ጉዕዞ ቑልቁለት ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ

ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ምስ ዘመን ካብ ምኻድ ሓሊፉ ኣብ መንታ መንገዲ ዕንክሊል ይብል ኣሎ። ልእለ ሃያላን እትብሃል ኣሜሪካ ብዲፕሎማሲ ኮነ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ናይ ቑልቁል መገዲ ካብ እትኽተል ካብ ፍርቒ ክፍለ ዘመን ንላዕሊ ኮይንዋ ኣሎ። ብኣና ዝተጀመረ ብኣና ዝውዳእ ኣይኮነን። ሪፐብሊካን ናይ ናፃ ዕዳጋ ኣኽራሪን ናይ ፃእዱ ኣተሓሳስባ ዘራምዱ ማለት ናይ ኮለጅን ዩኒቨርስቲን በሪ ዝረገፁ ፃዓዱ ኣሜሪካውያን ብተለምዶ ሓደ ካብ ሚኢቲ ዝባሃሉ ሰብ ፀጋ ማሕበራዊ መሰረት ተሓሳቢ ዝገበረ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ እዮም ዝኽተሉ።

ንሰብ ፀጋታት ግብሪ ይቕንሱ። ነዚኦም ተሓሳቢ ዝገበረ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ይገብሩ። ስደተኛ ይፀልኡ። ኣየበራታትዑን። ‹‹መጀመርያ ኣሜሪካ!›› ናይ ልዕልና ፃዕዱ ኩለመዳያዊ ጥቕሚ ንምኽባር ይተግህ ብዝብል ሽም ይምራሕ። ፖሊሲኦም ሉኣላዊነት ካልኦት ሃገራት ከም ፅቡቕ ዕድል እንተይኮነስ ከም ስግኣት ይቖፅር። ትካል ሕቡራት መንግስቲታት፣ ባንኪ ዓለም፣ ትካል ኣለም ለኸ ገንዘብ፣ ውድብ ንግዲ ዓለም፣ሰሜን ኣትላንቲክ ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን /ኔቶ/ ፣ ሕብረት አውሮፓ፣ ወዘተ ብጥርጣረ ይምልከት። ጎሊሁ ዘይረአ ዝነበረ ፖሊሲኦም ዕድመ ንትራምፕ ናብ ኣዳባባይ ኣውፂእዎ እዩ። ካብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንነዘ ንዝሓለፉ 70ን ልዕሊኡን ግዜ ኣብ ዓለም ኣንፃራዊ ሰላም ብምስፋን ብፅቡቕ ዝውደሱ ኔቶን ሕብረት ኣውሮፓን ክነዓቕ ገይሮሞ እዮም። ፖሊሲ ኣሜሪካ ካብ ኣብ ፓሪስ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ኣየርን ፀረ ኑክሌርን ስምምዕ አፈንጊጡ እዩ።

ኣሜሪካ ንትካል ጥዕና ዓለም እትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ገንዘብ ኣቋሪፃ ኢያ። ኣብ እንግሊዝ ካብ ህዝቢ ናይ ምንፃል ውሳነ ደጊፋ ቖይማ እያ። ኣሜሪካ ዓለም ለኸ ግደ ክዝሕትል ገይራ እያ። በዚ ኩነታት እዚ ዝተፈጠረ ቻይና ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒማትሉ እያ። ሩስያ ‘ውን እንተኾነት እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ብምንፃላ፣ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ንፋስ ስለ ዝኣተወ ከም ፅቡቕ ዕድል ተጠቒማትሉ እያ። ኣሜሪካ ክፍተት ከትፈጥር እንተላ ቻይና እግሪ እግራ እናተኸተለት እያ እትጥቀመላ።

ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ዲሞክራት ሉኣላውነት፣ ትሕብብርን ዲሞክራሲያዊ ፀጋታትን ንምስፋሕ ዝሰርሕ እዩ። ካብ ቶም ቐረፅቲ ብተፃራሪ ትካላት መንግስቲ ሓዊሱ ንዓለም ለኻዊ፣ ክፍለ ዓለማዊን ትካላትን ስምምዕነት ተገዛኢ እዩ። ነዚ እዩ ንመበል 46 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዲሞክራት ጆባይደን ናብ ናይ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ ቅድሚ ምእታዉ ጉዳይ ወፃኢ ናይ ትራምፕ ናይ ውሽጢ ዓዲ ውሳነታት ምፍሻልን ምቕያርን ዝጀመረ። ናይቲ ፓርቲ ማሕበራዊ መሰረቱ ብልምዲ 99 ሚኢታዊ ዝባሃል ብማእኸላይን ብታሕተዋይን መደብ ዝርከብ ኣሜሪካዊ እዩ።

ብተወሰነ ብርኪ ብማሕበራዊ ፍትሒን ዲሞክራሲን ዝኣምን እንትኾን፤ በሪ ዩኒቨርሲቲ ዝረገፁ ፀዓዱ ደቒ ኣንስትዮ፣ፀለምቲ፣እስፖኒካትን፣ ማእከላይን ትሑትን ኣታዊ ዘለዎም ካልኦት ኣሜሪካውያን ማሕበራዊ መሰረት ናይቲ ፓርቲ ኢዮም። ይኹን እምበር እቲ ምስ ወፃኢ ዝተሓሓዝ ፖሊሲታቶም ዝተሓሰበሉ ዕላማ ክወቅዕ ብዘይ ምኽኣሉ ሒሽ ዝተባሃለ ሙሁር ነቒፍዎ እዩ። ምስ ቻይናን ራሽያን ዝኣተወቶ ፀገም ኣብ ቬትናም፣ ኢራን፣ ዒራቕ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያ፣ ሊብያ፣ ሶማልያ፣ የመን ፣ፊሊፒንስ ፣ቨኒዝዋላ ወዘተ ናይቶም ቐረፅቲ ሕጊ ኮነ ዴሞክራትን ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲኦም ክፍሽል ተዓዚብና ኢና።

ወፃኢ ፖሊሲ ኣሜሪካ ካብ መሰረቱ ከም እተዛረበ መርኣያታቶም ከምዘለዉ እዩ ዝንገር። ኣብነት ኣብ ዝሑል ውግእ ርእዮተ ዓለም ስዒቡ ዘንፀባርቖ ዝነበረ ብተስፋሕፋሕነት ቪልሶንያን ብዝተሰሓሓተ ምስ ቬትናም ዝነበረ ውግእ 50 ሽሕ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዘቕተለ። ልዕሊ 70 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዘኽሰረ እዩ ነይሩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኣሜሪካ ዘኽሰረን ዝጎድአን ነይሩ።

“WELCOME To Kissinger’s World” ዘርእስቱ ማይክል ሒርሽ ዝሓለፈ ዓመት ብፎሪን ፖሊሲ መፅሔት ኣብ ዝዘርገሐሉ፤ ለበዳ ኮሮና ኣብ ዘጋጠመ እዋን ናይ ትራምፕ ‹‹ኣሜሪካ ትቐድም!›› ዝብል ናይ ምንፃል ኣጀንዳ ንምጕላህ ምችው ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ።ብኻሊእ ወገን ነቲ ተወካሊ ንግዲ ዝዀነ ሮበርት ሊቲዘር ቻይና ብምኽንያት እቲ ኣብ ቻይና ዘሎ ሓደገኛ ንግድን ቍጠባዊ ፖሊሲታት ኣብ ቻይና ዝርከቡ ፋብሪካታታን ኩባንያታትን ኣሜሪካ ናብ ሃገራ ክትመልስ ይግበኣ ክብል ገሊፁ እዩ። ትራምፕ ኣብዚ ኣየብቐዐን እዩ። ኣይቐንዖን እምበር ንቝጠባዊ ዕቤት ቻይና ኣብ ሕቶ ከአቱ ዘኽእል ምስ እተፈላለያ ሃገራት ግንባር ክምስርት ፅዒሩ እዩ። ዴሞክራስያውያን ነዚ ናይ ትራምፕ ዝነበረ ተሪር ቕዋም ብመጠኑ ካብ ምድጋፍ ሓሊፎም ነቲ ኣብ ዝሑል ውግእ ዝነበረ ዓይነት ምንቕስቓስ ክሳዕ ምልዕዓል በፂሖም እዮም። ኣብቲ ግዜ ንሱ ሕፁይ ንዝነበረ ፕረዚደንት ደሞክራት ባይደን ብተደጋጋሚ ንናይ ቻይና ፕሬዚዳንት ዢ ዥንፒግ መንግስቲ ካብ ምድናቕ ሓሊፍካ ኣብቲ ናይ ምርጫ ገፅ ትህብ ነይርካ ኢኻ እናተባህለ ይውቐስ ነይሩ እዩ።

