‹‹ብፈተና ኩርዓት’ምበር ፍርሓት ኣይስመዐናን›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብፈተና ኩርዓት’ምበር ፍርሓት ኣይስመዐናን ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም:: ቕርኒ ኣፍሪካ ኩርናዕ ኣፍሪካ ምግባር ከምዝክኣል ኣፍሊጦም::

ፕሮጀክት ኣደባባይ መስቀል – ቤት ማዘጋጃ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ተመረቐሉ እዋን ዶክተር ኣብይ ከምዝገለፅዎ፣ከም ኣኽሱምን ላሊበላ ዝመሳሰሉ ሓድጊ ስልጣነታት ኣብ ዝስራሕሉ እዋን ናይ እቲ እዋን መራሕቲ ፈተናታት ገጢሞሞም ነይሮም:: ሐዚ እናተሰርሑ ኣብ ዘለው ናይዚ ዘመን ሓድጊታት ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ፈተና እናጋጠሞም ኩርዓት ‘ምበር ፍርሓት ኣይስመዐናን ኢሎም::

ኣደባባይ መስቀል ብዙሕ ዝርአየን ዘሕለፈን ናይ መንነትና ክፋል፣ናይ መአከቢና ሲሳይ ፣ናይ ብዙሕ ሀገራት መራሕቲ ተቐቢሉ ዘተኣናገደ፣ዓበይቲ መራሕቲ ህይወቶም እንትሓልፍ ዝሰነየ፤ኣብ መስቀል በዓል ደመራ ዘድመቐ፣ዓበይቲ ህዝባዊ በዓላት ዘተኣናገደ፣ናይ ድጋፍን ተቃውሞ ሰልፍታት ብትዕዝብቲ ዝርአየ እዩ ኢሎም::

ኣብ ወጋሕታ ብቅዓት ኣካል ዝሰርሑ ጎየይቲን ስፖርተኛታት ተቐቢሉ እዩ:: ስሙ ተለዋዊጡ፣ኣደባባይ ኣብዮት ኾይኑ ቁጥዐ መራሕቲን ንብዓት ህዝቢን ተዓዚቡ እዩ:: መረፃ 97ን ናይ 16 ሰነ ዝገንፈለ ስምዒት ህዝቢ ኣብ ገፊሕ ከብዱ ፀይሩ ምሕላፉ ኣመልኪቶም፡፡ ኣደባባይ መስቀል መላእ ኢትዮጵያዊያን ዘራኽብን ጉዳይ ኢትዮጵያዊያን ዘተኣናግድ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣እቲ ኣደባባይ ዝተሰርሐ ንመላእ ኢትዮጵያ መገልገሊ ንክኾን እዩ ኢሎም፡፡

‹‹ምሕዳስ ከም ምፍራስ ቐሊል ኣይኮነን›› ዝበሉ ቐዳማይ ሚኒስትር፣ኣብ ምሕዳስን ምስራሕን ውሽጢ ኩሉ ብሓባር ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡ ቐፃሊት ኢትዮጵያ ብሓባር ንምብልፃግ‹‹ ናይ ትማሊ በሰላ ንፅባሕ ኣበሳ ከይኸውን›› ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

‹‹ሰላም ከም ጥዕና እዩ››ዝበሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ፣ጥዕና ኮነ ሰላም ቅድሚ ምስኣኑ ምሕላው ከምዝግባእ ጠቒሶም፡፡ ጥቕሚ ጥዕና ዝፍለጥ ሰባት እንትሓሙ እዩ፤ብሕማም ብዙሕ ህይወት ይጠፍእ፤ግዘን ሃፍትን ይጠፍእ፤ ሽዑ ጥቕሚ ጥዕና ይፍለጥ ኢሎም፡፡ ኣብ ኲናት ድማ ብዙሕ ህይወት ይጠፍእ፣ግዜን ሃፍትን ይዓኑ፣ ሽዑ ጥቕሚ ሰላም ይፍለጥ፡፡ ስለዚ ንሰላምን ንጥዕናን ቐዲሚካ ምጥንቓቕ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፡፡

‹‹ቀርኒ ኣፍሪካ ኩርናዕ ኣፍሪካ ምግባር ይከኣል›› እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ኣፍሪካ ናይ ጥንቲ ስልጣነ ብዓል ቤት፣ኢትዮጵያ ድማ ግንባር ቐደም እያ፡፡ ተሃድሶ ኣፍሪካ ዘናእሱ እንተሃለዉ’ውን፣ኣፍሪካ ዝሕደስን ከምብሓድሽ ዝስራሕን ስልጣነ ከምዘለዋ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ዝቕፅል ሶኒ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መረፃ ብቑፅሪ ሻድሻይ እንተኾነ’ውን ብዓይነቱ ግና ናይ መጀመርያ ከምዝኾነ ዝጠቖሙ ዶክተር ኣብይ፣ኣብ ዕለት መረፃ ፈልሲ ብምትኻል ሓድጊ በምቕማጥ ንዓለም ኣብነት ምዃን ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡‹‹ኩል ግዘ ካብ ካልኦት ምውሳድ ከይኮነስ ንሕና’ውን ክንርእይ ኣለና››ኢሎም፡፡

ብልፅግና ኢትዮጵያ ብፓርቲ ብልፅግና ጥራሕ ዝመፅእ ዘይኮነስ፤ብኩሎም ተፎኻኸርቲ ፓርቲታት ናይ ሓባር ፃዕሪ ዝህነፅ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡ንተፎኻኸርቲ ፓርቲታት’ውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡ ምክትል ኸንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገነን፣ዝምረቕ ዘሎ ፕሮጀክት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ’ውን ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

‹‹ፕሮጀክት ናይ ምፍፃም ውፂኢት ዝመፅእ በሙሉእ ምድላው እዩ››ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፣እኹል ምድላውን ቆራፅነትን ስለዝነበረና ከምዝፍፀም ርግፀኛ ነይርና ኢለን፡፡ ‹‹ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ እናኣዘዙና ዘይኮነስ እናሓገዙና እዮም›› ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፣ ን24 ሰዓት ብዘይ ምቁራፅ ዝተሰርሐ ፕሮጀክት ንምዝዛም ከምዝበቕዐ ኣፍሊጠን፡፡ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓድሽ ክንገብራ ኢና ክብላ’ውን ቃል ኣትየን፡፡

ፕሮጀክት ኣደባባይ መስቀል ብልዕሊ ብር 2.5 ቢሊየን ዝተሃነፀ እንትኾን፣ክሳብ 1 ሺሕን 400 ተሽከርከርቲ ደው ዝብላሉ ህንፀት ውሽጢ መሬት ስማርት ፓርኪንግ ‘ውን ኣለዎ። ብተወሳኺ 35 ድንኳናት፣ 140 ቤት 20 መሕፀቢ ነብስን ከምኡ ‘ውን ንቢሮ ዝኾኑ ክፍልታት፣ 6 ዘመናዊ ሊፍቲታት፣ ካሜራታት ድሕንነት፣ ዘመናዊ ዲጂታል ስክሪናትን መከላኸሊ ሓደጋ ሓዊን ከምዘለውዎ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ነበር ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፣ነበር ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ታከለ ኡማ፣ሚኒስትራት፣ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት መንግስቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም፡፡ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ውህብቶ ዘበርከቱ እንትኾን፣ምድላዋት ኪነጥበብን ኣብቲ ስራሕ ንዝተሳተፉ ኣካላት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ፕሮግራም ተሳሊጡ ኣሎ፡፡

 ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You