ሰላምን ደሕንነት ህዝቢ ይተሓሎ!

ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዘይምቕድዳው ስዒቡ ብዘጋጠመ ኩናት ህዝቢ ትግራይ ንኸባቢ ክልተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ከቢድ ፀገምን መከራን ወዲቑ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡

ኮይኑ ግና ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኩናት ጠጠው ብምባሉ ካብ ፍርሕን ራዕድን ወፂኡ ዝሓሸ መነባብሮ ክመርሕ ጀሚሩ ‘ዩ። እዚ ብመንግስቲ ፌዴራል ይኹን ብወገን ህወሓት ንሰላም ብዝወስድዎ ቖራፅ ናይ ሰላም ስጉምቲታት ስዒቡ ዝመፀ ውፅኢት ‘ዩ፡፡

ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩናት ‘ኳ እንተወፀ መብዛሕተኦም ትካላት ሰላምን ፀጥታን ፈሪሶም ብምንባሮም ንሰረቕቲ ኣዝዩ ተቓላዒ ኮይኑ ‘ዩ፡፡ ንለያቡ ምችው ኩነታት ተፈጢርሎም ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ዕለታዊ መነባብርኡ ንምስላጥ ኣብ ዝገብሮም ንጥፈታት ዝተፈላለዩ ሓደጋታት እናገጠምዎ ‘ዮም ዝርከቡ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ራህዋ ረኺቡ ሂወቱ ከይመርሕ ከምንዚኦም ዝበሉ ኩነታት ከበድቲ ዕንቕፋታት ኮይኖሞ ይርከቡ፡፡ ኩነታት ፀጥታን ሰላምን ኣብ ዘስግእ ኩነታት ዝርከብ ብምዃኑ ህዝቢ ናብርኡ ብዝግባእ እናመርሐ ‘ዩ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ ናይ ምንቕስቓስ መሰሉ ድሩት ‘ዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ዝሓሸ ሰላም ‘ኳ ረኺቡ ዝበሃል እንተኾነ ካብ ዝተፈላለዩ ስርቕን ዘረፋን ዝተናገፈ ግና ኣይኮነን፡፡ ስርቒ ወይ ድማ ብተለምዶ ‹‹ሃንግ›› እናተባህለ ዝፅዋዕ ሓይሊ ዝተመልኦ ዓይነት ስርቒ ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ ይርከብ፡፡

ከምዚ ዓይነት ዝርፍያ ብምስፍሕፍሑ መብዛሕትኡ ሰብ ልክዕ ህፁፅ ኣዋጅ ከምተኣወጀ ብግዝኡ ምእታው ‘ዩ ዝመርፅ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝቢ ከባቢ ሰዓት ክልተ ናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ኩነታት ኢኻ ትዕዘብ፡፡ መዓልታዊ ስርሑ ሰሪሑ ብሰላም ናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ኩነታት ኣዝዩ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ‘ዩ ዝርከብ፡፡

በቢ ከባቢኡ ሓለዋ ፀጥታ ብዘይ ምጥንኻሩ ሰባት ብቐትሪ መዓልቲ ገንዘቦም ይዝረፉ፤ ካብ ምዝራፍ ሓሊፉ ‘ውን ሂወት ናይ ምሕላፍ ይኹን ኣካል ናይ ምጉዳልን ኩነታት እናጋጠመ ይርከብ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን ሓሓሊፉ ብለይቲ ይኹን ብቀትሪ ናብ ገዛ ኣቲኻ ምስራቕ ይረአ ‘ዩ።

እዚ ድማ ህዝቢ ክንደየናይ ኣብ ከቢድ ፀገም እናወደቐ ሰራቒ/ሌባ ክንደየናይ እናደፈረ ከምዘሎ ‘ዩ ዘሪአካ፡፡ እዚ ኣብ ውሱን ከባቢታት ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ዳርጋ ኣብ መላእ ከተማታት ትግራይ እናጋጠመ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ፡፡

እቲ ክልል ኣብ ኩናት ብምፅንሑ ብዙሕ ሽጉጥ ይኹን ጠበንጃ ተበቲኑ ከምዝርከብ ‘ዩ ዝሕበር፡፡ መን ጠበንጃ ኣለዎ መን የብሉን ብዕሊ ዝፍለጥ ኣይኮነን፡፡ ብኸምዚ ተዘሪኡ ስለ ዝርከብ መን ቐታሊኻ መን ከ ዘይቐታሊኻ ንምፍላጡ ኣፀጋሚ ‘ዩ፡፡ ብሰላም ወፂእኻ ብሰላም ንምእታው ዘስክፍ ‘ዩ፡፡

