‹‹ኮምሽና ምስ መሓወር መንግስቲን ክልላትን ብምዃን ሓገዝ ዝዋሃበሉ ኩነታት ክህሉ ‘ዩ››ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም

መሰረት ገብረዮሃንስ

 ረድኤት ተፀባይ ምዃን ንምትራፍ ብዋናነት ቁርፀኝነት መንግስትን ህዝብን ይሓትት ‘ዩ። ብፍላይ ከም ኢትዮጵያ ዓይነት ብሃፍተገነት ተፈጥሮ ዝተዓደለት ሃገር እንትህሉ ሃፍታ ብኣግባቡ ንምጥቃም መንግስቲ ኾነ ህዝቢ ተዓጢቆም ንምስራሕ ክተሓባበሩ ይግባእ። ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ እዋኑ ሓልዩ ዝዘንብ ማይ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ንክውዕል ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐሉ ይርከብ። እዚ ፅቡቕ ስራሕ እንትኾን ተሳትፎ ህዝቢ ግና ዝደሊ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ሰሜን ኾነ ብዝተፈላለየ ተፈጥራዊ ኩነታት ምኽንያት ብዙሓት ሓገዝ ዝደልዩ ኣካላት ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሱዳን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ምኽንያት ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ኢትዮጵያውያን ኾነ ካልኦት ዜጋታት እናኣተዉ ይርከቡ። ኣብ ክልል ትግራይ ድማ እናተውሃበ ዝነበረ ሓገዝ ንዝተወሰነ እዋን ከምዝተቋረፀ ተገሊፁ ‘ዩ። እዚኦምን ካልኦት ጉዳያትን መሰረት ብምግባር ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ኮምሽነር ኮምሽን ስራሕ ኣመራርሓ ሓደጋን ስግኣትን ኢትዮጵያ ኣምባሳር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር) ዝተገበሮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

ሕቶ ፡- ናብ ክልል ትግራይ ዝኸይድ ሓገዝ ንእዋኑ ጠጠው ከምዝበለ እናተዘረበ ይርከብ እዚ መልዓሊኡ እንታይ እዩ?

ዶክተር ሽፈራው፡– ኣብ ዝሓለፉ ዉሑዳት ሰሙናት ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝተተለመሉ ዕለማ ብዝወፀ መገዲ ኸይዱ ‘ዩ ብዝብል እቲ ሓገዝ ብዝህቡ ወይም ብዝሕግዙ ኣካላት ብግዝያዊነት እቲ ስርጭት ጠጠው ንክብል ካብቲ ሓገዝ ዝህብ ዋና ትካል ናይ ደብዳቤ ልውውጥ ተገይሩ ‘ዩ። እቲ ልውውጥ ደብዳቤ ብፍላይ ድማ ናይ ኣሜሪካ ተረድኦ እቲ ስራሕ ካብ ዝሰርሕዎ ካብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ጆይንት ኢመርጀንሲ ኦፕሬሽን ምስ ዝባሃል ካቶሊክ ሰርቪስ ዝተድሓሓዘ ‘ዩ። ዋና መልእኽቲ ቅድሚ ኸዚ ካብ ዝተለመደ ውፅእ ብዝብል መገዲ ንሕብረተሰብ ዝበፅሕ ሓገዝ ንዘይግበኦ ኣካል እናበፅሐ ስለዝኾነ ሓደ ኣካል ኣጣይሽና ኣፂሪና መርሚርና ባዓል ዋና ክሳብ ዝርከብ ፤ ካልኣይ ድማ እቲ ስርጭት እንትጅመር ነዚ ተቓላዓይ ዘይረኽበሉ መገዲ ኣሎ ብዝብል እዚ ክሳብ ዝዛዛም ግዝያዊ ዝኾነ ሓገዝ ኣቕርቦት ጠጠው ከምዘበሉ ተዛሪቦም ‘ዮም። እዚ መልዓሊ ብምግባር ኣብ ናትና መሓወር ዘተ ኣካይድና ኢና። ምስ ክልላት ‘ውን ኣብ ዝገበርናዮ ዘተ ኹላትና ሓገዛት እንትዋሃብ ንዝተዓለማሉ ዕላማ ክውዕል ‘ዩ ዝድለ። ኣንፈት ዝስሕት ነገራት እንተሃልዩ ግና ምምርማርን ምፍታሽን ከምዘለዎም ዝኾነ ኣካል ዝቃዎሞ ነገር ኣይኾነን። በዚ ስራሕ ዝተሳተፉ ሰባት ‘ውን እንሃልዮም ተሓተቲ ‘ዮም ።

