“ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ እንትመፅኡ ዝነብሮም ሃንቀውታን ድልየትን ኣዝዩ ዝለዓለ ‘ዩ” – መምህር ዳኘው ኣይጠገብ

ናይ ሎሚ ጋሻና ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ኮሙኒኬሽን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝኾኑ መምህር ዳኘው ኣይጠገብ ‘ዮም። መምህር ዳኘው ኣይጠገብ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ውቅሮ ከይኑ፤ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቶም’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ውቅሮ ድሕሪ ምምሃር፤ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ካብ ትካል መሰልጠኒ መምህራን ብሰርትፍኬት ድሕሪ ምምራቅ፤ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ዝርከባ ዝተፈላላያ ቀዳማይን ካልኣይን ቤት ትምህርታት ካብ መምህርነት ክሳብ ርእሰ መምህርነት ኮይኖም ከገልግሉ ፀኒሖም ‘ዮም።

ብፍላይ ኣብ ውቅሮ፣ ኣጉላዕን መቐልን ኣብ ዝነበሮም ፃኒሕት ጎና ጎኒ መምህርነት ኣብ ስነ ፅሑፍ፣ ስነ ጥበብ፣ ኪነ ጥበብን ስፖርት ንጥፈታት ብምግባር ሰሪሖም ‘ዮም። ንኣብነት ምስመሓዙቶም ብምዃን “ቀንዲል” ትብሃል መፅሄት ብምድላው ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሑ ነይሮም። ከምኡ’ውን ጉጅለ ሙዚቃ ባህሊ “ክልተ ኣውላዕሎ” ብምምስራት ኣብ ትግራይ ተዘዋዊሮም የቅርቡ ነይሮም። ኣብ ዘርፊ ስፖርት ውን ክለብ ” ገንፈል” ብምጥያሽ ኣብ ትግራይ እናተዘዋወሩ ይፃወቱ ነይሮም።

ብኣትሌቲክስ ድማ ትግራይ ብምውካል ብጉያን ዝላን ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ብምስታፍን ናይ ብሪ መዳልያን ተዓዊቶም ዝነብሩ እንትኾኑ፤ ካልኦት ኣብ ማሕበራውን ወላንታዊ ስራሕትን ‘ውን ሰሪሖም ‘ዮም። ብትምህርቶም’ውን ብጀኦግራፊ ዲግሪን ብምምሕዳር ማስተርን ብምዕባይ ሐዚ ብዳይሬክተርነት ርክብ ህዝቢን ኮሙኑኬሽንን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ እናሰርሑ ይርከቡ፡፡ ኣብ ትምህርቲ ክልል ትግራይ እዋናዊ ዛዕባን ትኹረት ብምግባር ከምዝስዕብ ቃለ ምልልስ ገይርናሎም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- እቲ ኲናት ኣብ ትምህርቲ ትግራይ ዝፈጠሮ ዕንወት ከመይ ትገልፅዎ?

መምህር ዳኘው:- ከምቲ ዝፍለጥ ትምህርቲ ኣብ ትግራይ በቲ ዝነበረ ፀገም ምኽንያት ተምሃሮ ትግራይ ክምሃሩ ኣለዎም ተባሂሉ ካብ 1984 ጀሚሩ ኣብ ዳስ’ውን ከይተረፈ ትምህርቲ እናተምሃሩ ዝነበሩሉ ኮይኑ ቀስብቀስ ድማ እቲ ሕብረተሰብን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብዝገበርዎ ልዑል ርብርብን መንግስቲ’ውን ብዝሃቦ ልዑል ጠመተ ምኽንያት ኣብ 1966 ዓ.ም ዝነበራ 131 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እንትኾና ደርጊ እንትወድቅ 103 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ‘የን ነይረን። ደሓር ብሕብረተሰብ ርብርብ ኣብ 2012 ናብ 2221 ቀዳማይ ብርኪን 271 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርታት ‘የን ነይረናና።