ህዝቢ ምስቲ ኣብ ክብድ ዝበለ ኩነታት ምፅንሑ መነባብሮ ንምሽናፍ ላዕልን ታሕትን እናበለ ዝርከብ ‘ኳ እንተኾነ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ግና ከቢድ ፈተና እናኾኖ ይርከብ፡፡ ሰብ መዓልታዊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ንጥፈታቱ ከካይድ ተፈጥራዊ ግዴትኡ እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ድሕንንት ስለ ዘይስመዖ ከምድሌቱ ኣማስዩ ዝሰርሐሉን ናብ ገዝኡ ዝኣትወሉን ድሩት ‘ዩ።

ብሂወት ንኸትነብር ናይ ግድን ከትሰርሕ ዘለካ እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ሰላምን ድሕንነትን እንተዘይሃልዩ ከትሰርሕ ዘይሕሰብ ‘ዩ፡፡ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ዘይሰፈነሉ ከምድልየትካ ተንቐሳቒስካ ከትሰርሕ ኣይትኽእልን፡፡ እዚ ኣብ ዘይሰፈነሉ ኩነታት ይትረፍ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ንጥፈታት ክተካይድ ንሂወትካ ‘ውን ኣስጋኢ ‘ዩ፡፡

ብምዃኑ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ኣዝዩ ክሕሰበሉ ዝግበኦ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ንምቕራፍ ብዙሕ ፃዕሪ ክገብር ይግባእ፡፡ እዚ ንፅባሕ ይሕደር ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ትካላት ፀጥታ ቐልጢፈን ተጣይሸን ተጣናኺረንን ግቡእ ስረሐን ክጅምራ ኣለዎን፡፡ ህዝቢ ራሕዋ ረኺቡ ሰሪሑ መነባብርኡ ክመርሕ እንተኾይኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ሕብረተሰብ ብምንባብ ሰላምን ፀጥታን ከስፍን ይግባእ፡፡

ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ቐዳምነት ብምሃብ ትካላት ምምሕዳር ፀጥታን ድሕንነትን ብቕልጡፍ ስረሐን ክጅምራ ኣለዎን፡፡ ከምዚ እንተኾይኑ በዳሊ ናብ ሕጊ ቐሪቡ ግቡእ ቕፅዓቱ ክረክብ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ተበዳሊ ‘ውን ግቡእ ካሕስኡ ዝረኽበሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ፡፡

ህዝቢ ካብቲ ኣፀጋሚ ግዚያት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ነንባዕሉ እናተሓላለወን እናተሓጋገዘን ዝመፀ ዋላ ‘ኳ እንተኾነ ካብ ግዳያት ሰረቕቲን ኣጭበርበርትን ግና መሊኡ ክድሕን ኣይከኣለን፡፡ ህዝቢ ተሓባቢሩ ለይባ ዋላ እንተሓዘ ግዝያዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ናብ ሕጊ ዘቕርበሉ ዕድልን ኣጋጣምን የለን፡፡

ሓላፍነት ወሲዱ ዝቕበሎ ናይ ፀጥታ መሓቡር ይኹን ትካል ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል ‘ዩ፡፡ ሰሪቑ ዝእሰረሉ ኩነታት ብዘይ ምህላዉ ስርቒ ከም ስሩዕ ስራሕ ተገይሩ ዝውሰደሉ ኩነታት ምህላዉ ብኣካል ዝተዓዘብኩሉ ኩነታት ኣጋጢሙኒ ‘ዩ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ስርቕን ጉሕለትን ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ በፂሑ ይርከብ፡፡ ንብረት ሰላማውያን ሰባት ብሓይሊ ምዝራፍ፤ ከምኡ ’ውን ምጥፋእ ህይወትን ንምስራቕ ክበሃል መጥቃዕቲ ምፍፃም ኣካል ምጉዳል ኢሉ ‘ውን ሂወት ክሳብ ናይ ምሕላፍ ኩነታት የጋጥም ‘ዩ፡፡

እዚ ዝመፀ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ጎንፂ ስዒቡ ትካላት ፀጥታ ብምፍራሰን ‘ዩ፡፡ እዚ ኩነታት እዚ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ዘሎ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ብፍላይ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ ኩነታት ዘለዎን ከተማታት ግዝያዊ ምምሕዳር ጠንኪሩ ብምስራሕ ህዝቢ ካብ ከምዚ ዝበለ ተቓላዒነት ሓደጋ ከድሕኖ ይግባእ፡፡

እዚ ኣብ ግዚኡ ክቕረፍ እንድሕር ዘይክኢሉ ህዝቢ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይኹን መንግስቲ ፌዴራል ዘለዎ እምነት ክሽርሸር ይኽእል ‘ዩ፡፡ ስለዚ መንግስቲ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅን ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ኣብ ጉሕለትን ሃንግን ንዝርከቡ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ ብምውሳድ ስርዓት ከትሕዞም ይግባእ፡፡

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You