ሓርበኝነት ብስራሕቲ ጥበብ

 ሃገርና መዓልቲ ናፅነት ዘይኮነስ መዓልቲ ዓወት ዘለዋ ንክትኸውን፤ ናፅነቶም ብዝኾነ ነገር ንምልዋጥ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ኣቦታትናን እኖታትናን ንናፅነት ክብሉ ዋጋ ከፊሎም ዘረከቡና መዓልቲ ንምዝካር 27 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም መበል 82 መዓልቲ ሓርበኞታት ተኸቢሩ ውዒሉ ‘ዩ።ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሻት ነቲ ታሪኽ ዘዘኻኽሩ ናይ ታሪኽን ስራሕቲ ኪነ ጥበብ እናቀረበ ውዒሉ ‘ዩ።

መዓልቲ ዓወትና እንትነኽብር፥ ድሕሪ ዓወት ሓርበኛታትና ዘመዝገብናዮም ዓወታት ካብ ምቑፃር ብተወሳኺ፤ እቲ ብዙሕ ዋጋ ተኸፊልዎ ዝተረኸበ ዓወት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንክሽጋገርን እቲ ቐፃሊ ወሎዶ ‘ውን ነዚ ዘመን ዝምጥን ዓወት ጅግንነትን ንክሰርሕ ዘለዓዕል ብስራሕቲ ጥበብ መልክዕ ታሪኽ ምዝኽኻርን ምዝታውን ኣገዳሲ ‘ዩ።

ኣብዚ ብዙሕ ግዘ ቆላሕታ ዘይሃብናዮም ነቲ በዓል ንምዝኽኻርን ንምድማቅን ብዙሓት ስራሕቲ ስነ ጥበብ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ክደጋገሙ ዝረኣዩ ስራሕቲ ጥበብ ኣለው ‘ዮም። ነከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ድማ ልዑል ትኹረት ከወሃቦም ይግባእ። ካብዞም ስራሕቲ ብተወሳኺ ድማ ነዚኦም መበገሲ ዝኾኑ ስራሕቲ ስነ ቃል ሕዝቢ ሓቢሮም ክዘኻኸሩ ይግባእ። እስኪ ጀግንነት ብባህልናን ብስራሕቲ ሕዝባዊ ጥበብ ከመይ ይግለፅ ከምዝነበረ ብዝኸኣልናዮም ከምዝስዕብ ንምቅራብ ክንሙክር :-

ኣብ ኩሉ ሃገራት ዓለም ንጀጋኑኣን ልዑል ኽብሪ ከምዝህባ ሃገርና ‘ውን ንጀጋኑኣ ፍሉይ ክብርን ኣድናቆትን ልዑል ቦታን ይወሃቦም ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ እዋናዊ ስራሕቲ ጥበብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ መንነት ማሕረሰብ ዘርኢ ባህሊ ውሽጢ ባዕሉ ይረኣይ ‘ዩ።

ነዚ ‘ውን ‘ዩ ጀግንነት ሓደ ኣካል ባህልና ኮይኑ ዝርኣይ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ዘለው ባህልታትና ቁልጭ ኣቢሎም ዘርእዩ ምስክራት’ዮም። ካብ ጥንቲ ናይ ሃደን ህይወት ካብ ዝነብረሉ ዘመን ጀምሩ ክሳብ ሐዚ እዋን ጀግንነት ምስ ባህሊ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ቀዳሞት ኣሰራት ይምስክሩ ‘እዮም። ካብ እዋን ናብ እዋን ዓይነቱን ስልቱ መግለፂኡ ዝተፈላለየ እንተኾነውን፤ ጀግንነት ኣብዚ እዋን ‘ውን ዓብይ ዋጋን ክብርን ዘለዎ ‘ዩ። ንኣብነት ቀደም ጀግንነት ካብ ዝግለፀሉ ህዝባዊ ስነ ቃላት

