‹‹መንእሰይ መጥቀሚ ፖለቲከኛታት ክኸውን ኣይግባእን›› – ኣይተ ኪዳነማርያም ፀጋዬ

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ውጥረት ዝሒሉ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ከይዲ ይርከብ። እዚ ድማ ባህጊ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ። እዚ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ከይዲ ድማ ኹሉ ንክሳተፍን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቐልል ብፍላይ ድማ ተሳትፎ ተጋሩ ከምዘድልን ፣ ዕዮ ገዛ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ውን ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ኣካላት እናገለፁ ይርከቡ። ነባርነቶም ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝኾኑ ኣይተ ኪዳነማርያም ፀጋዬ’ውን ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ኸዚ መጥቀሚ ፖለቲካ ክኾን ኣይግበኦን ፣ ክሳብ ኸዚ ዘሕለፎ ፀገም ትምህርቲ ክኾኖ ይግባእ ይብሉ። ኸዚ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ንህዝቢ ትግራይ ግዜ እፎይታ ዝህብን ናፃ ኾይኑ ንቀፃሊ መረፃ ዝደለዮ ንክመርፅ ናፅነት ዝህብ ክኾን ይግባእ ፣ እዚ ንክኸውን ድማ ኩሎም ፓርትታት ትግራይ ዘካተተን ዘሳተፈን ክኾን ግድን ‘ዩ፤ሕጋዊ ዝኾኑ ፓርታት ኣብ ትግራይ ማዕረ ዝኾነ ቦታ ክህልዎም ይግባእ ይብሉ። ምስ ኣይተ ኪዳነማርያም ፀጋዬ እዚኦምን ካልኦት ሓሳባትን መሰረት ገይርና ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ከይዲ ትግበርኡ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡ እቲ ውዕሊ ፕሪቶርል ተኹሲ ጠጠው ምባል ‘ምበር እቲ ዘዋግእ ነገር ተሪፉ ማለት ኣይኮነን። እቲ ስምምዕነት እዚ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ እቶም ዝተዓጠቑ ድማ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ካምፕ ንክኣትዉ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ንክምለሱ ‘ዩ ። እዚ ድማ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ንሳቶም ‘ውን ዘለዉዎ ተገይሩ ‘ዩ ክጣየሽ ዝተብሃለ። ኣብ ሓደ ወርሒ ይባሃል ‘ምበር ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ‘ዩ ተጣይሹ። እዚ በቲ ስምምዕነት መሰረት ድዩ ኣይኮነን ዝብል እቲ መሪሕነት ካብ ህወሓት ክኾን ‘ዩ ኢሉ ዝተፀበዮ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ዕላማ ናይቲ ስግግር መንግስቲ እታ ክልል ናብ ሰላም ንክምፅእ መሰረታዊ ግልጋሎት ንክጅምር ሓረስታይ ንክሓርስ ፣ ነጋዳይ ንክነግድ ንካልኣይ እዋን ናብ ኹናት ዘእቱ ኣተሓሳስባ ንከይህሉን እዚ ኹሉ ንክፍጠር ‘ዩ ። እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዝነበረ ኹናት ገለልተኛ ዝኾነ ‘ዩ ክሰርሖ ነይርዎ ። ዝኾነ ኾይኑ እዚ ዕድል ብምጥቃም እታ ክልል ናብ ሰላም ብምምፃእ ናይቲ ህዝቢ ነፃነት ተሓልዩ ፣ ተቃወምቲ ብዘይ ምግላል ንኹሉ ብማዕረ ዘረጋግፅ እንድሕር ኾይኑ ምቕባል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡ህወሓት ካብ ራዕዳዊ ስያመ ምልዓሉ ንከይዲ ሰላም እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡ እቲ ሓደ ካብ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ንሱ ስለዝነበረ ምንም ክግበር ኣይከኣልን። እቲ ዝተፈፀመ ክሕደት ግና ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልቢ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ ሕጊ ስለዝተስማዕሙ ስለዝኾነ ተግባራዊ ክኾን ግድን ‘ዩ። እቲ ዋና ሕቶ ክኾን ዘለዎ ኣብ ስምምዕነት ዝበልዎ ኹሉ ፈፂሞም ድዮም ‘ዩ። ንኣብነት ሙሉእ ብሙሉእ ዕጥቒ ፈቲሖም ድዮም ፣ እቶም ዕጡቓት ስልጠና ተዋሂቦም ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ተመሊሶም ድዮም ፣ ኣብቲ ፓርላማ ‘ውን ዝነበረ ክርክር እዚ ‘ዩ ፣ እዚ ኹሉ ተግባራዊ ተገይሩ ድዩ ፣ እቶም ዕጡቓት ንምንታይ ‘ዮም ስልጠና ወሲዶም ናብ ንቡር ህይወቶም ዘይምለሱ ? ክሳብ ኸዚ ኣለዉ ‘ዩ ዝባል ዘሎ እንድሕር ሃልዮም ህወሓት ዕጡቕ ኣለዎ ማለት ‘ዩ? እዚኦም ካልኦትን ተግባራዊ ተገይሮም ድዮም ? ‘ዩ እቲ ሕቶ ‘ምበር ምልዓሉ ኣብቲ ስምምዕነቶም ስለ ዘሎ ‘ዩ። ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈረምዋ ኹሉ ተግባራዊ ኾይኑ ምስተወደአ ‘ዩ ክላዓል ዝነበሮ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወጋሕታ፡¬- ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተሸይሞም ኣለዉ፣ እንይይ ዓበይቲ ተግባራት ክፍፅሙ ይግበእ ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ወይ ድማ ስግግር መንግስቲ ፕሬዝዳንት’ዩ። ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ህወሓት ከም ተራ ውድብ ከምኒ ዓረና ፣ ኢዜማ ከምኦም ካልኦት ውድባት ‘ዩ ኾይኑ ዘሎ። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፌደራል መንግስቲ ዝተውሃበቶ ስልጣን መሰረት ዝተብሃሎ ተግባራዊ ንምግባር ‘ዩ ፤ እንታይ ‘ዩ ተፈፃሚ ዝገብር ፀጥታን ሰላምን ንክሕሎ፣ መሰረታዊ ግልጋሎት ንክጅምር ክሳብ መረፃ ዝካየድ ንክመሓድር እቲ ሕጊ ዝፈቐደሉ ስልጣን መሰረት ምፍፃም’ምበር ካብኡ ወፃኢ ውሽጢ ንውሽጢ ጉዳይን ኣጀንዳ ህወሓት ከራምድ ፈፂሙ ኣይፍቀደሉን።

