በዓቲ ሶፍ ዑመር

ካብ መስሕባት ቱሪዝም ሃገርና ዓብዪ ቦታ ካብ ዝሕዙ ከባብታት ሓደ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ዞባ ባሌ እዪ። እቲ ዞባ አዝዩ ብርክት ዝበለ መስሕብ ዝተዓደለ ምድሪ እዩ፡፡ካብ መንጎ እቶም መስሕባት ድማ ዘገርም ህያብ ተፈጥሮ ዝኾነን ኣብ አፍሪካ ካብ ዘለው ዓበይቲ በዓትታት እቲ ሓደ ተፈጥሯዊ በዓቲ ሶፍዑመር ይርከብ። በዓቲ ሶፍ ዑመር 15.1 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ እንትኸውን ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ነዊሕ ከም ዝኾነ ይዝረበሉ፡፡እቲ በዓቲ ብጊዚያዊ ቅርሲ ዓለም ተመዝጊቡ እዩ።

በዓቲ ሶፍ ዑመር ብአመንቲ እስልምና መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ስፍራ እዩ፡፡ስያምኡ ዝረኸበ ውን ሶፍ ዑመር ካብ ዝበሃሉ ነበር ሃይማኖት ኣቦ እዩ፡፡እቶም ኣቦ ኣብቲ በዓቲ ንነዊሕ ዓመታት ይነብሩ ነይሮም፡፡ ናፍቲ በዓቲ መእተዊ ዝተሓፀረ ቦታ ክር ቅዱስ ኡመር ይበሃል፡፡እዚ ድማ ኸበሮ ብምውቃዕ ዘመስግኑሉን ናይ ስእለት ከፍቲ ብምሕራድ ዝብለዐሉ ቦታ እዩ፡፡ እቶም ስእለት ዘለዎም ሰባት ካፍቲ ዝተሓረደ በጊዕ ወይ ጤል ንእሽተይ ቁርበት ብምቁራፅ ኣፍቲ በዓቲ ንፀሎት ክንጥልጠል ይግበር፡፡ብወገን የማን ፊት ንፊት ናብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ብጣዕሚ ዓሚቅ ናይ መሶብ ቅርፂ ዘለዎ ብተፈጥሮ ዝተራቀቀ ዉፁእ እምኒ መቀመጢ ሶፍ ዑመር ይርከብ፡፡

መእተዊ በዓቲ ሶፍዑመር ጉለንተናየው መኩ ዝበሃል እንትኸውን መውፅኢ ድማ ሁልቃ ይበሃል፡፡ጉለንተናየው መኩ ወዲ ሶፍ ዑመር እንትኸውን ጓሎም ከራዮሞኩ እትቅመጠሉ ቦታ እዩ፡፡ ጀባ ቢቂላ ዝበሃል ዓብዪ ኽቢ እምኒ ሓያል ፀልማት መእተዊ እቲ በዓቲ እዩ፡፡አብዚ ቦታ እዚ ልዕሊ እቲ እምኒ ጉንዲ ዝነበረ እንትኸውን፣አብዚ ጉንዲ ኣቦኦምን ኣዲኦምን ዝረገሙዎም ኣዝዮም መፀገምቲ መናእሰይ ዝእሰሩሉ ቦታ እዩ፡፡አፍቲ እዋን ካብ ዝተአሰሩ መናእሰይ ሓደ ጀባ በየነ ዝበሃል ይርከቦም፡፡ብድሕሪት እቶም ዝቅፅዑ ሰባት ዝወፁሉ ቦታ ቅርፂ ካርታ ኢትዮጵያ ዝሓዘ እዩ፡፡

እቲ በዓቲ ብርክት ዝበሉ ክፍልታት ዘለውዎ እንትኸውን እቲ ኣብ ማእኸል ዝርከብ አለይህም ፊጢ ሱማ አብዲ ይበሃል፡፡ብወዲ ሶፍ ዑመር ዝተሰየመ በዓቲ እዩ፡፡እቲ ክፍሊ/አዳራሽ ብክቢ ዕሙቅ ኢሉ ንላዕሊ ዝወፀ ቅርፂ ዘለዎ እንትኸውን ተፈጥሯዊ ምኻኑ የገርም፡፡ ዝተፈላለዩ ተፈጥሯዊ ገፅታታት ዘርእየና እዚ በዓቲ፣ አዳራሽ ሶፍ ዑመር ተባሂሉ ናብ ዝተሰየመ ክፋል እቲ በዓቲ የሰጋግረና፡አብዚ ክፍሊ ፀገም ዘለዎም ሰባት ምስ ሶፍ ዑመር ተራኺቦም ፀገሞም ዘረድኡሉ ቦታ እዩ፡፡

እቲ ኻሊእ ዘገርም ክፋል እቲ በዓቲ ድማ ስጋጃ ይበሃል፡፡እዚ ክፍሊ መስገዲ እንትኸውን አርባዕተ ሰፋሕቲ አእማን ይርከቡ፡ንሳቶም ድማ ናይ ሶፍ ዑመር፣ሼኽ ሁሴን፣ከራዩ መኮን፣ ሸኽ አበል ቃሲምን መስገድታት እዮም፡፡ እዚ ግዙፍ በዓቲ ካብ አእምሮ ዘይጠፍእ አዝዩ ዘገርም ናይ ተፈጥሮ ኪናዊ ጥበብ ዝተርአየሉ ቦታ እዩ፡ ፡ላዕላዋይ ክዳን እቲ በዓቲ ልምዲ ብዘለዎ ዘበናዊ በዓል ሞያ ተስተኻኺሉ ዝተገጠመ ውፁእ ኮርኒስ ይመስል፡፡ ብመንጎ እቲ በዓቲ ዝጉዓዝ ዌብ ዝተብሃለ ሩባ ሸውዓተ ጊዜ ዝዐፀፈሉ ቦታታት ኣለው። ዘገርም ትእይንት ይፈጥር፡ ፡ክልቲኦም ተጣሚሮም ምርካቦም ዘገርም ትእይንቲ እዩ።

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You