ብዘፈር ጥዕና ዓበይቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተገሊፁ

ትርሓስ ፍቃዱ

መቐለ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝተገበረ ኸይዲ ምኽባር ሕጊ ኣፍቲ ክልል ዓበይቲ ስራሕቲ ካብ መንጎ ዝተሰርሐሎም ሴክተራት እቲ ሓደ ዘፈር ጥዕና ከምዝኾነ ቢሮ ጥዕና ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

ኣፍቲ ዘፈር ዝተረኸበ ውፅኢት ንምምሕያሽን ትካላት ጥዕና ትካላት ጣብያ ጥዕና ሙሉእ ንሙሉእ ስራሕ ክጅምራ ምግባር ንኽከኣል ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እቲ ቢሮ ገሊፁ፡፡

መተሓባበሪ ኸይዲ ስራሕ ቢሮ ጥዕና ሃንደበታዊ ሕክምና ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝኾኑ ዶክተር ኣቤኔዘር እፀድንግል፣ ኣፍቲ ክልል ንዝተረኸብ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ከምዘፍለጥዎ፤ኣፍቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ትካላት ጥዕና ዓንዮም እዮም፡፡ ይኹን ‘ምበር ድሕሪ እቲ ኦፕሬሽን ዝተሰርሐ ስራሕቲ ዳግም ህንፀት ልዑል ስራሕቲ ካብ መንጎ ዝተሰርሐሉ ዘፈር ጥዕና እቲ ሓደ እዩ፡፡

 እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ መብዛሕትኦም ትካላት ጥዕና ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ኾይኖም ነይሮም፡፡ ብርክት ዝበሉ ኣምቡላንሳትን ናውቲ ጥዕናን ተዘሪፎም እዮም፡፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ‘ውን ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተሰዲዶም እዮም፤ስፒሻሊስት ሓኻይም ዝሐሸ ስራሕ ንምርካብ ናብ ማእኸል ሃገር ወፂኦም እዮም፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ድሕሪ እቲ ኲናት ግልጋሎት ክህባ ዝኽእላ ትካላት ጥዕና ትሕቲ 50 እንትኾና እስካዕ ሐዚ ካብ 55 ዘይበልፃ ኣምቡላንሳት እየን ዘለዋ ኢሎም፡፡

ድሕሪ እቲ ኲናት እቲ ሕብረተሰብ ግልጋሎት ጥዕና ክረክብ ስለዘለዎ ተንቀሳቐስቲ ክሊኒካት ኣብ ምጥያሽን እተን ዝዓነዋ ትካላት ጥዕና ኣብ ምህናፅን ብቕልጡፍ ስራሕ ንኽጅምራ እናተሰርሐ ከም ዝፀንሐ ብምሕባር፤ምስዚ ጎናጎኒ ብዝተኽኣለ መጠን ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ተሰሪሖም እዮም፤ነዚ ድማ ካብ ሚኒስቴር ጥዕናን ካብ ኻልኦት ትካላት ዓለምለኸን ሓገዝ ንምትእኽኻብ ከምዝተፈተነ ኣፍሊጦም፡፡

ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ድማ ብርክት ዝበላ ትካላት ጥዕና ናብ ስራሕ ክኣትዋ ተገይሩ እዩ፡፡ ንኣብነት ልዕሊ 81 ጣብያታት ጥዕና ፣ሸሞንተ ሓፈሻዊ ሆስፒታላት፣ሸውዓተ ቐዳማይ ብርኪ ሆስፒታላትን ኽልተ ስፔሻሊስት ሆስፒታላትን ከምኡ‘ውን 55 ኣምቡላንሳት ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ኣመልኪቶም፡፡

ምስ ኻልእ ከባቢ እንትነፃፀር ዝተወሰነ ነገራት ካብ ምጉዳሎም ሓሊፉ መጉዳእቲ ዘይበፅሖም ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ሙሉእ ንሙሉእ ስራሕ ከምዝጀመሩ ብምሕባር፤በዚ ድማ ኣፍታ ከተማ ዝርከቡ ሓደ ስፔሻላይዝድ፣ኽልተ ሓፈሻውን ኽልተ ቐዳማይ ብርኪ ሆስፒታላትን ከምኡ’ውን 11 ጣብያታት ጥዕና ግልጋሎት እናሃቡ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ዶክተር ኣቤኔዘር ከምዝበልዎ፤ኣብ መቐለ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባብታት ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ልዑል ፀቕጢ ስራሕ ዘለዎም እንትኾኑ፤ሕፅረት ሰብ ሞያን ፀገማት ናውቲ ሕክምናን ዘለዎም እዮም፡፡ብተወሳኺ ድማ ፋይናንስ ስለዘይጥቀሙ ትፅቢት ኣብ ዝገብሩዎ መድሓኒታት ፅግዕተኛታት ኾይኖም እዮም፡፡