እዚ ሒዝና ናብ 1.4 ሚልየን ዝኣክል ተምሃራይን ናብ 46 ሽሕ ዝኣኽሉ መማህራን ኣመራርሓን ነይሮና ‘ዮም። እዚ ከምዚ እናሃለወ ሽፋን ትምህርቲ ከም ትግራይ ፅቡቅ ነይሩ፡፡ይኹን ‘ምበር ኣብ ፅርየት ትምህርቲ ዝነበረ ክፍተት ንምምላእ ሰፊሕ ርብርብ እናተገበረ እናሃለወ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2012 በኮሮና ምኽንያት ትምህርቲ ተቋሪፁለ ስዒቡ እውን ብዝተኸሰተ ኲናት ትምህርቲ ጠቅሊሉ ደው ኢሉ።

እቲ ኲናት ኣብ ትካላት ቤት ትምህርት፣ ኣብ ስርዓት ትምህርትን ኣብ ማሕበረሰብ ትምህርትን ዘስዓቦ ዕንወት ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ‘ዩ በፂሑ። ንኣብነት ኣብቶም ትካላት ትምህርቲ ክንወስድ ከለና ብቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየዶ ቀዳማይ ብርኪ መፅናዕቲ መምሀሪ ክፍልታት ዳርጋ 88.27 ሚእታዊ ዓንዮም ‘ዮም።

እዚ ማለት እቲ ዕንወት ዳርጋ ምእቲ ብምእቲ ተገይሩ ‘ዩ ዝውሰድ ፤ምኽንያቱ ሓደ ቤት ትምህርት ልዕሊ 40 ሚእታዊ እንተዓንዩ ሙሉእ ዕንወት ከምዘጋጠሞ ‘ዩ ዝውሰድ። በዚ መሰረት መምሃሪ ክፍልታት ግልጋሎት ወሃብቲ ከም ቤት ፈተነታት፣ ክፍልታት ኣይሲቲ ፣ሽቓቅን፣ ግልጋሎት ማይን ዝኣምሰሉ መሰረተ ልምዓታት ኣብያተ ትምህርትታት ዓንዩ ‘ዩ። ከም ‘ውን መምሀሪ መፃሕፍቲ፣ ዴስክታትን ፀሊም ሰሌዳታትን ዝኣምሰሉ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዮምን ‘ዮም። ብሓፈሻ እዞም ዕንወታት እዚኦም ትምህርቲ ትግራይ ንምቅፃል ኣፀጋሚ ‘ዩ ገይርዎ’ዩ።

ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ትግራይ’ውን ከም ዝፍለጥ ትምህርቲ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ትምህርቲ ተቋሪፁ ኣሎ። እዚ ብምዃኑ ድማ ተምሃሮ ትግራይ ብዕድምኦም ክበፅሕዎ ዝግባእ ብብርኪ ክፍሊ ተኾሊፉ ‘ዩ። ንኣብነት ወዲ ሸውዓተ ዓመት ቀዳማይ ክፍሊ ክኣትው ዝነበሮ ብእዋኑ ክኣትው ስለ ዘይከኣለ ኣብዚ እዋን ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኮይኑ ተምሃራይ ቀዳማይ ክፍሊ ይኸውን ኣሎ ማለት ‘ዩ። ከምኡ እናዳበለ ክሳብ 12 ክፍሊ ክንቅፅል ከለና ዩኒቨርስቲ ኣትዮም ተመሪቆም ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ ዝነበረ ግዘ ‘ዩ ነይሩ ማለት ‘ዩ። እዚ ኹሉ ኣብ ተምሃሮ ትግራይ ዝወረደ ዓብይ ናይ ወለዶ ክፍተት ‘ዩ።

እቲ ካልእ ኣብ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ማለት ውን ኣብ መማህራንን ተምሃሮን ከምኡ’ውን ካልኦት ወሃብቲ ድጋፍ ሰራሕተኛታት ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን በፂሑ ‘ዩ። ካልእ እቲ ዝዓበየ ድማ ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ’ውን ኣስዒቡ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ትምህርቲ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት ‘ዩ ኢልካ ምግላፅ ይከኣል።

ወጋሕታ:- ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትምህርቲ ትግራይ እንታይ ተስፋን ረብሓን ሂቡ ትብሉ?

