝቢ ኣሎ፣ ብኸመይ ‘ዩ ክከሓስ ዝኽእል? ኣብቶም ፍትሒ ዘጉደሉከ እንታይ ስጉምቲ ይወሰድ?

ዝሓለፈ ዘይፍትሓውነት ብኸመይ መዕለቢ ይወሃቦ? ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ፍታሕ ዝረኽቡሉ መገዲ ናይ ግድን ክቕመጥ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ክልተ ነገር ከጉድለልና ‘ዩ። እቲ ሓደ ህዝብና ኣብቱ ሓዲሽ ኣካይዳ ዝነብሮ እምነት ዝተሟለአ ኣይክኸውንን።

እቲ ኻልኣይ ኣብ ንንባዕሉ እምነት ኣሕዲሩ ክተሓቛቑፍ ዝኽእለሉ ዕድል ዝፀበበ ‘ዩ ክኾን። እዙይ ክሳብ ፍታሕ ዘይረኸበ ንናይ ውልቅና ‘ምበር ከም ማሕበረሰብ ኮይንና ናይ ሓባር ሽቶ ንምዕዋት ዘኽእል ምትእምማን ኣይክነብረናን።

ምስ እዙይ ተታሒዙ ክፍተሽ ዘለዎ መንግስታዊ ይኹን ናይ ውልቀ ተግባር ብልሽውና (ግዕዝይና) ምጥፋእ ስልቲ ክሕንፅፅን ክትግበርን ኣለዎ። እዚኦም ኩሎም እንካብቱ ዝትከኦ ዘሎ ኣገዛዝ ዝወረሶም ‘ዮም። ንዚኦም እንተይነቐልካ ፊሒት ምባል ኣይከኣልን።

ናይ ኔትዎርክ፣ ቤተሰብነትን ከባቢያውነትን ጥቐመኒ ክጠቕመካ ግዕዙይ ኣሰራርሓ፣ ብፍልጠት (ሙያ) ፣ ናይ ሞራል ልዕልና፣ ብዝወነኑ ሰባት ምትካእ የድሊ።

ሓላፍነት ሹመት እንካብ ምዃን ወፂዩ ህዝቢ ባዕሉ ብዝመርፆም ሰባት ክመሓደር ክግበር ኣለዎ። እዙይ ማለት ሀዚ ክልል ለኸ ዝኾነ ምርጫ ምግባር ከምዘይከኣል ዝፍለጥ ኮይኑ ጣቢያታትን ወረዳታትን ግን ዘመሓድርዎም ክመርፁ፣ ገንዘብ ይኹን ናይ ሰብን ንዋያትን (ማተሪያል) ምጉዕዓዝ ዝጥይቕ ኣይኮነን።

ካድረ መዓልታዊ ንዘይረብሕ ጉዳይ እናኣከቦ ዝውዕል ህዝቢ ሓንቲ ቀዳም ይኹን ሰንበት ተኣኪቡ ዝኣምኖም መራሕቲ ክሸይም ይኽእል ‘ዩ። ህዝቢ እምነት ኣውዲቁ መሪፁ ዝሾሞም ኣመሓደርቲ ብሓለፍቲ ወረዳን ዞባን እናተኣዘዙ ንቱ ዝሾሞም ህዝቢ ክኽሕድዎ ዘሎ ዕድል ፀቢብ ‘ዩ።

ዝኽሕድዎ እንትርከቡ ከዓ ብቐጥታ ከውርዶም ስልጣን ክህልዎ ‘ዩ። እዙይ ብዘይ ወዓል ሕደር ክትግበር ዝግበኦ ‘ዩ። ጊዜ ዝህብ ጉዳይ ኣይኮነን። ገበርቲ ሰናይ ንዝተፀገመ ህዝቢ ዝለገስዎ ሓገዝ ብናይ ጣቢያ፣ ወረዳ ይኹን ክልል ዝተሾሙ ጉሒላታት ዝምንጠለሉ ኣሰራርሓ ዕድመ ክህልዎ ኣይግባእን።

ፓርቲን መንግስትን ምፍላይ የድሊ። ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ፓርቲን መንግስትን ከምዝፈልዩ ቃል ምእታዎም ብጣዕሚ ዝነኣድ ‘ዩ። ብቐደሙ’ውን እንተኾነ ውድባዊ ተበላፅነት ስለዝኾኖም ‘ምበር ክኸውን ከምዝግባእ ስለዘይፈለጡ ወይ ስለዘይተረደኦም ኣይነበረን። ሀዚ ዘላ ትግራይ ናይ ውድብ ህወሓት ትግራይ ‘ምበር ናይ ዜጋታታ ኣይኮነትን።

