ንኹለመዳያዊ ዕብየት ኢኮኖሚ

ትንታነ- ዜና

ኢትዮጵያ ብዝሰርሐቶም ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓትን ኢኮኖሚን ለውጥታት ቕልጡፍ ተኸታታሊ ዘለዎ ዕብየት ኢኮኖሚ ኣመዝጊባ ‘ያ፡፡ ካብ ዓሰርተ ዓመት ትልሚ ልምዓት (2013 ክሳብ 2022) ከምዝተገለፀ ቅድሚ 2012 ዓ.ም ዝነበረ ተኸታታሊ ዕብየት ንዓመታት ምኽባር ዋጋ ዘስዐበ እንትኾን፤ ዘላቕን ኣታኣማማንን ዕድል ስራሕ ብዝተደለየ መጠን ብቐዋሚነት ኣይፈጠረን፡፡ እቲ ወፃኢ ‘ውን ብዓብይ ልቃሕን ሓገዝን ዝተሸፈነ ስለዝነበረ ዓብይ ፅዕንቶ ልቃሕ ፈጢሩ ‘ዩ፡፡

ከምኡ ‘ውን ናይ ሸቐጣት ወፃኢ ንግዲ ኣፈፃፅማ እንትረአ ካብ ዝተወሰኑ ምህርቲ ሕርሻ ኣቕርቦት ተላቒቑ ብዓይነትን ብፅሬትን ብዝሓሸ መልክዑ ምህርቲ ብምብዛሕ ቀፃልን ኣተኣማማኒን ዝኾነ ሸርፊ ወፃኢ ንምእታው ኣይካኣለን፡፡ ማሕበራዊ ግልጋሎትን መሰረተ ልምዓት ዝርገሐ ዓብይ ናይ ፅሬት ፍትሓውነት ጉድለት ከምዘለዎም ኣብቲ ትልሚ ተቐሚጡ ‘ዩ፡፡

ባዓል ሞያ ቑጠባ ቆስጠንጢኖስ በርሀ (ዶ/ር) ናይ ኢትዮጵያ መሰረተ ልምዓት ዝርገሐ ልዕሊ 200ሽሕ ኪሎ ሜትር መንገዲ ፤ ከም ግድብ ህዳሴ፣ ገልገል ጊቤ፣ ኮይሻን ካልኦት መፈልፈሊ ሓይሊ ግድባት፣ 13 ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ልዕሊ50 ዩኒቨርሲታት ብዙሓት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ብምህናፅ ናይ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራውን ፖለቲካዊን ኩነታት ንምምሕያሽ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡

ዘፈር ሕርሻ ‘ውን ብዘመናዊ መንገዲ እናተከአን ብኩታ ገጠም ስርናይ ሕርሻ ኣዕጋቢ ውፅኢት እናተርኣየ ይርከብ፡፡ ቻይና ኣሜሪካን ካልኦት ዝዓበዩ ሃገራት ቅድሚ ሚኢቲ ዓመታት ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ዝነበሮም ናይ ሕርሻ ምጣነ ሃብቲ ኸዚ ኽልተ ሚኢታዊ እናኾነ ‘ዩ፡፡ በዚ ‘ውን ሃገር ካብ ምምጋብ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ምልኣኽ ይርከቡ፡፡

ኹለመዳያዊ ዕብየት ኢኮኖሚ ንምምፃእ መንግስቲ ኢኮኖሚ ብምንታይ ዓይነት መልክዑ ምንቅስቓስ ከምዘለዎ ብምርዳእ ከም ኣድላይነቱ በቢግዚኡ ናይ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ለውጥታት ምትግባር፣ ጥብቂ ቁፅፅር ምግባር፤ ሙስና ምዕጋት፣ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር፣ ዝፀድቁ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ተግባራዊ ምዃኖም ክግምግም ትፅቢት ይግበረልና፡፡

ከምኡ ‘ውን መንግስቲ በቢትካል ሹመት ዝህቦም ኣመራርሓ ኣባል ፓርቲ ስለዝኾኑ ጥራሕ እንተይኾኑስ ሃገር ንምዕባይ ቁርፀኝነት ከምዘለዎ እናረጋገፀ ክኾን ይግባእ ዝበሉ እቶም ባዓል ሞያ፤ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ንምምፃእ መንግስቲ ካብ ህዝባዊ ትካላት፣ ካብ ማሕበራት ሞያ፣ ካብ ቤት ምኽሪ ንግድን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ ብቕርበት ትፅቢት ከምዝግበረሉ ይገልፅ፡፡

ግብርና ውፅኢታዊ ንክኾን ፖሊሲ መሬት ምምሕያሽ ፣ዘመናዊ ኣተሓራርሳ ምኽታል፣ ኣብ ገጠር ናይ ሕርሻ ኢንዱስትሪ ኣክስዮን ብምምስራት ሓረስታይ፣ ባዓል ሃፍትን መንግስትን ብሓደ ብሽርክና ዘለዎ ሃፍቲ ብኣግባቡ ዘልምዕሉ ስርዓት ምፍጣር የድሊ፡፡

እናተሰርሑ ዝርከቡ ሓደ ሓደ ስራሕቲ ልምዓት ኣድላይን ጠቓምን እንተኾኑ ‘ውን፤ ብምንፅር ሃገር ዘላቶ ነባራዊ ኩነታት እንትረአ ቅድመ ተኸተል ከምዝጎድሎም ዝገልፁ እቶም ተንታኒ፤ ኢትዮጵያ ዕረፍቲ ዘይህብ ብዙሓት ፀገማት ኣለዉዋ፤ ስራሕቲ ልምዓት ‘ውን እንተኾነ ዝተፈላለየ ናይ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምንቅስቃስ እንትገብሩ ብጭቡጥ ሃገር ዘላቶ ኩነታት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወን ቅድመ ተኸተል ብዝሓለወ መልክዑ ክኾን ኣለዎ ይብሉ፡፡

ዓለም ለኸ ዜና ስርጭት መልክዕ ኢትዮጵያ ምብሻው ኩነታት ይረአ ‘ዩ፡፡ ብቢልዮናት ወፃኢ ተገይርሎም መባፅሒ ቱሪዝም ዝተሃነፁ ብዙሓት ፕሮጀክት ልምዓት ዑደተኛታት ረኺቦም ኣታዊ ንከአትዉ እንድሕር ተደልዩ ኣብዚ ኸዚ እቲ ዋና ሰላምን ድሕንንትን ምርግጋፅ ኣድላይ ‘ዩ፡፡

ኣብ ግድብ ህዳሰ ትኹረት ብምግባር ካብቲ ግድብ ዝርከብ ኣታዊ ምኽባር ዋጋ፣ ስእነት ስራሕ ፣ ድኽነትን ካልኦት ማክሮ ኢኮኖሚ ናህሪ ምርግጋዕ ከምዝካኣል ዝተዛረቡ እቶም ተንታኒ ፤ በዚ ጎኒንጎኒ በግብርና፣ትምህርት፣ ዴሞክራሲ ፣ሰላምን ድሕንነትን ምስራሕ ኹለመዳያዊ ዝሓቁፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ምምዝጋብ የድሊ ክብሉ ይመኽሩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You