“ፀገማት ኣብ ጠረጴዛ ብናይ ሓሳብ ልዕልናን ሰላምዊ መገዲን ንምፍታሕ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ” – ኣይተ መስፍን ደሳለኝ

ኣይተ መስፍን ደሳለኝ ኣብ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ምክትል ኣቦ ወንበር እዮም። ቅድሚ ሕዚ’ውን ብዝተፈላልዩ ዛዕባታት ሓሳቦም እናካፈሉንና ዝመፅኡ ኮይኖም ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና’ውን ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂብና ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ከምዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ከይዲ ትግበርኡ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ? ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ መስፍን፡ እቲ ስምምዕነት ናይ ብሓቂ ፅቡቅ ‘ዩ። ናይ ብሓቂ ብኵናት ዝፍታሕ ፀገም ‘ውን የለን ‘ዩ። መጀመርይኡ’ውን ኲናት ናይ ህልኸኛታት መገዲ ‘ምበር ናይ ደለይቲ ሰላምን መስተውዐልትን መራሕቲ መግለፂ ኣይኮነን። ስለዝኾነ’ውን ኣብ ሓፂር እዋን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ከቢድ ንዋታውን ሂወታውን ዕንወትን ኪሳራን ዘብፅሓ እንትኾን፤ ኣብ ከባቢ ኣምሓራን ዓፋርን ድማ ብዝተወሰነ መልክዑ ኪሳራን ዕንወትን ኣጋጢሙ ‘ዩ። ብፍላይ ኣፍቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ዝነበረ ኲናት ድማ ብጣዕሚ ዝኸፍአ ብምንባሩ ብጣዕሚ ኣጨኒቁና ‘ዩ ነይሩ። እቲ ኵናት ብኡኡ እንተቀፂሉ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይፈልዩ ሓደ ሓደ ሓይልታት ናብ ውሽጢ ትግራይ እንተኣትዮም ብጥምየትን ሕማምን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ትግራይ መሊሳ ትግራይ ኣብ ዘይትኾነሉ ኩነታት ክፍጠር’ዩ ዝብል ስግኣታት ነይሩ ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር ኣብ መወዳእታ ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣነ ከም መስፍንን ትዴፓ ድማ ከም ትዴፓን ፅቡቅ ተቐቢልናዮ ብጣዕሚ’ውን ሕጉሳት ኢና ነይርና እና።ብንኡሱ ኲናት ጠጠው ምባሉ ብጥይት ብድሮን ዝመውት ዝነበረ ሰብ ጠጠው ኢሉ ብዝተወሰነ መልክዑ ድማ ከም መድሓኒት ዝበሉ ኣገልግሎታት ሰብኣዊ ሓገዛት ብምእታዩ እቲ ህዝቢ ካብቲ ዝነብሮ መከራ ክረጋጋዕ ሰላም ክረክብ ስለዝኸአለ ፅቡቅ ጅማሩ ‘ዩ። ኣንሕና’ውን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኮይንና ነቲ ሰላም ናይ ባዕልና ኣብርክቶ እናገበርና ፀኒሕና ኢና።

ኣብቲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ግና ንእሽተይ ፀገም ዘለዎ ‘ዩ። ማለት ከምቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገበረ ስምምዕነት ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ። ኣነ ከምዝመስለኒ ኩሎም ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ብማዕርነት ክሳተፍሉ ዝኽእሉ ናይ ግዝያዊ ምሕደራ ክጣየሽ ኣለዎ ‘ዩ ዝብል። እዚ ከዓ ሓላፈነት ወሲዱ ብላዕላውነት ከተሓባብሮ ዘለዎ ናይ ፈደራል መንግስቲ ‘ምበር ከምቲ ሐዚ እንሪኦ ዘለና ህወሓት ጠያቂ ፌደራል መንግስቲ ፈቓዲ ዝመስል ዓይነት ‘ዩ ዝግበር ዘሎ።