ኣይተ ዳኘው:– ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ እቲ ኲናት ቀፂሉ ስለዝነበረ ብፍላይ ድማ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይነን ፀኒሐን ‘የን።ይኹን ድ’ምበር ድሕሪ እቲ ውዕሊ ስምምዕነት ሰላም ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋዕን ተፈጢሩ ‘ዩ።

እንሆ ድማ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ከም እንደገና ዘትዩ ምድላው ጀሚሩ ብፍላይ ተቋሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ክንቅፅል እንተኾይንና፤ እቲ ዝመፅእ ተምሃራይ ከመይ ገይርና ንቅበሎ ዝብል፣ ስርዓተ ትምህርትና ብናይ ምክሕሓስ ፕሮግራም ከመይ ክቅፅል ከምዘለዎ ሙሁራት ዩኒቨርስቲ፣ ሰብ ሞያ ቢሮ ትምህርትን መማህራንን ዝተሳተፍሉ ሰነድ ክዳለው ‘ዩ ተገይሩ።

እዚ ምክሕሓስ ትምህርቲ በየናይ መንገዲ ‘ዩ ክኸይድ፣ ዓይነታት ትምህርቲ ተመሪፆም ክፍለ ግዘ’ውን ተቐሚጥሉ እቲ ስርዓት ትምህርቲ ተፀሚቑ ካብ ቅድመ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘሎ ዝኸደሉ መንገዲ ‘ዩ ተዳሊው።

ካልእ ድማ ተምሃሮ ክንቅበል ከለና ኣቀባብላና ከመይ ይኸውን፣ ኣግባብ ኣመሃህራና ከመይ ክኸውን ይግባእ ዝብሉ ዘካተተ ሰነድ ኣዳሊና ኢና። ከምኡ’ውን ከመይ መማህርና ነማልእን ነዋፍረን ዝብሉ፤ ምኽንያቱ መምህራን’ውን ከምቲ ቅድም ኢልና ዝገልፅናዮ ናይቲ ኩናት ጉድኣት ዝበፅሖ ምዃኑ ንብዙሕ ፀጋማት ዝተቃልዐ ስለዝኾነን፤ ልዕሊ ክልተ ዓመት መሃያ ዘይተኸፈሎ መምህር ናብ መኣዲ ስራሕ ክምለስ ከሎ ብዙሓት ክፍተታት ክህልው ይኽእሉ ‘ዮም።

ነቶም ዘለው ተምሃሮ ሃገራውን ክልላውን ፈተናታት ከመይ ከነዳልዎም ዝብልን ከም ‘ውን ርክብናን ኣንፈትናን ብኸመይ ዓይነት መንገዲ ክኸይድ ኣለዎ ዝብል ሰነድ ተዳሊው ናብ ስራሕ ተኣትዩ ‘ዩ። በዚ መሰረት ተገይሩ ከም ቢሮ ትምህርቲ ብፍላይ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስተጣየሸ ቀዳምነት ዝሃቦ ንትምህርቲ ‘ዩ። እዙይ ዓብይ ዕድል ፈጢርልና፡፡

ብዙይ መሰረት ሰናዳት ኣዳሊና ምስ ሕብረተሰብ ብብርኪ ክልል ወረዳን ቤት ትምህርታት ወይ ጣብያ ሰፋሕቲ መድረኻት ብምኽፋት ምርድዳእ ብምግባር ካብኡ ቀጥታ ትምህርቲ ብምጅማር 18 ሚያዝያ ኣብ መላእ ትግራይ ምዝገባ ሓደሽትን ነባራት ተምሃሮ ንክካየድን፤ ንዕኡ ስዒቡ ድማ 23 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ስሩዕ ትምህርቲ ክጅመር ኣንፈት ኣቐሚጥና ብኡ መሰረት’ውን ኢና ንኸይድ ዘልና።