ኩሎም ውድባት ኣብታ ክልል ማዕረ ኢድ ኣለዎም። ንኣይተ ጌታቸው ሓሳብ ክህብ ዝኽእል ኸዚ ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ፤ነቲ ትግራዋይ ሓዱሽ ስምዒት ብምፍጣር ናብ ኢትዮጵያውነት ኣተሓሳስባ መሊሱ ናይቲ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ክቕይር ኣለዎ። ምኽንያቱ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክትወፅእ ኣይትኽእልን። ስለዚ ትግራይ ምስ ጎረባብታ ክልል ኣምሓራ ዓፋርን ኤርትራን ዘለዎ ጉርብትና ጥራሕ ኣይኮነን ሕውነታዊ ዝምድና ከጠናኽር ይግበኦ። እዚ ክጠናኽር ዋላ ተዘይኻኣለ ምንም ዓይነት ጎንፂ ንከይህሉ ክሰርሕ ይግባእ።

ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ብሙሉእ ነፃነት ዝነብረላ ስግግር ‘ያ እትኾን ዘሎዋ። ምኽንያቱ ማንም ከም ቅድሚ ኸዚ ሓደ ንሓሙሽተ እናተብሃለ ዝስለል ነገር ኣይህሉን። ማንም ከይፈርሐ ብሙሉእ ነፃነት ከም ዝደለዮ ክዛረብ ከም ዝመሰሎ ሓሳብ ክህብ ዝሙክረላ ‘ያ እዛ ስግግር መንግስቲ እዚኣ። ቀፂሉ እዚ ህዝቢ እዚ መረፃ እንትመርፅ ዝመርፆ ፓርቲ ብደንቢ ገይሩ ይፈልጥ። ናይ መሕሰቢ ግዜ ‘ውን ይህልዮ። እዚ ኸዚ ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር እዚ ንምግባር ‘ዩ ።