ኣንሕና ሕጋዊ ፓርቲ ኢና ኣይተዓደምናን ፤ሓሳብና ክንህብ’ውን ዝኾነ ኣካል ዝሓተተና የለን። ብዝተፈላለየ መንገዲ’ውን ሓቲትና ነይርና ኢና ኾይኑ ግና ዝመለሰልናን ዝሰመዐናን ኣካል የለን። ሐዚ’ውን እንተኾነ ማሕበራዊ መሰረትና ትግራይ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ሓቃዊ ዝኾነ ዴሞክራሲያዊት ኣብ ትግራይ ንክህልው ለውጢ ንክመፅእ ፀገማት ንክፍታሕ ንቃለስ ውድባት ኢና ክንሳተፍ ኣለና። ብስሩ’ውን ኣብቲ ስምምዕነት ንዓና’ውን ስለዝጠቅሰና ማለት ‘ዩ። እዚ ግና ኣይኮንን ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ሓደ ውድብ ውልቀ ንብረትነት ወፂኡ ብዝደለዮ ባዕሉ ንባዕሉ ከመሓድርን ክውስንን ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ። እቲ ቅድሚ ሐዚ ዝኸደሉ ዝነብረ መንገዳት ኩሉ ተቐይሩ ብኻሊእ ሕጋውን ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ መንገዲ ክምራሕ ኣለዎ ‘ምበር ከምዚ ዓይነት ካብቲ ስምምዕነት ወፃኢ ዝኾነ ኣካያይዳታት ምናልባት ዘላቂ ሰላም ንምርግጋፅ ዕንቅፋት ክኸውን ስለዝኽእል ካብ ብሐዚኡ ተተፈሸ ዝሓይሽ ይመስለኒ።

ወጋሕታ፡ኣብ ምጥያሽ ዕጡቃት ህወሓት እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ትብሉ፤ ጉዱኣት ኵናት ብኸመይ ክትሓዙ ኣለዎም ትብሉ?

ኣይተ መስፍን፡ ከምቲ ዝፍለጥ ኣብቲ ዝነብረ ኲናት ብዙሕ ጉድኣት በፂሑ ‘ዩ። ብኣማኢት ኣሽሓት ተሰዊኦም፣ ብዓሰርተ ኣሽሓት’ውን ኣካሎም ጎዲሎም፣ ብዙሕ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቅልውላዋት ገጢሙ ‘ዩ። ስለዝኾነ ሐዚ’ውን እቲ ጉዳይ ክፍታሕ ዘለዎ ብብርኪ ውልቀ ሰብ ከምዚ ተጎዲኡ እናብልካ ምሕጋዝ ዘይኮነስ ትካላዊ ብዝኾነ መንገዲ ‘ዩ ክፍታሕ ክኽእል ኣለዎ። ማለት ብዙሓት ዓለምለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ክሕግዙ ዝኽእሉ ይህልው ‘ዮም እሞ ነዚኦም እናተሓባበርካ ብዘላቅነት ፀገሞም ዝፍትሓሉን ዝከሓሱሉን መንገዲታት ክፍጥር ክኽእል ኣለዎ። ብፍላይ እቶም ኣካሎም ጎዲሎም ዘለውን ቆልዑን ቤተሰብ ዘለዎም ዝተሰውኡ’ውን እቲ ካሕሳ ወይ እቲ ኸይዲ እግሪ ምትኻል ጥንኩርን ትካላዊ ብዝኾነ መንገዲን ብዘላቂነት ከዓ ፀገም ክፈትሕ ብዝኽእል መንገዲ ክኸውን ኣለዎ።

ካሊእ ሐዚ ብዙሕ ቅርሺ ገለ ክመፅ ይኽእል ‘ዮ ፣ መንገዲ ገለ ‘ውን ክስራሕ ትርኢ ኢኻ።ይኹን ‘ምበር ከምቀዳምነት ተገይሩ ክውሰድ ዘለዎ ግና መጀመርያ ኣካላዊ፣ ስነልቦናዊን ሕውየት ‘ዩ፤ኢኮኖሚ’ውን ብጣዕሚ ተጎዲኡ ደቒቁ ‘ዩ። ስለዝኾነ’ውን ቀልጢፉ ዝድሕን ዓይነት ኣይኮነን እና ኣብዚ ብዙሕ ስራሕቲ ክስራሕ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብቲ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝብሃል’ውን ግልፅነት ብዘለዎ መንገዲ ስግኣታት ብዝቀርፍ መንገዲ ማለት ነቲ ህዝቢ ኮነ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ከረጋግፅ ብዝኽእል ብልተወደበ መንገዲ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡ብኹሉ ወገን ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ፍትሒ ንምሃብ ከመይ ክኸይድ ኣለዎ?