ሥልጣን፣ ሃብቲ፣ ሕጊ፣ መኽበርቲ ሕጊ፣ እንታይሞ ዘይኾነ ኩሉ ከም ህዝቢ ክህልወና ዝግባእ ነገር ኩሉ ዋላ ህይወትና እንከይተረፈ ናይ ውድብ ‘ዩ። ንሕና ከም ህዝቢ ተኣዘዝቲ ‘ምበር ሰብ መሰል ኣይኮናን። ስለዙይ ውድባትን መንግሥትን ክፈላለዩ ይግባእ።

ንኣብነት ውድብ ኣብ ናይ ደህንነት፣ ፖሊስ፣ ብጠቕላላ መኽበርቲ ሕጊ ምንም ዓይነት ኢድ ክህልዎ የብሉን። ቤት ፍርድታት ብመሓውር ውድባት ክእዘዛ መነወሪ ‘ዩ። ኣድላይ ምስዝኸውን፣ እዚኦም ኩሎም ይግበሩ ከምዝኾኑ ብጭብጢ ብመርትዖ ክጥቀሱ ዝከኣሉ ጉዳያት ምልዓል ይከኣል ‘ዩ።

ተነሓናሕቲ ውድባት ዝገብራኡ ምንቅስቓሳት ብፖሊሳት ይተዓናቀፍ ነይሩ። እዙይ ፖሊስ ንባዕሉ ናይቱ ውድብ መሳርሒ ከምዝነበረ መርኣያ ‘ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ፍፁም ከውግዞ ‘ዩ ዘለዎ። ንህዝቢ ከገልግል ዝህሉ ውዳበ ‘ምበር ንባዕሉ ብህዝቢ ክግልገል ዝጣየሽ ውዳበ ክህሉ ኣይግባእን።

ወጋሕታ፡- ካብ ካልኦት ፓርትታት ትግራይ እንታይ ዓይነት ምንቅስቓስ ትፅቢት ይግበር ?

ኣይተ ግርማይ፡– ኣብዙ ሀዚ ዝኒሀናሉ ኩነታት ኮይንካ እንትረአ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ሕጋዊ ውዳበታት ኣለዋዶ የለዋን ንምዝራብ’ውን የፀግመለይ ‘ዩ። ቅድም ክብል ብምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ውዳበታት ክልተ ‘ዮም።

ንሳቶም ህወሓትን ዓረናን ነይሮም። ሀዚ ብሕጋውነት ኣንፃር እንተሪእናዮ ዓረና፣ ትዴፓን ብልፅግናን ጥራሕ ‘ዮም ይመስለኒ ዘለዉ። ካልኦት ከምኒ 70 እንደርታ፣ ቀረባ እዋን ዝራእኹዎ ከዓ ተምቤን ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጊዜያዊ ኣፍልጦ ዝረኸባ ኣለዋ። ካልኦት ሀዚ ኣብ ትግራይ ርኡይ ምንቅስቓስ ኣብ ምግባር ዝርከባ ውናት፣ ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶናን ዓሲምባን ኣለዋ።

ብዛዕባ ሕጋውነተን ምንም ሓበሬታ የብለይን። ብውሑዱ ግን ሀዚ ህወሓት ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብዘፍለጦ መሰረት ሕጋዊ ህልውናኡ ዝተሓደገ ‘ዩ። ግደ ተነሓናሕቲ ውድባት ክንምነዮ እንተዘይኮይንና ኣብዛ ሀዚ ኩነታት ኮይንና እንተሪእናዮ ምንም ‘ዩ።

ትግራይ ብጠቕላላ’ውን ኢትዮጵያ ብሕጊ ኣንፃር እንትረአ ቡዙሓት መስደመምቲ ተግባራት ዝረኣዩላ ሃገር ‘ያ። ጊዜያዊ ይኹን ቋሚ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለወን ውድባት ምንም ግደ ዘይፃወታሉ፣ ሕጋዊ ህልውናኡ ዝተመንጠለ ውድብ ግን ገባሪ ሓዳጊ ዝኾነሉ ኩነታት ‘ዩ ዝኒሀ።

ኣብዙ ኩነታት ኮይንካ እዙይ ክገብራ ኣለወን ኢልካ ምፅዋይ ብጣዕሚ ‘ዩ ዘፅግም። ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብቱ ንቡር (classical) ትርጉም እንተኸይድናዮ ዋላኳ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተመረፀ እንተኾነ እዙ መንግስቲ ናይ ህወሓት ‘ዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኸውንን።

ዶክተር ደብረፅዮን’ውን ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ተመሪፁ ‘ዩ ነይሩ። ግን መንግስቲ ፌደራል ክቕበሎ ኣይከኣለን። ስለዙይ እዙ ጊዜያዊ ምምሕዳር ባዕሉ ናይ ህወሓት ‘ዩ ንምባል ዘኽእል ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ መሲሉ ኣይረኣየንን።

ዝኾነ ኾይኑ ግን እዙ ጊዜኣዊ ምምሕዳር ንዘጒደሎ እናነቐፍካ ክድገፍ ናይ ግድን ‘ዩ ዝመስለኒ። ካሊእ ኣማራፂ የለን። ተነሓናሕቲ ሓይልታት/ውድባት ብዘይኮነ መንገዲ እናደፋፈኡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ከዐንቀፍ ናብ ዘገድዶ መንገዲ ከይደፍኣኡ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ። እቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ውን እዛ መገዲ ሰላም ብጥንቃቐ ክሕዛ ይግባእ ፣ ኣብ ክሊ እዙይ’ውን ናይ ኩሉ ሓገዝ ክፍለዮ የብሉን ‘የ ዝብል።

ውዳበታት ይኹና ውልቀሰባት ግን ህዝብና እንካብዙ ዘለዎ መከራ ንኽወፅእ ዝኸኣልዎ ኣዎንታዊ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ይላቦ። እንካብ ኩሉ ግን ንዞም ብዝተፈላለዩ ኤለክትሮኒክ ሜዲያታት ዝንዝሑ ሓሶታትን መፀለምታታትን ህዝብና ክነፅጎም ይግባእ ባሃላይ ‘የ።

ፀለመ ዋጋ ኣኽፊሉና ‘ዩ። ጭብጢ ዘይብሉ ወረ ክንፅየፎ ‘ዩ ዝግባእ። ሓደ ዘፍርሐንን ዓቢይ ነገር ግን እዞም ንናይ ትግራይ ናፅነት ኢና እንቃልሰ ዝብላ ውድባት ክፈጥራኡ ዝኽእላ ዘየድልይ ብናተይ ኣረኣእያ ትርጉም ዘይብሉን ፕሮግራም ዘሰጉሙ ወገናት ‘ዮም።

ብዛዕባ ኣብ መርገፂኦም ብወገነይ ቡዙሕ ትርጉም ዝህቦ ኣይኮነን ፣ ኩውነት ዘየገናዘበ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ግን መርገፆም ስለዝኾነ ኣብ እዋኑ ኣብ መድረኽ ‘ዩ ክሙገት ዘለዎ። ኣብዙ ዘለናሉ መድረኽ ግን ቡዙሕ እንተዋዓዊዖምዎ ነገራት ዘይተሓሰበ መገዲ ከይሕዙ የፍርሐኒ ‘ዩ ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ተሳትፎ ተጋሩ ብፍላይ ድማ ዳያስፖራ ትግራይ እንታይ ክመስል ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ግርማይ፡– ብመሰረቱ እቱ በፂሑ ዘሎ ዕንወት ብዓቕሚ ትግራዋይ ጥራሕ ክሓዊ ዝኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። እዙይ ማለት ግን ኣብ ዳግመ ህንፀት ተሰዲዶም ዝነብሩ ተጋሩ ይኹኑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ሰብ ዓቕሚ ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ክገብሩ ግቡእ ኣለዎም ግቡኦም’ውን ስለዝኾነ ንድሒሪት ዝብሉሉ ኩነታት ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን።

እቱ ዝዓበየ ተራ ግን ናይ ፈዴራልን ክልልን መንግስታት ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን። እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ዳግመ ህንፀት ናይ ኩሉ ተሳትፎ ክህልዎ እንተኾይኑ ፍትሓውነት ክረጋገፅ ናይ ግድን ቅድመ ኩነት ‘ዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።

