ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ንፓርቲ ብልፅግና ድጋፎም ገሊፆም

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣብ ወዳጅነት ኣደባባይ ተረኺቦም ፓርቲ ብልፅግና ወኪሎም ንተወከልቲ ህዝብን ንቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝወዳደሩ ሕፁያት ተወዳደርቲ ተፋሊጦም እዮም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣባል ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግናን ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ሃፍታይ ገብረእግዚኣብሄርን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣባላትን ደገፍቲ ፓርቲ ብልፅግና ተረኺቦም እዮም፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ብልፅግና ኹሎም ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብምሕቋፍ ብሓባር ሃገር ዘቐፅል ፓርቲ እዩ ኢለ ን እየን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብምዃን ኢትዮጵያ ብምህናፅን ኣብ ዘለናዮ እዋን ንክንበፅሕ ዓብይ ግደ ከምዝነበሮ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን እየን፡፡

ቅድሚ ለውጢ ብዝተፈላለዩ መገዲ ብዝተፈጠሩ ክፍተት ህዝቢ ትግራይ ብብዙሕ መልክዑ ተጎዳኢ ነይሩ ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሐዚ’ውን ህዝቢ ትግራይ ፀግዒ ተቐሚጡ ተመልካቲ ንክኾን ዝደልዩ ሓይልታት ኣለዉ፤ዘለናዮ ምዕራፍ ግና ሓቂ ካብ ሓሶት እናተፈለየ ዝወፀሉ እዋን እዩ ኢለን፡፡

ንኹሉ ነገር ሰላም ወሳኒ ብምዃኑ ሰላም ዘፍርስ ዝኾነ ምንቅስቓስ ብሓባር ምምካት ከምዝግባእ ኣመልኪተን፣እቲ ፓርቲ ዝኣተዎ ቃል ዝትግብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ንመፃኢ ወለዶ ልምዓትን ምዕባለን እንበር ፅልእን ምክፍፋልን ኣይነውርስን ኢለን ክብል ፕሬስ ሴክሬታርያት ኣዲስ ኣበባ ፀብፂቡ እዩ፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You