ኣብ ትግራይ ስራሕቲ ሕርሻ ቀውዒ ይሳለጥ ምህላዉ ተገሊፁ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ስራሕቲ ሕርሻ ቀውዒ ብፅቡቕ ኩነታት ይሳለጥ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ገሊፁ፡፡

ፕሬስ ሴክሬተርያት ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ምስ ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ሳኒ ረዲ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፣ኣብ ትግራይ ሕርሻ ቀውዕን ሰብኣዊ ሓገዝን በፅቡቕ ኩነታት ይሳለጥ ከምዘሎ ገሊፀን፡፡ መንግስቲ ንህዝቢ ንምሕጋዝ እናሰርሐ እዩ ዝበላ ብልለኔ፣ኮይኑ ግና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዝርግሑ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ንቲ ስራሕ ፀለሎ ንምልካይ እናተሰርሐ እዩ ኢለን፡፡

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ(ማረት)ሓዊሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት እናነጠፉ ምዃኖም ኣመልኪተን፡፡ ሚኒስትር ሕርሻ ፌዴሪኢ ኣይተ ሳኒ ረዲ ብወገኖም፣ ኣብ ትግራይ ሕርሻ ቀውዒ ሎሚ ዘበን ውፂኢታዊ ንምግባር ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር ትግራይን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር እናሰርሑ ምዃኖም ኣረዲኦም፡፡

ንቀውዒ ስራሕቲ ሕርሻ መሳለጢ ልዕሊ ብር 10 ሚሊዮን ናይ ቢሮ ኣቑሑትን ሰለስተ ተሽከርከርትን ነቲ ቢሮ ሓገዝ ከምተገበረ ገሊፆም፣መሓውር ሕርሻ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብተሰርሐ ስራሕ ካብ 61 ወረዳታት እተን 43 ዕለታዊ ስራሕቲ ሕርሻ ከምዝጀመራ ኣረዲኦም፡፡ ኣብ ትግራይ ዝናብ ሎሚ ዘበን ዝሓሸን ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን ስለዝኾነ 950 ሽሕ ሄክታር ብዘርኢ ንምሽፋን እናተርሐ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ኣብ 46 ወረዳታት ዝርከቡ ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ሓረስቶት ግራቶም ናይ ምዝራእ ስራሕቲ ምጅማሮም ዝገለፁ ኣይተ ሳኒ፣ብብር 1.8 ቢሊዮን 800 ሽሕ ኩንታል መዳበሪያ ንምግዛእ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 322ሽሕ 864 ኩንታል ካብ ጁቡቲ ናብ መኸዝን መቐለ ከምዝበፅሐን ምስ ኣብ መኽዘን ዝፀንሐ 214ሽሕ364 ኩንታል ብድምር 537ሽሕ228 ኩንታል (67 ሚኢታዊ) ኣብ መኽዘን መቐለ ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡

ካብ መኽዘን መቐለ 210ሽሕ 795 ኩንታል መዳበርያ ናብ 27 ወረዳታት ዝበፅሐ እንትኾን ካብዚ ውሽጢ 91 ሽሕ ናብ ሓረስቶት ምብፅሑ ገሊፆም፡፡ ምሩፅ ዘርኢ’ውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ብብር 334 ሚሊዮን 982 ብምግዛእ ናብ ሓረስታይ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ ከምተሰርሐ ኣረዲኦም፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You