
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት ዓብይ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ፀገም ከምዘብፅሐ ይፍለጥ፡፡ ክትካእ ዘይኽእል ህይወት ሰብ ጠፊኡ ‘ዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኢኮኖሚያዊ ትካላት ዓንዮም ‘ዮም፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ ተናጊዑ ‘ዩ። ብሓፈሻ እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ምትሕሓዝ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡
ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ።
ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን።
ኣብቲ እዋን ኹናት ንቲ ኹናት ዝድገረፍን ዘረሳስንን ብዙሕ ትግራዋይ ከምዝነበረ ይፍለጥ፤ብፍላት ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩ ዳያስፖራ ዓብይ እጃም ከምዝነበሮም ይዝከር፡፤ሐዚ እቲ ኹነታት ተቐይሩ ኣሎ፡፡ኣብ ምዕራፍ ሰላምን ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ንርከብ፡፡ስለዚ ኣብቲ መዕነዋይ ኹናት ዝነበሮም ተሳትፎ ሓዚውን ኣብ ልምዓትን ዳግመ ሕውየትን ከርእዩ ኣለዎም፡፡ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩን ዝፈትውን ምዃኖም ዘረጋግፅኡ እዋን ሐዚ’ዩ፡፡ተጋሩ ዳያስፖራ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብ እዋን ኹናት ተሓባበርቲ ዝነበሩ ኩሎም ኣብዚ ሐዚ ዘለናዮ ናይ ሰላምን ዳግመ ህንፀትን መድረኽ እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ፡፡
ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን ይመስለኒ።
ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ።
እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ።
እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ።
በቲ ኵናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ንክምለሱን ግልጋሎት ንክህቡን ኢሉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ተዋፊሩ ዝርከብ ድማ በቲ ዘለዎ ዓቕሚን ክሕግዝ ዝኽእል ትግራዋይ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እጃም ኩሉ ትግራዋይ ኣድላይ ብምዃኑ ኩሉ ትግራዋይ ብዝኽእሎ ዓቕሚ ክረባረብ ከምዝግባእ ርዱእ ‘ዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
ሰናይ ከበደ
ወጋሕታ 12 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም