ወለንታውያን ተጋሩ መናእሰይ ስልጠና እናተውሃቦም ምውፋር ቐፂሎም ኣለዉ

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ምስ ሚኒስተር ሰላም ብምትሕብባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዝተወፃፅኡ ወለንታዊያን መናእሰይ ስልጠና እናሃበ ኣብ ሰብኣዊ ድጋፍን ካልኦት ሓገዛትን እናዋፈረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሽድሽተ ዙር ስልጠና ከምዝተውሃበን እቲ ስልጠና ብባዓል ሞያ ዝተደገፈ እዩ፡፡

እዞም ሰልጠንቲ ኣብ ዝተፈላለያ ዒስራ ወረዳታት ከምዝተዋፈሩን ብፍላይ ድማ ኣብ ሽረ፣ ዓድዋ ፣ኣክሱም ፣ዓዲ ግራት፣መቐለን ማይጨውን ኣብ በዝሒ ተመዛበልቲ ዘለውዎ ቦታታት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ፣ኣብ ፀጥታን፣ኣብ ሕርሻን በቢ ሞየኦም ንከገልግሉ ፈቓደኛታት ከምዝኾኑን ፣ኣብ ሸውዓተ ክፍለ ከተማ መቐለ ድማ ልዕሊ 350 ዝኾኑ ከምዝሰልጠኑ ኣመልኪቶም፡፡

እቲ ስራሕቲ ትኹረት ዝገብር ናብራ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ባርያጋብር ፣ካልኦት መናእሰይ ኣብ ምስልጣን ለውጢ ኣብ ምምፃእ’ውን ቐፃልነት ዘለዎ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም እዮም፡፡

እዞም ሰልጠንቲ ትምህርቲ ንክጅመር ዓብይ ምንቅስቓስ ከምዝገበሩን ዝግበር ሓገዝ ድማ ናብ ትኽክለኛ ተሓገዝቲ ንክበፅሕ ኣብ ምግባር ኣብ ሓፂር እዋን ንጡፍ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝርከቡን፣ ካብዚኦምን ቐፀልቲ ሓደሽቲ ሰልጠንትን ካብዚ ንላዕሊ ስራሕቲ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡

 ካብቶም ሰልጠንቲ ዝሐሸ ተሳትፎ ዘለዎም መናእሰይ ናብቲ መንግስቲ መሓውር ንክኣትዩን ብስሩዕ ንኸገልግሉ ዕድል እናተፈጠረ ከምዝኾነን ኣብ ምምዳብ ከምዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም እዮም፡፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቶም መናእሰይ ኣብ ዝገብርዎ ተሳትፎ ሰናይ ስራሕ ኣብ ጎኖም ጠጠው ከምዝብል’ውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም እዮም፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You