ኣብ ስደት ዝነብር ይኹን ኣብ ዓዲ ዝነብር ህዝብና ዓቕሙ ዝፈቐዶ ኣበርክቶ እንካብ ምግባር ንድሕሪት ኢሉ ኣይፈልጥን። ተስፋ ዘቑርፅዎ ኩነታት ከምዘለዉ ግን ብግልፅን ብድፍረትን ክነገር ዘለዎ ይመስለኒ። ኣብዙ ሎሚ ከም ሃገር ኣጋጢሙና ዘሎ ግዕዚይና ክሕባእ እንካብ ዝከኣለሉ ደረጃ ዝሓለፈ ይመስለኒ። ሃገርና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ግዕዝይና ዙርያ ምላሽ ‘ዩ።

እዙይ ማለት ናይ ህዝብን መንግስትን ንብረት እንካብ ምምዝባር ጀሚሪካ እንካብቱ ክተገልግሎ ዝተቖፀርካሉ ህዝቢ እንካብ ኣስራት ዶሞዝ ተፈልዩልካ ኣብ እትሰርሐሉ መደብ ክሳብ ዝረአ ሕሱም ልግመት ወይ ሕስድና ዝበፅሕ ‘ዩ። ብዝኾነ ዓይነት መልክዑ ይተግበር ግዕዚይና መንሽሮ ሃገር ‘ዩ።

ኣብ ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ሰዓት ውልቃዊ ጉዳይካ እንካብ ምግባር ጀሚሩ ናይ ውድባትካ ይኹን ናይ መንግስቲ ቤት ዕዮ ኣኼባታት እናበልካ ናይ ህዝቢ ዋኒኒ ምዕንቃፍ ባዕሉ ግዕዚይና ‘ዩ። ህዝቢ ዓደይን ወገነይን ክርበሐሉ ይኽእል ‘ዩ ኢሉ እንካብታ ዘላቶ እናቖርመመ ዘወፍያ ሳንቲም ብግብሪ ኣብቱ ማሕበረሰብ ዝተወሰነ ለውጢ ክተምፅእ እንከላ ክሪኢ ‘ዩ ዝደሊ።

ናኣ ምስዘይሪኢ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ንምውፋይ ከለዓዕሎ ዝኽእል ነገር ኣይህሉን። እታ ዝገብራ ወፈያ ኣብ ዘውዕላ ስለዝሰኣነ ኣይኮነን። ኣብ እንካብ ከም ሃገርና ዓይነት ድኻ ማሕበረሰብ ዝወፀ ሰብ ክሽፍኖም ዝግበኦም ማእለያ ዘይብሎ ቀዳዳት ኣለውዎ።

ዓመተ ምህረቱ ኣይዝኽሮን ግነ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ዩ ዝሕተም ይመስለኒ The Economist ዝብል መፅሔት ኣብ ዘውፅኦ ፅሑፍ ዘንበብኩዋ ዓረፍተ ነገር ኣይትርሰዐንን። ንሳ ከዓ “ኣብ ሙዑቡላት ዝበሃላ ሃገራት ዝነብሩ ድኻታትሲ፣ ኣብተ ዘይማዕበላ ሃገራት ንዘለዉ ሃብታማት ይድጉሙ” ‘ያ ትብል ነይራ ትርጉማ። ኣባና’ውን ከማኡ ‘ዩ ዘሎ።

ዝፀገማ ወላዲቱ ሃገር እትትርባሕ ‘ያ እትርባሕ ኢሉ ንልምዓት ሃገር ወይ ክልል ኢሉ ስደተኛ ኢትዮጵያዊ ምስዙ ሀዚ ዝጠየቕክኒ እንትተሓዝ ከዓ ተወለዲ ትግራይ ዝገብርዎ ሓገዝ፣ መጋየፂ እቶም ሃፍታማት ወይ’ውን ብናብራ ርእሶም ዝኸኣሉ ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ።

እዙይ ክእለን ክምከትን ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እንኳይዶ እቱ ውሱን እቶት ዘለዎ ከምዙ ከማይስ እቱ ብጣዕሚ ሃፍታም ዝበሃል’ውን ሳንቲም ናብ ዘየበርክተሉ ኩነታት ኢና ክንበፅሕ። ስለዙይ ምምሕዳር ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ፍትሒ ኣብ ምንጋስን ግዕዝይና እንካብ ሱሩ ቦቑስካ ንምንቃልን ዕጥቁ ከስጥም ይግባእ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ነባራይ ስደት ተወላዲ ትግራይ ኣበርክቶ ገበረ ኣይገበረ ትግራይ ብቱ ክሳብ ሎሚ እትኸዶ ዝነበረት መገዲ ክትከድ ኣይትኽእልን። ን30+ ዓመታት ትግራይ ናይ ሓደ ውድብ ‘ያ ዘላ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ምንባርካ ይኹን ዘይምንባርካ ዝውሰን ብመራሕቲ ውድብ ህወሓት ‘ዩ። እቱ ታሕተዋይ ንሳቶም ዘይፈልጡዎ ኣይኮነን ዝገብር። ብእዋኑ ብዘይ ምእዋዩ ህዝብና ሎሚ ኣብ ምንታይ ወዲቕና ከምዘለና ንርእዮ ኣለና።