ምናልባት ኣብዚ ከይዲ ግቡእ ከምዝኾነ ተገይሩ ክውሰድ ዘይኽእል እቲ ሓገዝ ካብ መጀመሪኡ የድልዮም ‘ዩ ተባሂሉ እናተሓገዙ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ኣብ ዘይምልከቶምን ጉዳይ ተሓቲቱ ክሳብ ዝቐርብ ንካሊእ ጉድኣት ምግላፅ ንከይኾን በዚ ምኽንያት ካልኦት ተጎዳእቲ ክኾኑ ስለዘይግባእ በቢግዙኡ ዝላዕልን መልሲ ዘድልዮ ነገር ‘ዩ ። ስለዚ ንቶም ትካላት ኽልተ ጉዳያት ኣልዒልና ኢና።

እቲ ሓደ ብዝተኽኣለ መጠን ስራሕ ምርመራን ምፅራይ ምስ መንግስቲ ኣካላት ብምዃን ዝካየድሉ ኩነታት ምቕልጣፍ ‘ዩ። ካልኣይ ድማ ካልኦት ናይ ምስራጫው መንገዲ ‘ውን እንተሃልዮም እዞም መገዲ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ስራሕ ክእቶን ዜጋታትና ከይጉድኡ ክፈጥን ኣለዎ ኣብ ዝብል ተመኻኺርና ኢና። ነገራት በዚ መልክዑ ክኸዱ ‘ዮም ኢልና ንሓስብ።

ሓደ ሓደ ግዜ ከምዚ ተጋላፅቲ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ብጣዕሚ ሰፊሕ ኣብ ዝኾነ ሓገዛት ኣብ ዝከፋፈልሉ እዋን ትኽክለኛ ትኽክለኛ ካብ ዘይኾነ ንምፍላይ ብትኽክል ሓገዝ ዘድልዮ ማሕበረሰብ ዘሎ ብምዃኑ ብፍላይ ድማ ብዘላቕነት ልምዓት ንምምፃእ ናይ ተረዳኢን ሓገዝ ደላይን ቑፅሪ ንምቕናስ ዘኽእሉ ናይ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ስራሕ ተጠናኺሩ ምስራሕ ይድሊ ‘ዩ። ካልኣይ ተረዳኣይ ጥራሕ ዝፍለይሉ መገዲ ምስትኽኻልን ተግባራዊ ምግባርን መሓውርና ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተዓርዩ ዝስረሐሉ መገዲ ንምድላው በዚ መንገድ ‘ዩ እናኸደ ዘሎ።

ሕቶ፡- ዝተፀገሙ ወገናት ሓደ መዓልቲ ሓገዝ እንትቋረፅ ይኸብዶም ‘ዩ፣ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከመይ ይሪኦ? እቲ ምርመራ ክሳብ ዝፍለጥ ብመንፅር ኣተሓሳሳብነት እቲ ፀገም ሓገዝ ንግዝያዊ ‘ውን እንተኾነ ምቑራፅ ኣለዎ ይብሉ ? ካብዚ መንፃር ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ እዩ?