ኣብ ሓደ ሓደ ግራ እናእተዉው ዘሉ ጌታቸው ናይ ህወሓት መራሒ ‘ዩ ንዝብሉ፤ ኣይኮነን ኣብዚ ሐዚ እዋን መራሒ ህወሓት ኣይኮነን። ስርሑ ብፌደራል መንግስቲ እትወሃቦ መሰረት ገደብ ኣለዎ ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ ምንም ናይ ምስራሕ መሰል የለን። ግና ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ኸዚ ፅቡቕ ስራሕ ብምስራሕ ነቲ ህዝቢ ክክሕስ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡ኣብ ዕጡቓት ህወሓት እንታይ ዓይነት ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ፣ ጉድኣት ኹናት ዝኾኑ ኣካላት ብኸመይ መገዲ ክዳሓዙ ኣለዎም ይብሉ ?

ኣይተ ኪዳነማርያም ፡- እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን ‘ዩ። ገና መናእሰይ ‘ዮም። ኣብ ስምምዕነት ‘ውን እዚኦም ተጋደልቲ ትኹረት ተገይርሎም ናብ መንባሪኦም ዝምለስሉ መገዲ ንክስተኻኸል እቲ ሓደ ‘ዩ ነይሩ። ብቐዳምነት ክንክን ክግበረሎም ዝግባእ ንዓኣቶም ‘ዩ ነይሩ። ናብዚ ኹሉ ፀገም ዝኣተዉ ናይቲ መንእሰይ ፀገም ‘ዩ ኢለ ኣይሓስብን ፣ ስለዚ ከም ማንም ጉድኣት ኣካላት ዝግረሎም ክንክን እዚኦም ‘ውን ዝግበኦም ክንክን ክገበሮም ይግባእ። እዚ ናብ ክርክር ዝወፅእ ኣይኮነን። መጀመርያ ንዓኣቶም ትኹረት ብምግባር ናብ ስሩዕ ናብረኦም ክምለሱ ይግባእ። እዚ ናይ ስምምዕነትን ውዕልን ጥራሕ እንተይኾነስ ብሰብኣዊ ርህራሀ ‘ውን እንተመፂእና ቅድም ክሕገዙ ዘለዎም ንሳቶም ‘ዮም።

ወጋሕታ፡እቲ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእ ተግባራዊ ንክኾን ፖለቲካ ፓርትታት ሃገርና ብኸመይ መገዲ ክንቀሳቐሱ ይግባእ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡ እዚ እቲ ዓብይ ጉዳይ ‘ዩ። ኣብ ኩነታት ትግራይ ይምልከተና ‘ዩ ዝብሉ ፓርትታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ይግባእ። ከምኒ ኢዜማ፣ እናት ፓርቲ ዝበሉን ዝኣመሰሉን ፖለቲካ ፓርታት ኣብ ትግራይ ክንቀሳቐሱ ይግባእ። እቲ ህዝቢ ናብ ብሄርተኛ ዝኾነ ውድብ ምድፍእ ፅቡቕ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ሃገራውን ህብር ብሄራዊ ዝበሉ ኣብ ትግራይ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም። እቲ ህዝቢ መሊሱ ትግራይ ጥራሕ ናብ ዝብል ኣተሓሳስባ ንከይኣቱ ክስራሕ ይግባእ። ኸዚ ህዝቢ ዝደለ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ውድብ’ምበር ክልላዊ ኣይኮነን።

