‹‹ኣብ ትግራይ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ነባር ኣሰራርሓ ብምቕያር ‘ዩ›› – ኣይተ ነጋሲ በየነ

ኣብ ዝሓለፉ ዉሑዳት ዓመታት ብዛዕባ ትግራይን ምምሕዳራን ፀገማት ኣለዉ ክስተኻኸሉ ኣለዎም ብምባል ቃልሲ ዘካይዱ ካብ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣይተ ነጋሲ በየነ ሓደ ‘ዮም፡፡

ኣይተ ነጋሲ እቲ ዓብይ ጉዳይ ናይ ሰባት ምቕይያር የኾነይ ዓብይ ስራሕ ክስራሕ ዘለዎ ኣብቲ ስርዓት ‘ዩ ይብሉ፡፡ ንትግራይ ዝጠቕማ መራሕታ ስለዝተቐያየሩን ዝነበሩ ምቕፃሎም እቲ ዓብይ ትኹረት ኣይኮነን ግና ነባር ኣሰራርሓ ብምግዳፍ ሓዱሽ ከይዲ ኣሰራርሓ ብምኽታል ‘ዩ ለውጥ ክመፅእ ዝኽእል ክብሉ ሓሳቦም ይገልፁ፡፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ምህላው ተፈጥራዊ ‘ዩ፡፡

ሓሳባት ዝተፈላለየ እንትኾን ‘ዩ እቲ ዝሓሸ ሓሳብ ወፂኡ ነቲ ዓዲ ‘ውን ክጠቕም ዝኽእል፣ ኣብዚ ዓብይ ስራሕ ምስራሕ የድሊ ‘ዩ፡፡ ቅድሚ ኸዚ ዝተቐያየምካዮ ይቕር ተባሂልካ ከም ሓድሽ ንህዝብና ከመይ ገይርና ኢና ክንጠቕም እንኽል ፣ ንህዝብና ብምንታይ መገዲ ክነገልግል ኣለና ብምባል ፣ ካብቲ ህዝቢ ክግልገል እንተይኾነስ ከመይ ገይርና ክነገልግሎ ዝብል ኣካይዳ ተንጥቀም ይብሉ፡ ፡ ምስ ኣይተ ነጋሲ በየነ ዝገበርናዮ ቃለመሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ !

ወጋሕታ፡- ስምምዕነት ሰላምን ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ንህዝቢ ትግራይ ዘመፀአሉ ረብሓን እንታይ እዩ?

ኣይተ ነጋሲ፡- ሰላም ምምፅኡ ተኹሲ ጠጠው ብምባሉ እቶም ዝተረፈ መንእሰይ ምትራፎም ዓብይ ጉዳይን ዕድልን ‘ዩ፡፡ እዚ ከም ፅቡቕ ‘የ ዝወስዶ፡፡ ኣብቲ ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕነት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ኸሎ ካብ ዝተፈላለየ ሲቪል ፣ ፖለቲካታት ትግራይ ዝኣመሰሉ ዘይምክታቱ ቅሬታ ፈጢሩ ‘ዩ፡፡ ህወሓት ጥራሕ ምጥያሹ ትኽክል ኣይኮነን፡፡

ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ብዙሕ ዝቕየር ነገራት ኣለዉ፣ ዋላ ሪፎርም እንተኾነ እንድሕር ዝነበረ ኔትዎርክ እንድሕር ቐፂሉ ዋላ ጌታቸው ረዳ መፀ ኻልእ ተመረፀ ብዙሕ ለውጢ ዝመፅእ መሲሉ ኣይስምዐንን፡፡

ካብ መሰረቱ ዝነበረ ሓደ ንሓሙሽተ ከም ብሓዱሽ ተጠይሹ ንለውጢ ድልዉ ኾይኑ ተዝኸድ ዝበለፀ ኾይኑ ‘ዩ ዝስምዐኒ፡፡ ግና ብሓፈሻ ካብ መጀመሪኡ ‘ውን ኹናት ኣድላይ ኣይኾነን ካብ ዝብሉ ሰባት ሓደ ‘የ ፣ እንተናኣሰ ኹናት ጠጠው ምባሉ ትራንስፖርት ምኽፋቱ ፣ ደመወዝ ምኽፋሉ እዚ ፅቡቕ ጅማሮ ‘ዩ፡፡ ግና እቲ እንደልዮ ለውጢ ክመፅእ ድዩ ኣይመፅእን ንቐፃሊ እንሪኦ ኾይኑ ግና ሕቶ ዝፈጥር ነገር ‘ዩ፡፡

