247 ኢንዱስትሪታ እኹል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ድጋፍ ተገይሩ -ኣብ ክልል ትግራይ 290 ኢንዱስትሪታት ናብ ኣገልግሎት ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ን247 ኢንዱስትሪታት ግልጋሎት ምህርቲ ክህብ ዘኽእል እኹል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ከምተሰርሐ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተዓፅዮም ዝነበሩ 290 ፍርያት ዝህቡ ኢንዱስትሪታት ምህርቲ ናብ ምሃብ ምእታዎም ተመላኺቱ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ኢንዱስሪ ሓላፊ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ‹‹የኢትዮጵያ ታምርት ንቕናቔ›› ኣያና ዘውዴ (ዶ/ር) ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፣ ን247 ኢንዱስትሪታት ድጋፍን ክትትልን ብምግባር ምፍራይ ዘኽእል 639 ሺሕን 500 ኪሎ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ተሰሪሑ፡፡

‹‹የኢትዮጵያ ታምርት ንቕናቄ›› ተግባራዊ ምግባር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ምዕባይ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ምምላእ እታዎታት ኣቕርቦት፣ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ናብ ስራሕ ናይ ምምላስን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ምስ ትራንስፎርመር፣ ካብ መስመር፣ ካብ ቖፃሪን ፖልን ተተሓሒዙ ዘለዉ ፀገማት መፍትሒ ክረኽቡ ምግባር ከምተገብረ ብምግላፅ፣ ን247 መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት 639 ሺሕን 500 ኪሎ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቕራቡ ተዛሪቦም፡፡

ኣፈፃፀምኡ ምስ ናይ 2015 ዓመት በጀት እንትነፃፀር፣ ናይ 83 ሺሕን 356 ኪሎ ዋት ወሰኽ ከምዘርኢ ኣማላኺቶም፡ ፡ ሕፅረት ትራንስፎርመር ንምፍታሕ ሰለስተ ሽሕን 197 ትራንስፎርመር ናይ ምፅጋንን ሓደ ሽሕን 468ን ስራሕ ምምምራት ትራንስፎርመራት ብናይ ውሽጢ ሃገር ኢንዱስትሪታት ምክንዋኑ ኣፍሊጦም፡፡

ብተወሳኺ ካብ እታዎታት፣ መሰረተ ልምዓት፣ ካብ ዝሰልጠነ ምቕራብ ሓይሊ ሰብ፣ ምድላው መስፍሕፋሕን መስርሕን ቦታ፣ ካብ ጉምርክ፣ ሎጂስቲክ ግልጋሎታት ተተሓሒዙ 2ሺሕን 573 ፀገማት ተፈልዮም፤ ሓደ ሽሕን 890 መፍትሒታት ክረኽቡ ምግባርን ኣፍቶም ዝቀረዩ 683 ድጋፍን ክትትልን እናተገብረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ስራሕ ጠጠው ዘበሉ ኢንዱስትሪታት ብመንፅር ናብ ስራሕ ምምላስ ‹‹ኢትዮጵያ ታምርት ንቕናቔ›› ምስተጀመረ ኣትሒዙ ብዝተገብረ ድጋፍን ክትትልን 771 ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ከምተመልሱ ኣረዲኦም፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ብዝተገብረ ድጋፍን ክትትልን ምምራት ጠጠው ኣቢሎም ካብ ዝነበሩ መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝነኣሰ 248፣ ማእኸላይ 30 ከምኡ ‘ውን እቲ ዝለዓለ 12 ብድምሩ 290 ኢንዱስትሪታት ናብ መፍረያይነት ከምዝኣተዋ ገሊፆም፡፡

ብኻሊእ ገፅ 60ሽሕን 729ን ነጥቢ 19 ሄክታር ፕላን ዝተዳለወሉ መሬት ንኢንዱስሪታት ከምተዳለወ ብምግላፅ፣ ካብዚ 24 ሽሕን 833 ነጥቢ 53 ሄክታር መሬት ካብ ሳልሳይ ወገን ናፃ ኮይኑ ንኢንዱስትሪታት ኣብ ምትሕልላፍ ከምዝርከብ ጠቚሞም፡፡ ከም ገለፃ እቶም ሓላፊ፣ ብመንፅር ምስሓብ ኢንቨስትመንት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 179 ቢልዮን ብር ካፒታል ዘመዝገቡ ሓደ ሽሕን 119 ሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ምስሓብ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡ ካብዚ 220 ናይ ደገ ቐጥተኛ ኢንቨስትመንት ‘ዮም፡፡

ሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ብምስሓብን ኢንዱስትሪታት ልዕል ናብ ዝበለ ደረጃ ብምስጋር ን272ሽሕን 34 ዜጋታት ቐዋሚ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም፡፡ ነቲ ዘፈር ብዝተዋሃበ ቆላሕታ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ጥራሕ 13 ነጥቢ 92 ሚልዮን ቶን እታዎት ቀሪቡ ‘ዩ ክብሊ ገሊፆም፡፡

ብመንፅር ምምሕያሽ ኣቅርቦት ፋይናንስ ንላዕለዋት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት 54 ነጥቢ 8 ቢልዮን ብር ንታሕተዎትን ማእኸለዎትን ድማ 6 ነጥቢ 3 ቢልዮን ብር ልቓሕ ክቐርብ ክኢሉ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ኣቕርቦት ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት ኣብዚ ሓለፈ በጀት ዓመት ጥራሕ 503 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዶላር ከቕርብ ከምዝኸኣለ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

እቲ ምልዕዓል ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ምምሕያሽ ስርዓት ሕግን ኣሳራርሓን ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምህናፅ፣ ኢንቨስትመንት ምስሓብ፣ ናይ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዓቕሚ ምጉልባት፣ ዓቕሚ ምፍራይን ኣጣቓቕማን ምዕባይ፣ ናይ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ናይ ወፃኢን ኣታዊን ፍርያታት ከዐቢ ምኽኣሉ ኣብሪሆም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You