ዶክተር ሽፈራው፡- እቲ ዋና መሰረታዊ ሕቶ እዚ ‘ዩ። ብወገና ‘ውን እዚ ናይ ፅንዓት ኾነ ናይ ምምሕያሽ ስርዓት ስራሕ ኣብ ሓፂር እዋን ክውዳእ ከምዘለዎ ኢና ዘልዓልና። ካብዚ ዝሓለፈ ማሕበረሰብና ቅድሚ ሐዚ’ውን ዝተሓጋዘሉ ስርዓት ኣለዎ፤ ኹሎም ተሓገዝቲ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ሓገዝ ‘ዮም ዝወሃቡ ዝበል መደምደምታ የብልናን። ስለዚ በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ናይ ምድግጋፍ ባህል ክቕፅሉ ‘ዮም። ካብዚ ብዝሓለፈ በቢ ከባቢኡ ዘለዉ መሓወር ጣብያ ፣ ወረዳ ፣ ዞባን ክልልን ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ዝባሃሉ ቦታታት ናይ ባዕሎም ሓገዝ ይገብሩ ‘ዮም። እቲ ህዝቢ ድማ ሓገዝ ምፅባይ ጥራሕ እንተይኾነስ ፀገማት ብናይ ባዕሉ መገዲ ከመይ ኢሉ ከምዝጋፈጥ ሜላ ዘድልየሉ ኣጋጣሚ ‘ውን ኢዩ ኢልና ንሓሳብ። ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾኑ ኩነታት እንድሕር ሃልዮም ኮምሽና ምስ መሓወር መንግስቲን ክልላትን ብምዃን ሓገዝ ዝዋሃበሉ ኩነታት ክህሉ ‘ዩ። ብሓደ ዙር ዝዋሃብ ሓገዝ ንሓደ ወርሒ ወይም ኽልተ ወርሒ ‘ዩ ዝሕግዝ። ካልኦት ብዝተፈላለየ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ‘ውን ስለዘለዉ ዝተፈጠረ ቐዳዳ ብምድፋን ናይ ባዕሎም ብፂሒት ኣለዎም ኢልና ንሓስብ።

ሕቶ ፡- ኣብዚ ኸዚ እዋን ካብ ሱዳን ኾነ ካብ ካልኦት ሃገራት እናተመዛበሉ ዘለዉ ኣካላት ኣለዎ። ናይዚኦም ተመዛበልቲ ኩነታት እንታይ ይመስል ? ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘለዉ ተመዛበልቲ ቑፅሪ ብዙሕ ስለዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምቕራብ መንፃር ዘሕድሮ ፅዕንቶ ከመይ ይግለፅ ?

ዶክተር ሽፈራው፡-ኣብዚ ስራሕ ብዙሕ ልምዲ ኣለና፣ ዜጋ ተኮር ስራሕ ዲፕሎማሲ ስራሕና መሰረት ብምግባር ኣብ ቀረባ እዋን ክሳብ ሚኢትን ሰላሳን ሽሕ ካብ ስዑዲ ተመለስቲ ነተኣናግድ ነይርና ኢና። እዚ ብዝተወደበ ስራሕ ክስራሕ’ዩ፤ክልላት ናይ ባዕሎም ኣሰራርሓ ኣለዎም ። ዝተፈላለየ ሴክተር ቤት ዕዮታት’ውን ግደ ኣለዎም። ካብ ምቕባል ክሳብ ከባቢኦም ዝበፅሑ ዘኽእል ስራሕ ኢና እናሰራሕና መፂና።

ኣብ ሱዳን ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ብናይ ባዕሎም ድልየት ዝመፁ ኢትጵያውያን ኣለዉ። እዚኦም ባዕሎም ንምጥያሽ ዓቕሚ ኣለዎም ተባሂሎም ዝውሰዱ ‘ዮም። ብወገን ፌደራል መንግስቲ ድማ እዚ ጉዳይ ዝከታታል ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ብሓባር እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብቲ ሓይሊ ዕማም ኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተራኺቦም ‘ዮም። እዚ ዘተሓባባር ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ‘ዩ። ኣብዚ ውሽጢ ትካላት ኢሚግሬሽን ፣ ሚኒስትር ጥዕና ኮምሽን ስራሕ ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ክርኽቡ ዝግበኦም ግልጋሎት እናሃቡ ‘ዮም ።