እቲ ዓብይ ጉዳይ እቲ ስርዓት ‘ዩ ክቕየር ዘለዎ ባሃላይ ‘የ፡፡ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተፈላለየ መራሕቲ ይምረፁ ነይሮም ‘ዮም ግና ዝተፈለየ ለውጢ ኣይነበረን፡፡ ኸዚ ‘ውን ኣብዚ እንደልዮ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ጥርጣረ ኣለኒ ‘ዩ፡፡ ግና እቲ ሰላም ምምፅኡ ንኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንትግራይ ካብ ኹናት ናብ ኹናት ስለዝነበረ እቲ ዉግእ ጠጠው ብምባሉ ዓብይ ዕድል ‘ዩ፡፡

ትግራዎት ባዕልና ንባዕልና ጠጠው ክንብል ይግባእ። እቲ ናይ ኣሰራርሓ ስርዓት ብቕንዕና እንድሕር ዘይኸደ ንዝተወሰነ ጉጅለ ጠቒሙ፣ ንኣብዝሓ እንድሕር ዝጎድእ ኾይኑ ዘይሩ ዘይሩ ብኹናት ኢኻ ትኸይድ፡፡ ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ፡፡ ብኢኮኖሚ ንክትዓቢ ንክትማሃር ሰለማዊ ማሕበረሰብ ንክህልዉ ካብ ሕድሕድና ሰላም ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክህልወና ይግባእ።

ቀፂሉ ምስ ጎረባብትኻ ሰላም ትኾን ቀፂሉ ምስ ዓለም ‘ውን ስምምዕነት ትፈጥር፡፡ ናይዚ ኹሉ መሰረት ፍትሒ እንትመፅ ከሎ ‘ዩ፡፡ ናብ ኹናትን ዕግርግርን ዘይትኣቱ ፍትሓዊ ስራሕ እንድሕር ሃልይካ እቲ ህዝቢ ዝደልዮ እንድሕር ዝመርፅ ኾይኑ ነገራት ብቐሊሉ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ እቲ ኹሉ መንእሰይ ዝሃለቐ ንምንታይ ‘ዩ ኢልና ንባዕልና ሓቲትና ባዕልና መልሲ ሂብና እንታይ ረኺብና ኢልና ንቕድሚት ንከይድገም ትምርቲ ክወስድ ይግባእ፡፡ ሓደ መፂኡ ስለዝገዝአን እቲ ሓደ መፂኡ ስለዝተቐየረ ጥራሕ ብኣተሓሳስባ ኾነ ኢኮኖሚ ክንዓቢ ኣይንኽእልን፡፡

ብፍላይ ድማ ምስ ጎረባብውቲ ዘሎ ዝምድና ክጠናኸር ይግባእ፡፡ ኣምሓራ ኾነ ዓፋር ፀላኢና ኾይኑ ኣይፈልጥን ፣ ብዝተኽኣለ መገዲ ፀገማት እንሃልዩ ‘ውን ኣብ ጠረንጴዛ ኣብ ዝግበር ዘተ ‘ዩ ክውዳእ ዘለዎ። ድሕሪ ብዙሕ መንእሰይ ሞት ‘ዩ ናብ ፕሪቶርያ ዝተኸደ ፤ ክኾን ዘለዎ ግና ቕድሚ ኹናት ኮፍ ኢልካ ምዝታይ ዝበለፀ ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡-እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሕሉፍ ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብ ምንታይ ዓበይቲ ጉዳያት ትኹረት ክሰርሕ ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ነጋሲ፡- ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅኽዎ እቲ ዓብይ ጉዳይ ናይ ሰባት ምቕይያር የኾነይ ፡፡ ዓብይ ስራሕ ክስራሕ ዘለዎ ኣብቲ ናይ ኣሰራርሓ ስርዓት’ዩ፡፡ እቲ ስርዓት ክንብል ኸለና ትኽክኛ ስርዓት ማለት’ዩ፡፡ፖለስ ዝኾነ ብጉቦ እንተይኾነስ ብሓቂ ገበነኛ ጥራሕ ኣሳዲዱ ዝሕዝን ዘፃሪን ዝኾን ፣ ካልኦት ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ትግራይ እቶም ክስረሖም ዘለዎ ኣብ ትካላት ‘ዩ፡፡