ኣይተ መስፍን፡ እዙይ ቑሩብ ዕሽሽ ዝተብሃለ ወይ ንጎኒ ዝተገደፈ ይመስል። ነዚ ኹሉ ህልቂት ምኽንያት ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ወይ ጉጅለ ኣለው ‘ዮም። ስለዝኾነ ሱቅ ኢልካ ፈቲሕካ ምስዳድ ዘይኮነስ ተሓታትነት ክህልው ኣለዎ። ተሓታትነት እንድሕር ዘየለ ፍትሒ የለን ማለት ‘ዩ። ስለዝኾነ ከምቲ ዓንተዎ ካሕሳ ገለ ዝበልክዎ እቲ ማዕቀፍ ስግግር ፍትሒ ዝብልዎ ኣነ’ውን ኣብኡ ተሳቲፈ ነይረ ‘የ፤ እዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ዝትግበር እንተኾነ ‘ውን ቁሩብ ጥንክር ዝበለ ግና ኣይኮነን።

በቢብርኩ ከም ዓይነትን ትሕዝቶን እቲ ገበን ኣብ ዓለምለኸ ክሕተቱ ዝግብኦም ኣብ ዓለምለኸ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ክሕተቱ ዘለዎም ብሕጊ ኣብ ቤት ፍርድ ቀሪቦም ዝግብኦም ቅፅዓት ክረኽቡ ዝግበረሉ መንገዲ ክኽእል ኣለዎ ‘ምበር እዙይ ንጎኒ ተገዲፉ ብስልጣን ኣነ ይሓይሽ ኣነ ይሓይሽ ናብ ዝብል ዓይነት ‘ዩ ተራእዩ ነይሩ። እዚ ገበን እዚ ዝርስዓሉ ብርኪ ንጎኒ ዝገድፉሉ መንገዲ ‘ዩ ዝኸድ ነይሩ፤እዚ ክኸውን ይነበሮን።

 ኣብዚ ከከራኽር ዝኽእል እዞም ሰባት ኣበይ ይተሓተቱ ዝብል ‘ምበር ስምምዕነት ሰላም ስለዝተገበረስ ንስኻ’ውን ግደፍ ኣነ’ውን ክገድፍ ዝብሃል ክህልው የብሉን። ኣብዚ ዘይምልከቶም ብዙሓት ሰባት ሃሊቆም ‘ዮም። ስለዝኾነ ተሓታትነት ዘይሕለፍ ቀይሕ መስመር ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሩውንዳ ይኹን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ዝተገበረ ጥፍኣት’ውን ተሓቲቶም ‘ዮም። መንግስቲ ኣብ ተሓታትነት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክሰርሕን ፍትሒ ከረጋግፅን ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝኣምን።

ወጋሕታ፡ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ተግባራት ክፍፅም ኣለዎም ኢሎም ይምዕዱ?

ኣይተ መስፍን፡ ከምቲ ዝበልኩኻ ኣብቲ ምጥያሽ ግዝያዊ ምሕደራ ብቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ መሰረት ከይዱ ኢልና ኣይንኣምንን፤ ብውልቀ ደረጃ ግና ኣይተ ጌታቸው ቁሩብ ካብቶም ኣብኡ ዘለው ዝሐሸ ሰብ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ከምቶም ዝተወሰኑ ጉጅለታት መክራን ሞትን ህዝቢ ትግራይ ምንም ዘይመስሎም ንባዕሎም ጥቅሚ ጥራሕ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሰባት ጨካን ሰብ ኣይኮነን ዝሐሸ ዝተምሃረ ሕሊና ዘለዎ ሰብ ‘ዩ።

 ብዝተወሰነ መልክዑ በቲ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ዝተወሰነ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ‘ዩ ኢለ ይኣምን። እዚ ዘይቅበል ኣተሓሳስባታት ክህሊ ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ፈተናታት ከጋጥሞ ይኽእል ‘ዩ። ብዋናነት ኣይተ ጌታቸው ክገብሮ ኣለዎ ካብ ዝብሎ፤ እቲ ናይ ህልኽን ምጥልላፍን መንገድታት በቲ ዝነብረ ንሕናን ንስኻትኩምን ዝብል ኣፈላላይን ምስ ጎረባብትኻ ፅልኢ ፈጣራይን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከጥፍእ ክኽእል ኣለዎ።