እዚ ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ብነፃነት ምቅስቃስ ዝፈጥረሉ ኣገጣሚ ስለዝኾነ ብኹሉ ሓይሎም ተንቀሳቒሶም ነኒ ባዕልቶም ዕላማ ከስርፁ ኣለዎም። እቲ መንግስቲ ግና ብምንም ተኣምር ንካልኦት ፖለቲከኛታት ዕንቅፋት ክኾን ኣይግባን። ማንም ንካልኦት ፓርትታት ከዐንቅፍ ስልጣን የብሉን። ናይ ኢትዮጵያ ቦርድ መረፃ ብዝፈቕዶ መሰረት ኩሉም ፖለቲካ ፓርትታት ከም ድላዮም ተንቀሳቒሶም ድላዮም ዕላማ ኣስሪፆም፣ኣባላት ኣፍሪዮም ንመረፃ ንክዳለዉ ሰፊሕ ሜዳ ክረኽቡ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይን ዳያስፖራን እንታይ ትፅቢት ይግበረሉ ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡ ቅድሚ ኸዚ ናብዚ ፀገም ቀንዲ ፈጠርቲ ዳያስፖራ ትግራይ ዝባሃሉ ‘ዮም ነይሮም። እዚ ሰላም ንምዕንቃፍ ኣብ ወፃኢ ኾነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተሸጉጦም ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ዝውገድሉ መገዲ ክፍጠር ይግባእ። እንድሕር ደልዮም ብሰላማዊ መገዲ ናብ ዓዶም ኣትዮም ክሳተፉ ይኽእሉ ‘ዮም። ግና ኣብዚ ዓዲ ተቐሚጥካ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ስለዝረኸብካ ጥራሕ ትግራይ ትግራይ ምባል ዋጋ ከምዘይብሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኹሉ እናተረደኦ ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ እኹል መረዳእታ ዝረኸበ ይመስለኒ። ግና እዚ ኣካይደኦም ክእገድ ኣለዎ። ዝገብርዎ ጎስጓስ ኣንፃር ኢትዮጵያውነት ኣንፃር ድልየት ህዝቢ ትግራይ ዝቃዎም ‘ዩ ። ድልየት ህዝቢ ትግራይ እኮ ብሰላም ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምንባር ‘ዩ። ብሰላምን ሕጊ ብምኽባርን ‘ዩ ክነብር ዝኽእል ‘ምበር ህዝቢ ሰላም ዝብፅብፅ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ እናነዝሑ ነቲ መንእሰይ ከወናብድዎ የብሎምን። እዚ ድማ ሓላፍነት ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ‘ዩ፤ናይ ትግራይ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን። ነዚኣቶም ብምንታይ መንገዲ ‹‹ሃንድል›› ክገብሮም ከምዘለዎ ሓላፍነት መንግስቲ ፌደራል ‘ዩ ፤ እዚ ጣልቃ እናኣተኻ ዝሕምሱ እንድሕር ኾይኖም ፀላእቲ ኢትዮጵያን ህዝቦምን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

ካብ ህዝቢ ትግራይ ሓምሳ ዓመት ሙሉእ ኣብ ኹናትን ሁከትን ጥምየትን ወፃኢ ካብ ህወሓት ዝተጠቐሞ ነገር ከምዘየለ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ መረዳእታ ይህሉ። ክሳብ ኸዚ ዝበፅሖ ብተግባርን ሓቂን ምዃኑ ክርዳእ ይግባእ። በርግፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ሓቂ እናተረደኦ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሓደ ሓደ ተቃውሞታት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ንሰምዕ ኣለና። ግና እቲ ተቃውሞ ተሰማዕነት ንክህልዎ ሓደ ንሓሙሽተ ዝባሃል ኔትዎርክ ክብጠስ ኣለዎ። ምኽንያቱ ህዝቢ እንድሕር ፈሪሑ ፈሪሑ ‘ዩ።