ብኻሊእ መገዲ ‘ውን ካልእ ስራሕ እናሰራሕና ኢና። ብዝተወደበ መገዲ ናብ ሃገሮም ንምምፃእ ፈቃደኛ ዝኾኑ ብምፍላይ ኣብ ካርቱም ብዘሎ ኤምባሲ ሰባት ናይ ምፍላይን ምምዝጋብን ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ። እዚ ነገር እንትዛዘም ናብ ከባቢኦም ናይ ምምላስ ስራሕ ‘ውን ክንሰርሕ ኢና።

ናብ ክልሎም ምስ ከዱ ኣብቲ ክልል ዝተፈላለየ መገዲ ብምጥቃም ዕድል ስራሕ ዝረኽብሉ ዕድል ናይ ምምችቻው ኩነታት ኣሎ ‘ዩ። እዚ ካብ ስዑዲ ካብ ዝረኸብናዮ ልምዲ ኣብ ሱዳን ‘ውን ከምዚ ‘ዩ ዝስራሕ ማለት ‘ዩ። ዝመፁ ተመዛበልቲ ተወዲቦም ስለዝመፁ ንሕና ‘ውን ኣብ ካምፕ ስለዘይነፅንሖም ዝተፈለየ ፅዕንቶ ይፈጥር ‘ዩ ዝብል ሓሳብ የብልናን። በዚ ኣካይዳ ኢና ስራሕና እናሰራሕና ዘለና ፣ ኣብ ካምፕ ካብ ምቕማጥ ካብ ዝመፅሉ ክሳብ ዝኸድሉ ከባቢ ኢና እናተቐበልና እናሰራሕና ዘለና፣ ስለዚ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ የለን።

ሕቶ፡- ስራሕ ምጉዕዓዝ ወፃኢ ዝሓትት ‘ዩ፣ ኣብዚ ዓለምለኸ ትካላት ተሳትፎኦም ክንደይ ዝኣክል ‘ዩ ክባሃል ይካኣል? ናብ ኢትዮጵያ እናመፁ ዘለዉ ኢትጵያውያን ጥራሕ ድዮም ?

ዶክተር ሽፈራው፡- ዘይምርግጋዕ ምስተፈጠረ ብመተማ ገይሮም ብዙሕ ሰባት ኣትዮም’ዮም ፣ ሓበሬታታት በቢ መዓልቲ ይቀየሩ ‘ዮም። ሎሚ ዝሓዝናዮ ቁፅሪ ፅባሕ ክቕየር ይኽእል ‘ዮ ። ካብ ኻልኦት ሃገራት በዚ ንምሕላፍ ዝኣትዉሉ ግዘ ኣሎ ‘ዩ፣ ናይ ብዙሕ ሃገራት ዜጋታት ዘለዎም ኣካላት ‘ዮም በዚ ቦታ እናሓላፉ ዝነበሩ። ኣሜሪካውያን ፣ ኣውሮፓውያን ኤሽያውያን ኣለዉ፤ ናይ ባዕሉ ናይ ሱዳን ‘ውን ዘካተተ’ውን ‘ዩ። ክሳብ ኸዚ ዝተመዝገበ ቑፅሪ ኣብ በቢ መዓልቲ እናወሰኸ ዝኸይድ’ዩ ዘሎ።