እንተጠቓለል ኣበ ደገ ዝነብሩ ዘለዉ ተወለዲ ትግራይ ቃልሲ እንካብ ዝጅመር ጀሚሩ ኣበርክቶ ምግባሮም ግሁድ ሓቂ ኮይኑ ፣ ዝበርከት ገንዘብ ኣበይን ኣብ ምንታይን ከምዝወዓለ ግን ምንም ሓበሬታ ከምዘይብሎም ብዘይ ስኽፍታ ምዝራብ ይከኣል ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። ብዛዕባ እዙይ ብዙሕ ምባል ይከኣል ‘ዩ። ንጊዜኡ ግን እዙይ እኹል ይመስለኒ። እንተጠቓለል ቅድሚ ንዳግመ ህንፀት ኣስተዋፅኦ ንምግባር ምፅዋዕ ናይ ኣሰራርሓ ፅፈት ክህሉ ክግበር ኣለዎ።

ተጠያቕነት ከምዘህሉ ብተግባር ክረአ ኣለዎ። ዓለምለኸ ገበርቲ ሰናይ ኣብ ዓፀቦ ንዘሎ ህዝብና ዘቕረባኡ ሓገዝ ዝሰርቁን ዘስርቑን ሰበ ስልጣናት ሒዝካ፣ ናዓኣታቶም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ግቡእ ቅፅዓት ክቕፅዑን እንተይ ተገብረ፣ ንዳግመ ህንፀት ኣስተዋፅኦ ግበር ምባል ባዕሉ ብጣዕሚ ከቢድ ይመስለኒ።

ወጋሕታ፡- ሰብኣዊ ሓገዝ ብትኽክል ናብ ህዝቢ ንክበፅሕን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ካብ መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይን እንታይ ዓይነት ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም ይብሉ?

ኣይተ ግርማይ ፡- ብዛዕባ ሓገዝ ቅድም ክብል ዝገለፅኩዎ ከምዘሎ ኾይኑ ፣ ተመዛበልትን እንከይተመዛበሉውን ኩነታት ኹናት ብዝፈጠሮ ፀገም ዝብላዕ ሲኢኖም ዘለዉን ዜጋታት ብሱሞም ዝመፅእ ሓገዝ ብዘይ ዋዓል ሕደር ብዘይ ምንም ዓይነት ኣድልዎ ኣብ እዋኑ ክወሃቦም ክግበር ኣለዎ።

ብስም እዞም ዘይርኹባት ተለሚኑ ዝመፀ ሓገዝ ተቐቢልካ ንሳቶም ብጥሙዮም ተቐቢልካ ምሻጥ እንታይ ክበሃል ከምዝኽእል መግለፂ የብለይን። ህዝብና ብኹናት ተጎዲኡ ንብል። ከምዙይ ዓይነት ተግባር እንታይ መግለፂ ክወሃቦ ከምዝኽእል ኣይፈልጥን።

ኣብዙ ቀረባ እዋን ተመዛበልቲ ናብ ቦታና ምለሱና ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት ትግራይ ተገይሩ ሪአ። ግቡእ ሕቶ’ዩ። ዳርጋ ሰነ ንኣቱ ኢና ዘለና። ገባርና ሀዚ ሓሪሱ ክዘርእ እንተዘይኪኢሉ ንዓመታውን እንካብ ልመና ክወፅእ ኣይኽእልን ማለት ‘ዩ። እቶም ገበርቲ ሰናይ የብልናን እንተይሎም ዝስዕብ ህልቀት ጥራሕ ‘ዩ። ስለዙይ ብዝተኽኣለ ናብ መረበቱ ክምለስ ስለዘለዎ ትኽክለኛ ስጉምቲ ‘ዩ።