ምኽንያቱ ካብቶም ጎረባብትኻ ወፃኢ ዝቀርበካ የለን። ማለት ብኢኮኖሚ ይኹን ብታሪኽ ብዝተፈላለየ መንገዲታት ንዓኻ ክጠቅሙ ዝኽእሉን እንተተጋጊኻውን ክጎድኡኻ ዝኽእሉ እቶም ኣብ ጎረባብትኻ ዘለው ክም እኒ ዓፋር ኣምሓሩ ዝበሉ ‘ዮም። ምስኦም ዘሎ ዝተበላሸወ ርክብ ድማ ክስተኻኸል ኣለዎ። ሱቅ ኢልካ ኣማዕዲኻ ናይ ፀላእየ ፀላኢ ፈታውየይ ‘ዩ ብዝብል እቲ ንኢትዮጵያ ንስልሳ ሰብዓ ዓመታት ዝኸውን ናብ ፀገም ኣእትይዋ ዘሎ ኣተሓሳስባ ገዲፍካ ክልቲአኻ ኣሸናፊ እትኾነሉ መንገዲ ኢኻ ክትኽተል ዘለካ። ፀገማትካ ኣብ ጠረጴዛ ኮይንኻ ተዘራሪብካ ብናይ ሓሳብ ልዕልናን ብሰላምዊ መንገዲን ኣፈላላይ ብምፍታሕ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ኣፈላላይ ባህርያዊ ‘ዩ ነዚኦም ዝትፈትሐሎም መንገዲታት ግና ብኣንሕና እንበልፅ፣ ህልኽን ውልቀ ጥቅምኻ ብምቅዳም ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ረብሓ ብምቅዳም ‘ዩ።

 ካሊእ እቲ ናይ ህወሓት ወያናይ ዲሞክራሲ ዝብሃል ዘየዋፅእ ኣኽሳራይ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ተወጊዱ ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ ክትካእን ህዝቢ ትግራይ’ውን ናይ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ በዓል ቤት ንክኸውን፣ ምስ ጎረባብቱ ብሰላም ዝነብር ፀላኢ ዘይኮነስ ፈታዊ እንተፈጢርካሉ ‘ዩ ዝብል ኣብ ሓድነት፣ ዴሞክራስን ሰላም ዝተመስረተ ኣተሓሳስባ ብብርኪ ማሕበረሰብ ንክሰርፅ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ምስ ፌደራል መንግስቲ ዘለዎ ርክብ’ውን ብዝተፈለየ መንገዲ እቲ ዝነበረ ብልሽት ኣስተኻኺሉ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሮም ንክቅፅሉ ዝግበሩ ነገራት ክቅፅል ኣለዎ ዝብል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡እቲ ዝተረፈ ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእነት ተግባራዊ ንክኸውን ካብ ፖለቲካዊ ፓርትታት ሃገርና እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ መስፍን፡ ፖለቲካ ፓርትታት ሃገርና ካብ ተበታቲንካ ድልየት ውልቅኻን ጉጅለኻን ንምስኻዕ ብዝተፈላለየ ሓቂ ብዘይኮነ መንገዲ (ናይ ህዝቢ ድጋፍ ንምግናይ፣ ወይ ናይ ውልቀን ጉጅለን ስልጣን ንምሓዝን ንምንዋሕ) ነዊሕ ዝፀንሐ ናይ ምፍሕፋሕ፣ ምድፍፋእ፣ ምጥልላፍን ሸርሕታት መንገዲ ኣተሓሳስባ ወፂእኻ፤ እኩብ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ወይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጭንቂ ዝወፅአሉ መንገዲ ዝተኣከበ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ሓድነት ምፍጣር ኣድላይ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝተፈላለየ ፕሮግራማት፣ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር ናይ ህዝቢ ፀገማት ምፍታሕን ንህዝቢ ሓደሽቲ ዕድላት ኣብ ምፍጣር ትኹረት ዝገበረ ‘ዩ.. ዘይሩ ዘይሩ ፖለቲካ ልምዓት፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲን ለወጥን ንምምፅእ ስለዝኾነ ካብ ውልቃዊ ድሌት (ኢጎ) ወፅኢኻ ኣብዚ መሰረት ዝሓዘ ኣተሓሳስባን ህዝቢ ኣብ ዝጠቅም ብፎረም ይኹን ብዝተፈላለየ ምትሕብባር ይኹን ተወዲብካ ፀገም ህዝቢ ፈታሒ ብዝኾነ መንገዲ ምስትኽኻል ዘድሊ ይመስለኒ።

ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ኣካያይዳ ካብኡ ትምህርቲ ብምውሳድ ተፈላሊኻ ዝይኮነስ ኣብ ሓድነት ዝተመስረተ ኣካያይዳ ‘ዩ ዘድልየና። ምኽንያቱ ተፈላሊኻ ዝመፅእ ውፅኢት ስለዘየለ። ሓደ ማሕበረሰብ ወይ ሓደ ዓዲ ክልተ ኣማራፂ ኣለዎ፤ ተሓባቢሩ ተኸኣኢሉ ዓዱ ንቅድሚት ምስጓም ወይ ከዓ ከም ዓሻ ምጥፍፋእ ‘ዩ። ስለዝኾነ ዝሓለፈ ጥፍኣት ስሕተታትናን ምምላስ ኣይንኽእልን ቀፃሊ ግዜና ግና ብርሃናዊ ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

 ስለዝኾነ ካብ ዝሓለፈ መንገድታትና ትምህርቲ ኮይኖምና ንቀፃሊ ዝመፅእ ለውጥታት ኩሉ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣወንታዊ ተራ ክፃወት፣ መንገዱ ከስተኻኽል፣ ህዝቡ ክውድብ፣ እቲ ብሓደ ውድብ ተታሒዙ ዝነብረ ሜዳ ፖለቲካ ንኹሉ ክፍቲ ንክኸውን ክቃለስ ናብቲ መፃወቲ ሜዳ ክንኣትው ዘለና ይመስለኒ።

ወጋሕታ፡ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሉ?

ኣይተ መስፍን፡ ብዋናነት እንታይ ‘ዩ ፀገምና ኢልካ ምሕሳብ ምዝርራብ የድሊ። ናብዚ ኹሉ ፀገም ዝኣተና እንታይ ስለዝጎደለና ‘ዩ? ናይዚ ኹሉ ዋና ፍልፍል ፀገም ብምፍላይ ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓዲ ህዝቢ ፀገም ኮይኑ ኣይፈልጥን። ንሕማቅ ኮነ ንፅቡቅ እቶም ሊህቃን ዝብሃሉ ዝፈጠርዎ ‘ዩ። ስለዝኾነ እቲ ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ተፈጠረ ፀገም ኮፍ ኢሉ ካብ ካልኦት ዲሞክራሲያዊ ዝኾና ሃገራት’ውን ልምዲ ብምውሳድ ንቀፃላይ ረዘንቲ ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ ‘የ ዝብል ብሓፂሩ።

 ወጋሕታ፡ግደ ዲያስፖራን መላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዳግመ ህንፀት እንታይ ክገብሩ ይግባእ?

ኣይተ መስፍን፡ እወ ህዝቢ ትግራይ እቲ ዋና ክገብሮ ዘለዎ ድልየቱ ከነፅር ኣለዎ። ቅድሚ ሐዚ እቲ ህዝቢ ድልየታቱን ባህግታቱን ነፂሩ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ዝትግምግሞ ካብ ውፅኢታቱ ‘ዩ እሞ ህዝቢ ትግራይ ድልየቱ ከነፅር ኣለዎ። ብምሕሳብን ብምውዳብን ረብሓታቱ ከዓ ነፂሩ ተረብሓይ ዝኾነሉ መንገድታት ብፍላይ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ ጠቃሚ ጎንታት ብምዕቃብ እቲ ብዙሕ ኪሳራታትን ዋጋን ዘኽፈለን ዝኣረገን መንገድታት ድማ ብምእራም ወናኒ ሓዱሽ ኣተሓሳስብ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ካብ ስምዒት ዝወፅአ ሚዛናውን ምኽንያታውን ዝኾነ ናይ ማሕበረሰባዊ ኣተሓሳስባ በዓል ገዛ ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ወፂኢ በቲ ዝነበረ ዝኸይድ እንተኾይኑ ግና ዝኾነ ዘምፅኦ ነገር የለን።

እቲ ዳያስፖራ ብዝተወሰነ መልክዑ ንትግራይ ይሕግዝ ነይሩ ‘ዩ፤ብኻልእ ገፅ ድማ ኣብ ተሳትፎ እቲ ኵናት ሆይ ሆይ እናበለ ብዙሕ ፀገም’ውን ዝፈጠረ ኣካል ‘ዩ ነይሩ። ሐዚ’ውን እቲ ዳያስፖራ ኣብቲ ዝነብረሉ ዘሎ ዓዲ ዘሎ ሰላምን ልምዓትን ብሓፈሻ ንሱ ዝነብረሉ ዘሎ ኩነታት ኣብ ትግራይ ንክኸውን ንክምነይ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ ‘ምበር ንሱ ዘይረኽቦ ሓዊ ካልኦት ዝሞቁሉ ሆ እናበለ በሎ ቅተሎ ምባል ፅቡቅ ስለዘይኮነ ጠጠው ኢሉ ዓርሱ ክፍትሽ ኣለዎ።

