“ልምዓት መስኖ ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ ኩሉ ሕብረተሰብ እጃሙ ክዋፃእ ኣለዎ”  – ኣይተ በሪሁን ኣረጋዊ

ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ በሪሁን ኣረጋዊ ይብሃሉ፤ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ እንዳሞኾኒ ኾይኖም ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብልምዓት ዝራእቲ ተመሪቆም ብዝራእቲን ሓለዋን ልምዓትን ካልኦት ተመሳሳሊ ሞያታት ኣብ ወረዳታት ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሕ፤ ብስነህይወትን ዘላቂ ልምዓትን ብዲግሪ ድሕሪ ምምራቆም ብብርኪ ክልል ብኽኢላ ልምዓት ዝራእቲን ብጉጅለ መራሒን እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚ ድማ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ልምዓት ሆርቲካልቸር ኮይኖም እናሰርሑ ‘ዮም።

ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ንጥፈታት ልምዓት መስኖ ትግራይ ኣድሂብና ከምዝስዕብ ቃለ መሕትት ገይርናሎም፤ ኣለና ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ትግራይ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝነበራ ልምዲ ኣብ ምንታይ ብርኪ በፂሑ ነይሩ ሐዚ ድሕሪ እቲ ኩናትኸ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ? እንታይ ይመስል?

ኣይተ በሪሁን:– ቅድሚ እቲ ዝተፈጠረ ኲናት መስኖ ልምዓት ኣብ ትግራይ ዝነበረና ናይ ምልማዕ ዓቅሚ ክሳብ 68 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ዝነበረ እንትኸውን፤ በቢዓመቱ ድማ 54 ሽሕን 55ሄክታር እናልማዕና ፀኒሕና ነይርና ኢና። ኣብዚ ድማ ናብ 224 ሽሕ ዝኾኑ ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ሓረስቶስ ተፈጢሮም ነይሮም ‘ዮም።

እዚ እቲ መንግስቲ ዝትግብሮ ዝነብረ ናይ ልምዓት መስኖ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ተደራቂ ምስ ምዃኑ ድርቂ ዝፃወር ተፈጥሮ ሕርሻ ምስ ተፈጥሮ ሃፍቲ ተዋዲዱ ዝመፅአን ካብ እዋን ናብ እዋን ድማ እቲ ሽፋን እናዓበየ ተጠቀምቲ ‘ውን እናዓብዩ ዝመፅእሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እታዎት ኣጠቃቅማ’ውን ሓረስታይ በቲ ዝረኽቦ ድጋፍ ኣቢሉ ዝተፈላለዩ ምሩፅ ዘርእታት፣ ከሚካላትን መዳበርያን ከከም ደረጅኡ እናተጠቀመ ዝፀንሐሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። በቢዓመቱ ድማ ምህርቲ እናዓበየ ዝመፅአሉን ናብ ልዕሊ 5 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ዝርከበሉን ‘ዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ 2012 ዓ.ም 5.1 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ዝረኸብናሉ ‘ዩ ነይሩ።

ብፍላይ ካብ 2010 ጀሚሩ ናቁጣ ማይ መሰረት ዝገበረ ልምዓት መስኖ እናተኸተልና ኢና መፂእና። እዙይ ድማ ሓረስቶስ በቢናቁጣ ማይ እናተወደቡ ትልሚ ንከዳልው፣ ምህርቲ ከፍርዩን ዕዳጋ ከተኣሳስሩን ነቲ ማይ ክመሓዳድሩን ዝግበር ኣንፈት ተኸቲልና ንሰለስተ ዓመታት እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና።

እዚ ድማ እቲ ሓረስታይ ንክረዳዳእን ሕቶታት እንትህልዎ ክሓትትን ዘኽእል ዕድል ረኺቡ ነይሩ ‘ዩ። እቲ መፍራይነት’ውን ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየን ዝኸደሉን ተሞክሮታት ዝለዋወጠሉን ዝተዳቐሉ ሙሩፃት ዓሌታት ኾሚደረ፣ ሽንጉርቲ፣ ጥቅልል ጎመንን ብርጭቅን ካልኦትን ዝበሉ ዝተዳቀሉ ዓሌታት ኣብ ምጥቃም እናሰፍሐ ዝኸደሉ ‘ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት’ዉን እናሓገዙና ነይሮም ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ምፍላጥ እቲ ስራሕቲ ዓብይ ግደ ነይርዎም ‘ዩ። ብኣንፃር እቲ በፂሕዎ ዘሎ ቴክኖሎጂ ኣብ ምጥቃም ሕፅረታት እንተነበሩ’ውን ዘይሩ ዘይሩ ግና ኣብ ምጥቃም መስኖ ዝነበሩ ድሑር ባህልታት ለዉጢ ኣምፂኡ ‘ዩ።

