ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትግራይ ሓገዝን ትኹረትን ይደሊ

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቁፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም ፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ክሳብ ኸዚ እናተሰርሑ ዝመፁ ስራሕቲ ‘ዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ምዕራፍን ተስፋን ሒዙ መፂኡ ‘ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ፖለቲካዊን፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኩነታት ፖለቲካ ንግዙኡ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ክሰርሕ ይግባእ።

ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ማሕረሶም፣ ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ፀጥታዊ ምቹው ባይታ ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዎ ኩሎም ዓቅምታት ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ኩነታት ትምህርቲ ድማ ኣብቲ ክልል ምንቅቃሕ ዝፈጠረ ‘ዩ። ብምኽንያት እቲ ኲናት ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ከቢድ ብምዃኑ ብፍላይ ድማ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይነን ፀኒሐን ‘የን።

ኸዚ ድማ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ከም እንደገና ዘትዩ ምድላው ጀሚሩ ብፍላይ ተቋሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ክንቅፅል ዘተ እናተኻየደን ተግባራዊ እናኾነ እናመፀ ‘ዩ። እቲ ዝመፅእ ተምሃራይ ከመይ ገይርና ንቅበሎ ዝብል፣ ስርዓተ ትምህርትና ብናይ ምክሕሓስ ፕሮግራም ከመይ ክቅፅል ከምዘለዎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓሳቦም እናሃቡ ይርከቡ።

በዚ መሰረት ድማ ምዝገባ ተኻይዱ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ እንትመፅኡ ዝነብሮም ሃንቀውታን ድልየትን ኣዝዩ ዝለዓለ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ፃምእ ትምህርቲ ንምርዋይ እቲ ሕብረተሰብ ‘ውን ብተመሳስሊ ኣንሕና ዘሎ ፀገማት ተፃዊርና ደቅና ከነምህር ኢና ዝብል ፅቡቅ ባህግን ተስፋን ሰኒቁ ‘ዩ ደቁ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝሰድድ ዘሎ። ነዚ ስዒቡ ድማ 23 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ስሩዕ ኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ተጀሚሩ ‘ዩ።

እዚ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንከይሳለጥ ዓብይ ዕንቅፋት ዝኾነ ድማ ኩነታት ተመዛበልቲ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎዉ ቤት ትምህርት መዕቖቡ ተመዛበልቲ ብምዃኖም ምኽንያት ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ንከይምለሱ ዕንቅፋት ኾይኖም ‘ዮም።

እዚ ድማ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እዞም ተመዛበልቲ እዚኦም ብፍላይ እቶም ኣብያተ ትምህርትታት ዘለለው እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ምእንተ ስረሐን ክጅምራ ንቶም ተመዛበልቲ ናብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ኽወስድዎም ኣለዎም ።

ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ኹናት ዝበፅሐ ከቢድ ጉድኣት ንምድሓን ፈለማ ዘፈር ትምህርቲ ክድሕን ግድን ‘ዩ። እቲ ካሊእ ዝዓነው ንምህናፅን ንምሕዋይን ዝከኣል እቲ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ስለዝኾነ ንዘፈር ትምህርቲ ምሕጋዝ ማለት ሓፈሻዊ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ምሕጋዝ ማለት’ዩ። ስለዝኾነ ንዘፈር ትምህርቲ ምሕጋዝን የድሊ።

ሐዚ ጀሚረን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ኩለን ኣይኾናን፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ ንኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝሕግዝ ናውቲ ትምህርቲ ብዘይምምሉኡን ብተወሳኺ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተበታተኑ መማህራን ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ‘ዩ። ስለዚ ናውቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምምላእን ብሙያን ፍልጠን ኣብ ምሕጋዝን ምንጣፍ ግድን ይኸውን።

ሰብ ሃፍቲን ዳያስፖራ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ልዑል ርብርብ ክገብሩ ትፅቢት ይግበረሎም። ምኽንያቱ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ እቲ ጉድኣትን ብቀሊሉ ክትካእ ብመንግስቲ ዓቕሚ ጥራሕ ዝስራሕ ኣይኮነን ። ብሓፈሻ ሓገዝ ኩሉም ህዝብታት ኢትዮጵያን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብፍላይ ድማ ሰብ ሃፍቲን ዳያስፖራን ትግራይ ዓብይ ተሳትፎ የድሊ ‘ዩ።

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ትግራይ ዘለው ሰብሃፍቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋናዊ ብህፁፅ ዘድልዩ ሓገዛት ማለትው ደብተርን እስክቢሪቶን ተምሃሮ፣ ናውቲ ትምህርቲ፣ ፀሊም ሰሌዳ፣ ዴስክ፣ መምሀሪ መፅሓፍ ፣ ቾክ/መፅሐፊ ማርከር ፣ ናውቲ ላብራቶሪን ኣይሲቲን… ብዓቕሚ ባዓል ሃፍትን ዲያስፖራን ክሽፈን ዝኽእል ‘ዩ።

ቅድሚ ኸዚ ኣብ እዋን ረብሓ ዘይብሉ ኹናት ዝተርኣየ ሓድነትን ምትሕብባን ኣብ ወገን ምሕጋዝ ‘ውን ክድገም ኣለዎ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ዘሎ ትግራዋይ ኮነ ፈታዊ ትግራይ ዘለቶ ውስን ሃፍቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሕውየት ትምህርቲ ትግራይ እጃሙ ተዘየበርኪቱ ትርጉም የብሉን።

ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ምልዕዓል ክዝሕል የብሉን። ስለዚ ሰብ ሃፍቲን ዳያስፖራ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ብጉልበቶም፣ ብገንዘቦም፣ ብግዜኦምን ብፍልጠቶምን ኩሉ ሓገዝን ድጋፍን ክገብሩ ኣለዎም እቲ ህዝቢ ‘ውን እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ።

ኩነታት ትምህርቲ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ብዝበለፀ ዘበናዊነት ተላቢሱ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ሓደ ሃገር ኣብ ትምህርቲ ክፍተት እንተተፈጢሩ ዓብይ ፅዕንቶ ‘ዩ ዘሕድር። ኣብ ወለዲ ኾነ ኣብ ኣብ ተምሃሮ ዘሕድሮ ስነልቦናዊ ፅልዋ ብቀሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ከም ወለዶን ከም ሃገርን ገዲፍዎ ዝኸይድ ታሪኽ ዘበላሹ ‘ዩ።

ናይ ኹሉ መሰረት ትምህርቲ ‘ዩ። ፅባሕ ሃገር ተረከብቲ ተምሃሮ እንብሎም ሎሚ ብዝግባእ ትምህርቲ ክቀስሙ ይግባእ። ኣብዚ ዕንቅፍቕፍ ዝበለ ነገር ክበፅሖም የብሉን። እዚ ፀገም እንትበፅሕ ድማ ብቕልጡፍ ፍታሕ ብምቕማጥ ናብ ሰላማዊ ከይዲ ትምህርቲ ምምላስ ኣድላይ ‘ዩ።

መንግስት ኣብ ዝገብሮ ሓገዝ ጎኒ ንጎኒ ቀፃሊ ህይወት ተምሃሮ ግደ ወለዲ ፣ ግዱሳት ተጋሩን ዓብይ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ፀገም ምክሓስን ናብ ንቡር ህይወቱ ንምምላስ ኣብዚ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ይግባእ።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ግንቦት 2015 ዓ.ም

Recommended For You