ናይ ተመዛበልቲ ኣቀባብል ከም ኩነታትን ከም ሰነዳቶምን መልዓሊ ተገይሩ ዝስራሕ ‘ዩ። ነዚ ዝኾን ዝተማለአ ምድላው ተገይሩ ‘ዩ። ዝምልከቶም ኹሉ በቢ መዓልቲ እቲ ጉዳይ እናመርመሩ ዝጎደለ እናመልኡ ‘ዮም ዝርከቡ። ፀጥታን ድሕንትን ፣ካልኦት ዝምልከቶም ሴክተር ቤት ዕዮታት ኣለዉ። ናይ ዓለም ለኸ ትካላት ‘ውን ብቕርበት እናሓገዙ ‘ዮም። በዚ ‘ውን ሃገርና ንኣፍሪካ ምሳሌ ብምዃና ንዓለም ዲፕሎማሲያዊ ፅሬት ባዕላ ኽኢላ እትሰርሐሉ ኩነታት ኣሎ። ክሳብ ኸዚ ዘሎ ሓበሬታ ኹሎም ሃገራት ብፅቡቕ መልክዑ ተጋይሾም’ዮም። እቲ ዘይምርግጋዕ ዝቕፅል እንድሕር ኾይኑ ሰፍሕ ዝበለ ናይ ምውዳብ ስራሕ ከምዘስራሕ ንግምት።

ሕቶ፡- ቑፅሩ ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕሰብ ‘ዩ፣ ሓደጋ ብዘላቕነት ንምክልኻል ዘሎ ድልውነት እንታይ ይመስል?

ዶክተር ሽፈራው፡- ኣብ ሃገርና ኩነታት እንትንርኢ ናይ ቕድመ መጠንቀቕታን ህፁፅ ምላሽን ኣብ ኣፍሪካ ኾነ ኣብ ዓለም ዝፀንሐ ስርዓት ዘለዎም ካብ ዝባሃሉ ሃገራት ሓደ ኢና። ንኣብነት ኣብ ሓደጋ ስግኣት ብዝምልከት መበል ሓምሳ ዓመት ክነኽብር ኢና ዝብል ምድላው ‘ዩ ዘለና። ካብዚ ሓሊፍና ናይ ቅድመ ሓደጋ መጠንቐቕታ ብኹሉ ዘፈር ዘማእኸለ ስራሕ ንክኾን እናሰራሕና ንርከብ። እዚ ስራሕ ውፅኢታዊ ንምግባር ትካላዊ ኣሰራርሓ ክንቕይር ኣለና ብዝብል ናይ ፖሊሲ ክለሳ ብምግባር ኣብ መወዳእታ ብርኪ’ዩ ዝርከብ። እዚ ምስ ተዛዘመ ንመንግስቲ ቐሪቡ መንግስቲ ዝህልዎ ርኢቶ ክረአ ‘ዩ ማለት ‘ዩ።

ኣብ ሓደጋ ስግኣት ኽልተ ነገራት ‘ዮም ዝላዓሉ ፣ እቲ ሓደ ሓደጋ ባዕሉ ንምቅናስ እንሰርሖ ስራሕ ‘ዩ። ካልኣይ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾኑ ፀገማት እንትበፅሑ ንመልሲ ዝግበር ምድላው ‘ዩ። ብሓደጋ ምቕናስ በቢ ክልላት በቢ ሴክተራቱ ዝስረሕ ስራሕ ‘ዩ። ናይቲ ምድላው ስራሕ ‘ውን በቢ ብርኩ ምላሽ ዝረክበሉ ‘ዩ። ከምዚ ‘ውን ኾይኑ እቲ ኮምሽን ምግብን ካብ ምግብን ወፃኢ ምድላዋ ገይርና ክንሰርሖ ኢና ፤ ከምዚ ክንብል ከለና ክልላት ናይ ባዕልቶም ስራሕ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ተወሳኺ ‘ዩ ዝኾን።

ሓደጋ ድርቂ ንምምካት ብዘኽእል መገዲ ተጎዳቲ ኣብ ሰለስተ ኸፊልና ማለት ‘ውን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ሓገዝ ዝድዩ ፣ ቀዳምነት ሓገዝ ዝደል ፣ ትኹረት ዝደልዮ ብዝብል ናብ 11 ሚልየን ዝፅጋዕ ህዝብና ቢዚ መገዲ እናደገፍና ፀኒሕና ኢና። ካብ ምግብን ምግብን ወፃኢን ከከም ኩነታት ሓገዝ ገንዘብ ‘ውን ዝወሃበሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።

