‹‹ ኽፉኣት ተመሓሒሎም እዮም›› ይኹን ‘ምበር …

ኣብ ሃገርና ካብ መንጎ መዘራረብቲ ዛዕባታት እዚ ሰሙን እቲ ሓደ ማዕቐብ ኣሜሪካ እቲ ፈላማይ ጉዳይ ከምዝኾነ ይስትውዓል። ዜጋታት እንትራኸቡ እቲ ቐንዲ መዛተዪ ዛዕብኦም ገይሮም እንትዘራረቡ ዝስትውዓልን ዝድመፅን ‹‹ኣብ ዙርያ ተጠቒዕና›› ምዃኑ ናይቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳብነት ዘመላኽት እዩ። ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ህዝባዊ ተቓውሞ’ውን ውፅኢት ምግንፋል ቑጠዐ ዜጋታት እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዝግበሩ ዘለዉ ተመሳሰልቲ ትእይንታት‘ውን ምልክት ናይዚ ተመሳሳሊ ቑጥዐን ብሄራዊ መጥቃዕቲ ቦታ ከምዘይወስኖ ፅቡቕ መርኣያ እዩ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ኽፉእ መዓልቲ ኣፈላላዮም ኣከኣኢሎም ብሓደ ጠጠው ምባሎም ፅቡቕ መረዳእታ ስለዝኾነ ብዓብዪ ኣኽብሮት ክምስገን ዝግበኦ ተግባር እዩ።

ሃገራዊ ሚዲያታት ብዝምልከት ግን ውሑዳት ተዘይኮይኖም መብዛሕትኦም ነቲ ርእሰ ጉዳይ እናልዐሉ እቲ ህዝቢ ስምዒቱ ግቡእ ከምዝኾነ እናንፀባረቑ እዮም ንምባል ብውልቀይ ኣይደፍርን። ፈተነኦምን ፃዕሮምን ተዘይኸፍአ ‘ውን መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገርና ካብ ዝኣተውዎ ፅሙዋ ሙሉእ ንሙሉእ ተላቒቖም ንባዕሎም ናፃ ዘውፅኡሉ እዋን እንተናፈቕና ኣይፍረደናን። ዓለም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘዘራረበ ወሳነ ኣሜሪካ ‹‹ሳልሳይ ማእኸል ዲፕሎማቲክ ዓለምና›› እናበልና እናቆላምጣ ኣዲስ ኣበባና፤ ዝርከቡ ሃገራት ዝተፈላለዩ ዲፕሎማታት እንታይ ትርጉም ከምዝሃቦም፣ እንታይ መልእኽቲ ከም ዝተረድኡን ትንተነኦም ወይ ድማ ሓሳቦም ንኽገልፁ ሚዲያታትና ደፊሮም ኹነታት ከመዓራርዩ ከምዘይኸኣሉ ግልፂ ኣይኮነለይን። ንምዃኑ ‹‹ሓደ ከተማ መናሃርያ ዲፕሎማቲክ›› እዩ ምባል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ፀገም ከምፍታሕ እንተዘይጠቒሙ ረብሕኡ እንታይ እዩ? የግዲ እቲ ዕድል ምስ ፍልፍል ሃፍቲ ቱሪዝምን ፖለቲካዊ ዓወትን ጥራሕ እናተኣሳሰርና እስካዕ መዓዝ እናፈከርና ንነብር።

ኣሽንኳይዶ ምስ ፈተውቲ ሃገራትን ዲፕሎማትን ይትረፍ ንድሌትና ተፃራሪ ብዝኾነ ኣረኣእያ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ቐሪቦም ሓሳቦም ንኽገልፁን ዜጋታት ሙሉእ ኣፍልጦ ንኽህልዎም ተዝግበር እቲ ፀገም ኣብ ምንታይ እዩ?መብዛሕትኦም ጋዜጠኛታትና ምስ ቋንቋታት ወፃኢ (እንግሊዘኛ፣ዓረብኛ፣ፈረንሳይኛ፣ቻይንኛ ይኹን ሩስያኛ ወዘተ)እስካዕ መኣዝ እዮም ተዃርዮም ዝነብሩ። ብዓወት ዩኒቨርስታቶም ወግሐ ፀብሐ ዘፅሙሙና ላዕለወት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ብዘፈር መፅናዕቲ ቋንቋ ዘፍረይዎም ‹‹ደቆም››ተዘስተባህሉ እንታይኮን ምበሉ?ብውልቀይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣፍሪካ ዲፕሎማቲክ መዘውር (Hub) እያ እናበልና ምጉራን ገዲፍና እንታይ ተጠቒምና ኢልና ምሕታት ግቡእ ይመስለኒ። ጉዳይ ኽእለት ቋንቋ ጋዜጠኛታትና እቲ ቐዳማይ ትኹረት መንግስቲ ኮይኑ ብትኹረት ክስርሐሉ ይግባእ ይብል።