እቲ ኩነታት ኲናት ምስ ተፈጠረ ድማ ተገልቢጡ ‘ዩ። ዋላ እኳ ክንድምንታይ ልምዓት መስኖ ትግራይ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝብል ናይ ባዕሉ እኹል መፅናዕትታት ዘድሊ እንተኾነ’ውን፤ ኣብቲ ዓዉዲ ብዙሕ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ።

ንኣብነት እቲ ሓረስታይ ስራሕቱ ብቀትሪ ንከይሰርሕ እናተኸልከለ ነይሩ ‘ዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ መሰረታዊ ልምዓት ሕርሻ ትግራይ ዝዓነወሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ኣብዚ 17 ሽሕ ዝኣክል ሄክታር መሰረታዊ ልምዓት መስኖ በቲ ኲናት’ዉን ዓንዩን ን49 ሽሕ ዝኣኽሉ ተጠቀምቲ መስኖ ልምዓት ዝነበሩ ንከይጥቀሙ ገይርዎም ‘ዩ።

እዙይ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሞተር ዘልምዑ ዝነበሩ ሓረስቶት ብምኽንያት ፀገም ነዳዲን መዳበርያን ካልኦት እታወታት መስኖን ዘይኣትዉ ስለዝነበሩን ብሞተር ይሰርሓ ካብ ዝነበራ መስኖታት 10 ሽሕ ዝኣክል ሄክታር ኣብ ሽግር ወዲቁ ‘ዩ ፀኒሑ።

ካሊእ ምጥቃም ምሩፅ ዘርኢን መዳበርያን ካልኦት እታወታት ምጥቃም ዓብዩ ዝነበረ ሙሉእ ንሙሉእ ዘይጥቀመሉ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ ነይሩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ በዚ ኣቢሉ ዝተኣከበ ምህርቲ ዝተወሰዱን ዝዓነውሉን ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ እቲ ሓረስታይ ብዙሕ ሃሰያ ‘ዩ በፂሕዎ። ኣብቲ ተጠቃማይ ማሕበረ ሰብ ድማ ዓብይ ዕንቅፋት ኮይኑ ፀኒሑ ‘ዩ።

ወጋሕታ :- ኣብ ዝነበሩ ንጥፈት ልምዓት መስኖ ትግራይ ዝነበሩ ዕድላትን ፈተነታትን እንታይ ይመስሉ ነይሮም ? ብፍላይ እታወታት ኣብ ዝኣምሰሉ?

ኣይተ በሪሁን :- ኣብዚ ዕድላት ኢልና እንወስዶም እቲ ኩነታት ብምፍጣሩ ምኽንያት ኣብቲ ሓረስታይ ሕራነ ብምፍጣሩን ዓብይ ኣብ ምፍራይ ዓብይ ምልዕዓል ፈጢሩ ‘ዩ። በቲ ኲናት ዝተፈጠረ ሃሰያን ከየልምዕ ዝግበረሉ ኩነታት እንተነበረ’ዉን ሓሪኑ ስራሕቱ እናተሓብአ ብለይቲ’ዉን ‘ዩ ስራሕቱ ዘከናውን ነይሩ። ደሓር ዝሐሸ ሃዋህዉ ስላም ምስተፈጠረ ግና እቲ ሓረስታይ ብዝሐሸ ንክሰርሕ ዕድል ዝረኸበሉ ‘ዩ ነይሩ።

ኣብ ብዝሕ ዝበሉ ከባቢታት ብጉልበት ክፅገኑ ዝከኣሉ መሰረተ ልምዓታት እቲ ሓረስታይ ብጉልበቱ ክሰርሖም ክኢሉ ‘ዩ። ንኣብነት ኣንሕና ብዘረኣናዮ ጥራሕ ኣብ ወረዳታት ቀይሕ ተኽሊ፣ ቆላ ተምቤን፣ ራያ ዓዘቦን ኣብ ራያ ጨርጨርን ዝኣምሰሉ ከባቢታት ዓበይቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኢና ሪኢና።

