ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም፡፡ ናይቲ ክልል ቢሮ ሃፍቲ ሕርሻን ተፈጥሮን ናይ 2016 በጀት ዓመት ትልሚ መድረኽ ገምጋም ተኻይዱ፡፡

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣብቲ ክልል ናይ ምግቢ ውሕስና ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ብትኹረት እናተሰረሐሎም ካብ ዝርከበሎም እቲ ሓደ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ሕርሻ ንምዝማን ቖላሕታ ብምሃብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም፡፡

ኣብ 2016 ዓመት በጀት ቀረብ እታዎታት ብምምሕያሽ፣ ሕርሻ ብምዝማንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ከምኡ ‘ውን ብመሰል ዘፈራት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምተሰርሑ ኣብሪሆም፡፡

ከም ፀብፃብ ግዜኢ፣ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሃፍትን ዓቕሚን ብምጥቃም ተጠቓምነት ሓረስታይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝድነቑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ተግባር በቢደረጅኡ ዝርከቡ ኣባላት ኣማራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝልካዕ ተጠቓምነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ብምስራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ሙሉእ ዓቕሚ ስራሕና ልምዓትን ምጥንኻር ዳግመ ህንፀት ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ብምግንዛብ፤ ውሕስና ምግቢ ናይቲ ክልል ንምርግጋፅ ኣብ ልምዓት እንስሳትን ተፈጥሮ ሃፍትን ከምኡ ‘ውን ኣብልምዓት መስኖ ሕርሻ ብምዝማን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም ክብሉ ኣታሓሳሲቦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You