ሪፐብሊካን ካብዚ ሓሊፎም ብናይ ባዕሎም ሊበራል ዓለምለኻዊ መርህ መሰረት ዝተመስረቱ ከም ውድብ ንግዲ ዓለም ዝመሳሰሉ ትካላት ናይ ቻይና መጥቐሚ እናኾኑ እዮም ብምባል ምውቓስ ምጅማሮም፤ ናይ ቻይና ሳይንስ ንናይ ኣሜሪካውያን ዕድል ስራሕ እናጎድአት ብዝብል ምኽሳሶም ሒርሽ ይገልፅ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ቐረፅቲ(ሪፐብሊካን) ሕጊ ተገንፃልነት ኮነ ንናይ ዲሞክራሲያዊያን ዓለም ለኸ ትክላትን ቻይናን ናይ ምፅላም ኣተሓሳስባን እዩ።

ሳላ ቴክኖሎጅ፣ ዘመናዊን ቅልጡፍ መጓዓዝያን ዓለምና ናብ ንእሽተይ ቝሸት ትቕየር ኣላ እያ። ግዝኣት ቻይና ዝኾነት ውሃን ከተማ ኣብ ዘጋጠመ ናይ ኮቪድ -19 ለበዳ ንዓለም ብቕልጡፍ ዝተስፋሕፍሐ በዚ ምኽንያት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን እቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዝወሰድዎ ዘይተመጣጠነ ስጕምቲ ብናይ ዕዳጋ ነዳዲ ዝተፃዓነ ወይ ብኣጋጣሚ እንተይኮስ እቲ ናይ ቦታ ርሕቐት ብናይ ቴክኖሎጂ ዝተሳዕረ ምዃኑ እዩ ዘሪአካ።

“WELCOME Back To Kissenger’s World” ብዝብል ርእሲ ብመጽሔት ፎሪን ፖሊሲ ኣብ ኣብዘውፀኦ እቲ ዘሐጉስ ድማ ይብል ማይክል ሒሽ፣ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተመስረተ ናፃ ስርዓት ዓለምን ስነ-ምግባራዊ መንፈስን ኰይኑ ሎሚ በፂሑ ኣሎ።ንመፃኢ’ ውን ክቕፅል እዩ። ትካል መንግስቲ፣ ዓለም ባንክ ፣ ውድብ ንግዲ ዓለም ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ትካላት ሓባራዊ ምትሕብባርን ሰላምን ዘለዓዕል ኢዩ።

ስለዚ ዋሽንግተን፣ ቻይና ከምኡ’ውን ራሽያ ንናይ ባዕሎም ስውር ኣጀንዳ ሒዞም ነዘን ትካላት እዚኣተን የልምስዎ ኣለዉ እዮም። ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንእስራኤል ብዝምልከት ኣብ ዋዕላ ፀጥታ ዝረኣዮ ብኣማኢታት ወይ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ሓባራዊ ውሳነታት ብኣሜሪካ ወይ ብደገፍታ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ውድቒ ኮይኑ እዩ። እንድያውም ቻይናን ራሻን ኣሜሪካን ደገፍታን ዘቕርብዎ ሓሳብ እግሪ ንእግሪ እናሰዓቡ ውድቂ እዮም ዝገብርሎም።