ኣብ ትግራይ እንተሪአና እቲ ዋና ውሕስና ክህበካ ዝኽእል እቲ ትካል ‘ዩ፡፡ ጌታቸው ጥዑይ እንተኾኑ ዋሕስ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ ሎሚ ጌታቸው ኣሎ ትማሊ ደብረፅዮን ነይሩ ምንም ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን፡፡ እቲ ዋና እቶም ስራሕቲ ትካላት ክቕየሩ ይግባእ ፤ ብሓደ ግዜ ፐርፌክት ኣይኾንይ ፣ ብቕልጡፍ ውፅኢት ንከይመፅእ ይኽእል ‘ዩ ፤ ግና እናተቖፃፀርካ እናማሓየሽኻ ምኻድ ‘ዩ፡፡

ፅቡቕ ናይ ዳኝነት ስርዓት እንድሕር ሃልዩ ፍርዲ እንድሕር ትረክብ ኾይንካ ፣ ኣብ ቕድሚ ሕጊ ኹሉ ሰብ ሓደ ‘ዩ፣ እዚ ብሕጊ ክረአ ኣለዎ ፣ ባዓል ስልጣን ስለዝኾነ ከም ድላዩ ዝገብር ኣሰራርሓ ክህሉ የብሉን፡፡ እተን ሰላም ዘለዎን ዓድታት እንትንርኢ ከላና ፍትሓዊ ዝኾነ ትካላት ስለዘለዎን ‘ዩ፡ ፡ እዚ ክብል ከለኹ ተኹሲ፣ ገበን የለን ማለትይ ኣይኾነን ግና ናብ ኹናት ዘይኣትዋሉ ምኽንያት ህዝቢ ዝመረፆ ሰብ ይምረፅ፣ ተዘይኾይኑ ንሱ ወሪዱ ኻሊእ ይምረፅ እቲ ኣሰራርሐኦም እዚ ‘ዩ፡፡

ንኣብነት ናይ መቐለ ከንቲባ እንድሕር ክምረፅ ኾይኑ ዝተፈላለየ ፓርትታት እዚ ሕፁይና ‘ዩ ኢለን እንድሕር ኣቕሪበን እቲ ህዝቢ ሸውዓተ ሕፁያት እንድሕር ቐሪቦምሉ መሪፁ እቲ ሓደ ብሉፅ ዝኾነ ክመርፅ ይኽእል ‘ዩ ማለት ‘ዩ። እቲ ከንቲባ እንድሕር ትፅቢት ከም ዝግበረሉ እንድሕር ዘይሰሪሑ ፊርማ ኣተኣኻኺብካ ካብታ ቦታ ተውርዶ ማለት ‘ዩ፡፡

ስለዚ እቲ ትካል ‘ዩ እቲ ዋና ዕብየት መሰረት ዝኾን ዝኽእል፡፡ ናይ ሰላም መሰረት ክኾን ዝኽእል ናይ ሰላም ትካላት እንድሕር ሃልይና ‘ዩ፡፡ ግና ኣብ ሓደ ፓርቲ ተንጠልጢልካ ንሕና ዝበልናኩም ስምዑ ማለት ግና ናይዚ ውፅኢት ከምዝራእናዮ ‘ዩ፡፡ ስለዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቱኪሩ ክሰርሕ ዝግበኦ ኣብ ትካላት ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ሽሙ ግዝያዊ ምምሕዳር እዩ፡፡ ንቀፃሊ ኣብ መረፃ ኩሎም ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ትግራይ ማዕረ ተሳትፎ ንክህልዎም እንታይ ዓይነት ምንቅስቓስ ክካየድ ኣለዎ?