ኣብዙይ ሓደ ነገር ከስምረሉ ዝደልዮ ጉዳይ ግን ኣሎኒ። ብዛዕባ ‹‹ምምላስ መሬትናን ፀላእቲ እንካብ መሬትና ክወፁ ኣለዎምን›› ዝብሉ ጭርሖታት ብወገነይ ሀዚ ብኻልኣይ ደረጃ ሰሪዐ ‘የ ዝርእዮም። ‹‹ምውፃእ ፀላእትን ምምላስ መሬትናን›› ፖለቲካዊን ሕገ መንግስታውን ፍታሕ ክረክብ ዘለዎ ንቱ ጊዜያዊ ምምሕዳር ዝግደፍን ናይ ምንባር ውሕስናኻ ምስ ኣረጋገፅካ ዝመፅእን ገይረ ‘የ ዝወስዶ።

ሀዚ ቅድሚያ ክወሃቦ ኣለዎ ኢለ ዝኣምነሉ ናይዞም ተፈናቐልቲ ናብቱ ናብራኦም መሰሪቶምሉ ዝነበሩ፣ ናይና ዝብልዎ ንብረት ዘጥረዩሉ ቦታ ምምላስ ቅድሚ ኩሉ ክግበር ዘለዎ ‘ዩ። እዞም ተፈናቐልቲ ናብ ቦታኦም ንኽምለሱ ናይ ግድና እቱ መሬት ናይ ክልል ትግራይ ክኸውን የብሉን። እንካብ ሲዳሞ ወይ ወለጋ ዝተፈናቐሉ እንተሊዮምናውን ናብ ቦታኦም ክምለሱ መሰል ኣለዎም።

እዞም ተመዛበልቲ ኢትዮጵያዊያን ዜጋታት ‘ዮም። ኢትዮጵያዊ ዜጋ ከዓ ኣብ ዝኾነ ግዝኣት ኢትዮጵያ ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ። ስለዙይ ፣ ናይዞም ዜጋታት እዚኦም ናብቱ ዝተፈናቐሉሉ ቦታኦም ምምላስን ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ምውሓስን ብኣውራኡ ናይ ፈዴራል መንግስቲ ዕማም ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ስለዙይ ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይን ምስ ፈዴራል መንግስትን ክልል ኣምሓራን ብዕቱብ ክዘራረበሉ ኣለዎ፣ እዞም ተመዛበልቲ ብእዋኑናቦታኦም ዝምለሱሉ ኣገባብ ክቀላጠፍ ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝኣምን።

ብዛዕባ እቱ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ግን ዝኾነ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ጉዳይ ስለዘሎ ምናልባት ብቕንዕና መልሲ ዝህበኒ እንተሃለወ ሕቶይ ሸው ኣቢለ ክሓልፍ። ኣብቱ ሰላማዊ ሰልፊ‹‹ መሬትና ናብ ቦታኡ ይመለስ›› ዝብሉን ፣ ‹‹ገበርቲ ሰናይ ደው ዘበልዎ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክጅምሩ ኣለዎም›› ዝብላን ጭርሖታት ብጣዕሚ ጎሊሀን እንተስመዓ፣ ንቱ ዝመፀ ሓገዝ ዝጓሓሉ ሊያቡ ናብ ሕጊ ይቕረቡ ዝብል ጭርሖ ግን ነይሩ እንተኾይኑ’ውን ክንድቱ ዝግበኦ ተጋዊሑ ዝብል እምነት የብለይን።

ብዙ ምኽንያት’ውን ዝኾነ ውሽጢዶ ይህልዎ ዝብል ሕቶ ኣምፂኡለይ።ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቅድሚያ ዝህብዎ ዕማማት ንኸፋልጡ ኣብ ዝገበርዎ ህዝባዊ ኣኼባ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብዝኾነ ውርፍ ዘበልዎም ሰባት ከምዝነበሩ ይስማዕ።

ምስዙይ ኣተሓሒዘ እንትርእዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕንቅፋት ይኾን ኣሎ ወይ’ውን ክገብሮ ዝግበኦ ነገር ኣይገብርን ዘሎ ዝብል መዐንቀፍታትዶ ይፈጠር ይህሉ ዝብል ፍርሒ ‘ዩ ተሰሚዑኑ።

እዙይ ከብለኒ ዝኸኣለ ከዓ ብዓይኒ ሓቂ እንተሪእናዩ ናይዞም ተፈናቐልቲ ናይ ሀዚ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ናይ ምንባር ውሕስናኦም ተረጋጊፁ ናብታ መረበቶም ምምላስን፣ ብሱሞም ዝመፅእ ዘሎ ሓገዝ ብጓሓሉ ኣናፁ ውሻጠ ተመንጢሉ ፆሞም ዘይምሕዳሮምን ‘ዩ።