ብመሰረት እዚ ምዝገባ ምስ ጀመርና ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ እንትመፅኡ ዝነብሮም ሃንቀውታን ድልየትን ኣዝዩ ዝለዓለ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ፃምእ ትምህርቲ ንምርዋይ እቲ ሕብረተሰብ’ውን ብተመሳስሊ ኣንሕና ዘሎ ፀገማት ተፃዊርና ደቅና ከነምህር ኢና ዝብል ፅቡቅ ባህግን ተስፋን ሰኒቁ ‘ዩ ደቁ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዘኽትት ዘሎ። ነዚ ተኸቲሉ ድማ 23 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ስሩዕ ኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ክካየድ ተገይሩ ‘ዩ።

ኣብዚ ምናልባት ክግለፅ ዝግብኦ ብምኽንያት እቲ ኲናት ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ነተጉቲን ፈንጅን ዝነብረለን ‘የን። እዘን ኣብያተ ትምህርትታት ካብ ነተጉቲ ነፃ ክኾና ስለዝግብአን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ ድማ ምስ ገበርቲ ሰናያት ብምዝርራብን ብምርድዳእን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ነተጉትን ፈንጅን ካልኦት ተተኮስትን ነፃ ክወፅኣ ልዑል ደገፍ ብምግባር ናብ 316 ዝኣኽሉ ሰብሞያ ኣብ መላእ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ተዋፊሮም እተን ኣብያተ ትምህርቲ እናፅረዩ ይርከቡ።

ክሳብ ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ዝተገበረ ዳህሳስ እኳ ልዕሊ 280 ዝኾና ኣብያተ ትምህርቲ ዳህሳስ ገይሮም ብርክት ዝበለ ቁምቡላን ተተኮስትን ዝረኸብሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ስለዝኾነ እተን ኣብያተ ትምህርቲ እናፀረያ ጎና ጎኒ ምምሃር ምስትምሃር እናተገበረ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ካልእ ምስ ተመዛበልቲ ዝተተሓሓዘ ዘሎ ጉዳይ ከምቲ ዝፍለጥ ብምኽንያት እቲ ዂናት ህዝቢ ትግራት ተመዛቢሉ ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቆቢታት ኣዝዩ ከርፋሕ ዝኾነ ህይወት እናሕለፈ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን ደኣምበር እቶም ተመዛበልቲ ወገናት ብምኽንያት እቲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ተስፋ ዝተነፀረሉ ሓደ ዓብይ ጠመተ ዝተገበረሉ ተመዛበልቲ ናብ ቦቶኦም ክምለሱ ‘ዮም ዝብል ‘ዩ።

ስለዚ ዛጊድ ዝተተግበረ ነገር ኣይኮነን እቲ መንግስቲ ልዑል ጠመተ ክገብረሉ ዝግባእ። መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እዞም ተመዛበልቲ እዚኦም ብፍላይ ድማ እቶም ምስ ነሃትና ዝተተሓሓዘ ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርትታት ብተመዛበልቲ ዝተተሓዛ ስለዝኾና እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ስረሐን ክጅምራ እንተኾይነን እቶም ተመዛበልቲ ናብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ክወፅኡ ኣለዎም ። ብመሰረት እዚ ድማ እናተሰርሐሉ ይርከብ።

ነዚ ዝከታተል ዘፍፅምን ዓርሱ ዝኸኣለ ትካል ኣሎ ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ ካብ ተመዛበልቲ ነፃ ዘይኮና ቤት ትምህርትታት ከምዘለዋ ኮይነን ኣብ ገለገሊኡ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ውሑስ ቦታ ብምኻድ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርትታት ነፃ እናኾና ይመፅኣ ኣለዋ ‘የን።

