ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተፀመሩን ሙሉእ ሂወቶም ዳርጋ ክባሃል ዝከኣል ኣብ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ዘሕለፉ ‘ዮም። ወታደራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ ዝመፁ እንትኾኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንኸባቢ ኣርባዕተ ዓመታት ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ከምኡ ’ውን ብ2005 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ዘይምርግጋእ ናብ ንቡር ንምምላስ ንኽልተ ዓመት ሰሪሖም ‘ዮም።
ናብ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንትፅንበሩ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስወድኡ ነይሩ። ሐዚ ግን ብሰላምን ፀጥታን(peace and security) ማስትሬት ዲግሪ ተመሪቆም ጥሮታ ክሳብ ዝወፁ ሃገራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ መፂኦም ‘ዮም። ብዶክተር ሙሉ ነጋ ይመራሕ ኣብ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብቲ ክልል መተሓባበሪ ኮማንድ ፖስት ኾይኖም ሰሪሖም ‘ዮም፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ምስ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ምስ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ወጋሕታ፡– ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ዝረአዩ ዘለዉ ለውጥታት ከመይ ይዕዘብዎ?
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ብመሰረቱ ኩናት ክጅመር ዘይነበሮ ሕማቕ ኣጋጣሚ ‘ዩ፡፡ ምስ ተጀመረ ድማ ቐልጢፉ ጠጠው ኣይበለን ንክልተ ዓመት ዝኣክል ብምቕፃሉ ብዙሕ ክሳራታት ኣስዒቡ ‘ዩ፡፡ እቲ ኩናት ግዜ ክወስድን ጉድኣቱ ከቢድ ክኸውንን ዝገበሮ ብቐንዱ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ነናይ ባዕሎም ድሌት ሒዞም ስለ ዝኣተዉ ‘ዩ፡፡ እቲ ኩናት ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዝመፀ ዘይምርድዳእ ብሓሳብ ክፍታሕ ምተኸኣለ ነይሩ ኮይኑ ግና ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ናብ ኩናት ኣምሪሑ ‘ዩ፡፡
ድሕሪ ስምምዕነት ግና ኣብ ትግራይ ሰላም ኣወንታዊ ለውጥታት እናተራእዩ ‘ዮም፡፡ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዙሓት ለውጥታት ኣምፂኡ ‘ዩ። ብቐንዱ ኩናት ጠጠው ክብል ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣየር ንምትንፋስ ክጅምር ገይርዎ ‘ዩ፡፡ ብዙሕ ንብረት ዕንወትን ሰብ ሂወትን ከድሕን ኣኽኢሉ ‘ዩ፡፡ መንግስትን ህወሓትን ተቓራሪቦም ንምዝርራብ ዘኽአለ ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝሓሸ መልክዑ ክኣቱ ኣኽኢሉ ‘ዩ፤ ናይ ደገ ሓይልታት ‘ውን ንኽወፁ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ፡፡ ካልኦት ብዙሓት ኣወንታዊ ለውጥታት ‘ውን እኳ እንተሃለዉ ብቐንዱ እዚኦም ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ፡፡ ዝተፈናቐለ ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን ዘሎ ኮይኑ ግና ፅቡቓት ጅማሮታት ኣለዉ ‘ዮም፡፡
ሕዚ ሰላም ኣሎ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍስ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ግና ሙሉእ ኣይኮነን፡፡ እዚ ሙሉእ ሰላም ክኸውን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብዕቱብ ክሰርሐሉ ኣለዎ፡፡ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተጠቐሳ ነጥቢታት ብምሉእነት ክፍፀማ ኣለዎን፡፡ ግዜ ክወስድ የብሉን፤ ፍርቓ ፍርቒ ዝበሃል ሰላም የለን፤ ሙሉእ ሰላም ክኸውን ኣለዎ፡፡
