ኢትዮጵያ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጭዋዳ ክትከውን እያ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም

  • ፕሮጀክት ልምዓት ወሰን ሩባ ኣዌቱ መሪቖም

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡-ስግኣትና ናይ ኢትዮጵያ ምፍራስ እንተይኮነስ ኢትዮጵያ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጭዋዳ ክትከውን እያ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡ ፕሮጀክት ልምዓት ወሰን ሩባ ኣዌቱ መሪቖም፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ስታድየም ጅማ ነበርቲ ከተማ ጅማን ከባቢኡን ንፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘካየድዎ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ተረኺቦም ፣ ህዝቢ ብምሓዝ ኢትዮጵያ ክነሳግራ ኢና፤ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ደው እንተይልና ዘይንሰግሮ ፈተና የለን ኢሎም። ስግኣትና ናይ ኢትዮጵያ ምፍራስ እንተይኮነስ ኢትዮጵያ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጭዋዳ ክትከውን ኢያ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያውያን ሓደ እንተኾይና ዘይንስዕሮን ብዓወት ዘይንሓልፎን ፈተና የለን ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ሐዚ ሓድነት ኢትዮጵያ አረጋጊፅና ትኹረትና ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ጭዋዳ ምዃን እዩ ኢሎም፡፡ ንኢትዮጵያ ካብ ምፍራስ ዘድሐነ ሓይሊ ፅባሕ ቐሪኒ ኣፍሪካ ጭዋዳ ኣፍሪካ ክገብራ እዩ ኢሎም፡፡

 እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር‹‹ ናትና ስልጣን ከምዝሓልፍ ፈሊጥና እሙናት ብምዃን ብትግሃት ክነገልግል ኢና›› ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ቐፃሊ ሶኒ ኣብ ዝካየድ መረፃ ፈልሲ’ውን ንተክል ኢና፣በዚ’ውን መላእ ዓለም ክጓነፁ እዮም ኢሉ እንትፅበ ክነምህሮም ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብመረፃ ንዝፎኻኸርን ንሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ዘኽብር ፓርቲ ሰናይ ዕድል ንክገጥሞ ተመንዮም፡፡ ንህዝቢ ጅማ ድማ ‹‹ኣኽቢርኩም ብንጉህኡ ኣብዚ ብምርካብ ኣቀባብላን ደገፍን ንዝገበርኩምልና ነበርቲ ጅማን ከባቢኡን የመስግን››ኢሎም።

እቶም ሰልፈኛታት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ፈተናታት ብምዃን ዝፈፀሞም ተግባራት ልምዓት ተስፋ ዝህቡ ኢዮም ኢሎም። ብፍላይ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተዛዚሞም ንምርቓት ዝበቕዑ ፕሮጀክትታት ናይቲ ፓርቲ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘርእዩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ሓደሽቲን ዘመናዊን ናይ ምሕራስ ብልሓታት ብምጥቃም ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መስኖ ስርናይ ብምልማዕ ዝረኸብዎ ውፅኢት እቲ ፓርቲ ኣብ ሕድ ሕድ ገዛ ምዕባለ ንምርግጋፅ ዘለዎ ቑርፀኝነት ዘረጋግፅ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ጅማ ዝርከብ ኣዌቱ ፕሮጀክት ልምዓት ወሰን ሩባ መሪቖም እዮም፡፡ እቲ ፕሮጀክት ልምዓት ወሰን ሩባ ንምዝዛም ሓሙሽተ ወርሒ ዝወደአ እንትኸውን ብር 47 ሚልየን ወፃኢ ተገይርሉ እዩ፡፡ ንታ ከተማ ሰሓቢትን ማራኺትን ንምግባር ዘኽእል እዩ ፡፡

እቲ ቦታ ቅድም ክብል ጉሓፍ ዝድብረየሉ ቦታ ከምዝነበረ ኣዌቱ ፕሮጀክት ልምዓት ወሰን ሩባ ኣካያዲ ስራሕ ኢንጅነር ዘነበ ተኮላ ገሊፆም እዮም፡፡ ህንፀት ወሰን ሩባ ፕሮጀክት ቀፃሊ ከምዝኾነ ‘ውን ኣፍሊጦም እዮም፡፡

 ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You