ካሊእ ከምዕድል ዝተርኣየ ቅድሚ ሐዚ መስኖ ዘይነበሮም ገለ ከባቢታት ብናይ ሓረስቶት ተበግሶ፣ ዓቅሚን ፈጠራን ብምጥቃም ሓደሽቲ ናይ መስኖ ልምዓት ዝተጀመሩሉ ዕድል ተፈጠረሉ ኩነታት ነይሩ ‘ዩ።

ንኣብነት ኣብ ፅራእ ኣፅቢ ወንበርታ ብናይ ሓረስቶት ፃዕሪ ምስ ሓይሊ መብራህቲ ብምትሕብባር ዲኖሞ ብምጥቃም ተጠቀምቲ መስኖ ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም።ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ‘ዉን ብተመሳሳሊ ብናይ ባዕሎም ፃዕሪ ዓብይ ናይ ማይ ድልድል ብምስራሕ ሩባ ብምሽጋር ብዝሕ ዝበለ መሬት ንከልምዑ ፈቲኖሞ ‘ዮም።

ኣብ እንደርታ’ዉን ብተመሳሳሊ ንሽንት ቤት እንጥቀመሉ ፒቢሲን ሓፂን ትቦን ገዚኦም ብምጥቃም ሽንጥሮታት ብምሽጋር ተጠቀምቲ መስኖ ዕድል ነይሩ ‘ዩ። ስለዝኾነ እቲ ሓረስታይ ብምሕራን ቀትርን ለይትን ንክሰርሕ ኣኽኢሉ ‘ዩ።

ካብቶም ዝነበሩ ፈተናታት ወይ ፀገማት ድማ ሓረስታይ ክሰርሕ እናደለየ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዕፅዋ እቲ በዓል ሞያ ዝበልዖ ዝሰትዮ ስለዘይነበሮ ዝብላዕ ዝስተ ናብ ዝረኽበሉን ናብ ቤተሰቡን ብምኻዱ ክረኽቦ ዝግባእ ናይ በዓል ሞያ ድጋፍ ክረክብ ኣይኸኣለን። ሐዚ ግና ብዝተኽኣለ መጠን ምትዕርራይ እናተገበረ ነናብ ዝነበሮ ስራሕቲ ቦትኡ ክኸይድ እናተገበረ ‘ዩ ዘሎ።

ካሊእ ቀረብ እታወታት ከም መዳበያን ምሩፅ ዘርእን ዝበሉ ዘይምህላው ‘ዩ። እቶም ዝነበሩ ትካላት መቅረብቲ እታወታት ሕርሻ ብምዕናዎም ሓረስቶት ዝኾነ እታወታት ክረኽቡ ኣይክእሉን ነይሮም። ከም መማረፂ ድማ ኣብገዝኦም ዝረኽበዎ እኽሊ ዕፉን ይኹን ስንዳይ ጣፍ ወፃኢ ንዘርኢ ዝጥቀሙሉ ኣማራፂ ኣይነበሮምን። ምስዚ ተታሓሒዙ ናይ ኣግሮ ኬሚካል ዘይምህላው ዝራእቲ ብዝተፈላለዩ ባልዓት ይሳጥሑ ነይሮም ‘ዮም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ድሕሪ እማመ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ግና ካብቲ እናተሓባኻ ብለይቲ ዝስራሕ ዝነበረ ተሪፉ ቀትርን ለይትን ንክሰርሕ ዕድል ረኺቡ ‘ዩ። ከምኡ’ውን ብዝተወሰነ ብርኪ ናይ ነዳዲ ፀገም ክፍታሕ ብምኽኣሉ ከምዕድላት ዝርአይ ‘ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግና ሐዚ’ውን እንተኾነ ናይ ኣግሮ ኬሚካል ሕፅረት ከምዘሎ ‘ዩ።

ባልዕ ይኹን ሕማም እንተተራእዩ እቲ ሓረስታይ ብባህላዊ መንገዲ ‘ዩ ንምክልኻል ዝፍትን ዘሎ። ሓደ ዓንተዎ ካብ ዘይገልፅክዎ ግና ዝተወሰኑ ድጋፍ ዝህቡ ዓለምለኸን ናይ ውሽጥን ገበርቲ ሰናያት ዋላ እኹል ኣይኹን ብዝኸኣልዎ ሓገዛት ይገብሩ ነይሮም ‘ዮም።