ኣብ ጎንፂ ዘለዎም ቦታታት ብተመሳሳሊ ብፌደራል ብሃገርለኸ ናይ ባዕልና ዓቕምን ናይ ኣጋራትና ዓቕምን ብምትእስሳር እንሰርሖ ስራሕ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ሸሞንተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልየን ብጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት ብምግብን ካብ ምግቢ ወፃእን ብግብርናን ብጥዕና እናተደገፉ ፀኒሖም ‘ዮም። ቀዳማይ ዙር ኻልኣይ ዙር ሙሉእ ብሙሉእ ዝተማለአ ሽፋን ነይርዎም ‘ዩ። ኸዚ ካብ ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ቀዳማይ ዙር ዝባሃል ሳይክል ጀሚርና እናሰራሕና ኢና።

ቀረብ ሃፍቲ ብዝምልከት ብዓለም ለኸብርኪ ይኹን ብዝተፈላለየ ብርኪ ኹልግዜ ዝደለናዮ ሃፍቲ ይርከብ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣጋራት ትካላትን ምስ ባዕልና ኾይና ናብ 66 ሚኢታዊ ናይ ቐረባ ሓገዝ የድልዮ ‘ዩ ዝብል ኣካል ኢና ምድጋፍ ክኢልና።

 ናይ ኣጋራት ናይ ገንዘብ ብፅሒት ብዝምልከት ምቕራብ ዝኻኣሉ ካብ ዝተድሓዘ እቲ 55ሚኢታዊ ‘ዩ። እዚ ዘርእይ በቢ ዓመቱ ናይ ተረዳኢ ቑፅሪ እናቐነሰ ናይ ምኻድ ኣድላይነት ካብዚ ንላዕሊ ንምቅናስ ዘድልዩ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ልምዓት በቢ ከባቢኡ ምስራሕ እንትኾን ፣ ግድን ክድገፍ ዘለዎ ኣካል ምድጋፍ ‘ዩ። ከምዚ ‘ውን ኾይኑ ብድርቂ ኾነ ብጎንፂ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ውሕጅን ብኹሉ ክልላት ብዝባሃል ብርኪ እናተከሰተ ‘ዩ ዘሎ።

ውሒጅ ብፍላይ ኣብ ሸውዓተ ክልላት ሰፊሕ ፀገማት ኣስዒቡ ‘ዩ። እዚ ማለት ለውጢ ኣየር ንብረት ጫፍ ዝበፅሑ ፀገማት እናመፀ ናይ ወዲ ሰብ ናብራ መሰረት እናናገዐ ከምዝኾነ እናስተውዓልና ኢና። ድርቂ እናብፀሖ ዘሎ ነገር ንሓሙሽተ ተኸታታሊ እዋናት ማለት ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ታሪኽ ን70 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ጉድኣት ‘ዩ። ሩባታት እናሞልኡ ‘ዮም፣ ድልድይ እናተሰባባሩ ‘ዮም ከምኡ ‘ውን ድንገተኛ ዉሑጅ ‘ውን ጉድኣት እናብፅሑ ‘ዮም። ነዚ ‘ውን ምላሽ ዝህብ ሃገርለኸ ናይ ዉሑጅ መከላከሊ ሓይሊ ዕማም ኣሎ፣ በዚ ክትትል እናተገበረ ‘ዩ።