ኣንበሳ በረኻየ፤ ኣንበሳ በረኻስ ለይዳነ

ኸዓ መፀ መፀ፤ ኣንበሳ ይመስል ካብ ዱር ዝወፀ

እናተብሃለ ጀግንነቶም ዝግለፀሉን ብዝኾነ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ዘይንብርኸኽ እናተብሃለ ከምዝሙገሱ ዝገልፅ ‘ዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ እዋን ዘለው ድማ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ንህዝቦም ሃገሮምን ዝጠቅምን መርኣያ ዝኾኑ ሰባት ጀግና “ኣዴኻስ ወሊደ ትበል” ብምባል ኣብቲ ማሕበረ ሰብ ዘለዎ ኽብርን ተቀባልነት ይገለፀሉ ‘ዩ።

ቱታ ቱታ

እምቢ ንመከራ እምቢ ንመግዛእቲ

ጀግነነት ስልቲ ዝወረሶ ጥንቲ

ብማዕርነት ፆታ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ…

ወዲ ሓራስ ነብሪ

ናይ ልቡ ገባሪ

ብፃእዳ ጥይት መሻጋሪ

ኣብ ግንባሩ ዘለዎ መሸበሪ

እምባ ‘የ በሎም ኣይናወፅን

ከውሒ ‘የ በሎም ኣይፍለፅን

እናበሉ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ንባርነት ንመከራ ዘሳጥሐና፣ ንመግዛእቲ እምቢ ከም እምባ ኣይንናወፅን ከም ከውሒ ኣይንፍለፅን ብምባል ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ጀግንነቶም እናሰጋገሩ ዝነብሩ ምዃኖም ዝገልፅ ‘ዩ።

ጀግንነት ባህልን ጥበብን ‘ዩ። ኣብ ታሪኽ ኹናት ውሽጢ ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ብጥበብ ከምዘሸንፉ ብብዙሕ ታሪኽ ተፃሒፉ ‘ዩ።

ኣብ ሃገርና ዝተገብረ ናይ ጀግንነት ታሪኽ ይለዓል እንተተባሂሉ ሕድ ሕድ ዕለታት ብዙሕ ዓወታት ዘፈፀመሉ ‘ዩ ዝኸውን። ይኹን ‘ምበር ምስቲ እዋናዊ ዝኽሪ በዓልን ብሃገር ብርኪን ዓለምለኸን ዝበለፀ ተፈላጥነት ዝረኸቡ 27 ሚያዝያ ሓዊስካ ውሕዳት ግና ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቦታ ዘለዎም ‘ዮም።

መዓልቲ ሓርበኛታት ዝዝከር ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ጣልያን ወራር ዝነበሩ ሓርበኛታት ጥራሕ ዘይኮኑስ፤ ብሓፈሽ ሃገርና ንምኽባር ዝተዋደቁ ኩሎም ጀጋኑ ‘ዩ። ስለዝኾነ ኩሎም ሓርበኛታት ሃገርና ልዑል ክብርን ምስጋና ይብፅሓዮም እናበልና፤ በዞም ዝስዕቡ መወድሳት ክንሳበተኩም ኢና።

ኣንታ ጎይታ ምድሪ

ኣንታ ጎይታ ባሕሪ

ቅያኻ ዶ ተቀቢሩ ስጋኻ ‘ምበሪ

የውሃንስ እንትልዓል ሓዊ ፊቱ

ኣባ ነጋ እንትዕጠቕ ጥይቱ

ቅፅሬታ ዘይብሉ ሰራዊቱ

ብዘይካ ፊት ደጀን ዘይኣቱ

ኣብቲ ምስሪ ግብሪ ክትኣቱ

ከም ሰለሞን ብዙሕ ዝብልሓቱ

ብኣፍኪ ተደፍኢ ዓለም ከንቱ

ብሩኽ ንጉስ ኣብ መተማ ሞይቱ።

ብምባል ምእንቲ ህዝቦምን ክብሪ ሃገሮምን ዓለም ብዘደነቀን ብዘገረመን መስትንክራዊ ብዙሕ ቅያ ሰሪሖም ብጅግንነት ካሳዶም ሂቦም ዝተሰውኡ ሃፀይ ዮውሃንስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልፀ ብጥበብ ተገሊፆም ‘ዮም።እዚ ድማ ሓደ ጀግንነትን ሓርበኝነትን ብጥበብ ዝግለፀሉ መርአያ ‘ዩ ምባል ይከኣል።

ኣብርሃ ሓጎስ

 ወጋሕታ 10 ግንቦት 2015 ዓ.ም 

Recommended For You