ልምዲ ብዙሓት ሃገራት ከምዘርእዮ እቲ ማሕበረሰብ መራሕን ጠቋምን ኣንፈት‘ምበር ብሳምባ መራሕትን ፖለቲከኛታትን እናተንፈሰ ‹‹ይደልዎ››ብምባል እናሞገሰ ወይ ድማ እናተራገመ እናኾነነ ዝውዕል ቤት ዕዮ ኣይኮነን። ንመንግስትን ንጉጅለ ፖለቲከኛታትን ኣጀንዳ ብምሃብ እንትሙጉቶም እነስተውዕሎ ሓቂ እዚ እዩ። ብምኽንያት እዚ ጥንኩር ቅዋሞም ምልክት መረፃ እናውለብለቡ ንኽምረፁ ዘይኮነስ፤ ፈጣሪ ፅዕንቶ ቕልፅሞም ስለዝሓየለ ጥራሕ ‹‹ሚድያ ናይቲ ማሕበረሰብ ራብዓይ መንግስቲ እዩ››ንኽብሃሉ ኽኢሎም እዮም። እቶም ናትና ብዝምልከት ግና “ተኸዲኑ ይብሰል“ ኢልኻ ምሕላፍ ዝሐሸ ይመስለኒ።

ንኣብነት ናይዛ ኣሜሪካ ትበሃል ‹‹ጉዲት›› ታሪኽ እንትንፍትሽ ፖለቲካ፣ርክብ ወፃኢ፣ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ርክባታ እናመርሓን እናቐዘፋን ዘሎ ኣውሎ ንፋስ ሚዲያ ‘ምበር፤ ምሑኹልቲ ፖለቲካ ጥራሕ ከምዘይኮነ ኣድሚኻ ምዝራብ ይከኣል። እቲ ሓደ መርኣያ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ‹‹ቅሌት ወተር ጌት››እናተብሃለ ዝፍለጥን ናይቲ እዋን ፕሬዚዳንት ሪቻርድ ኒክሰን (ኣብ 1972-1974 ኣ.ፈ) ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ውርደት ብረቒቕ ፀብፃብ መረፃ ገይሮም ዘጋለፁ ነቲ ሞያ ዝተፈጠሩ ጋዜጠኛታት ነይሮም። እቶም ፕሬዚዳንት ካብ ስልጣኖም ፈንቂሉ ዘወገዶም ጠበንጃ ዘይኮነስ ብርቱዕ ብርዒ እዩ። ኣብ ሞያ ሚዲያ ዝተሰለፉ ብርክት ዝበሉ ትንታግ ሰብሞያ ዓርሶም ዘፋልጡ በቲ ዘፈር ዘለዎም ዲግሪን ዲፕሎማን ኣብ ኣፍ ልቦም ለጢፎም ‹‹ርኣይለይ ስምዑለይ›› ብምባል ዘይኮነስ፤ ብዓቕሚ ተግባሮም እዩ። እቲ ዘግዘፎም’ውን ዝሰልጠንሉ ወረቐት መረዳእታ ዘይኮነስ ተግባሮምን ውፅኢቶምን እዩ።

ናይ ኣሜሪካ CNN,FOX TV,NBC,CBC, ናይ እንግሊዝ BBC, ናይ ፈረንሳይ France 24, Euronews, ናይ ሩስያ RT ናይ ኳታር Al Jazeera,ናይ ቻይና CGTN World ወ.ዘ.ተ መንግስቶምን ህዝቦምን ጥራሕ ዘይኮነስ መላእ ዓለም ከም መፍተል እናዝወሩ እቲ ፖለቲካ፣ ኢኮኖምን ዲፕሎማስን እንተንቀጥቕጥዎ ምስትውዓል ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን። ሕልፍ ሓሊፍዎም ናይ ባዕሎም ገበና እናሓረረኳ ናይ ኻልኦት ውሻጦ ንምቅላዕ ከምዝፅዕሩ ጋህዲ እዩ። ኣብዚ ዘበን እዚ ኣሜን ዝበሃለሉ ዜና ሓቂ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሸፈጥ ዝተለኻኸየ ምህዞ ታሪኽ “ሓያላት“ ዙፋን ተዘርጊሕሎም እንትምለኹ እነስተውዕለሉ ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ መራሕቲ ትካላት ሚዲያ ከምዝኾነ ውዕለኦም ዝምስክር እዩ።