ወጋሕታ፡–ኣብ ሓፈሻዊ ዳግመ ህንፀትን ዘላቒ ሰላምን ትግራይ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ሕዚ ‘ውን ነቲ ዝተረኸበ ሰላም ንድሕሪት ንምምላስ ዝፅዕሩ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም። እዚኦም ስርዓት ክሕዙ ምግባር የድሊ። እቲ ኩናት ዘብፀሖ ጉድኣት ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ፡፡ ብዙሕ ህይወት ሰብ በሊዑ፣ ኣካል ኣጉዲሉ፣ ኣፋናቒሉን ሃፍቲ በሊዑን ‘ዩ፡፡ እዞም ሰላም ዘይደልዩ ኣካላት ግና በዙይ ክዓግቡ ኣይከኣሉን፡፡
ድሕሪ ኩናት ዝለዓል ሕቶ ድማ በቲ ኩናት ዝዓነወ ንብረት መሊስካ ምትካእ ‘ዩ፡፡ ከመይ ነሕውዮ ዝብል ድሕሪ ኩናት ዝለዓል ሕቶ ‘ዩ፡፡ ነዚ ንምምላስ እቲ ሰላም ሙሉእነት ክህልዎ ዝዓነወ ሃፍቲ መሊስካ ምህናፅ ኣድላይ ‘ዩ፡፡ ጉዳይ ሰላም ውሑስ ብምግባር ቐልጢፍካ ናብ ልምዓት ምእታው ኣድላይ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ፌዴራል ብፅሒቱ ክወስድ ኣለዎ፡፡ ህወሓት ‘ውን ብተመሳሳሊ። ዳግመ ህንፀት ትግራይ ቐዳምነት እንድሕር ተዋሂብዎ ዘይተሰሪሑ ኣፀጋሚ ‘ዩ ዝኸውን፡፡ ብፍላይ ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ሒዘን ዝነበራ ትካላት ብህፁፅ ተፀጊነን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ኣለዎን፡፡
ስራሕ ስእነት ንምቕላል ዘይነዓቕ ግደ ዝፃወታ ትካላት ስለ ዝኾና መንግስቲ ነቲ ጉድኣት ኣብ ግምት ብዝአተወ መሰረት ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ትግራይ ልክዕ ከምተን ካልኦት ክልላት ግቡኣ ከትረክብ ኣለዋ፡፡ ኣብዚ መንግስቲ ንካልኦት ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣካላት ብምልዕዓል ክገብሮ ዝኽእል ሓላፍነት ቐሊል ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ትግራይ ‘ውን ዝኸኣሎ ኩሉ ንምስራሕ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ይግባእ፡፡ ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ይኹኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ገበርቲ ሰናይ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ኣለዎም፡፡
ኩሉ ኢደይ ኢድካ እንተተባሂሉ ብዙሕ ዝኸብድ ኣይኸውን። ብፍላይ ህዝቢ ኣላዓዒልካ ኣብ ምስራሕ ቖላሕታ ብምሃብ ክስረሐሉ ኣለዎ፡፡ መንግስታት ክልል’ውን ሓላፍነት ስለ ዘለዎም ዝኸኣልዎ ኩሉ ንምሕጋዝ ንደሓር ክብሉ የብሎምን። ኣብ ሓንቲ ሃገር ክሳብ ዝኾናካ ኣይምልከተንን ዝብል ነገር ክህሉ የብሉን፡፡ እቲ ኩናት ንኹሉ ክልል ነኺእዎ እኳ እንተኾነ ናይ ትግራይ ግና ኩሉ ከምዝፈልጦ ዝተፈለየ ‘ዩ፡፡ ብጣዕሚ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖ ክልል ‘ዩ፡፡ ስለዚ ዝተፈለየ ቖላሕታ የድልዮ ‘ዩ፡፡
ድሕሪ ኩናት ንዳግመ ህንፀት ዘተሓባባር ኣካል ክጣየሽ ኣለዎ፡፡ ዘዋድድን ዘዋፍርን ሓይሊ እንድሕር ዘይሃልዩ እቲ ስራሕ ዕውት ዘይክኸውን ይኽእል ‘ዩ፡፡ ኩናት ትግራይ ምስ 1960ታት ኣብ ናይጄሪያ ዝነበረ ታሪኽ ዝመሳሰል ‘ዩ፡ ፡ ልዑል ሓይሊ ዝነበሮ ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ቢያፍራ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ቢያፍራዊያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ‘ዮም፡፡ እቲ ህዝቢ ክሳብ ሕዚ ኣብ ፀገም ‘ዩ ዝርከብ፡፡