ኣይተ ነጋሲ፡- መጀመርያ ባህሊ ፖለቲካ ክነማሓይሽ ኣለና፡፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ምቕራብ ስልጡንነት ‘ዩ ፡፡ ኣነ ዝተፈለየ ሓሳብ እንተቕርብ ትግራይ ብኸምዚ መንገዲ እንተኼድና ‘ያ እትዓቢ ኢለ ሓደ ሓሳብ እንተምፅእ ኸለኹ ከም ፀላኢ ክረአ የብለይን፡፡

እንድሕር ምሳና ዘይኾንኩም ባንዳትት ኢኹም እናበልካ ሽም ምልጣፍ ንቕድሚት ዝወስደና ኣይኾነን፡፡ ሓደ ውድብ ኾነ ሓደ ጉጅለ ኹልሻዕ ትኽክል ክኾን ኣይኽእልን፡፡ ግና ካብ ዝተፈላየ ሓሳብ ዝቐርብ እንድሕር ኾይኑ ካብቲ ዝተፈላየ ሓሳብ ሓደ ዝሓሸ እዚ ‘ዩ ኢልካ ዝብዝሕ ሰብ ዝተቐበሎ ሒዝካ እንድሕር ከይድካ ‘ዩ እቲ ትኽክለኛ ኣካይዳ ዝኾን ፡፡

እዚ ግዘያዊ ምምሕዳር ክሰርሕ ዘለዎ ኣብተን ትካላት ትኹረት ብምግባር ነቲ ሕብረተሰብ ድማ እቲ ዝሓለፈ ትኽክል ከምዘይኾነ ልዕልና ሓሳብ ጥራሕ ‘ዩ ከልዕለናን ንቕድሚት ክወስደና ዝኽእል ፣ ጠመንጃ ስለ ዘልዓልና ሎማዓንቲ ሓየልቲ ክንኾን ንኽእል ኢና ፅባሕ ድማ ክንደክም ንኽእል ኢና ብሓይልኻ ዝቕመጥ የለን፣ ግን ብፍትሓዊ እንድሕር ገይርናዮ ግና ብልዕልና ሓሳብ ዘሸነፈ ሰብ እሱ ይወስድ ማለት ‘ዩ ፤ ካብኡ ዝሓሸ ሓሳብ እንድሕር ዘምፀአ ኣካል እንተሃልዩ ድማ እቲ ዕድል ንዕኡ እናተውሃብ ይቕፅል ፣ በዚ መንገዲ እታ ሃገር ብኢኮኖሚ ኾነ ምርግጋዕ ሰላም እናማዕበለት ትኸይድ፡፡ ግና ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ኣነ ዝበልኩኻ ስማዕ ፣ ደም ተኸፊሉሉ ‘ዩ እናበልካ እንትኸድ እንተኾይንኻ ግን ንግዚኡ ክጠቕም ይኸውን ንትግራይ ግና ዝጠቕም ኣይኮንን፡፡

ድሕሪ ኸዚ ናይ ሓሳብ ምፍልላይ ማለት ክተባባዕ ዝግበኦ ‘ዩ ‘ምንበር ሓሳብካ ስለዝተፈለየ ከይተዛረብ እናሸቑረረ ካልእ ሓሳብ ከየምፅእ እናተዓፀወ እዚ ኣሰራርሓ ክወፅእ ይግባእ ፤ እቲ መንእሰይ ካብዚ ክመሃር ኣለዎ፣ ናቲ መንእሰይ ግዜ ‘ዩ እቲ መንእሰይ ሃገር ተረካቢ ‘ዩ፣ ካብዚ ኣሰራርሓ ክወፅእ ይግባእ፡፡

ኣምላኽ እዩ ሓደ ለይቕየር ‘ምበር ሰባት ይፈላለዩ ‘ዩም፣ ከም መልክዕና ኹሉ ኣተሓሳስባና ‘ውን ዝተፈላለየ ‘ዩ፡፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ምህላው ተፈጥራዊ ‘ዩ፡፡ ሓሳባት ዝተፈላየ እንትኾን ‘ዩ እቲ ዝሓሸ ሓሳብ ወፂኢ ነቲ ዓዲ ‘እውን ክጠቕም ዝኽእል፣ ኣብዚ ዓብይ ስራሕ የድሊ ‘ዩ፡፡