ንኣብነት ኣብዚ ዓመት 2015 ዓ.ም 2ሽሕ747 ኩንታል ዘራእቲ ኣሕምልቲ ብገበርቲ ሰናያት ኣቢሉ ን39ሽሕ286 ንሓረስቶት ተዓዲሉ ‘ዩ። እዚ ድማ 5ሽሕ847 ሄክታር ክሽፍን ክኢሉ ‘ዩ። እቲ ዝገበርዎ ሓገዝ ድማ ቀሊል ዘይብሃል ናይ ባዕሉ ግደ ተፃዊቱ ‘ዩ። ንቀረብ ስኳር ድንች ዝኸውን ድማ 9 ሚልዮን ዝኣክል ቁርፅራፅ ስኳር ድንች ን19ሽሕ346 ሓረስቶት በቢፕሮጀክቱ ክዕደል ተገይሩ ‘ዩ።

መዳበርያ ድማ ከምትልሚ 171 ሽሕ ኩንታል ትልሚ ሒዝና ነይርና ካብ 12 ትካላት ገበርቲ ሰናያት ዝተረኸበ 71,813 ኩንታል ዩርያ ን151 ሽሕ ሓረስቶት ተኸፋፊሉ ‘ዩ። እዚ’ውን ከም ዕድል ኢልና ኢና ንወስዶ፤ እዚ ነቲ ሓረስታይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ሕፅረት ምግቢ ናይ ስነ መዓዛ ሕፅረት ኣብ ምፍታሕ ናይ ባዕሉ ዓብይ ግደ ነይርዎ ክብል ‘የ ዝደሊ።

እዙይ ምኽንያት ብምግባር ሐዚ ዘሎ ብርኪ ከም ዞባ ክንርኢ ከለና ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ዞባ ደቡብ ምብራቅን ዞባ ምብራቅን ቀልጢፉ ናብ ልምዓት ንክኣትው ክኢሉ’ዩ። እቲ ናይ ዞባ ማእኸልን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ግና ክሳብ ቀረባ ግዘ ናብ ልምዓት ከይኣትው ዓብይ ዕንቅፋት ነይርዎ፤ ሐዚ’ዩ ናብ ልምዓት ዝኣትው ዘሎ። ስለዝኾን በቶም ዝነብሩ ናይ መረዳእታ ምትሕልላፍን በዓል ሞያ ኣብ ስራሕ ዘይምህላውን ፀገማት ምኽንያት ከም ክልል ሙሉእ መረዳእታ ክንሕዝ ኣይከኣልናን።

ብፍላይ ኣብ ሰሜን ምዕራብን ኣብ ማእኸላይ ዞባን ብኽፋል ካብ ዝተልኣኸ መረዳእታ ክሳብ ሐዚ ለሚዑ ዘሎ ኣብ ማእኸላይ ዞባ 30ሽሕ934 ሄክታር ብክፋል ለሚዑ ኣሎ። ናይ ሰሜን ምዕራብ ግና ክሳብ ሐዚ እኹል መረዳእታ የለን። ዘይሩ ዘሩ ግና እቲ ሓረስታይ ብናሕሪ ይሰርሕ ከምዘሎ ‘ዩ ዘመልክት።

ወጋሕታ:- ልምዓት መስኖ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝህልዎ ግደ ቀሊል ኣይከውንን እሞ ብቀፃሊ ኣብዚ ዓውዲ እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ? ወይ ዝተተለሙ ስራሕቲ እንተሃልዮም?

ኣይተ በሪሁን :– ሐዚ እንታይ ‘ዩ ኩሉ ስራሕ ካፒታል በጀት ይሓትት ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕንወት ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። ብቀሊሉ ክምለስ ዝኽእለሉ ዕድል እንተሃልዩ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ካብቲ ሓረስታይ’ውን ዝተወሰኑ ሃፍቲ ኣተኻኺብካ ምስራሕ የድሊ ‘ዩ።

ካብቶም ክስረሐሎም ኣለዎም ኢልና ዘቐመጥናዮም ሐዚ ሓደ ልምዓት መስኖ ‘ዩ። ልምዓት መስኖ ሐዚ እቲ ዓኒወን ዘለዋ መሰረተ ልምዓት ቀልጢፈን ንክፅገና ናይ ባዕሉ ትልሚ ኣዳሊና ኣለና።