እቲ ህዝቢ ውሕድ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ግቡእ ዳግመ ሕውየት ስለ ዘይተገበረሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ሕዚ ‘ውን ኣብ ፀገም ‘ዩ ዝርከብ። ካብ ሓገዝ ኣይወፀን። ስለዚ ጉዳይ ትግራይ’ውን ከምዚ ከይኸውን እቲ ጉድኣትን ኣብ ግምት ብምእታው ዳግም ንምሕዋይ ግቡእን ዝተዋደደን ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ፡፡ ድሕሪ ኩናት ብሰንኪ እገለ ‘ዩ እዚ ጉድኣት እዚ በፂሑ ከትብል የብልካን፤ ህዝቢ ኢኻ ክተቕድም ዘለካ ‘ምበር ምውቕቓስ ኣየድልን፡ ፡ እዚ ክብል እንተለኹ ግና ብሕጊ ዝሕተት ኣካል ክሕተት የብሉን ማለተይ ኣይኮንኩን። ንልምዓትን ሰላምን ዘዐንቕፉ ነገራት ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ድሌት ህዝቢ ጥራሕ ቖላሕታ ከትገብር ኣላካ። ምኽንያቱ ንትግራይ ምሕዋይ ንኢትዮጵያ ምህዋይ ‘ዩ፡፡
ንኢትዮጵያ ምሕዋይ ‘ውን ንትግራይ ምሕዋይ ማለት ‘ዩ፡፡ ነፃፂልካ ዝረአ ኣይኮነን፡፡ ቕድሚ ኩሉ ግና በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ኩነታት ሰላም ውሕስ ምግባር የድሊ፡፡ ነቲ ሰላም ዘይደልዩ ሓደ ሓደ ኣካላት ድሌትና ተኾሊፍና ብምባል ሕቡእ ኣጀንዳ ሒዞም እናተንቐሳቐሱ ‘ዮም ዝርከቡ፡፡ ነዚኦም ስርዓት ክሕዙ ምግባር ግደ ማእኸላይ መንግስቲ ‘ዩ ዝኸውን። እዚ ብልክዑ ናይ ምእላይ ስራሕ ምስራሕ ብቀንዱ መንግስቲ ፌዴራል ዋላ ይኹን ‘ምበር ካልኦት ክልላት ‘ውን ይምልከቶም ‘ዩ፡፡ ይኣኽለኩም ዕረፉ ክበሃሉ ኣለዎም፡፡
ወጋሕታ፡–ኣብ ዳግመ ህንፀትን ዘላቒ ሰላምን ትግራይ ብፍላይ ግደ መላእ ተጋሩ ኸ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ?
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- መጀመርያ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ‘ዩ ናብዚ ኩነታት እዚ ክንኣቱ ገይሩና ብምባል ፈቲሹ ነቲ ሓቒ ክረክብ ኣለዎ፡፡ ሕዚ ኸ ንቅድሚት ንምስጓም እንታይ ከንገብር ኣለና ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፡፡ ብሚድያ ብዝንዝሑ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳታት ክደናገር የብሉን፡፡ ብናይ ሚድያ ሸቃጦ ክደናገር የብሉን፡፡ ገሊአን ሚድያታት መርዚታት እየን ዝነዝሓ ዘለዋ፡፡ ሃናፃይ ዝኾነ ኣተሓሳስባ እንተሒዝካ ናብ ትኽክለኛ ተግባር ንምኻድ ብዙሕ ዘፀግም ኣይኮነን።
ብፍይ ትግራዋይ ናይ ምርድዳእ ባህሉ ከዓቢ ኣለዎ፡፡ መጀመርያ ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ ኩነታት ክፈትሕ ኣለዎ፡፡ ካብኡ ቐፂሉ ናብ ተግባር ስራሕ ክኣቱ ኣለዎ፡፡ ውሽጣዊ ፀገምካ እንተይፈታሕኻ ካሊእ ግዳማዊ ፀገም ከትፈትሕ ኣይትኽእልን ኢኻ፡፡ህዝቢ ትግራይ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ንምምላስ ተወሃሂዱ ናብ ልምዓት ክኣቱ ኣለዎ። ኣብ ሞንግኡ ሰላም፣ ሓድነትን ፍቕርን እንተተፈጢሩ ብቐሊሉ ልምዓትን ሰላምን ከምፅእ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ኣብ ምሕዋይ ትግራይ እንተስ ብውልቀ እንተስ ከም ማሕበረሰብ ተወዲብካ ምስራሕ የድሊ፡፡
ፖለቲካዊ ይኹን ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ጉዳይ ልምዓት ትግራይ ሓደ ኮይኑ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ኣብ ጉዳይ ዳግመ ህንፀት ክሰምር ኣለዎ፡፡ ብቕልጡፍ ናብ ልምዓት ክኣቱ ኣለዎ፡፡ እንታይ ከንገብር ኣለና? ምስ መን ኢና ዘለና? ኢሉ ክሓሰብ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ፈታዊ ኣለዎ ‘ዩ፤ በይኑ ኣይኮነን፡፡ ናብ ተግባር ጥራሕ ክኣቱ ኣለዎ፤ ብሚድያ ጥራሕ ምዝራብ ክኸውን የብሉን፡፡ ምስ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ሓቢርካን ተዋዲድካን ናይ ምስራሕ ባህሉ ከዓቢ ኣለዎ፡፡
ወጋሕታ፡– ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ፌዴራል ናብ ትግራይ ብምኻድ ሓፈሻዊ ሳዕቤን እቲ ኩናት ክዕዘቡ ነስተውዕል ኢና፤ እዚ ኣብ ዘላቒ ሰላምን ዳግመ ምሕዋይን ትግራይ ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይገልፅዎ?