እቶም ቻይናውያን እውን ከምኡ ኺገብሩ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ መሰረት ብምግባር የልምስዎ ኣለዉ እዮም። ምትእምማን ቐርዩ እዩ፤ምጥርጣራት ነጊሱ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ዘለዎም ፍልልይ እናሓደረ እናሰፍሐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነቲ ዝሑል ውግእ ድማ የለዓዕሎ ኣሎ። ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ብሓደ ወገን ንቻይናን ንራሻን ብኻሊእ ወገን ድማ ንኣፍሪካ፣ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ከም መደርበዪ ጎሓፍ አናገበርዎም እዮም ዝርከቡ። ስለዚ ኣሜሪካን መጫፍርታን ኣብ ሃገርና ዝኽተልዎ ዘለዉ ዓይነት ፍርድ ናይዚ መቐፀልታ እዩ።

እቲ ዘሐጉስ ግና ይብል ሒሽ፣ ናብቲ ዝተለዓለሉ ነጥቢ እንትምለስ ምስ ርእዮተ ዓለም ተኸፋፊሉ ምውቕቓሱን ዝሑል ኵናት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተፋንዩ ኣሎ ይብል። ሎሚ ኮሚንዝም ወይ ካፒታሊዝም ብዝብል ተፈልዩ ምትእስሳር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ፣ ውልቀ- ምልካዊ ስርዓት፣ ፋሺዝም ከምኡ’ውን ኮምዩኒስታዊ ስርዓታት ዘስዐብዎ ጥፍኣታት ኪጠፍእ ከሎ ርኢና ኢና። ማይክል ሒሽ ከም ዝገልፆ ሎሚ ዲሞክራሲ ብፀቢብነት፣ ብቔናን ሓበሬታ ከምኡ’ውን ብከም ራሻያ ዝኣመሰላ ሃገራት እናተፈተና ዋላ ይኹና ኣይሰርሕን እናተባህለ እዩ። ካፒታሊዝም ንባዕሉ ኣብ ደቂ ሰብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ከረጋግፅ ስለ ዘይከኣለ ሕቶ እናልዐለ እዩ ዝርከብ።

ሓደ እዋን “ኣሜሪካ ትቐድም!ካሊእ ግዜ ኣመሪካ ተመሊሳ!” እናተባህ፣ ‹‹ምሳይ እንተዘይኮይንኩም ምስ ፀላእተይ ኢኹም›› እናተባሃለ ኣስናኑ ዚነክስ ኣተሓሳስባ ኣሜሪካ። ነዚ እዩ እቲ ብኣሜሪካ ከም ጥፍኣት ዝሕሰብ ኣፍሪካ ይኹን ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ምትሕብባር ኣድላይ ኮይኑ ዝተረኽበ። መብዛሕትኦም ፈቒዶምን መሪፆምን ዝኽተልዎ ዘለዉ ዓለም ለኸ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ናይ ቚልቚለት ውድቀት እዩ ዘሎ ብዝብል ማይክል ሒሽ ኣብ መደምደምታ ዝበፅሐ።

ከም ገለፃ ሒሽ ፣ ክብርን ሓይልን ኣሜሪካ ከም ሎሚ ተዳኺሙ ኣይፈልጥን። ብፍላይ ናይ ሓደ ዙር ጥራሕ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝቐረየ ትራምፕ፣ ብዙሕ ፀገማት ዝነበሮ ሰብ እዩ። ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጣበቕ እየ እትብል ኣሜሪካ ክሳብ ሕዚ ከምዚ ተዳኺማ ኣይትፈልጥን ኢያ፤ ከም መንግስቲ መጠን ማሕበር ኔቶን ኣህጉራዊ ማሕበራትን ምንሻው ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ንምእማኑ ዘፀግም ኩነታት እዩ። ንምእማኑ ዘፀግም ድማ ኣሜሪካ ኮቪድ19 ምክልኻል ኣብይዋ በዚ ለበዳ እዚ ንህንድን ብራዚልን ኣኸቲላ ቐዳመይቲ ምዃና ዓለም ብዛዕባ ኣሜሪካ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንደገና ንኽሓስበሉ ተገዲዱ እዩ።

ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ብዝምልከት ትራምፕ ዘራምዶ ዝነበረ ነንርእሱ ዝዋቓዕ ሓሳብ እዩ። ብኣሜሪካውያን ብፍላይ ድማ ብፀለምቲ ህዝቢታት ዘናድድ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንኣሜሪካ ዘንዕቕ እዩ ነይሩ። ቻይና ንጕዳይ ጆርጅ ፍሎይድ እናጠቐሰት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ተሓላቒት ከትኾኒ ኣይትኽእልን ኢኺ ብምባል ዓሪፍኪ ተቐመጢ እያ እትብላ ዘላ። ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ናይ 2020 ኣ.ፈ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ትራምፕ ውፅኢት ኣይቕበልን ምባሉ ከምኡ’ውን ንባይደን እንኳዕ ደስ በለካ ዘይምባሉ ንኣሜሪካ ዘንዐቐ ነይሩ። ብተወሳኺ ኣብ ካፒቶል ሂሊንግ ደገፍቲ ትራምፕ ዝገበርዎ ዓመፅን ሁከትን ኣለም ዘገረመ እዩ ነይሩ።

ኵሎም ደቂ ሰባት ብዛዕባ ኣሜሪካ ዝነበሮም ኣወንታዊ ኣመላኻኽታ እንደገና ክምርምሩ መበገሲ ኮይኑ እዩ። እዚ ጉዕዞ ቚልቚለት ኣሜሪካ ብጆርጅ ዳብሊው ቡሽ እዩ ተጀሚሩ። ካብ ዝሓለፉ 20 ዓመት ንነዘ እታ ልዕለ-ሓያላን ዝኾነት ሃገረ ኣሜሪካ ሓይላን ክብራን እናራሓቓ እዩ ዝርከብ። ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዘለዋ ተሓላቕነት መሰል ደቂ ሰባት ትርጉም ዘይብሉን ጥርጣረ ዝተመልኦ ብምዃኑ ኣብ ዲሞክራሲ ዘለዋ ኣመላኻኽታ ደካማ ከምዝኾነት እዩ ዝንገር። እቲ ምስ ግብረ-ራዕዲ ዝተተሓሓዘ ዝፈሸለ ኣዳኺምዎ ጥራይ ዘይኰነስ ንቝጠባ’ውን ብሓይሊ ሓስይዎ እዩ። ናይ ኒውዮርክ ዕዳጋ ቍጠባ እናወደቐ ከይዱ እዩ። ቻይና ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ዕቤታ ንምቅልጣፍ ተጠቒማትሉ እያ ።

ፖሊሲ ወፃኢ ትራምፕ ይኹን ባይደን በቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓቂ ዘይምራሕ ምዃኑ ዘርኢ ፅቡቕ ኣብነት ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጌዌን ኣሜሪካ ብ1970ታት ማለት ቕልውላው ቬትናም ኣብ ዘጋጠመ፣ ህውከት ኣሜሪካ፣ ዋተርጌት፣ ቍጠባዊ ቕልውላው፣ ስራሕ ኣልቦነት ምውሳኽ ወዘተ ከምዚ ዓይነት ኣብ ዘጋጠመሉ ግዜ ከም መውፅኢ ወይ መንገዲ ማርያም ኮይኖም ዘገልገሉ ናይ ሄነሪ ኪሲንጀር ርክባት ወፃኢ ፖሊሲ እዩ መፍትሒ ዝብሎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን መድሕን ቕልውላው ኣሜሪካ እዋናዊ ዝዀነ ጂኦፖለቲክስ፣ሓይልን ኣሳላፋ ስልጣነ ጉዳይ ፖሊሲ እዩ። ስለዚ ንሃገርና ሓዊሱ ኣሜሪካ ኣብተፈላለየ ዓለም እተራምዶ ዘላ ተሪር ጉዳይ ወፃኢ ፖሊሲ ሃገርና ምግምጋምን ምትንታንን ከምኡ ውን ‘ምድላው የድልያ። ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ድሓረ ድማ ኣብ ዝሑል ውግእ ብሰዓራይነት ዝለመደት ኣሜሪካ ከም እኒ ቻይና ዝበላ ዝፈታተነኣ ሃገራት እንትመፃ ንምቕባል ትፅገም እያ። ነዚ ነባራዊ ኩነታት ኣሚና ብዘይ ምቕባላ እዩ ኣብቲ ሕዚ እትርከበሉ መንቐራቕር ክትኣቱ ዝኸኣለት።

ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ዛዚማ ማለት ደጋፊት ኣሜሪካ ዝኾነት ግብፂ ጂኦ ፖለቲካዊ ሓደጋ ከንፀላልዋ እዩ ኢላ ስለ ትሓስብ ንኢትዮጵያ ንምጉዳእ ኣካል ፖለቲካኣ ገይራታ ትርከብ። ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ልዕልና ኢትዮጵያ ከይህሉ ብተዘዋዋሪ ግብፂ ካብ ኤሜሪካን እስራኤልን ፅልዋ ንላዕሊ ኣብ ትሕቲ ፅዕንቶ ኢትዮጵያ ክትኣቱ ትኽእል እያ ኢላ ስለ ትሰግእ ምስ ግብፂ ጠጠው ብምባል ናይ ግብፂ ጥቕሚ ክቕፅል ምግባር መሪፃ እናተንቐሳቐሰት ትርከብ። ኣሜሪካ ከምዚ ከትገብር እንተላ ግና ኢትዮጵያ ናይ ተፈጥሮ ሃፍታ ናይ ምልማዕን ምጥቓምን መሰል ከምዘለዋ ጠፊእዋ ኣይኮነን።

ኣሜሪካ ምስ ናይ ዓለምና ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ሓፂር እዋን ብቐሊሉ ክትዕረቕ ትፅቢት ኣይግበርን ኢዩ። ኣብ ቻይና ዘሎ ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕቤት ማዕረ ኣሜሪካ እኳ እንተዘይኰነ ኣብ ዓለም ብዕቤቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ቝጠባ እናሓዘት ምምፃኣ ከምኡ ‘ውን ዓለምለኻዊ ፅዕንቶ ፈጣሪነታ እናዓበየ ብምምፅኡ ኣሜሪካ ድማ ነዚ ከትቕበሎ ኣይትደልን እያ። ኣሜሪካ ነዚ ሓቂ እዚ ኣሚና ንምቕባል ዋላ እንተተፀገመት ቻይና ብፍላይ ኣብ ቍጠባዊን ዲፕሎማስን ርክባትን እናሓየለት መፂኣ እያ። ራሺያ ‘ውን ድሕሪ ዝሑል ውግእ ካብ ቻይና ቐፂላ ፅዕንቶ ፈጣሪት ካብ ምዃና ሓሊፉ ንዲሞክራሲ ኣመሪካ ክሳብ ምፍትታን በፂሓን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ላቲን ኣሜሪካን ፅዕንቶ ፈጣሪት ብምዃን በለቕ ኢላ ኣላ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ መግለፂ ሉዓላውነት ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣሚና ንምቕባል ዝተፀገመት ኣሜሪካ ብቐሊሉ ናብ ልባ ከትምለስ ትፅቢት ስለ ዘይግበር ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎና ምትሕብባርን ምድልዳልን፣ ዲፕሎማሲና ምዝማን ስትራተጅያዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ምግባር የድሊ እዩ። ኣሜሪካ ኻብ ቬትናም፣ዒራቕን ኣፍጋኒስታን ጕዕዞኣ ጠቕሊላ ከትወፅእ ዝገበራ ፀቕጢ ህዝቢ ኣሜሪካ እዩ። ኣብ ኢጋድ ኮነ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለዉ ዕድላት ንምጥቓም ምስ እኒ ቻይናን ራሻን ዘለና ርክብ ክጥንክር ምግባር ኣድላይ እዩ። ብዛዕባ ምዕጣቕ ኣፅዋር ኒውኪለር ዝያዳ ኽንሓስብ ይግበአና። (ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You