ቅድሚ ኸዚ ዝተቐያየምካዮ ይቕር ተባሂልካ ከም ሓድሽ ንህዝብና ከመይ ገይርና ኢና ክንጠቕም እንኽል፣ ንህዝብና ብምንታይ መንገዲ ክነገልግል ኣለና ብምባል፣ ካብቲ ህዝቢ ክግልገል እንተይኾነስ ከመይ ገይርና ክነገልግሎ ዝብል ኣካይዳ ተንጥቀም ፣ ኣብ ሓሳብ ዘተኮረ ጥራሕ ተዝኾን ‘የ ዝብል፡፡ እቲ ህዝቢ ‘ውን ነፃ ኾይኑ ሓሳቡ ክገልፅ ኣለዎ።

ከመይ ገይርና ንቀራረብ ፣ ኸመይ ገይርና ጉዕዞና ነዐሪ እንታይ እንታይ እንተተገበረ ‘ዩ ዝብል ካብ ህዝቢ ዝመፅእ ሓሳብ ስለዝኾነ እዚ ክፍቲ ክኾን ኣለዎ፡፡ ኣብ ትግራይ እንታይ ‘ዩ እቲ ፀገም ተቃዋሚ ህወሓት እንተኾይኑ ከም ኣራዊት ገይርካ ምውሳድ ‘ዩ እዚ ተዝቐሪ ለውጢ ዝመፅእ ‘ዩ ዝመስለኒ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ተሳትፎ ተጋሩ ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ትግራይ ዳያስፖራ እንታይ ከምስል ኣለዎ?

ኣይተ ነጋሲ፡- ዳያስፖራ ትግራይ ዓቕሚ ኣለዎ ‘ዩ፤ ዐቕሚ ከምዘለዎ ንሕማቕ ሓሳብ ኾይኑ ‘ምበር ኣብ ዝሓለፈ ሪእናዮ ኢና፡፡ ብሚልየናት ገንዘብ ይዋፃእ ነይሩ ‘ዩ፡፡ እቲ ሓደ ብፋይናሻል ዓቕሚ እኒኦ ‘ዩ፤ካልኣይ ድማ ብሓሳብ እቲ ብዙሕ ነገር ከበርክት ይኽእል ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓሰብ፡ ፡ እቲ ፀገም ዘሎ ግና ኣብ ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ተተኺሉ ስለ ዘሎ ‘ዩ። ቅድም ኸዚ በሎም በሎም ኢሉ ህዝብና ኣወዲኡ ንብረት ኣዕንዩ ንድሕረቲ ንክንምለስ ገይሩና ‘ምበር ምንም ዝጠቐመ ነገር የለን፡፡ ካብቲ ዝበፅሐ ጉድኣት እቲ ዓብይ ሓላፍነት ክወስድ ዝግበኦ ዳያስፖራ ትግራይ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ደቁ ሓቒፉ ይሓድር ፣ ስርሑ ይሰርሕ እቲ ሓዊ ንዕኡ ኣይረኽቦን ኣብ ክንዲ ሕደጉ ምባል ቀደም ጀጋኑ ኢና ነይርና ኸምዚ ነይርና እናበልኻ ናብ ጉድጓድ ምእታው ውፅኢቱ ፅቡቕ ኣይኮነን። ስለ ኹናት እናሓሰብኻ ነዚ ክፍለ ዘመን’ውን ዝምጥን ኣይኮነን፡፡ ስለዚ እዚ ዳያስፖራ ዝፈረሰ መሰረታዊ ልምዓት ዳግመ ህንፀት ናይ ምሕጋዝ ዓብይ ዓቕሚ ኣለዎ ‘ዩ፡፡

ኣብ ሕክምና ሞያ ዘለዉ ኸይዶም ንሓደ ወርሒ ዝኾን ‘ውን ኣገልጊሎም ንክመፁ ፣ ኣብ ኻልእ ሞያ ዘለዉ ‘ውን ከምኡ ሓገዝ ብምግባር፣ሓሳብ ‘ውን ካብዚ ምውሳድ ፅቡቕ ‘ዩ፤ ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣኼባ ብምግባር ሓሳባት ምልውዋጥ ‘ውን ባዕሉ ዝኻኣለ ሓገዝ ‘ዩ፡፡ህዝቢ ዝቃወም ዘሎ እንታይ ‘ዩ ምኽንያቱ ኢሉ ሓሳብ ክቕበል ኣለዎም፡፡ ምምኽኻር ዝመስልዎ ነገር የለን፡፡