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ካብ ዝተፈላለዩ ሴክተራት እናተውፃእፅኡ ብምኻድ ዘሎ ኩነታት እናተመልከቱ ‘ዮም ዝርከቡ፡፡ እዚ ንሰላም ፅቡቕ ስጉምቲ ‘ዩ፤ ብኸምዚ ሰላም እናተጣናኸረ ክኸይድ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ምትእምማን ንምፍጣር ሓጋዚ ‘ዩ። እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ንምርኣዩ እኳ ዝኸብድ እንተኾነ ኮይኑ ግና ‹‹ምርኣይ ምእማን›› ‘ዩ ከምዝበሃል ብቀረባ ከይዳ ምርኣይ ፅቡቕ ‘ዩ፤ መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ስራሕ ዝሕግዝ ‘ዩ። ብፍላይ ተፈናቀልቲ ዘለውዎ ኩነታት ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ፡፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ርኢኻ መፍትሒ ንምቕማጥ ብዓብይኡ ዝሕግዝ ‘ዩ።
ተወሳኺ ዓቕምን ሓገዝን ንምግባር ወሳናይ ግደ ኣለዎ። እንታይ ዝኣክል ዓንዩ? ክንደይ ዝኣክል ሓገዝ የድሊ? ንዝብል ንምስላሕ ሓጋዛይ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። በርግፅ ኣብ መቐለ ጥራሕ ‘ዮም ዝርእዩ ዘለዉ፡፡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክኸዱ ነይርዎም። ዝተርፎም ነገር ኣሎ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ክበራታታዕ ዝግበኦ ተግባር ‘ዩ፡፡ ብዝረኣይዎ መሰረት ድማ ነቲ ህዝቢ ቐልጢፎም ክበፅሕሉ ይግባእ ክብል፡፡
ወጋሕታ፡– ሓዱሽ ካቢኔ ትግራይ ሕዚ ናብ ስራሕ እናኣተወ ‘ዩ ዝርከብ፤ ካብዚ ካቢኔ እዚ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ካብ ሓዱሽ ካቢኔ ትግራይ፤ ህዝቢ ብዙሕ ትፅቢት ይገብር፤ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ቐልጢፉ ክጣየሽ ዝግበኦ ዝነበረ ጉዳይ ‘ዩ ነይሩ፤ ይኹን ‘ምበር ብጣዕሚ ዘንጊዑ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ስለ ዘሎ ምድንጓይ ኣድላይ ኣይነበረን፡፡ ሕዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ኣሎ፤ እዚ ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ቐዳምነት ክዋሃቦም ዝግበኦም ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ልዑል ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ፡፡
ልዕሊ ኩሉ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተናቢብካ ብምስራሕ ፀገም ትግራይ ንምፍታሕን ትግራዋይ ኣብ መላእ እዛ ሃገር መሰሉ ተሓልሉ ሰሪሑ ዝነብረሉ ኩነታት ኣብ ምምችቻውን ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ። ከም ዝፍለጥ ትግራዋይ ኣብ ተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝተፈላለዩ ፀገማት እናበፅሖ መፂኡ ‘ዩ፡፡ ብምዃኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ሓቢሩ ብምስራሕ ህዝቢ ተወሳኺ ፀገም ከይበፅሖን ዝተፈናቐለ ናብ መረበቱ ኣብ ምምላስ ሓቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡
ኣብ ወሰና ወሰን ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ፀገም እናበፅሖ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ኣብዚ ቖላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ብፍላይ ድማ እቲ ሰላም ሙሉእ ክኸውን በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ክሰርሖ ዝግባእ ኩሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተሓባቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ዝሃቦ ሓላፍነት ቖላሕታ ሂቡ ብምስራሕ ዝሓሸ ለውጢ ከምፅእ ይግባእ። በርግፅ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ከበድቲ ነገራት ከጋጥምዎ ይኽእሉ ‘ዮም። ኮይኑ ግና ህዝቢ ብምትሕብባር ዝኸኣሎ ኩሉ ንምፍፃም ተጊሁ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡
ቕድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ዝተፋናቐለ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ብምምላስ ዘድልዮ ነገር ክማለአሉ ምግባር፤ ምኽንያቱ ዋላ እንተተመለሰ ጥራሕ ኢዱ ‘ዩ ዘሎ። መተሓሓዚ የድልዮ ‘ዩ፡፡ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ‘ውን ንደሓር ከይምለስ በርቲዕኻ ምስራሕ፤ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ክረጋገፀሉ ምግባር፤ ሕቶ ህዝቢ ብቀደም ሰዓብ ኣብ ምምላስ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ነቲ ሓቅታት ንምፍላጥ ብምሕታት ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ። ዝስርሑ ስራሕቲ ንህዝቢ ብግልፂ ክንገሮ ኣለዎ፡፡ ግልፅነትን ተሓታትነትን ክሰፍን ኣለዎ፡፡
ንህዝቢ ዝደልዮን ዝጠቕሞን ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ንህዝቢ ጠጠው ዝበልካ እንተኾይንካ ካብ ድሌት ህዝቢ ወፃኢ ከትሰርሕ የብልካን፡፡ ህዝቢ ክፈልጦ ዝግባእ ነገር እንተልዩ እናፍለጥካ ብዝተወደበ መልክዑ ናብ ስራሕ ብምእታው ፀገም ህዝቢ ንምቕላል ቐዳምነት ሂብካ ምስራሕ የድሊ። ልዕሊ ኩሉ ግና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝሰፈራ ነጥቢታት ብቕልጡፍ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ብዝግባእ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ እንድሕር ንህዝቢ ዝጠቕም ፖለቲካዊ ኣካይዳ ሃልዩ ዓርስኻ ቐልጢፍካ ሪፎርም ምግባር ኣድላይ ‘ዩ። ኣብ ሓደ ሓሳብ ጥራሕ ተሸኺልካ ከትነብር የብልካን፤ ምስ ግዜ ከትጎዓዝ ኣለካ፡፡
ወጋሕታ፡– ኣብ መወዳእታ ምስ ወድዓዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ከሕልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ቕድም ኢለ ካብ ዝበልክዎ ሓሳብ ብዙሕ ዝተፈለየ የብለይን፡፡ ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉ ሓታታይ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሰላም በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ናብዚ ፀገም እዚ ብኸመይ ኣቲና? ሕዚ ኸ እዚ ከይድገም እንታይ ከንገብር ኣለና ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፡፡ ምስ ኩነታት ሃገር ተተሓሒዙ ዘዋፅእ ነገር እንታይ ‘ዩ ኢሉ ክሓስብ ይግባእ፡፡ እንታይ እንተገበርና ካብ ጥቕዓት ንወፅእ? ብምንታይ ኢና ናብ ሓደጋ ንቃላዕ ዘለና ብምባል ክሓስብ ኣለዎ፡፡ ምኽንያቱ ብተደጋጋሚ ፀገም እናበፅሖ ‘ዩ ዘሎ፡፡
ፖለቲከኛታት ትግራይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣብዝጠቕም ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም፡፡ ኩሉ ደጋዊ ካብ ምግባር ውሽጣዊ ኩነታት ‘ውን ክፍትሹ ኣለዎም። በርግፅ ትግራዋይ ብዙሕ ጥቕዓት በፂሕዎ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ከይድገም ምስ መንግስቲ ተቐራሪብካ ምስራሕ ‘ዩ ዘድሊ። ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ስራሕ ኣብ ምስራሕ ቖላሕታ ገይሮም ክሰርሑ ኣለዎም፡፡
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየለይ።
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም