መስቀልን ኢሬቻን በዓላት እሴቶም ተሓልይሎም ብሰላም ንክኽበሩ ቅድመ ምድላው ተገይሩ

ቅርሲ ዓለም ዝኾኑ በዓላት መስቀል ዳመራን ኢሬቻን እሴቶም ተሓልዩ ብሰላም ንክኽበሩ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ምምሕዳር ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡ ምምሕዳር ቢሮ ከተማ ሰላምን ፀጥታን በዓላት ኣከባብራ ብዝምልከት ምስ ፀጥታን ደንብ ምኽባር መሓውራት ዘተ ኣካይዱ ‘ዩ፡፡

ኣብቲ መድረኸ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ሊድያ ግርማ፤ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዘፈር ፀጥታ ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም ‘ዮም፡፡ ናይቲ ቢሮ ሓላፊት ሊድያ ግርማ፤ መስቀል ደመራን ኢሬቻን በዓላት እሴቶም ሓልዮም ብሰላም ንክኽበሩ ንምኽኣል ዝተዋደደ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፀን፡፡

ኣከባብራ በዓላት ሃገራዊ እሴት መግለፅታት ሃፍቲ ሓድነት ብምዃኖም ኣብዚ ግዜ ሃገር ሰናይ ገፅታ ንዓለም ኣድሚቕና እነርእየሉ ‘ዩ ዝኾን ኢለን፡፡ ብምዃኑ በዓላት ብሰላም ንክኽበሩ ኣድላይ ዝተብሃለ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ድሕሪ ምርግጋፅ ነበርቲ ከተማ ድማ ከምዝተለመደ ምትሕብባርን ሓድነት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ተሓቲቱ፡፡

ኣብቲ ዘተ ተሳተፍቲ እቲ ባዓል ናይ ሓባር ብምዃኑ ንኣከባብርኡ ሰላማዊ ከይዲ ግደና ንምውፃእ ተዳሊና ኢና ኢለን፡፡ ንመፃኢ በዓላት ኣከባብራ ሓይሊ ፀጥታ ሓበራዊ ምድላው ከምዝገበረ ‘ውን ጠቒሰን፡፡ ከምኡ ድማ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ደንብ ኣኽባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሻለቃ ዘሪሁን ተፈራ፤ ምስ ሰላም ሰራዊት ኣወዳድባ ዝግበር ዘተ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ናይ ሰላም፣ ሓድነት ፣ፍቕሪን ሓልዮትን መርኣያ ዝኾነ በዓል ኢሬቻን፣ ከምኡ ‘ውን ካብ ሃይማኖት ባዓል ካብ ምዃኑ ብዝሓለፈ ብማሕበረሰብ ባዓል ዝፍለጥ ደመራ መስቀል ኢትዮዮጵ ብዓለም ዘይድህሰስ ቅርስነት ካብ ዘመዝገበቶም ቅርስታት ዝጥቀስ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You