ኣብዚ ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣካላት ከም ገበርቲ ሰናያት ዝበሉ ክሕግዙን ካሊእ ከዓ ተዓፅዮም ዝነበሩ ናይ ልምዓት ፕሮጀክታት ዝኣምሰሉ ናብ ስራሕ ክኣትው ምርዳእ ንገብር ኣለና። ክሳብ ሐዚ ብዙሕ ዝተጀመረ ነገር የለን። ይኹን ‘ምበር ዝተወሰኑ ተስፋታት ኣለው ‘ዮም። ንኣብነት ከም ፕሮግራም ኤ.ጅ.ፒን ማ.ረ.ት ዝበሉ ብስፍሓት ዝሕግዙ ዝነበሩ ‘ዮም።

ዘይሩ ዘይሩ ብብርኪ ሃገር ንትግራይ ዝተለኣኽ ብፅሒት ክሳብ ሐዚ ዝተልኣኸ ነገር የለን። ሐዚ ንክልኣኽ ግና ሓደ ሓደ ምርድዳኣት እናተገበረ ይርከብ ኣሎ። ንሱ ምስተለኣኸ ብዝግባእ ክንጥቀመሉ ተዳልዩ ኣሎ። ዝዓነውን ዝተሰረቁን ሞተራት ሓረስቶት ንምፅጋን ንምትካእን ብሓዱሽ መልክዕ ድማ ናብ ልምዓት ንክኣትውን፤ ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓት’ውን እንተተፈጢሩ እቲ ዝበፅሐ በሰላ ብሓፂር ግዘ ንምምላስ ዘኽእለሉ ዕድል ክህሊ ይኽእል ‘ዩ። ስለዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዓብይ ዕማም ስራሕ ዝሰርሐሉ ‘ዩ ዘሎ። ናይ ፌደራል መንግስቲ’ውን ብስፍሓት ተሳትፎ ዝጠልብ ‘ዩ፡፡ብክልተ መንገዲ፡- ሓደ እተን ፕሮጀክታት ልምዓት ቀልጢፈን ናብ ስራሕ ንክኣትዋ ብፌደራል ድፍኢት ተገይርለን ቀልጢፈን ክኣትዋ። እቲ በቢዓመቱ ንትግራይ ዝብጀተላ ዝነበረ በጀት’ውን ተበጅቱ እቲ ዘይተጠቐመትሉ ዕድል ንክትጥቀም ምግባር። ካልኣይ ድማ እቶም ትካላት ገበርቲ ሰናያት ብፌደራል መንግስቲ ስለዝምእኸሉ ዝተፈላለዩ ትካላት ዓለምለኸ ገበርቲ ሰናያት ንትግራይ ንክሕግዙ ኣብ ምምችቻው መንግስቲ ዓብይ ኢድ ኣለዎ ኢልና ኢና ነኣምን።

ኣብ ትግራይ ዘሎ እንተወሲድና ድማ እቲ ዘሎ ሃፍቲ ክንጥቀመሉ ምግባር። ብፍላይ እቲ ዋና ዘለና ሃፍቲ ሃፍቲ ሰብ ‘ዩ ኣርባዕተ ዩኒቨርስቲታት፣ ሕርሻ ኮሌጃትን ምርምራት ሕርሻን ኣለዋና ኣብዚአን ዘሎ ሓይሊ ሰብ ዓቅምን ምጥቃም ከድልየና ‘ዩ። እቲ ዝተሃሰየ ኣእምሮ በዓል ሞያ ኣሰልጢንካ ነቲ ሓረስታይ ድጋፍ ዝረኽበሉ ዕድል ምፍጣር ኣብ ክልል ክንገብሮ ዝግበአና ኢልና ካብ እንወስዶም ‘ዮም። ብኣንፃር እዚ’ውን እናተዳለውና ኢና ዘለና።

ወጋሕታ:- እዚ ልምዓት ንምጥንኻር ዘድልዩ ሓገዛት ካብ መንን ክንድምንታይ ዝኣክልን ሓገዛትከ የድሊ ዝብል ዝተወሰነ ተጠቃቂሱ እ’ዩ ኣብዚ ተወሳኺ እንተልይዎም?