እዚ ስግግር መንግስቲ ክሰርሕ ዘለዎ ዓብይ ስራሕ ህዝቢ ከይፈርሕ ነፃ ወፂኡ ዝደልዮ ነገር ባዕሉ እቲ ህዝቢ ይፈልጥ ‘ዩ ባዕሉ ይምረፅ። ሰላም ‘ዩ ዝደሊ፣ብሰላም ምንብር ‘ዩ ዝደሊ ፣ ደቁ ከዕቢ ‘ዩ ዝደሊ ክሓርስን ወፂኡ ክኣቱ ‘ዩ ዝደሊ፣ እዚ ንቡዙሕ ዓመታት ተኸሊኡ ‘ዩ። ኣብዚ ኣብ እዋን ስግግር መንግስቲ እዚአን ነፃነት ኹለን ክረኽበን ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ኣብ መረፃ ክመያየጥ ኣለዎ። ቅድም ኢለ ከምዝገለፅኽዎ ክሳብ ኸዚ ዝረኸቦ ፍዳ ይኣኽለኒ ክብል ኣለዎ። ነፃነት እንታይ ከምዝኸነ ክፈልጥ ዘለዎ ኸዚ ‘ዩ። እዛ እትመፅእ ነፃነት ክድሕዛ ድዩ ክሰዳ ናይ ባዕሉ ፍርዲ ‘ዩ ዝኾን።

ወጋሕታ፡ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ኪዳነማርያም፡ ዝሓለፈ ኹናት ወለዱ ዘፅንሕዋ ሃገር ንምፍራስ ዝተኻየደ ኹናት ‘ዩ ተገይሩ። እዚ ክሕሰበሉ ይግባእ ። ህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ዝባሃል የብሉን። ኹናት ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን ብዝኾነ መገዲ ባዕሎም ንምክልኻል ጉድኣት ኣብፂሖም ክኾኑ ‘ዮም። ዓድኻ ትፈርስ ኣላ ስለዝተብለ ኹሉ ናብ ኹናት ኣትዩ። ኣብዚ ድማ ኣምሓራ ጥራሕ ኣይኮነን ኹሉ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ ኣትዩ ፤ ድሕሪ ኸዚ ኹሉ ህዝቢ ፖለቲከኛ ክኾን ኣይግበኦን። ነናብ ስርሑ ክኣቱ ኣለዎም። ፖለቲካ ንፖለቲከኛታት ንሕደገሎም እሞ ባዕሎም ይወድእዎ። ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ኣእቲኻ ንጉሆን ምሸትን ኣብ ስብሰባ እናኣከብኻ ኣብ ነገር ክውዕል እናተገበረ ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ክሰርሕ ይግባእ ፣ ፎቖድኡ እናዳ ስዋ እናኸድካ ብዛዕባ ፖለቲካ ምዝራብ ይኣክል ክባሃል ይግባእ። እንድሕር ዘይሰሪሕኻ ዝብላዕ ነገር የለን። ፖለቲካ ኣይብላዕን። እቲ ህዝቢ ክነቅሕ ኣለዎ። ድሕሪ ኸዚ ንፖለቲካ ኣይንእከብን ክብል ይግባእ። ኣብ ናብርኡን ህይወቱን ኣብ ምቕያር ‘ዩ ግዚኡ ከሕልፍ ዘለዎ። ኣነ ኣብ ዝነብረሉ ዓዲ ኣብ እዋን ስራሕ ሰዓት ኣብ ደገ ዝዘውር ሰብ ኣይረኣይን። ብዘይካ ሽማግለታትን ጥዕና ዘይብሎምን ሰባት ፣ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን እናተርኣየ ዘሎ ግና ኣብ እንዳ ስዋን ሻሂን ኮፍ ኢልካ ዘይኾነን ዝኾነን ዘረባ እናልዐልካ ምሙጋት ‘ዩ። እዚ ንሓንቲ ኣብ ዕብየት ዳደ እትብል ዘላ ሃገር ኣየድልን ። እቲ መንእሰይ መጥቀሚ ፖለቲከኛታት ክኸውን ኣይግባእን። ብምኽንያት ፖለቲካ እዚ ኹሉ መንእሰይ ሞይቱ፣ እዚ ኹሉ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ጥምየትን ፀገምን ሰፊኑ ፣ ሰናይ ምምሕዳር ጠፊኡ ካብዚ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ከምህሮ ይግባእ ? ዝሓለፈ ሓሊፉ ‘ዩ። ድሕሪ ኸዚ ግና ካብ ጌጋኻ ምምሃር ኣድላይ እዩ።

ወጋሕታ፡ንዝሃቡና ሓሳብ የመስግን።

ኣይተ ኪዳነማርም ኣነ ‘ውን ንዝተውሃበኒ ዕድል የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 5 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም

Recommended For You