ኣብቶም ተመዛበልቲ ዘለውዎ’ውን ተምሃሮ ኣለው ‘ዮም። እዞም ተምሃሮ ዕድል ትምህርቶም ክዕፀው ስለዝይብሉ ቅድም ክብል ገበርቲ ሰናይ ኣብቶም ተመዛበልቲ ዝገብርኦ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣጠናኺረን ንኽቅፅላ እናደግፍናን እናተሓባበርና ኢና ንርከብ።

ካልእ ድማ እቶም ተመዛበልቲ ባዕሎም ብድልየቶም ናብ ከባቢኦም ዝቐርቦም ቤት ትምህርቲ ከይዶም ክተኣናገዱ ከምዘለዎም ኣንፈት ወሪድሉ ብጥብቂ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ስለዚ ብሓፈሽኡ ውዕሊ ስምምዕነት ሰላም ዘምፅኦ ትሩፋት ወይ ድማ ነዓና ዝፈጠረልና ተስፋ ንሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ሓሪምዎም ዝነበሩ ህፃናት ትግራይ ብሙሉእ ተስፋን ቀልብን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንክመፅኡ እናተገበረ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ሐዚ እዋን ክንደይ ዝኣኽላ ቤት ትምህርታት ትግራይ ምድላው ገይርን ትምህርቲ ጀሚረን ብቁፅሪ ዝግለፅ እንተሃልዩ?

ኣይተ ዳኘው:- ከምቲ ዝፍለጥ መድረኻት ምስ ዘተና 23 ሚያዝያ ኢና ትምህርቲ ጀሚርና ዘለና ይኹን ደኣምበር ሐዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ቤት ትምህርትታት ኣመዝጊበን ክንደይ ክምዝግባ ይግብአን ነይሩ ክንድይ ጀሚሮም ዝብል፤ እቲ መረዳእታት ካብ ወረዳታት እናተኣኻኸብና ኢን ዘለና።

ከምቲ ዝፍለጥ እቲ ሓደ ዓብይ ፀገም ዘሎ ናይ ኮምኒኬሽን ርክብ ፀገም ‘ዩ። ገለገሊአን ብወረቀት ፅሒፈን ንክሰዳ ምንም ወረቀት’ውን የብለንን። እቲ ዘሎ ፀገማት እናተፃወራ’ውን ብዝተኽኣለን ካብ ገሊአን ብስልኪ ንቅበል ኣለና። ገሊአን ዝኸኣላ’ውን ብኢሜል ዝሰዳልና ኣለዋ።

ከምኡ እናገባገርና መረዳእታት እናተኣኻኸብና ኢና ዘለና። ኣብ ዝቅፅል ተመዝጊቦም ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ዝርከቡ ተምሃሮ ዕላዊ ክንገብር ኢና። ዛጊድ ግና በቢ ዞባኡ እቲ ኣመራርሓ ትምህርቲ መረዳእታታት እናኣከበ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ማሕብረሰብ ትግራይን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ኣብ ተሳትፎ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ህንፀት ትምህርቲ ትግራይ እንታይ ክገብራ ትፅቢት ይግበር ትብሉ?

ኣይተ ዳኘው:– ከምቲ ዝፍለጥ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብማዕኸናት ሚድያ’ውን እናተገልፀ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብ ሴክተር ትምህርቲ ጥራሕ ዝበፅሐ ጉድኣትን ጥፍኣትን ‘ኳ እዙይ ኢልካ ዘይትገልፆ ክትትክኦ’ውን ዘይትኽእል ከቢድን ሰፊሕ መዋእለ ንዋይ’ውን ዝጠልብ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ትምህርቲ ንጀምር ክንብል ከለና እዚኣቶም ከይተማልኡ ትምህርቲ ጠጠው ክነብል የብልናን እንታይ ደኣ ግዝያዊ ፅገና ዘድልዮም መምሀሪ ክፍልታት ማሕብረተ ሰብ ብሙሉእ ሓይሉ ተረባሪቡ ንክፅግን እናተገበረ ‘ዩ። ከምኡ’ውን ካብ ገበርቲ ሰናያትን ካልኦትን ብዝለዓለ ብርኪ ክሕግዙ እናተገበረ ‘ዩ ዘሎ።

