ኢትዮጵያ እተዳልዎ ፅዋዕ ሴካፋ ጠንካራ ጉጅለ ሒዛ ክትቐርብ እያ

ምብራቕን ማእኸላይን ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራት (ሴካፋ) ንሕንሕ ካብ 26 ሰነ 2013 ዓ.ም ክሳብ 11 ሓምለ 2013 ዓ.ም ብኢትዮጵያ ኣዳላውነት ኣብ ከተማ ባህርዳር ከምዝካየድ ዝፍለጥ እዩ፡፡ኣብዚ ንሕንሕ ተሳታፊ ዝኾነ ትሕቲ ዒስራን ሰለስተን ዓመት ብሄራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ ብኣሰልጣኒ ዉበቱ ኣባተን ምኽትሉን ዝምራሕ እንትኾን ንሰላሳን ሓሙሽተን ተፃወቲ ፃውዒት ገይሮም እዮም፡፡ ጉጅለ ብሄራዊ ኢትዮጰያ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ናብ 2021 ፅዋዕ ኣፍሪካ እንትሓልፍ ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዝነበሩ ተፃወቲ ዕድሚኦም ንፅዋዕ ሴካፋ ንክኣትዉ ዝፈቐደሎም ሓሙሽተ ተፃወቲ እቲ ልምምድ ምስዝተጀመረ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ከምዝጅምሩ ተገሊፁ እዩ፡፡ኣሰልጣኒ ውበቱ ዓሰርተ ሰለስተ ካብ ፕሪሚየር ሊግ፣ ኣርባዕተ ካብ ላዕለዎት ሊግ ኣብቲ ጋንተኦም ዝሰብሰቡ እንትኾን ካብ ዝሓለፈ ዝሓሸ ጉጅለ ከምዝሃንፁ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኢትዮጵያ ዝሓለፉ ዓመታት ንሴካፋ ንሕንሕ ዝሃበቶ ትኹረት ብዙሕ ከምዘይኾነ ዝፍለጥ እንትኸውን ንመወዳእታ እዋን ቅድሚ ዓሰርተ ሽድሽተ ዓመት ፅዋዕ ከምዝወሰደት ዝዝከር እዩ፡፡ሎሚ ግና ኢትዮጵያ ናይቲ ውድድር ኣሳናዳኢት ስለዝኾነት ጋንታ ዋልያ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፎም ኣብ ዘረጋግፅሉ እዋን ብምዃኑ ናይ ምልዕዓል ድልየት ከይዘሓለ ተኻፈልቲ ሴካፋ ብምዃኖም ፅዋዕ ክሳብ ምልዓል ጠንካራ ተናሓናሕቲ ከምዝኾኑ ይግመት፡፡

ካብ 1926 ዓ.ም ጀሚሩ ምካያድ ዝጀመረ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ንሕንሕ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2021 ዓመት ንሕንሕ ዕድሚኦም ትሕቲ ዒስራን ሰለስተን ዓመት ንክካየድ ከምዝተወሰነ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኸዚ ንኣርባዕተ ግዘ ኣዳልያ ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ፡፡ኢትዮጵያ እቲ ንሕንሕ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ክተታኣናግድ ከላ ዩጋንዳ እቲ ንሕንሕ ብልዕልነት ከምዛዘመት ዝዝከር እዩ፡፡ ዩጋንዳ ዓሰር ኣርባዕተ ፅዋዕ ብምልዓል ቐዳሚት እያ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You