ኣብዚ ሐዚ ኣብ ጋምቤላ ፣ኣብ ደቡብን ሶማሌ ክልል ዘለዉ ፀገማት እንታይ ከምዝመስል መጠን እቲ ጉድኣት ክርኢ ዝኽእል ጉጅለ ሊእኽና ኢና። ምልውዋጥ ሓበሬታ እናገበርና ኢና። ብዝተወሰነ መልክዑ ድማ ንተሓገዝቲ ዝኾን ሓደ ሓደ ናውቲ እናላኣኽና ኢና። እዚ በቢ ከባቢኡ ዘሎ ፀገም ምክልኻል ‘ዩ። ናይ ዉሑጅ ኾነ ጎንፂ ኩነታት ናብ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ቀይርካ ብዘላቕነት ፀገማት ምፍታሕ ንምስራሕ ዓብይ ምርብራብ የድሊ ‘ዩ። ናይ መስኖን ቆላን ከባቢ ዝስርሑ ልምዓታዊ ስራሕቲ እዚ መሰረት ዝገበሩ ‘ዮም። ብግብርናን ብኻልኦት ስራሕቲ ፀገማት ንምውጋድ ዝስርሑ ስራሕቲ ‘ዮም።

ምስ እዚ ስዒቡ ዝመፅእ ሕማም ኣሎ፣ ንኣብነት ከም ሕማም ዓሶ ክመፅእ ስለዝኽእል ነዚ ዝኸውን ጥንቃቐ እናተገበረ ‘ዩ። እዚ ፀገም እንተጋጥም ዝምልከቶም ቤት ዕዮታት ናትና ኮምሽን ድማ ንዚ ዘተሓባብር ኣሎ ‘ዩ። እዚ ማለት ሃንደበታዊ ሓደጋታት ዘተሓባብር ክፍሊ ማለት ‘ዩ። ስለዚ ድልውነት ስርዓትና ኹሉ ዘማለአ ‘ዩ ምባል እንተይኻኣልና ‘ውን ተወሳኺ ዝሓቱ ስራሕቲ እንተሃለዉ ‘ውን ብፍላይ ኣብ ሰብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየብፅሕ እናተራባረብና ንርከብ። ኣብዚ ናይ ክልላት፣ ፌደራል ቤትዕዮታትን ኣጋራትን ብፂሒት ኣሎ ‘ዩ። እቲ ኮምሽን እዚም ብምትሕብባር ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣለዉ።

ሕቶ፡- ብሓፈሻ ብድርቂ ዝተጎድኡ ወገናት ክንደይ ዝኣክል ሓገዝ ተገይሩ? ኸዚ ናይቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳብት እንታይ ይመስል ? ብፍላይ ካብ ወፃኢ ተመለስቲ ብዘላቕነት ንምጥያሽ እንታይ ዝተሓሰበ ነገር ኣሎ?

ዶክተር ሽፈራው፡- እዚ ብመሰረቱ ሕቶ ልምዓት ‘ዩ ዝኾን ፣ ብድርቂ ኾነ ብውሕጅ ዝፍጠሩ ምምዝባል ብዘላቕነት ንምፍታሕ ንዝሓሸ ህይወት ዝስራሕ ስራሕ ብዙሕ ገንዘብ ብውሽጡ ዝሓዘ ‘ዩ። እዚ ብሚኒስቴር ገንዘብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተመዛበሉ ዜጋታት በቢ ክልሉ ናይ መሊስኻ ምጥያሽ ስራሕ እናሰርሐ ‘ዩ። መንግስቲ ፌደራል ኣብዚ ብዙሕ ገንዘብ ብምምዳብ ገንዘብ በቢ ክልሉ ንክበፅሕ ብሚኒስቴር ገንዘብ ናይቲ ክልል ምምሕዳራትን ብምትሕብባር ዝስራሕ ስራሕ ኣሎ። ንኣብነት ናይ ግብርና ስራሕ ዝተማልአ ስራሕ ይስራሕ ‘ዩ። ኣድላይ ናውቲ ግብርና እናተውሃበ ናብ ስራሕ ምእታው ስራሕቲ ይሰርሑ ‘ዮም። ከም ከባቢኡ ኩነታት ካብ ፌደራል መንግስቲ ብዝዋሃብ ሓገዝ ባዕሎም ባዓል ዋና ኾይኖም ‘ውን ዝሰርሑ ኣለዉ። እዚ ንጎንፂ ኾነ ንዉሑጅ ‘ውን ዝሰርሕ ‘ዩ። ህዝቢ ‘ውን ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ ። ንኣብነት ብድርቂ ዝተመዛበሉ ማሕበረሰብ ዝተፈናቐለሉ ምኽንያት ንተኸተታሊ ሓሙሽተ ወቅትታት ዝናብ ብዘይምህላዩ ‘ዩ። ዝናብ ናብ ቕድሞ ኩነታት እንድሕር ተመሊሱ ናብራ መሰረቱ ብፍላይ ኣርባሕቲ እንስሳ ናብ ዝነበሮ ስለ ዝምለስ ብዝተወሰነ ብርኪ ሓገዝ ይኾን ‘ዩ። በዚ ሰዓት እዚ ተጠቒሞም ናብ መረቦቶም ኣብ ምምላስ ከምዘለዉ ‘ውን እናረእና ኢና። ከምዚ ኾይኑ ‘ውን ኹሉ ዓይነት ሓገዝ የድሊ ‘ዩ። በቢ ክልሉ ብሚኒስቴር ገንዘብ ዝግበር ሓገዝ ዝስርሑ ስራሕቲ ክህልዉ ‘ዮም።

ንቐፃሊ ግና ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ብምንታይ ዓይነት መገዲ ብባዓል ቤትነት ክስራሕ ይግባእ፤ ካብ ፖሊሲን ካብ መሓዉሩ ጀሚሩ እናራእናዮ ዘለና ነገር ‘ዩ። እዚ ተጠናኺሩ ዝስራሕ ‘ዩ ዝኾን። ትካላት ኹሉ ህፁፅ ትልሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣውፂኦም ብሓደጋ ስግኣት ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪነት ዝኣተውዎ ስራሕ ኣሎ። እዚ ናብ ቕርሺ እንትቕየር ናብ 714 ሚልየን ዶላር ዝግመት ‘ዩ። ናብ 40 ቢልየን ብር ተባሂሉ እዚ ሕድሕድ ሴክተር ቤት ዕዮታት በጀት ከም ሓድሽ ብምክላስ ቅድምያ ዝዋሃም ቅድሚያ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ‘ዩ። ኣብ ድርቂ ‘ውን ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ። ሕድሕድ ትካል ድንገተኛ ግልጋሎት መተሓባበሪ ከምዝባሃል ኣብ ክልላት ንምትሕብባር ብጣዕሚ ኣብ ዝተጎድኡ ዞባታትን ብተመሳሳሊ እዚ ስራሕ ዝሓትት ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ሶማሌ ደቡብ ብጣዕሚ ዝተጎድኡ ዓሰርተ ዞባታት ትኹረት ብምግባር እናተሰርሐ ዝነበረ ስራሕ ‘ዩ። እዚ ‘ውን ተጠናኺሩ እናኸደ ‘ዩ። እዚ ዝተፈጠረ ነገር ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ምጥቃም ማለት ‘ዩ። ናብ ፀገም ተመሊሶም ከይኣትዉ ተጠናኺሩ እናሰርሐ ‘ዩ። ብፍላይ ሓረስታይን መርባሕቲ እንስሳን ዝተጎድኡ እንስሳት መሊስኻ ብምንክብኻብ ናብ ስራሕ ብምምፃእ ብሓደ ለይቲ ዝስራሕ ስለዘይኾነ ትኹረት ተዋሂቡ ክስራሕ ይግባእ።

ንዘሃቡና ሰፊሕ መብራህርሂ ነመስግን።

ዶክተር ሽፈራው፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

 ወጋሕታ 10 ጉንበት 2015 ዓ.ም

  •  

Recommended For You