እቲ ዳያስፖራ ከምቲ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፎ ብዝበለፀ ኣብ ዳግማይ ህንፀት ብገንዘቡ፣ ብፍልጠቱ ይኹን ብዝተፈላለየ መንገዲ እቲ ብዙሕ ዝተጎድአን ከበድቲ ክሳራታት በፂሕዎ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ቀልጢፉ ዝሓውየሉ መንገዲ ዝለዓለ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ። ምስ ዝኾነ ይኹን ብሄር ይኹን ጉጅለ ካብ ፅልኣትን ናይ ምጥፍፋእ ኣተሓሳስባ ወፂኡ ኣብ ሓድነት ዝተመስረተት ኢትዮጵያን ትግራይን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ከምዝኾናን ክፋላለያ ከምዘይኽእላ ምርዳእ ኣድላይ ‘ዩ።

 ንኣብነት ኣምሓራ ተሓሚሱ ትግራይ ሰላም ከምዘይትኸውን ምፍላጥ የድሊ፤ምኽንያቱ ከምዚ ዝበሉ ኣተሓሳስባታት ስለዘለው ‘ዮም ከምኡ ዝብል ዘለኹ። ኣብዚ ሓደ ዓይኒ ጠፊኡ ‘ዩ፣ ሰብ ሞይቱ ‘ዩ እሞ ኣብዚ’ውን ይሙት ዓይኒ ይጥፋእ ዝብል ዘዋፅእ መንገዲ ኣይኮነን። ክትብደል ትኽእል ኢኻ ትግራዋይ’ውን መዓት ነገር በፂሕዎ ‘ዩ ይኹን ‘ምበር እዚ ብምንታይ ኢና ደው ክነብሎ ይቕረ ብምብህሃልን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትሕክሞ ኣለካ ‘ምበር ብናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት እናተጣፋእኻ ዝመፅእ ነገር የለን። ስለዝኾነ ዓለም ብጉለባላይዘሽን ኣብ ዝተኣሳረትሉ እዋን ንስንስኻ ዝትጣፈአሉ መንገዲ ናይ መሃይምነትን ድንቁርናን መግለፂ ‘ዩ፤ስለዝኾነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዝበፅሐ ግፍዒ ክትቃለሶ ክትኽእል ኣለካ።

ወጋሕታ፡ዝተፈላለያ ትካላት ፌደራል ናብ ትግራይ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ይረኣዩ ኣለዉ እዚ ኣብ ከይዲ ስምምምዕነት ሰላም እንታይ ፋይዳ ይህልዎ ትብሉ?

ኣይተ መስፍን፡- ያው ኣንሕና ፌደራል ስርዓት ኢና ንኽተል፤ኣብ ልቃሕ ይኹን ርዳእታት ብሓፈሻ ኣብ ፋይናንሳዊ ዝለዓለ ዓቅሚ ፀበለልትነት ዘለዎ ፌደራል መንግስቲ ‘ዩ። ስለዝኾነ ካብቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃሳት ብዝጠንከረ መንገዲ ክቕፅል ኣለዎ። ምስቲ ዝተፈጠረ ከቢድ ፀገም መንፃር ክትርኢ ከለኻ ቁሩብ ዝሕል ዝበለ ይመስለኒ እና ዝበለፀ ስራሕ ዘድሊ ይመስለኒ።

ንኣብነት ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ ሐዚ ሰላም ጥራሕ ረኺቡ ኣሎ ‘ምበር ብኢኮኖሚ ይኹን ብስነልቦና ዝረኸቦ የለን ምባል ይክኣል። ኣብ ፀገም ‘ዮም ዘለው ። እቲ ዘሎ ኩነታት ብኣግባቡ ገምጊሞም ናብቲ ህዝቢ ንክበፅሑ ብዝበለፀ ፈደራል መንግስቲ ብዝተዋደደ መልክዑ ቅልጥፍ ኢሉ ስራሕቲ እንተሰሪሑ ዘሎ ፀገማት ብቅልጡፍ ናይ ምቅራፍ ዕዱሉ ፅቡቅ ይኸውን ‘የ ዝብል።…

ወጋሕታ፡የቐንየለይ።

ኣይተ መስፍን፡ ኣነ’ውን ቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም

Recommended For You