ዝፅገኑን ንስራሕ ዱሉዋት ክኾኑ ዝኽእሉ ኻልኦት ትካላት ጥዕናን ኣምቡላንሳት ብምፅጋን ስራሕ ንኽጅምሩ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶክተር ኣቤኔዘር፤ነዚ ድማ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ምስ መንግስቲ ፌደራልን ምስ መዳርግቲ ኣካላትን እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም፡፡

መካየዲት ስራሕ ሆስፒታል 11 ለካቲት መቐለ ሲስተር ፍረወይኒ ሃይለማርያም ብወገነን፤እቲ ሆስፒታል ቕድም ክብል ‘ውን ግልጋሎት 24 ሰዓት ወሊድን ስሩዕ ግልጋሎት ሕክምናን ይህብ ነይሩ፡፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ‘ውን ጉድኣት ስለዘይበፅሖ ድሕሪ እቲ ምኽባር ሕጊ ካብ መቐለ ይኹን ኻልኦት ከባብታት ዝመፁ ልዑል ቑፅሪ ዘለዎም ተገልገልቲ እናተኣናገደ ይርከብ፡፡

ይኹን ‘ምበር ምስ መጠን ቑፅርን መጉዳእትን ተገልገልቲ እንትነፃፀር ሕፅረት እናጋጠመ እዩ፤በዚ ድማ እቶም ሰብ ሞያ ‘ውን ልዑል ፀቕጢ ስራሕ እናፈጠረሎም ከምዝርከብ ብምምልካት፤እቲ ዘሎ ፀገም እቲ ሆስፒታል ከም ቐደሙ ግልጋሎት ንኸይህብን ንኽፅገምን እናገበሮ እዩ ኢሎም፡፡

ዓቕሙ ክንዲ ዝፈቐዶ ግልጋሎት 24 ሰዓት እናሃበ ይርከብ፡፡ ይኹን ‘ምበር ምስ ቐረብ መድሓኒት ይኹን ምስ ምውሳኽ ድሌት ተገልገልቲ ተተሓሒዙ ዝተፈጠረ ሕፅረት ክፍልታት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ስጉምትታት ክውሰዱ ከምዝግባእ ኣመልኪተን፡፡

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከቡ 11 ትካላት ጥዕና ኣብ ጣብያ ጥዕና ዓዲ ሹምዱሑን ዳይሬክተር ዝኾኑ ኣይተ ጀማል ኑርሑሴን ብወገኖም፤እቲ ጣብያ ጥዕና ብሕብረተሰብ እቲ ከባቢ እናተሓለወ ስለ ዝፀንሐ መጉዳእቲ ኣይበፅሖን፡፡ ድሕሪ እቲ ኲናት’ውን ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ እዩ፤በዚ ድማ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ንተመዛበልቲ ‘ውን ፅቡቕ ዝበሃል ግልጋሎት እናሃበ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም፡፡

ይኹን ‘ምበር ኣፍቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ተመዛባላይ ልዑል ቑፅሪ ዘለዎ ተገልጋልን እንትነፃፀር ሰብ ሞያ ተደራራቢ ግልጋሎት ንኽህቡ እናተገደዱ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፤እቲ ጣብያ ጥዕና በጀት ምንቅስቓስ ስለዘይኽእል ብድጎማ ካብ ዝወሃቦ መድሓኒት ዝሓለፈ ኻልኦት መድሓኒታት ምግዛእን ምጥቃምን ከምዘይኸኣለ ኣመልኪቶም፡፡ እዚ ድማ ምስቲ ዘሎ ተገልጋሊ እንትነፃፀር ሕፅረት መድሓኒት ንኸጋጥም እናገበረ ይርከብ፡፡ እዚ ከምዘሎ ኾይኑ እቲ ትካል ጥዕና ግልጋሎት 24 ሰዓት እናሃበ ይርከብ ኢሎም፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You