ቅድሚ ‹‹ገበርቲ ሰናይ ደው ዘበልዎ ሓገዝ ይጀምሩ›› ምባል እቱ ንሳቶም ዝለኣኹልና ሓገዝ ንሕና ብጡሙይና ዝሰረቑና ናብ ሕጊ ይቕረቡ ዝብል ዝቕድም ‘ዩ ዝመስለኒ።

ዝኾነ ኾይኑ፣ እቱ ኩነታት እንተይ ኣጋጠመ ‘የ ቀሊል ነይሩ ‘ምበር ምስ በፅሐ ናብ ንቡር ንምምላስ ናይ ባዕሉ ጊዜ ክወስድ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንካ ክንቀፍ ኣብ ዝግበኦ እናነቐፍካ ብዘይካ ምሕጋዝ ካሊእ መማረፂ ኣሎ ኢልካ ምእማን ዝከኣል ኣይኸውንን፡፡

ወጋሕታ፡- እቲ ዝሓለፈ ኩነታት ንከይድገም ካብ ህዝብን መንእሰይን ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ግርማይ፡– ዝሓለፈ ከይድገም ክግበር ዝግባእ ቡዙሕ ‘ዩ። ቀዳማይ፣ እቱ ኤሊት ተወላዲ ትግራይ እቱ ጥፍኣት ከይድገም ኣብ ምዕጋት ዓቢይ ተራ ክፃወት ከምዝኽእል ኣብ ባዕሉ እምነት ከሕድር ኣለዎ። ከም ኤሊትን ከም ህዝብን ክሳብ ሀዚ ዝኸድናዮም ክያዶታት እንታይ ነይሩ ዝብል ብዕምቑት ክርእዮን ክምርምሮን ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብ ዕብየት ይኹን ውድቀት ዝኾነ ሕበረተሰብ ባዕሉ ኣካል እቱ ሕብረተሰብ ዝኾነ ኤሊት ወሳናይ ተራ ኣለዎ። ብትምህርቲ ይኹን ብተሞክሮ ዘኻዕበቶም ቡዙሓት ቁምነገራት ኣለውዎ። ይኹን ‘ምበር ደቂ ትግራይ ምሁራት ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ምፅናሖም ምንም ዘጠራጥር ኣይመስለንን።

ከምቱ ቅድም ክብል ዝገለፅኩዎ፣ እቱ ኤሊት መርሒነት ህወሓት ትግራይ ናይ በይኑ ገይሩ ዜጋታት ኣገልገልቲ ውድቡ ዝገብር ኣካይዳ እንትኸይድ፣ እዙ ኣካይዳ ብነዊሕ እዋን እንትረአ መጥፈኢና ‘ዩ ብምባል ኣምሪሩ ክቃለሶ ኣይፈተነን። እዙይ እንክብል እንከሎኹ እዙይ ንኸይገብር ኣብ ቅድሚኡ ዝተቐመጡ ማሕለካታት ኣይነበሩን ክሰግሮም’ውን ቀለልቲ ነይሮም ንምባል ኣይኮነን።

ሙሁር ተወላዋላይ ‘ዩ ዝብል ጭርሖ ንባዕሉ ሓደ ማሕለኻ ‘ዩ ነይሩ። ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዝመሰላ ድኻ ሃገራት በሊዕካ ንምሕዳር ስራሕ ዝቖፅረካ መንግስቲ ጥራሕ ኣብ ዝኾነሉ ሃገር ምንባርካን ዘይምንባርካ ከምዝውስን ብምዝንጋዕ’ውን ኣይኮነን።

ገባሪ ሓዳጊ ናይ ውድብ መንግስቲ ንዝቖመን ዝደልዮ ነገር ገይሩ ብሕጊ ክትጥይቐሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ኮይንኻ ክግበር ዝከኣል ውሱን ምዃኑ እንካብ ዘይምፍላጥ’ውን ኣይኮነን። ብውሑዱ ግን ምትሕግጋዝ ምተኽኣለ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ንኣብነት ብዘይ ኣገባብ ሰባት እትግፍዑ ህዝቢ እንትብደል ምሕዝነት ክተርእየሉ ዝከኣለሉ መንገድታት ምንዳይ ይከኣል ነይሩዶ ይኾን ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ ይመላለስ ‘ዩ። እዙይ ብተቓራኒኡ ‘ዩ ነይሩ።