ቅድም ክብል ዘይገልፅናዮ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌደራል ዝነብረና ርክብ ኣጠናኺርና ኢና ቀፂልና፡፡ ብመሰረት እዚ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ግዘ ብሚድያ ተገሊፁ ነይሩ ‘ዩ። ክቡር ዶክተር  ሳሙኤል ክፍሌ ናይ ላዕላዎት ትምህርቲ ሚኒስትር ዴእታ ዝተመርሓ ጉጅለ ናብ መቐለ መፂኡ ተመዛበልቲ ዘለውዎን ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ጉድኣታት ዝበፅሖም ኣብ ትግራይ ዘለዋ ዩኒቨርስቲታት ዝበፅሐን ጉድኣትን መግለፂ ተገይሩሉ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስትታት ዝመፅኡ ሰብ ሞያታት ሪኦሞ ‘ዮም ነይሮም።

ብመሰረት እዚ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴራል ብሓባር ዘውፃእናዮም ትልምታት ኣለው። ኣብቲ ጉድኣት ብስፍሓት ክዋሳእ ዘለዎ ድማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌደራል መንግስቲ ‘ዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብቲ ኣብ ትምህርቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ብዝለዓለ ብርኪ መንግስቲ ፌደራል ልዑል እጃም ኣለዎ። በዚ ድማ ኣብ ዳግመ ምህናፅን ዳግመ ሕውየት ትካልትን ምስቲ ስርዓት ትምህርቲ ሉዑል እጃም ዘለዎም ‘ዩ።

እዚ ከምዘሎ ክይኑ ድማ እቲ ዓርሰ ሙርኮሳ ንትግራዎት ተሞክሮ ‘ዩ። ዝለዝኾነ ኣብ ትግራይ ውሽጥን ወፃእን ዘለው ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብቲ እዋናዊ ህፁፅ ዘድልየና ሓገዛት፤ ቤት ትምህርታት ውሽጠን ባዶ ስለዘሎ ናውቲ ትምህርቲ የድልየን፣ ሰሌዳ የለን፣ ዴስክ የለን፣ መምሀሪ መፅሓፍን፣ ቾክ መፅሓፊ’ውን የለን፣ ላብራቶሪ ኣይሲቲ ባዶ ‘ዩ ዘሎ።

ስለዝኾነ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ኣብዚ ልዑል ርብርብ ክገብሩ ይግብኦም። ነዛ እዋን እዚኣ ዘይኮነት ሃፍቲ ንምንም ኣይትኾንን። ብፍላይ ድማ ዳያስፖራ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ቅድም ክብል ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብጉልበቶም

ብገንዘቦም ብግዘኦም ብፍልጠቶም ኩሉ እናገበርዎም ዝፀብሑ ሕጂ’ውን ካብ ኣቶም ልዑል ደገፍ ትፅቢት ንገብር ኣለና።

ብፍላይ ሕውየት ትምህርቲ ትግራይ ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ ኣይኮነን። ካብቲ ዝነበሮ ብዝበለፀ ዘበናዊነት ተላቢሱ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ትምህርቲ ንክኸውን ህዝቢ ትግራይ ናይ ኣሕዋት ዳያስፖራ ልዑል ትፅቢት ይገብር ኣሎ ። ከም ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ’ውን ብውስን መልክዑ ርክብ ተጀሚሩ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ ምስ ዓለምለኸ ማሕበር ሙሁራን ሰብ ሞያን ትግራይን ምስ ካልኦትን ኣብ ደገ ዘለው ዳያስፖራትን ዝጀመርዎ ርክብ ኣሎ፤ እዚ ኣጠናኺርና ክንቅፅሎ ኢና። ስለዝኾነ ዳያስፖራ ወገናትና ብዝለዓለ ወነን ናህርን ንትምህርቲ ትግራይ ትንሳኤ ክረባረቡ ኣለዎም።