ሰላም ምፍርራሙ ‘ውን ደስ ዘይበሎም ኣለዉ ‘ዮም። ኣብቲ ዕግርግር ተጠቀምቲ ዝነበሩ ኣለዉ፣ እቲ ትግራዋይ ድማ ለዋህነት ኣሎ፤ ገንዘቡ ኣብይ ‘ዩ ዝኣቱ ዘሎ ኣይሓትትን ሱቕ ኢሉ ‘ዩ ዝህብ፣ እዚ እዚ ክሓትት ይግባእ፡፡

ስለዚ እቲ ድያስፖራ ዓብይ ግደ ኣለዎ ምናልባት ንእሽተን ግዜ የድልዮ ይኾን ‘ዩ፤ እዚ ዘሎ እዋን ሓሊፉ ናብ ኣእምርኡ ንምምላስ ግዜ ይደሊ ይኾን ‘ዩ፡፡ ምሕጋዝ ቀጥታ ናብቲ ዉድብ ትካላት ካብ ምሃብ ቤተሰብኻ ጎረባብትኻ ምሕጋዝ ንባዕሉ ዓብይ ተሳትፎ ‘ዩ ፤ ከምቲ ቅድሚ ኸዚ ብዙሕ ገንዘብ ይዋፃእ ሓንቲ ቤት ትምህርት ትስራሕ ቀፂሉ ኦዲት ዝባሃል ነገር የለን እዚ ከምዚ ዓይነት ‘ዩ ሃገር ንድሕሪት ዘትርፍ ዘሎ፡፡ እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡- ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ንግበር፣ ካብ ዝሓለፈ ኹናትን መከራን ተላዒሉ ንቐፃሊ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክወስድን ከስተውዕልን ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ነጋሲ፡- እቲ ዋና ህዝቢ ‘ዩ ፤ንእሽተን ናይ ምቅዋም እዚ ነገርስ ኣየድልየና ተባእሱና ኣለኹም ናይ ምባል ሕፅረት ነይሩ ‘ዩ፡፡ ርግፅ ከምኡ ዝበሉ ሰባት ነይሮም ግና ናይ ማእሰርቲ ዕድል በፂሕዎም ‘ዩ፡፡ እቲ ህዝቢ ግን ኹልግዜ ኣብ ሰላም ‘ዩ ጠጠው ክብል ዘለዎ፡፡ ኣነ ዝገርመኒ ምስ ኹሉ እናተብስኻ ዋላ ዓዲ እንተኾንካ ኸ እንታይ ‘ዩ ትርጉሙ ፣ ዘላኣለም ዲኻ ኣብ ኹናት ትነብር፣ ንትወለዶስ ናብ ኹናት ትሰዶ ማለት ‘ዩ፡፡

በቢ ዓሰርተ ዓመቱ ኹናት ደቅኻ ምግባር ጠጠው ክብል ዝኽእል ድማ እቲ ህዝቢ ክነቅሕ ከሎ ‘ዩ፡፡ እቲ ህዝቢ ንክነቅሕ ድማ እቲ ህዝቢ ድምፂ ወያነን ትግራይን ቲቪን ሓበሬታ ጥራሕ እናወሰደ ኣይኮነን፡፡ እቶም ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎም ኣካላት ‘ውን ኣብዚኦም ሚድያ ወፂኡ ናታቶትም ዝተፈለየ ሓሳብ ክሰምዕ ኣለዎ። ቀፂሉ እቲ ህዝቢ ይፍረድ፡፡ እዚ ዘይለመድና እንድሕር ዘይመፂእና ናይ ሓደ ፓርቲ ጥራሕ እናሰማዕና እንድሕር መፂና ትርጉም የብሉን ለውጢ እውን ኣይመፅእን፡፡