እቶም ብህወሓት ዝተሓቘፉ ምሁራት ንቶም ብውድቦም ዝተፈፀሙ ወይ ዝፍፀሙ ዝነበሩ ገበናት ንምሽፍፋን ዝኸድዎ ዝበነሩ ርሕቐት መሕፈሪ ‘ዩ። ናብ ዝርዝር ምእታው ኣብ ዘድልየሉ ጊዜ እና ከራረምካ ምቕማጥ ይከኣል እዩ።

ንሀዚ ግን እቱ ኤሊት እቱ ከይዲ ኣብ መደሓርያኡ ንኹሉ ከምዝልክም ብምፍላጥ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዘይድግፎ ምርኣይ ምኻኣለ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዙይ እንክብል እንከሎኹ እንካብ ሃገር ወፃኢ ይነብር ንዝነበር ኣይሓውስን። ክኸውን ንዘይግበኦ ነገር ጌጋ ‘ዩ ንኽብል ዘፅግሞ ምንም ምኽንያት ኣይነበሮን።

ኣጠቓሊልካ እንተረአ እቱ ኤሊት እንካብ ዝሓለፈ ጌጋ ብምምሃር ህዝቢ ኣብ ምንቃሕ ናይ ባዕሉ እጃም ክዋፃእ ይግባእ። እቱ መንእሰይ’ውን ከማኡ። ኩሉ ጊዜ ጎንፂ እንትለዓል እቱ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍል መንእሰይ ወለዶ ‘ዩ። ኣብዛ ሀዚ ዘለናያ እዋን ዘሎ ወለዶ ሰላም ዘይምህላው ማለት እንታይ ከምዝኾነ ብተግባር ርእዩዎ ‘ዩ።

ስለዙይ ኩልና ሰላም መተካእታ ከምዘይብላን፣ ስእነት ሰላም ኹናት ከምዘስዕብን ኹናት ከዓ እንታይ ሒዙ ከምዝመፅእን ብተግባር ዝረኣዮ ስለዝኾነ ንሰላም ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። እዛ ‹‹መራሕትና ይፈልጡ፣ ባዓልቶም እንዶ ኣየለውዎን›› እትብል ኣተሓሳስባ ተበንቁራ ‘ያ ክትወፅእ ዘለዋ። መራሕቲ ናይ ባዕሎም ኣተሓሳስባ ኣለዎም – እወ።

ናታቶም ኣተሓሳስባ ግን ኩሉ ጊዜ ንናተይ ረብሓ የጠቓልል ‘ዩ ማለት ዘይክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ስለዙይ ንንሕድ ሕዲኣ መራሕቲ ዝወስድዋ ስጉምቲ ዜጋ ኩሉ ከከምዓቕሙ ዝፈቕዶ ክምርምራን ክፍትሻን ‘ዩ ዝግባእ። ዝስዕቦ ረብሓን ጉድኣትን ኩሉ ዜጋ ክፍትሾ ይግባእ።

መራሕቲ ኣይፋልኩምን ዝበሃሉሉ ጊዜ ክህሉ ከምዝግባእ ምፍላጥ ከድልየና ‘ዩ። ሰላም ብዋጋ ስለዘይትመን እቱ ዝግበኦ ዋጋ ክወሃቦ ይግባእ ‘የ ዝብል። እዙይ ማለት’ውን ሰላም እንካብ ገዛኻ ስለዝጅምር እቱ ሀዚ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናይ ገበን ፍፃሜታት ንባዕሉ ህዝቢ ሓቢሩ ክምክቶ ኣለዎ።

ንዙይ ከዓ መናእሰያትና ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ክቃለስዎ ይግባእ። ሙሁራት ተወለዲ ትግራይ ግን ህዝብኹም ምርሑ፣ ኣምህሩ ኣንቅሑ። ዝነቕሐ ማሕበረሰብ ዝዋገየሉን ዘይዋገየሉን ረብሓ ነፂሩ ናይ ምፍላጥ ዓቅሙ ልዑል ‘ዩ። መራሕቲ ከም መላእኽቲ፣ ንሳቶም ዝፀውዩዎውን ከም ቃል መላእኽቲ ገይርና እንካብ ምርኣይ ናይ ባዕልና ሚዛን ንሕወሰሉ ‘የ ዝብል።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን፡፡

ኣይተ ግርማይ፡– ኣነ እውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 24 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You