ሓደ ዓብይ ነገር ኣሎ ሕርሻና፣ ጥዕናና ካልኦት ናይ ኮንስትራክሽን ናይ ማይን ካልኦት ስራሕትናን ዓንዮም ‘ዮም። ስለዝኾነ ነዚ ክትክእ ዝኽእል ዝተመሃረ ሓይሊ ሰብ ጥራሕ ‘ዩ። ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ክትካእ ዝኽእል’ውን ብትምህርቲ ‘ዩ።

ስለዚ መፃኢት ምዕብልቲ ትግራይ እትህነፅ ኣብ ዳግመ ህንፀት ሕውየት ትግራይ ብፍላይ ድማ ትምህርቲ ልዑል ርብርብ ክግበር ብፍላይ ሙሁራት ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዳያስፖራን ኩሎም ብዝከኣሎም ሓይሊ ክረባረቡ ኢና እግረመንገድና መልኽትና እነሕልፍ።

ወጋሕታ:- ዝተረፈ ክተሕልፍዎ እትደልዩ መልኽቲ እንተሃልዩ እንተሃልዩ?

ኣይተ ዳኘው:- ናይ መወዳእታ መልእኽቲ እታ ዓንተዎ ዘሕለፍክዎ ኮይኑ ጀሚርናዮ ዘለና ትምህርቲ ከምቲ ዝበልናዮ ብባዶ ኢድና ኢና ናይ መምህራንና ልዑል ወነን ዜግነታዊ ግቡኡን ተበግሶን ሒዝና ኢና ዝጀመርናዩ። ናይ ሕብረተስብ ውሽጣዊ ዓርሰ ሙርኮሳ ተኣማሚንና ኢና እዚ ትምህርቲ ንጅምር ዘለና፤ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብዚ ክረባረብ ክኽእል ኣለዎ።

ብፍላይ ወለዲ ዝሓልፈና ብትምህርቲ ‘ዩ ኢሎም ከኣምኑ ክኽእሉ ኣለዎም። ዝሓለፍናዮ ዝኸሰርናዮ ናይ ትምህርቲ ዓመታት ክቅፅል የብሉን። በቢተሞክሩኡ ኩሉ ሕብረተሰብ ክረባረብ ክኽእል ኣለዎ። ወለዲ ደቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከኽትት፣ እቶም ዝኸተቱ ተምሃሮ’ውን ከየቋርፁ እቲ ብመገዲ ምክሕሓስ እንጅምሮ ዘለና ትምህርቲ’ውን ተወሳኺ ደገፍ ምግባር የድሊ።

እዚ’ውን ልዕል ዝበለ ብርኪ ክፍሊ ዘለዎ ነቶም ትሕቲኦም ዘለው እናተደጋገፍና እቲ ናይ ምክሕሓስ መንገዲ ትምህርቲ ክሳብ ንውድእ ኢድን ጓንትን ኮይንና ተሓባቢርና ኢና ሕውየት ትምህርቲ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ፀብለልታ ክነብፅሖን ጀሚርናዮ ዘለና ክነቐፅል ‘የ መልእኽተይ ከሕልፍ ዝደሊ።

ወጋሕታ:- ንዝሃቡኒ ሓበሬታን መብርህን የቐንየለይ፡፡

ኣይተ ዳኘው:- ኣነውን የቐንየለይ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 03 ግንቦት 2015 ዓ.ም

Recommended For You