እቲ ህዝቢ ናይ ኹሉ ክሰምዕ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ። መረፃ ክመፅእ ከሎ ድማ ይሕግዞ ማለት ‘ዩ ፤ ግና ኣብ ትግራይ እዚ ዕደል የለን፡፡ ዋላ ተቃወምቲ ዝኾኑ ‘ውን ባዕሎም ዝፈልጥዎም ዕድል ሚድያ ክህብዎም ኣይካኣሉን። ቅድሚ ኸዚ ዝኾነ ኾይኑ ኣሎ ፤ድሕሪ ኸዚ ግና ካብ ዉግእ ምንም ትርፊ ከምዘየለ ክርዳእ ይግባእ። ሰላም ካብ ኹልትና ክጅመር ኣለዎ፡፡

ኣነ ባዕለይ ኣብ ውሽጠይ ሰላም እንድሕር ዘይብለይ ምስ ኹሉ ‘የ ዝናኸስ፣ ከምዚ እንድሕር ኾይኑ ድማ በቲ ሓደ ወገን ዘሎ ድማ ዓፀፋ ምምላሱ ኣይተርፍን። ቅድሚ እቲ ኹናት ምጅማር እዚ ኹናት ኣየድልየና ዝብል ሓይሊ ተዝህሉ ነይሩ እዚ ኹሉ ዕንወት ኣይመሃለወን፡፡ እቲ ህዝቢ ኹልግዜ ዘማሪ ሰላም ‘ዩ ክኾን ዝግባእ፡፡

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኹሎም ሓይልታት ዝወስዶ ዘሎ ሰላም ናይ ምፍጣር ስጉምቲ ዘለዎም ሪኢቶ?

ኣይተ ነጋሲ፡- ኣነ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘የ ኢለ ‘የ ዝወስዶ። ሓደ ሓደ ዝቃወሙ ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም ኣነ ግና ኣብ ተግባር ከምዝሪኦ ዘለኹ እቲ ኹናት ብወገን መንግስቲ ዘይተደለየ ከምዝነበረ ብደንቢ ‘የ ልፈልጥል ነይረ። እቲ ካሊእ ወገን ግና ንሰላም ዕድል ዝሃበ ኣይነበረን።

ባዕልና ኣምሪትና ምብላዕ ዘይንኽእል ሰባት ጥይት መግዝኢ ምውፃእ ኸቢድ ‘ዩ ፤ ትግራይ ንባዕላ ብሴፍትነት ዝመሓደር ህዝቢ ‘ዩ፡፡ ኹናት ሪእናዮ ኢና እተን ዝነበራና ዉሑዳት ሃፍቲ ‘ውን ኣጥፊእልና ‘ዩ፤ ስለዚ እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ምስ ካልኦት ሓይልታት ‘ውን ዓብይ ነገር ‘ዩ፡፡ ንወደፊት እንድሕር ዝሕሰብ ኾይኑ ሰላም ክህሉ ይግባእ፡፡

ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ክንዓቢ ኣይደልዩይ፣ እታ ዝህቡና ረድኤት እናተቐበልና ክንነብር ‘ምበር ዓርስና ክንኽእል ኣይደልዩና፡፡ ሕድሕድና ክንበላላዕ እናገበሩ እታ ዓዲ ንከይትዓቢ ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ፡፡ ንሕና ድማ ካብዚ ውፅእ ኢልና ፍትሓዊት ዝኾነት ንኹለትና ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣር ኢና ግዜና ክነጥፍእ ዘለና፡፡ ኸዚ ‘ውን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስርዓት ክቕየር ኣለዎ፡፡ኸዚ ‘ውን እቲ መንእሰይ ካብቲ ክልል ክወፅእ ‘ዩ ዝደሊ ዘሎ፡፡

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ክፅናዕ ኣለዎ። ናይቲ መንእሰይ ሓሳብ ክድመፅ ኣለዎ፡፡ ኣብ ዝኾነ ልዕልነት ብሰላማዊ መገዲ እናተቓለስካ ክብፃሕ ይካኣል ‘ዩ፡፡ ባዕልና ምኽኣል ዘይካኣልና ንኹናትን ጎንፅን ክንጎይይ የብልናን። ብፍላይ እቲ መንእሰይ ዝመፅእ ዘሎ ናቱ ግዘ ስለዝኾነ ክልብም ኣለዎ ‘የ ዝብል፡፡

ወጋሕታ ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን፡፡

ኣይተ ነጋሲ፡-ኣነ ‘ውን የመስግን፡፡

መሰረት ገ/ብረዮሃንስ

ወጋሕታ 26 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም

Recommended For You