ዝተሓስየ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕያው ኩሉ ይረባረብ

 

ኢኮኖሚ ትግራይ በቲ ንክልተ ዓመት ዝፀንሐ ኩናት ስዒቡ ኣዝዩ ተጎዲኡ ምፅንሑ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። መብዛሕተኦም መሰረተ ልምዓታት ፣ ሕርሻን ፋብሪካታትን ዓንዮም ‘ዮም። ትግራይ ኣዝያ ዝተሓሰየት ክልል ኮይና ‘ያ።

ቕድሚ ኲናት ምጅማሩ ትግራይ ኣብ ፅቡቕ ናይ ልምዓትን ኢኮኖሚን ጎደና ነይራ ‘ያ። ዘተባብዕ ልምዓት ሕርሻ ይኹን ኢንዳስትሪታት ዝነበርዋ ክልል ‘ያ። ከምኡ ‘ውን ዕቤት እናመዝገበት ዝነበረት ክልል ‘ያ።

ድሕሪ ኩናት ግና ኣብ ትካላት ኢኮኖሚ ብዝበፅሐ ጉድኣት ስዒቡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ተፀባዪ ረዲኤት ኮይኑ ‘ዩ።ቢሮታት ሕርሻ ተዘሪፈን፣ ናውቲ ሕርሻ ተሳባቢሮም፣ ኣውዕር’ውን የለውን። መብዛሕትኡ ሓረስታይ ዳርጋ ጥራሕ ኢዱ ቐርዩ ‘ዩ።

እቲ ዝተወሰነ ሓረስታይ ኣብ ሕርሻ ክነጥፍ ዝኽእል ድማ ሕፅረት ሙሩፅ ዘርኢ፣ መዳባርያ፣ ፀረ ባልዕን ፃህያይን ክቐርበሉ ብዘይ ምኽኣሉ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፍርያት ኣፍርዩ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ይቕረ ንቐለቡ ዝኸውን ፍርያት ‘ውን ከፍሪ ኣይኸኣለን። ብምዃኑ ኩሉ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ጥሜት ክወድቕ ክኢሉ ‘ዩ።

ኣብ ልምዓት መስኖ ‘ውን በቲ ኲናት ዓብዪ ጉድኣት በፂሑ ዩ። ብሞተር ዘልምዑ ዝነበሩ ሓረስቶት ብምኽንያት ፀገም ነዳዲን መዳበርያን ከልምዑ ኣይከኣሉን። ብሞተር ይሰርሓ ዝነበራ መስኖታት ነዳዲ ብምስኣን ኣብ ፀገም ወዲቐንን ‘የን።

ካሊእ ምሩፅ ዘርኢን መዳበርያን ይኹን ካልኦት እታወታት ምጥቃም ዝከኣለሉ ኩነታ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ኣብቲ ተጠቃማይ ማሕበረሰብ ድማ ዓብይ ጥሜት ሓደጋ በፂሑ ‘ዩ። ሓረስታይ ትግራይ ተረጋጊዑ ዝሓርሰሉ፣ሙሩፅ ዘርኢ፣ማዳባርያ ዝረኽበሉ፣ ነጋዳይ ነጊዱ ዘትርፈሉ፣ ኢንዱስትሪታት ምህርቲ ዘፍርያሉ ዕድል ኣይነበረን ዳርጋ ሙሉእ ብምሉእ ዕፁብ ‘ዩ ነይሩ።

ብምዃኑ ካብ ሓረስታይ ክሳብ ነጋዳይ ኣብ ፀገም ወዲቑ ‘ዩ። ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነበረ ይኹን ዝሓሸ እቶት ዝነበሮ ኩሉ ተፀባዪ ረዳእታ ስርናይ ኮይኑ ‘ዩ።

ብዘይ ምዕባይ ሕርሻ ውሕስና ምግቢ ህዝቢ ዝረጋገፅ ኣይኮነን። ብፍላይ እኹል ኢንዳስትሪ ዘይብለን ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ድማ ሕርሻ ብጣዕሚ ወሳኒ ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ሕርሻ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ።

መንግስቲ ፌዴራል ሕርሻ ንምዕባይ ኣብ ከምኒ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ቐለልቲ ዝበሃሉ ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ‘ውን ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ስርናይ ናብ ወፃኢ ሃገራት ሰደድ ከትገብር ጀሚራ ‘ያ። እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ‘ውን ክስረሐሉ ይግባእ።

ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ልዕሊ ሰማንያ ሚኢታዊ ሂወቱ ኣብ ሕርሻ ዝተደረኸ ከምዝኾነ ይፍለጥ ‘ዩ። ሕርሻ ዓንዲ ሑቐ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ስለዚ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ካልኦት ክልላት ብምትሕግጋዝ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ይግባእ።

ዋላ እኹል ኣይኹን ቕድሚ ሕዚ ውሕስና ምግቢ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐሉ መፂኡ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ናብ ንቡር ክምለስን ካብኡ ንላዕሊ ንምኻድ ኩሉ ትግራዋይ ብዝኸኣሎ ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ።

እርግፅ በቲ ዝተፈጥረ ኩናት ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ ብዓቕሚ ክልል ትግራይ ወይ ትግራዋይ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ከምኡ ‘ውን ሓላፍነት ናይ ትግራይ ጥራሕ ስለ ዘይኮነ ኩለን ክልላት ይኹና ማሕበረሰብ ዓለም ክሕግዝ ይግባእ።

ህዝቢ ትግራይ ብምግቢ ዓርሱ ክኽእል እንተኾይኑ ተወሳኺ ልምዓት መስኖታት ምስላጥ ድማ የድሊ ‘ዩ። በቲ ኲናት ዝተፈጠረ ጉድኣት ንምክሕሓስ ለይትን ቐትርን ኣብ መስኖ ‘ውን ክስራሕ ኣለዎ። ናይ ክረምቲ ዝናብ ጥራሕ ተፀቢኻ ዝፍታሕ ፀገም የለን።

ናይ መስኖ መሰረተ ልምዓታት ብቴክኖሎጂ ብዝተሓገዘ መሰረት ክስርሐሉ ኣለዎ። ብምትሕግጋዝ ሓረስታይ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ እንተዘይ ዓብዩ ህዝቢ ትግራይ ካብ ተፀባይነት ረዲኤት ክወፅእ ይኽእል። ኢኮኖሚያዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ዝኽእል ኣብ ምትሕግጋዝን ምጥቓም ቴክኖሎጂን ዝተደረኸ ስራሕቲ እንተተሰሪሑ ‘ዩ።

እቲ ዝነበረ ጎንፂ ብሰላም ዋላ ይፈታሕ ተሓስዩ ዝነበረ ኢኮኖሚ ግና ናብ ንቡር ኣይተመለሰን። ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕያው ይኹን ንምዕባይ ኩሉ ዝከኣሎ ኣስተዋፅኦ ክገብር ኣለዎ። ኩሉ ትግራዋይ ተረጋጊዑ ናብ ልምዓት ክኣቱ ይግባእ።

ንኽልተ ዓመት ዝተሓስየ ኢኮኖሚ ትግራይ ብቐሊሉ ናብ ንቡር ክምለስ ስለ ዘይኽእል ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓገዝ የድልዮ ‘ዩ። ኩሉ በቢዝኸኣሎ ክሕግዝ ኣለዎ። ብፍላይ ክልላት ኢትዮጵያ ክሕግዛ ኣለዎን። ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝምልከት ስለ ዝኾነ።

ከምእኒ በዓል ክልል ደቡብን ኦሮሚያን ሙሩፅ ዘርእን ካልኦት ናውቲ ሕርሻን ኣብ ምሕጋዝ ‘ዮም ዝርከቡ። ቕድሚ ሕዚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣብ ዳግመ ሕዉየትን ህንፀትን ትግራይ ክሳብ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ብገንዘብን ዓይነትን ሓገዝ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይፍለጥ ‘ዩ። ብመሰረት እዚ ዘመናዊ 30 ትራክተራት ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣረኪቡ ‘ዩ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌቱ ገመቹ 30 ጂፒኤስ ዝተገጠመለን ሓደሽቲ ትራክተራት ናብ መቐለ ኣጓዓዒዞም ንኣመራርሓ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዘረከቡ ምዃኖም ተሓቢሩ ‘ዩ።

ብምዃኑ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ብኩናት ዝዓነወ ሕርሻ ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ንምዝማንን ከምዝሰርሑ ብምግላፅ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ዳግመ ሕዉየትን ህንፀትን ትግራይ ሓገዝ ብምግባር እጃመን ከበርክታ ፀዊዖም ‘ዮም።

ስለዚ ብሓፈሻ ዝተሓሰየ ኢኮኖሚ ትግራይ ክሳብ ናብ ንቡር ዝምለስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓገዙ ኣጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ከምዚኦም ዝበሉ ሓገዛት ተጣናኺሮም እንተቐፂሎም ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብዝሓፀረ እዋን ናብ ንቡር ዘይምለሰሉ ኩነታት ኣይህሉን። ኮይኑ ግና ዝተረኽቡ ሓገዛት ብግቡእ ናይ ምጥቓም ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝዓበየ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ግቡእ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ይግባእ።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You