ንሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ 45ሽሕ ተዓዘብቲ መረፃ ውሽጢ ዓዲ ከምዝሳተፉ ቦርዲ መረፃ ኣፍሊጡ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ካብ ሲቪክ ማሕበራት ዝተወፃፅኡ 45ሽሕ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተዓዘብቲ ከምዝሳተፉ ሃገራዊ ቦርዲ መረፃ ኣፍሊጡ፡፡

ብሄራዊ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ኮሚዩኒኬሽን ሶልያና ሽመልስ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዘፍለጠኦ ፣መረፃ ንምዕዛብ 102 ሲቪክ ማሕበራት ዝተወከሉ 45ሽሕ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተዓዘብቲ መረፃ ንምዕዛብ ቅድመ ምድላው ዛዚሞም እዮም፡፡

ካብ ሃገር ውሽጢ ተዓዘብቲ መረፃ ወፃኢ ቑፅሮም ብትኽክል ዘይተፈለጠ ተዓዘብቲ ወፃኢ ሃገር መረፃ ንምዕዛብ ቅድመ ምድላው እናወድኡ ከምዝኾኑ ዝገለፃ ሶልያና፣ ቅድሚ እቲ መረፃ ብግልፂ ቑፅሮም ዝቕመጥ ምዃኑ ኣፍሊጠን እየን፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሃገርና መፈፀምቲ መረፃ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝኾነ ኣመልኪተን፣ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 460 ዝኾኑ ቦታታት ስልጠና እናተውሃበ እዩ ኢለን፡፡ እቲ ስልጠና መረፃ ብኣግባቡ ንከፈፅሙ ከምዝሕግዞም ገሊፀን፡፡

ቅድም ክብል ንሓደጋ ተጋለፅቲ ዘይኾኑ ናውቲ ናብ ጣብያ መረፃ ከምዝተንቀሳቐሱ ፤ዝተረፉ ድማ እናኸዱ ከምዝኾኑ ገሊፀን እየን፡፡ እቶም ናውቲ ናብ ዝተደለየ ቦታ ብኣግባቡ ንክበፅሑ ናይቲ ኸባቢ ምምሕዳር ምትሕብባር ከምዝገብሩ ሓቲተን እየን፡፡ ብዝተኽኣለ ፍጥነት ቅድሚ እቲ መረፃ ኣብ ኹሎም መረፃ ጣብያታት ናውቲ ተዘርጊሑ ከምዝውዳእ ኣፍሊጠን እየን፡፡

መረፃ ዝካየደሉ 14 ሰነ ስሩዕ ስራሕ ከምዘይህሉ፣መራፂ ህዝቢ መሪፁ ናብ ገዝኡ ከምዝምለስ ዘፍለጣ እተን ኣማኻሪ ፣ነዚ’ውን ትካላት ምትሕብባር ንክገብሩ ሓቲተን እየን፡፡ 14 ሰነ መረፃ ዘይግበረሎም 27 ጣብያታት መረፃ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ከይመረፁ ዝተረፉ ክፋል ሕብረተሰብ ጳጉሜ ሓደ ኣብ ዝግበር መረፃ ከምዝሳተፉ ገሊፀን እየን፡፡14 ሰነ ዝግበር መረፃ ድምፂ መረፅቲ ተቖፂሩ ምስተዛዛመ ውፅኢቱ በቢጣብይኡ ከምዝልጠፍ ኣፍሊጠን እየን፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You