ባህሊ ሓድነትን ምትእኽኻብን ህዝቢ ጉራጌ መቐረት ኢትዮጵያ ኾይኑ ንኽቕፅል ፃውዒት ቐሪቡ

  • ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንህንፀት ማእኸል ባህሊ ጉራጌን ሶማልን ዝውዕል ቦታ ኣረኪቡ

 ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ባህሊ ሓድነትን ምትእኽኻብን ህዝቢ ጉራጌ መቐረት ኢትዮጵያ ኾይኑ ንኽቕፅል ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፃውዒት ኣቕሪቦም:: ምምሕዳር እቲ ከተማ ንህንፀት ማእኸል ባህሊ ጉራጌን ሶማልን ዝውዕል ቦታ ኣረኪቡ::

ኣብ ፓርክ ወዳጅነት ዓመታዊ መጠቓለሊ ኮንፍረንስ ዝተኻየደ እንትኸውን፤ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ባህሊ ሓድነትን ምትእኽኻብን ህዝቢ ጉራጌ መዓዛ ኢትዮጵያ ኾይኑ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም::

ዓበይቲ ኣቦታት ጉራጌ ጥቕሚ ሓድነት ኣዝዮም ዝፈልጡ እዮም ነይሮም ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ ብዙሓት ኣዴታትን ኣቦታትን ማሕበረሰብ ጉራጌ፤ንማዕርነት ብፍላይ ድማ ንፆታዊ ማዕርነት ከምዝተቓለሱ ጠቍሞም::

ኢትዮጵያውያን ንኹለመዳያዊ ዕብየት ሃገርና ብሓድነት ክንልዓል ኣለና:: ኣፈላላይና ከምዘሎ ኾይኑ ሓድነትና ክነጎልብት ይግበአና:: ጉራጌታት ሓድነት ብተግባር ከምዘርአዩና ጠቍሞም::

መብዛሕትኦም ሰባት ቤት ጉራጌ እንትዝክሩ ክትፎ ይዝከሮም ይኹን ‘ምበር፤ጉራጌታት ንኢትዮጵያ ብዙሕ ምግቢ ዘፋለጡ እዮም::‹‹ጉራጌታት ንኣዲስ ኣበባ፣ንኢትዮጵያ መቐረት እዮም፤ዋልታ ሓድነት እዮም››ኢሎም::

ኢትዮጵያ ብሓድነትን ብፍቕርን ንኽትቕፅል መቐረት ክንኸውንን፤ንኣፍሪካ ድማ ጨው ክንኸውን ኣለና ዝበሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ፣ ሎሚ ምድላው ዓመታዊ መጠቓለሊ ኣከባብራ ማሕበር ልምዓት ሱማሌ ኣብ ፓርክ ወዳጅነት ዝተኻየደ’ውን ከም ትማሊ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ‹‹ፈርጥ›› ኾይና ክትቕፅል ክንገብራ ኢና ኢሎም::

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፤ኣፍቲ  ኮንፍረንስ ተረኺበን ንህንፀት ማእኸል ባህሊ ጉራጌ ዝውዕል ቦታ ኣረኪበን:: ድሕሪ እቲ ርኽክብ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፤ኣብ ኢትዮጵያ ምህላው ባህሊ ማእኸል ፍሰትን ዕብየትን ቱሪዝም ንኽውስኽ ኣብ ምግባር ግደ ከምዘለዎ ምምሕዳር እቲ ከተማ ይኣምን ኢለን:: በዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ጉራጌ ኣብ ከተማና ማእኸል ባህሊ ንምህናፅ ዘቕረቦ ሕቶ እቲ ምምሕዳር ብፅቡቕ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጠን::

እቲ ማእኸል ጎብነይቲ ተወሳኺ መማረፂ ንኽህልዎም ዝሕግዝ እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ህዝቢ ጉራጌ ኣብ ዝኸዶ ብስራሕን ልምዓትን ዝፍለጥ እዩ፡ ፤ነዚ ባህሊ ክነምህረሉን ክንዝክሮን ይግባእ ኢለን::

ምክትል ፕሬዚዳንት ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ብወገኖም፤ምስ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ሓቢሩ ብምስርሑ ዝተመስከረሉ ህዝቢ እዩ፤ሎም ‘ውን ንእሴት ሃገርና ህዝቢ ጉራጌ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም::

ህዝቢ ጉራጌ እድርን ዕቁብን ንኢትዮጵያ ዘበርከተ እዩ ኢሎም:: ብማሕበር ተወዲቡ ከባቢኡ ናይ ምልማዕ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ እዩ:: ማሕበር ባህልን ልምዓትን ጉራጌ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ዝከኣሎ ኹሉ ከም ዝገብር ቃል ኣትዮም::

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጉራጌ ኣይተ መሓመድ ጀማል ብወገኖም፤ማሕበር ልምዓትን ባህሊ ጉራጌ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ከምዝሰርሑ ብምዝካር፤ተወለድትን ኣባላትን እቲ ማሕበር ናይቲ ዞባ ይኹን ናይዛ ሃገር ልምዓት ብዝተጠናኸረ መገዲ ንኽድግፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም::

ብተመሳሳሊ ምድላው ዓመታዊ መጠቓለሊ ኣከባብራ ማሕበር ልምዓት ሶማሌ ኣብ ፓርክ ወዳጅነት ዝተኻየደ እንትኸውን፤ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣዲስ ኣበባ ናይ ኹላትና ከተማ እያ፤ኹሉ ብስሚዒት ወናንነት ከልምዓ ይግባእ ኢለን:: ኣፈላላይ ባህልታትና ሓሊና ኢትዮጵያውነትና ክንሃንፅ ኣለና ኢለን::

ፕሬዚዳንት ክልል ሱማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ብወገኖም፤እቲ ማእኸል ባህሊ ንክልል ሶማሌ ባህሉ ንኸፋልጥን ብዓል ቤት ሃገር ከምዝኾነ ንኸረጋግፅ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም:: ክልል ሶማሌ ኣብዛ ከተማ ባህሉ ካብ ምፍላጥ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ከምዝሳተፍ ገሊፆም::

ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ብወገነን፤ኹላትና ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽንርከብ ምምሕዳር እቲ ከተማ እናገበሮ ንዘሎ ተግባር ኣመስጊነን:: ማእኸል ባህሊ ሶማሌ ኣብዛ ከተማ ምህናፁ ባህሊ ሃገር ንምፍላጥ ግደ ኣለዎ ኢለን:: ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ድጋፍ ከም ዝገብር ‘ውን ኣፍሊጠን::

 ብወገኖም፤ምስ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ሓቢሩ ብምስርሑ ዝተመስከረሉ ህዝቢ እዩ፤ሎም ‘ውን ንእሴት ሃገርና ህዝቢ ጉራጌ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም::

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You