ቦቕባቓት መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገረይ “እዝን እትን ኣይተማለአልናን“፣ክንድቲ ዝተምሃርናዮ ክፍሊትን መሰልን ኣይተኸበረልናን ወዘተ“ እናበሉ ካብ ምዕጉምጓም ናፃ ወፂኦም ልቦምን ገፆምን ኣብሪሆም መኣዝ ናብ ስልጣን ብርዖም ከምዝምለሱ ካብ ምግማት እቲ ምላሽ ንወለዶ ኣመሓላሊፍኻ ንግዘ ግዘ ምሃብ ይቐልል ኢለ ይሓስብ። “ዝፀገሞ ናይማቱ ጥንስቲ የእቲ“ እዩሞ። ሃገርና ሎሚ ብዝተፈላለዩ ስሕበታትን ሰሓብትን ተወጢራ እናሃለወት እኳ ናብ ልቦም ተመሊሶም ናይ ኣየር ሰዓቶምን ውፅኢት ሕትመቶምን ብዕሊ ናብ ዝተኣወጀና “ዓውደ ኲናት ከሰልፉ“ ዘይምኽኣሎም ካብ ትዕዝብቲ ዝሓለፈ ህዝባዊ ቂምታ ከም ዝወደቖም ዝተረድእዎ ኣይመሰለንን። ዝተፀናወቶም ሕማም ድቃስ ‘ውን ብቐሊሉ ክገድፎም እዩ ተባሂሉ ዝግመት ኣይመስልን። ኣብ መብዛሕትኦም ባህልታት ሃገርና ይትረፍዶ ኣብ ገዛኻስ ኣብ ጎረቤትኻ እኳ ሓዘንን መከራን እንትበፅሕ ናይቲ ፀገም ተኻፋሊ ንምዃን ድምፂ ራድዮ ወይ ድማ ቴሌቪዥን ይቕነስ ተዘይኮይኑ ‘ውን መሊእኻ ክዕፆ ይግበር፤ ደርፊ ፍፁም ዘይሕሰብ እዩ።

ሚዲያታት ሃገርና እንተንኣሰ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ባህላዊ እሴት ዋጋ ሂቦም እሳቶም ተዘይተረድእዎ‘ውን መዓንጣና ምሕራሩ ዝተረድእዎ ኣይመስለንን። ኢትዮጵያና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝኸፍአ ኹነታት ትርከብ፤ታሪኻዊ ፀላእትን ጊዜ ዝወለዶም ኣጥቃዕትን ካርኦም ስሒሎምን ቕልፅሞም ኣሐይሎም ብምኽባብ “ክውሕጥዋ“ እናጎምጀዩ ኣብ ዘለዉሉ ፈታኒ እዋን፤ ንምውዳቕን ምልዓልን ኹዕሶ እግሪ ኣውሮፓ ዝወሃቦ ኣየር ሰዓት ወይ ድማ ‹‹ንደርፍታት ሃየላሎ›› ዝተመደበ ፕሮግራም ምትዕርራይ ተገይሩሉ መድረኽ መዛተዪ መከራ ሃገር ክኸውን ብዘይምኽኣሉ ንዓኣቶም “ትኽክል“ ንዓና መሪር ሓቂ ኾይንና ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ካብ ፕሮግራማት መዘናግዕን መደናገርን፣ካብ ኣሽሙራት ሜዳ ስፖርት ዝሐሸ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ሙሉእ ሓይሎም ኣተሓባቢሮም ንምንታይ ከም ዘይወፍሩ እቲ ሓቂ ንሳቶምን ፈጣሪን እዩ ዝፈልጦ። ሚዲያታት ፀላእትና ብዛዕባ ፅጋብን መንከማና ሃገሮም፤ ወግሐ ፀብሐ ከይሰልቸዉ እናጉስዑ እናስተውዓልና፤እቶም ናትና ግና “ለጥ“ኢሎም ደቂሶም እናሓርነኹ ይርከቡ። ንሕልንኦም ዘይኮነስ ንርካሽ ዕላማ ዝሰገዱ ብርክት ዝበሉ ሰብሞያ ሚዲያታት ዓለም ወግሐ ፀብሐ ኣብ መልሓሶም ኣንጠልጢሎም ናይ ሕሶት ገበናት እንተላኽዑ እናረአና ግቡእ ምላሽ ብዘይምሃብና እነሆ እቲ ውፅኢት መሪር እንተኾነ’ውን ክነጠዓዕሞ ተገዲድና ኢና። እቶም ለዘብኛታት ሚድያታትና እስካዕ መኣዝ ብኸምዚ ከምዝቕፅሉ ግና ግርምቲ እዩ ዝፈጥር።