ኣይተ በሪሁን :- እቲ ሓገዝ ከምቲ ዝበልኩካ ንኣብነት ክሳብ ሐዚ ናይ ኣሕምልቲ ዘርኢን ካልኦት ተመሳሰልትን ፀገም ኣሎ።ነዚ ድማ 264 ሚልየን ብር ከባቢ ዝኣክል ነቲ ሓረስታይ ዝግበር ሓገዝ የሓትት ‘ዩ። እዚ ብዓይነት ብፈልሲ ወይ ብዘርኢ ዕንወት መሰረት ተገይሩ ክሕገዝ ዝግብኦ ዝተዳለወ ትልሚ ‘ዩ።

ስለዚ እዚ ድማ ክገብርዎ ዝኽእሉ ትካላት ገበርቲ ሰናያት ‘ዮም። ካልኣይ ድማ ፕሮጀክታት ‘ዮም። ስለዚ እቶም ፕሮጀክታት ብፌደራል ብርኪ ትኹረት ገይሩ ኣንፈት ተወሂብዎ እንተተሰሪሑ ብቀሊሉ ክስራሕ ዝኽእል ‘ዩ። ምስቶም ትካላት ገበርቲ ሰናያት እንረዳድአሎም ሰሙናዊ መድረኻት ኣለውና ‘ዮም። በቲ ዘሎ እንተኸይዱ ብዙሕ ናይ ምቅራፍ ግደ ክህልዎም ‘ዩ።

 ካሊእ ምስ ማይ ሃፍቲ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ መሰረተ ልምዓት ናይ ምሕዋይ ስራሕቲ ብቢልየናት በጀት ዝሓትት ኮይኑ፤እዚ ድማ ብክልተ መንገዲ ‘ዩ ክስራሕ ዝኽእል እዚ’ውን፤ እተን ዓንተዎ ዝበልክወን ፕሮጀክታት ብክልተ መንገዲ ክሕግዛ ይኽእላ ‘የን። ብዋናናት ግና ፌደራል መንግስቲ ዓብይ ካፒታል መዲቡ ናብቲ ዝነበሮ ከምልስ እንተዘይገይሩ ብዙሕ ኣመታት ክወስድ ይኽእል ‘ዩ።

እቲ ካሊእ እቲ ናይ ክሳብ ታሕቲ ወሪድካ ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ብቢሮ ክንሰርሖ ንኽእል ኢና። እዚ ኩሉ ንምግባር ብፍላይ እቲ ሃፍቲ ኣብ ምምፃእ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለም ንክፈልጦን ንክሕግዝን ድማ ናይ መራኸብቲ ሓፋሻትን ፃዕሪ ዝሓትት ‘ዩ። ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ዲያስፖራ’ውን ኣብዚ ፃዊዕት እንተተገይሩሉ ኣብዚ ዝሳተፈሉ ኩነታት ክህልው ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ክግለፅ ዘለዎ ዝተረፈ ኣሎ ዝብልዎን ተወሳኺ መልእኽቲ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ በሪሁን :- ዘይተገለፀ የብለይን ይኹን ‘ምበር፤ ከም መልእኽቲ ከሕልፎ ዝደሊ እቲ ሚድያ ኩሉ ስለ ዝከታተሎ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ሕብረተሰብ እቲ ኣብ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ማህሰይቲ ከቢድ ስለዝኾነ፤ ከምቲ ናይ ኦሮምያ መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ ሓገዝ ብተመሳሳሊ ናይ ደቡብን ካልኦትን ክልላት መንግስታት’ውን ሓገዝ እናገበሩ ‘ዮም ዘለው ፤ስለዚ ናብቲ ንቡር ንክምለስ ሓው ንሓው ብምትሕብባር ክተሓጋገዝ ስለዘለዎ ኩሉ ሕብረተሰብ ነናይባዕሉ እጃም ክዋፃእን ክሕግዝን ተዝኽእል ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ካልኣይ እቲ ናይ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ሕብረተሰብ’ውን እቲ ሓረስታይ ናብ ንቡር ንምምላስ ናይ ባዕሉ እጃም ተዝዋፃእ። እቲ ሓረስታ’ውን ብቲ ዝነበሮ ናህሪ ካብ ምቅፃል ብተወሳኺ ጉልበት ሃፍትን ክውሰኸሉን ዝሐሸ ቴክኖሎጂ ክጥቀም ኣለዎ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታትን ጣብያታትን ዝሰርሕ በዓል ሞያ ነናብ ቦትኡ ተመሊሱ ነቲ ሓረስታይ ንክሕግዞን፤ ግዘ ከይሃበ ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ከምዘለዎ ክፅውዕ ይደሊ። ንስኻትኩም’ውን እዚ ንከካፍል ስለዝዓደምኩምኒ ከምስግን ይፈቱ።

ወጋሕታ:- ኣነ’ውን ንዘሃብኩምኒ ሓበሬታ የቀንየለይ።

ኣብርሃ ሐጎስ

ወጋሕታ 17 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You