ኣብዚ ሕማቕ እዋን ንደረፊ መረፃ ገዘ ምምዳብ፣ንወግዒ ቖሎ ጥጥቖን ሃለውለውን ግዘ ብሰፊሑ ምምዳብ፣ንኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ ምዕባድን ምዝላልን ዘዋፅእ እንተኾይኑ እቲ ውፅኢት ንቐፃሊ ብሓባር ክንሪኦ ኢና። ሱቕታ ሓለፍቲ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ በዚ ዝቕፅል እንተኾይኑ ‘ውን ትዕዝብትና ቑጠዐ  ወሊዱ ናብ ዝሾሙዎም “ላዕለወት ሰብ ቕልፅም“ ክውንጨፍ ከምዝኽእል ተዝርድእዎ ኣይኸፍእን። ዘማሪ ዳዊት “ጨካናት ተኣኪቦም ኽፉእ ተማኺሮምልና“ ከምዝበሎ እዚ እዋን ሃገርና ኣብ ታሪኻ ገጢምዋ ብዘይፈልጥ ኹነታት “ኽፉኣት ተኣከብቲ ጥፍኣት ደጊሶምልና“ ዝርከቡሉ ወሳኒ እዋን እዩ። ፀላእትና ልበ ሙሉእነት ተሰሚዕዎም ሰይፎም ብግልፂ ዝስሕሉሉ፣ጠበንጅኦም ኣብ ኣደባባይ ዝውልውሉሉ፤ ብመን ኣጆኹም በሃላይነት ከምዝተደፋፈሩን እቲ ሓቂ እናተቓልዐልና መፂኡ እዩ።

‹‹ፀላኢ እንትልዓል ቑፅሪ ፈተውትኻ ኣብዝሕ››ሃገራዊ ብሂል፤ ኣሜሪካ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ኣከባብራ ዲሞክራስን ንባዕላ ከም‹‹መሲህ›› ገይራ ካብ እትሸውም ዘበናት ሓሊፎም እዮም። መራሕቲ ንምውጋዝን ንብራኽን፣ሃገራት ንምውራድን ንምብርካኽን “ሙሉእ በኩለሄ“ ዝኾነ ናይ ክህነት ስልጣን ከምዘለዋ ብምቑፃር ዓለም እናሓመሰት ከምዘላ ዕላዊ ሓቂ እዩ። ‹‹ዶላራታን ኒኩሌራታን›› ብምትእምማን ‹‹መንከማይ ዝብል መለለዪ መንነታ ገይራ ባዕላ ንባዕላ ናይ ዓለምና ፖሊስ ገይራ ሾይማ እያ››።

ከም ገለፃ ቅዱስ መፅሓፍ ‹‹ንዝኸበቡና ኣኽላባት›› ዝተግሃፀ ኣዕፅምቲ እናደርበየት ሉኣላውነትና ንኽደፍሩ ኣዕቢዳቶም እያ። ‹‹ ኣኼባ ኽፉኣት ‘ውን›› ብስውርን ብግልፅን እናመሐለትን ኪዳን እናእተወት ተቑርቦም ኣላ። ብርክት ዝበሉ ሃገራት ኣውሮፓ ገፆም ካባና ንኸዙሩ ንእትፍፅሞ ወዲትን ተንኮልን ከምቲ ናይ ቀደም ብረቂቕ ስልቲ ዝግለፅ ዘይኮነስ ብዕሊ ዝፍጸም ግብራ ኾይኑ ኣሎ። እቲ ሓቅን ጋህድን እዚ እዩ። እቲ ፀገም ፀላእቲ ቐረባን ርሑቐን፤ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዝተረድኡሉ መገዲ ግጉይ ግምት እዩ። ብወገንና ክእረሙ ዝግበኦም ሃገራዊ ጉድለታት ኣለዉዶ? መሊኦም እዮም። እዚ ኹሉ ሓቂ ከምዘሎ ተኾነ ‘ውን ኽብሪ ሉኣላወነትና ግና ብማንም ክሽርሸርን ኽርገፅን እንደሊ ተገዛእቶም ከምዘይኮና ብግልፂ ቋንቋ ክንገሮም ይግባእ።

ናታቶም ጥፍኣት ዝምክት ዓቕሚ ሓድነትናን ውሕስና ሰላምናን ስለዝኾነ፤ፈለማ ኣንሕና ናይ ባዕልና ዕዮ ገዛ ሰሪሕና ቑፅሪ ፈተውቲ ሃገራት ብምብርኻት ነዚ ዝሳገር ዓቕሚ የድልየና። ብፈጣሪ ረድኤት ስለንኣምን ንናይ ደቂ ፈርኦን፣ንመሃዲስት ኾነ ንያኒኪታት ‹‹ፀዊዕኻ ፅልኢ›› ብሕሹሕታ ዘይኮነስ፤ብዘጋውሕ ነጎድጓዳዊ ድምፂ ‹‹ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ኢና!ሃገርና ቕድሜኹም ነይራ እያ ንቐፃሊ’ውን ክትነብር እያ!ትምክሕትኹምን ተንኮልኹምን ንውድቀትና ዘይኮነስ ንውርዴትም ከይኸውን ተጠንቀቑ›› ኢልና ክነረጋግፀሎም ይግባእ። (ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

ሰላም ይኹን!

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You